ዊልያም ሩቶ፡ መረጻ ኬንያ ንምዕዋት ዝሰገሮም ብድሆታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልዑል ወጻኢታት ዝተገብሮን ሓያል ንሕንሕ ዝተራእዮን መረጻ ኬንያ፡ ትማሊ ብዓወት ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከም ዝተዛዘመ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሩቶ፡ ብጸቢብ ፍልልይ ክዕወት እንከሎ፡ ኣርባዕተ ካብቶም ሸውዓተ ኣባላት እቲ ኮሚሽን እቲ ውጽኢት ምትላል ከም ዝተፈጸሞ ብምግላጽ ኣይንቕበሎን ኢሎም።
ሓላፊ እቲ ኮሚሽን ዋፉላ ቸቡካቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ውጽኢት ክነግር ምዃኑ ምስ ተፈልጠ፡ ኣብቲ ውጽኢት ዝተነግረሉ ኣዳራሽ - ቦማስ፡ ንሒደት ደቓይቕ ዝጸንሐ እምባጋሮ ተላዒሉ ነይሩ።
ተዓዋቲ መረጻ ክነገር’ዩ ካብ ዝተባህለሉ ሰለስተ ሰዓታት ድሒሩ ዝመጽአ ቸቡካቲ፡ ሩቶ ዕውት ፕረዚደንት ከም ዝዀነን ናጻን ፍትሓውን መረጻ ከም ዝተኻየደን ሓቢሩ።
እቶም ውጽኢታት መረጻ፡ ሩቶ ቀንዲ ተነሓናሒኡ ራይላ ኦዲንጋ ክዕወተሎም ትጽቢት ዝግበሩ ከባቢታት እንከይተረፈ ከም ዝተዓወተ የርእዩ።
ማእከል ስሕበት ፖለቲካ እዛ ሃገር ኣብ ዝዀነ ሕዛእቲ ሕጽይቲ ምኽትል ፕረዚደንት ራይላ ዝዀነት ማርታ ካርዋን ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታን ኣብ ዝዀነ ማውንት ኬንያ’ውን ተዓዊቱ እዩ።
እዚ፡ ንጠቕላላ ውጽኢት እቲ መረጻ ብምቕያር ዓወት ናብ ሩቶ ገጽ ከቕንዕ ሓጊዙ እዩ።
ንሱ፡ ‘ሃስለር’ ክብል እዩ ንባዕሉ ዝጽውዕ።
ንዘመናት ንፖለቲካዊ ስርወ ንግስና ኬንያ ተቘጻጺሮም ዝጸንሑ [እንዳ ኦዲንጋን እንዳ ኬንያታን] ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ንብሕቱ ከም ዝተቓለሶም ይዛረብ።
እዚ ከኣ ብብዙሓት መናእሰይ ኬንያ ተቐባልነት ክረክብ ኣኽኢልዎ።
ወዲ 55 ዓመት ዊልያል ሩቶ፡ ኣብዚ መረጻ ንፈለማ እዋን ንፕረዚደንትነት ክነሓናሕ እንከሎ ምስቲ ምሉእ ድጋፍ ፕረዚደንት ኬንያታ ዝነበሮን ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚን ራይላ ኦዲንጋ እዩ ተወዳዲሩ።
ሕጂ እቲ ፕረዚደንት ስምዒቱ ውሕጥ ኣቢሉ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ “ዘይእመን” ንዝበሎ ምኽትሉ ስልጣኑ ከረክብ’ዩ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ከምቲ ደገፍቲ ኦዲንጋ ኣብቲ መረጻ ምትላል ተፈጺሙ’ዩ ዝብሉዎ ዘለዉ ዘይኰነስ፡ እቲ ውጽኢት መረጻ ቅኑዕ ዝዀነሉ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ መርገጽ'ዚ፡ ብኣብዝሓ ኣባላት እቲ ኮሚሽን እቲ ውጽኢት “ሓላፍነት ኣይንወስደሉን” ብምባል ድጋፍ ዝረኸቡሉ ክመስል እንከሎ፡ ቸቡካቲ ግን እቲ ውጽኢት መረጻ ድልየት ኬንያውያን ዘንጻባረቐ እዩ ኢሉ።
“ምፍርራሕን ምንግልታዕን እናወረደኒ፡ ኣብ ቅድመኹም ደው ኢለ ኣለኹ። ኣነ ብመሰረት ሕጊ እዛ ሃገር ግቡአይ ፈጺመ’የ” ኢሉ።
