ትግራይ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ናብ ምብታኽ ገጹ ድዩ ዝጓዓዝ ዘሎ?

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ከምዚ ሎሚ ቅነ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ነቲ ደማዊ ተፃብኦ ደው ኣቢሉ፡ ብመጠኑ እንተዀነ'ውን ኣብቲ ዞባ ህድኣት፡ ኣብ ትግራይ ድማ ብተዛማዲ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ናብ ንቡር ክምለስ ገይሩ እዩ።

እቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ከብቅዕ ዝገበረ እዚ ውዕል፡ ልክዕ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፡ 3 ሕዳር 2022 ኣብ ርእሰ ከተማ- ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ተፈሪሙ።

እቲ ውዕል፡ ብኣላይነት ሕብረት ኣፍረቃ፡ ብኣውሓስነት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተፈረመ ኰይኑ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከም ዝርከብ ተንተንቲ ፖለቲካ ይዛረቡ።

ቀንዲ ዓንድታት'ቲ ውዕል እንታይ እዮም?

እቲ ብዓል 12 ገፃት ውዕል፡ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ክፈትሕ፡ ዕጡቓት ኣምሓራን ወተሃደራት ኤርትራን ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወፅኡ፡ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስን ተመዛበልቲ ናብ ዓዶም ክምለሱን ዝብሉ ዓበይቲ ዓንቀፃት ዝሓዘ እዩ።

ከምኡ ድማ ክልቲኦም ወገናት ነንሓድሕዶም ኣፍልጦ ከወሃሃቡን ክከባበሩ፡ ኣብቲ ክልል ሓቛፋይ ግዝያዊ ምምሕዳር ክጣየስ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ቀፃሊ ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድን ጠንቂ እቲ ኲናት ዕልባት ክረኽብን ዝብል ድማ ይርከቦ።

እቲ፡ ጠንቂ ሞት ኣማኢቲ ኣሸሓትን ሰፊሕ ዕንወትን ዝዀነ ኲናት ኣትሪፉ ተባሂሉ ዝነኣድ ውዕል፡ ዛጊድ ከይተተግበረ ብ'ሎሚ ፅባሕ' ዝሓደሩ ኣካታዕቲ ጉዳያት (ብፍላይ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይን ዕጥቂ ምፍታሕን) ናብ መወዳእትኡ ከይወስድዎ ይስጋእ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ቅነ መበል ሳልሳይ ዓመት እቲ ውዕል፡ ኣብ ክንዲ 'እንታይ ተፈፂሙ እንታይ ተሪፉና' ኢልካ ዝርርብ ምግባር፡ ክልቲኦም ተፃባእቲ ኣካላት ፀፀግዖም ሒዞም፡ ኲናት ዘስምዑ ቃላት ክወራወሩ ይስምዑ ኣለዉ።

እናንቈልቈለ ዝመፅአ ውዕል

ህወሓት፡ ኣብ ፅባሕ እቲ ውዕል፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ብያነ- መዝገብ ሽብርተኝነት- ተኣልዩ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣጣይሱ፡ ደሓን ዝበሃል ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ብውሽጡ ክሕመስ ዝሓገየ ውድብ፡ ንኽልተ ካብ ዝመቀል ጀሚሩ፡ ከም ብሓድሽ ክምዝግብ ዝቐረበሉ ሕቶ ድማ ስለ ዘይተቐበለ፡ ካብ ቦርድ መረፃ ኣፍልጦ ምስኣኑ፡ ንነገራት ኣተሓላሊኹዎ ይርከብ።

እቲ ርክባት ቀስ ብቐስ እናሓርፈፈ ዝመፅአ ኰይኑ፡ ህወሓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ፈደራል 'ካልእ ዙርያ ኲናት ይፅሕትር ኣሎ' ክብል ከሲሱ ኣሎ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ምምሕዳር ካብ ስልጣን ዕልዋ ብዝመስል መንገዲ ዝተኣለየሉ ኵነታት ዝተቓወሙ ገለ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ትግራይ ዝመርሑዎም ዕጡቓት፡ ኣብ ከባብታት ዓፋር ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ኣብዚ ቅነ ድማ ንኻልኣይ ግዜ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ሓድሽ ግጭት ከም ዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ንዝኽሪ ሓሙሻይ ዓመት 'መጥቃዕቲ ሰሜን እዚ' ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ኣጋጣሚ ዘስምዖ መግለፂ፡ እቲ ወጥሪ ሰማይ ዓሪጉ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ህወሓት፡ ድሕሪ ወዕል ፕሪቶርያ ዝወስዶም ዘሎ ተግባራት፡ ናብ ኲናት ንምእታው እኹል ምኽንያት ከም ዝዀኑ ተዛሪቡ።

ምስ ኤርትራ 'ፅምዶ' ብዝብል ዝካይዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ርክባት፡ ተመዛበልቲ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይምፍቃድ፡ ዕጡቓት ምስልጣንን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ (ፋኖ) ምድጋፍን ዝብሉ ክስታት፡ ከም ኣብነት ኣልዒሉ።

ህወሓት ብወገኑ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ዘይምምላሶምን ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ካልእ ክልል ምንቅስቓሶም ኢ-ሕገ መንግስታዊ ምዃኑን ብምግላፅ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ኣውሓስቲ ኣካላት ውዕል ፕሪቶርያን ስምዕታታቱ ዝገልፅ ደብዳበታት ልኢኹ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ ሃገሩ ቀሪቡ፡ ኣስማት ጌታቸው ረዳ፡ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ኣሰፋ ኣብርሃን ብምጥቃስ ምስኦም ከም ዝተሰማምዐ ዘስምዕ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቲ ውዕል 'ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ዘመላኽት' ምዃኑ ትንታነታት ክወሃቦ ተሰሚዑ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኖርወይ ፕሮፌሰር ሼቲል ትሮንቮል ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ውዕል ካብ ቀደሙ'ውን ምሉእ ሰላም ዘምፅእ ከም ዘይነበረ እዩ ዝኣምን።

"እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዝመስል ኵነታት ኣዝዩ ዝርብሽ እዩ። ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነባሪ ሰላም ከም ዘየምፅእ ካብ ሕዳር 2022 ጀሚረ ኣጠንቂቐ ነይረ፡" ይብል።

"ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኲናት ትግራይ ካልኦት ክልተ ንጡፋት ተፃባእቲ ከይሓወሰ፡ ዝተገብረ ድኹም ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ እዩ። ኵለመዳያዊ ስምምዕ ሰላም እዩ ዝጠልብ ነይሩ።"

እቲ ንዅነታት እዚ ዞባ ብቐረባ ዝከታተልን ብዙሓት መፅናዕቲ ዘካየደን ምሁር፡ እቲ ኲናት ዞባዊ ምንባሩ ብምዝኽኻር፡ ኣብ መንጐ ክልተ ኣካላት ጥራይ ዝተገብረ ሰላም፡ ምሉእ ሰላም ኣይምፅእን ዝብል እምነት ኣለዎ።

ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ተሳተፍቲ ዝነበሩን ብግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ዝኽሰሱን ኤርትራን ክልል ኣምሓራን፡ ኣብቲ ዕርቀ-ሰላም ዘይምሕዋሶም፡ ሕቶ ክለዓዕል ፀኒሑ እዩ።

ኣብዚ እዋን ድማ ሓደሽቲ ኣሰላልፋታት ይፍጠሩ ኣለዉ።

ብውዕል ፕሪቶርያ ሕጉሳት ከም ዘይኰነ ዝዝረበሎም፡ ዕጡቓት ኣምሓራን ኤርትራን፡ ምስ ፈራሚ እቲ ውዕል ዝዀነ ህወሓት፡ ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለዉ ዝብሉ ክስታት ካብ መንግስቲ ፈደራል ይስምዑ ኣለዉ።

ህወሓት፡ እቲ ኣብ ዓፋር ዝግበር መንቅስቓስ ዕጡቓት፡ ፖለቲካዊ ክንፊ ውድብ ስምረት ከም ዝዀነን ብመንግስቲ ፈደራል ከም ዝድገፍን እዩ ዝኸስስ።

ተንታኒ ፖለቲካ ዶ/ር ኣደም ካሴ፡ "ሰላም ንምምጻእ ቍርፀኛ ኴንካ ሪስክ ምውሳድ ዘድሊ ይመስለኒ፤ ክልቲኦም ወገናት ነዚ 'ሪስክ' ክወስዱ ድሉዋት ኣይመስለንን። . . ክልቲኦም ወገናት ጥንካረታቶም፡ ጕልበቶም፡ ኣብቲ ዝርርብ ዝሓሸ [ውጽኢት] ፀቕጢ ንምፍጣር ዝጽዕሩ ዘለዉ ይመስሉ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዘይምትእምእማን ዝያዳ የስፈሖ፡ ምናልባት'ውን ነቲ ጸገም ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ኣጋዲዱዎ፤ ናብ ግጭት ንኸይድ ዘለና ይመስለኒ።"

'ምትእምማን የሎን'

እቲ ኣብ ሃገረ ኔዝርላንድስ ዝነብር ተንታኒ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ኣደም ካሴ፡ ቀንዲ መንቀሊ ዘይምትግባር ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ እቶመ ተፈራረምቲ ዘሎ ዘይምትእምማን ከም ዝዀነ እዩ ዝገልፅ።

ንአብነት ካብቶም ቀንዲ ዘይተተግበሩ ዓንቀፃት እቲ ውዕል፡ ሓደ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይልታት ትግራይ ኰይኑ፡ ካብ መንግስቲ ፈደራል ክስታት ይቐረብ።

መራሕቲ ትግራይ ድማ መንግስቲ ፈደራል፡ ነቲ ኣብቲ ዓንቀፃ ተኻቲቱ ዘሎ፡ ንኣብነት ዕጡቓት ደገ ካብ ክልል ትግራይ ይውፅኡ ዝብልን ግዝኣታዊ ሓድነት ናብ ንቡር ዘይምምላስን፡ ግብራዊ ከም ዘይገበረ ይኸሱ።

እዚ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገሊሁ ዝረአ ኰይኑ፡ ዕጡቓት ኣምሓራ፡ ነቲ በቲ ክልሎም ሕቶ ይግበአኒ ዘልዕልሉ ሰፊሕ ዞባ ተቘፃፂሮሙዎ ይርከቡ። ኣብ ምጅማር ኲናት ትግራይ ብግፍዒ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ድማ ንዝሓላፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስቓይን መከራን ይርከቡ።

"ምትእምማን ኣብ ዘይተፈጥረሉ ኵነታት ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ እዮም ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኰነን። ተመዛበልቲ ንምምላስ ድማ ድሌት እንተሎ'ኳ፡ እቲ ዘካትዕ ወሰን [ዞባ] ዕልባት ከይረኸበ፡ ግብራዊ ክኸውን ኣይክእልን፤ ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን ኣብ መሰራተዊ ነገራት ክስራሕ ይግባእ።"

ንሱ ወሲኹ፡ ካብ መጀመርትኡ ናብ ኲናት ዝመርሑ ነገራት እንታይ እዮም ተባሂሉ ዘተ ክካየድን ምትእምማን ክፍጠርን ነይሩዎ ይብል።

"እቲ ካብ ቀደሙ ናብ ኲናት ዝወሰደ፡ ዘይምትእምማን ምጥርጣራትን ሎሚ ገዲዱ እምበር ኣይነከየን። ምትእምማን እንተ ዘይተፈጢሩ፡ እዞም ኣካታዕቲ ነገራት ክፍትሑ እዮም ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ፡" ኢሉ።

'ትግራይ እያ ክትሽከሞ'

እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአም ተወዓዓልቲ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ ካብቲ ዞባ ንበይኑ ተነፂሉ ዝረአ ኣይኰነን።

ነቲ ነገራት ሕልኽልኽ ዘብል ነገር ይፍጠር ኣሎ፤ ብሓደ ገፅ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስኣበባን ዓቢይ ወጥሪ ኣሎ፤ ኤርትራ ድማ ምስቲ ኣብ ትግራይ ስልጣን ተቘፃፂሩ ዝርከብ ህወሓት ርክባት ጀሚሩ ከም ዘሎ ይንገር።

ብዙሓት ግዱሳት፡ ትግራይ ካብ በሰላ እቲ ዝሓለፈ ኲናት ከይደሓነት ናብ ካልእ ዙር ኲናት ምሕዋስ ፍትሓዊ ኣይኰነን ዝብል ርእይቶ ኣለዎም።

እንተዀነ፡ እዚ ስግኣት ውዒሉ ሓዲሩ ዝተርፍ ኣይመስልን።

"ሓድሽ ኲናት ምውልዑ ሰፊሕ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ዘሕዝን፡ ቀንዲ ዓውደ ኲናት ድማ ትግራይ ክትከውን እያ፣ እዚ ድማ ንኽልቲኦም ቀንዲ ተፋለምቲ ዝጠቅም እዩ፡" ይብል ፕሮፌሰር ሼቲል።

እቲ ምሁር፡ ክልተ ቀንዲ ተዋጋእቲ ዝብሎም ዘሎ፡ ነቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ብሓንሳብ ዝተሰለፉ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰይኑ፡ ብሰንኪ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ እዮም ዝርከቡ።

"ሓድሽ ሰፊሕ ኲናት ክለዓል ተኽእሎ ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣብ መላእ እቲ ዞባን ኪኖኡን ሰፊሕ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ። ነቲ ኵነታት ንምትራፍ ብዓለማውያን ተዋሳእቲ – ከም ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ሩስያ – ዝግበር ነገር ዳርጋ የሎን። ከምኡ'ውን ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎ ዝንባለታት፡ እቲ ኲናት ዘይተርፍ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ከም ውፅኢቱ፡ እንታይ ከም ዝፍጠር ርግጸኛ ምዃን ኣይከኣልን። እንተዀነ፡ ለውጢ ስርዓትን ግዝኣታዊ ዳግመ ምትዕርራይን ክግበር ተኽእሎ ልዑል እዩ፡" ኢሉ።

ዶ/ር ኣደም ካሴ ብወገኑ ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣለዎ።

"ሽግራትና ብዘተን ስምምዕን ክንፈትሕ ንኽእል ኢና ዝብል ሓሳብ ዘጥፍአ ይመስለኒ፡" ዝበለ እቲ ምሁር፡ ኣብ ካልኦት ጐንፅታት ኣሉታዊ ፅልዋ ከም ዝህልዎ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን፡ ሰፊሕ ሰብኣዊ ክሳራ ዘስዕብ ዘሎ ጐንፅታት ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ብመንገዲ ኲናት ትግራይ ነቶም ጐንፅታት ደው ንምባል ፃዕርታት ይግበር ነይሩ፤ ተስፋ ድማ ነይሩ። ውዕል ፕሪቶርያ ምፍራስ፡ እዞም ጐንፅታት ክቕፅሉን እታ ሃገር ካብ ቅልውላው ከይትወፅእን ዝገብር ከም ዝዀነ ይእመን።

እሞኸ

ካብቶም ቀንዲ ኣውሓስቲ ዝዀነ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን፡ መበል ሳልሳይ ዓመት እቲ ውዕል ኣመልከቲም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዝርርብ ክምለሱን ግጭት ካብ ዝቕስቕሱ ተግባራት ክቝጠቡን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ነቲ ውዕል ብምሉእነት ኣብ ዘይምትግባርን ኣብ መንቀሊኡን፡ ክለቲኦም ምሁራን ዝስማምዑ እንተዀኑ'ኳ፡ ኣብ ፍታሕ ግን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ኣለዎም።

"ሰፍሕ ዝበለ ፖለቲካዊ ምትእምማንን፡ ምሉእ ሰላምን ንምምፃእ ሓድሽ ነገር እዩ ዘድሊ፡" ዝበለ እቲ ተንታኒ ፖለቲካ፡ ምናልባት ሓቛፊ ስምምዕ ዝጠልብ ይመስል ኢሉ።

". . . ክልል ትግራይ ናብ ፈደራላዊ ስርዓት፡ ናብ ትካላት፡ ናብ ፖለቲካ፡ ናብ ምምሕዳር፡ ናብ ኢኮኖሚ ምምላስ፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ነጥብታት ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ፤ ንዘተ ዘኽእል ሃዋህው ምፍጣር የድሊ።"

ዶ/ር ኣደም ግን፡ "ጉዳይ ትግራይ በይንና ክንፈትሖ ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ በፂሕና ኣለና። ሕዚ ውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ምትግባር ኣይከኣልን፡" ክብል ድሕሪ እቲ ስምምዕ ዝተፈጠሩ ሓደሽቲ አሰላልፋታት ኣረዲኡ።

ፕሮፌሰር ሼቲል ብወገኑ፡ ግደ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝምልከት፡ ተፀንቊቑ እዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ይመስል።

"እቲ ኵነታት ንምህዳእ፡ ካብ ደገ ክግበር ዝኽእል ዳርጋ ዘሎ ኣይመስለንን። እቶም ቀንዲ ተጻረርቲ፡ ዓለማዊ ምኽሪ ከም ዘይሰምዑ፡ ብዓለማዊ ጸቕጢ ርእሶም ከምዘይድንኑ ብተደጋጋሚ ኣርእዮም እዮም። ምናልባት፡ ካብዚ ዞባ ካብ ባዕሉ መፍትሒ ክእለሽ ዘለዎ ይመስለኒ።"

ቀጺሉ፡ "ብጭቡጥ ፖለቲካዊ ኣዘራርባ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ተዅሲ ደው ካብ ምባል ወፃኢ ፍሒዅ ክብል ኣይከኣለን፤ ምናልባት ብሓድሽ ስምምዕ ክትካእ ኣለዎ። ተስፋ እገብር ናብዚ ሓድሽ ብዘተ ክብጻሕ፤ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ብሓይሊ ዝርከብ እዩ ዝምስል።"