ሩቶ ብጸቢብ ፍልልይ ከም ዝተዓወተ ምንም ጥርጥር የለን፤ እቲ ኣብ ሞንጐ ኣባላት ኮሚሽን መረጻ ዘጋጠመ ምክፍፋል ድማ መርኣያ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምክፍፋል እዩ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ሩቶ ዘቝሞ መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ሓድነት ከምጽኣ ድዩ ዝብል ዝውስን ክኸውን እዩ።
ዓሌታውነት ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ዓቢይ ተራ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።
ካብዚ ብዝብገስ ሩቶ መንግስቱ ወኪላት ቀንዲ ዓሌት እዛ ሃገር ዝዀኑ ዘማእከለ ክኸውን ክገብር ኣለዎ፤ ብፍላይ ኣብቲ ኦዲንጋ ዝውለደሉ ማሕበረሰብ ሉዎ።
ኣብ ታሪኽ ኬንያ፡ ካብ ሉዎ ዝውለድ ውልቀሰብ ፕረዚደንት ኰይኑ ኣይፈልጥን።
እዚ ሕብረተሰብ ከኣ ማዕረ ተጠቃሚ ኣይኰንኩን ዝብል ቅሬታ ስለ ዘለዎ፡ ተወላዲ ብሄር ካሊንጂ ዝዀነ ሩቶ፡ ዕውት ፕረዚደንት መረጻ ምዃኑ ምስተነግረ ተቘጢዑ እዩ።
ሩቶ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ምስ ተቐበለ ወረጃ መደረ’ዩ ኣስሚዑ።
ምስ “ኵሎም መራሕቲ” ክሰርሕ’የ፣ እዛ ሃገር “ውህድትን ብልጽግትን” ክትከውን ንምርግጋጽ ክሰርሕ እየ ኢሉ።
ውጽኢት መረጻ ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ፡ ንመነሓንሕቱ ራይላ ኦዲንጋ ከም ዝረኸቦን፡ እቲ ውጽኢት ዝዀነ እንተዀነ ክዘራረቡ ከም ዘለዎም ከም ዝሓበሮን’ውን ገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ ኦዲንጋ ዝሃቦ ቃል የለን። ግን ከኣ ኣብቲ ወግዓዊ ውጽኢት መረጻ ዝተነግረሉ ኣዳራሽ ኣይተሳተፈን።
እቲ ውጽኢት መረጻ፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዱ ክካትዓሉ ድዩ ዝብል’ውን ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ኦዲንጋ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መረጻታት ተወዳዲሩ ኣይሰለጦን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ኣብ ዘካየዶ ጐስጓስ ድጋፍ ፕረዚደንት ኬንያታ ዝተሓወሶ ስለ ዝነበረ ኰን’ዶ ዀን ይዕወት ዝብል ግምታት ነይሩ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኬንያታ፡ ኣብዚ መረጻ ንሩቶ ንምድጋፍ ዝኣተዎ ቃል ብምፍራስ እዩ ልፍንቱ ናብ ኦዲንጋ ኣዚሩ ጸኒሑ።
እቲ ምኽትሉ ነዚ፡ ምስ ሓደ መራሒ መኪና ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ እንከሎ፡ ኣብ ጐድኑ ኰፍ ኢሉ ነገራት እናውጽአ ምስ ዝድርቢ ውልቀሰብ እዩ ኣነጻጺርዎ።
ኬንያታ ግን፡ “ኵርኵር ፕረዚደንት” ስለ ዝደለየ ንኦዲንጋ ይጕስጉስ ነይሩ ተባሂሉ ይንቀፍ።
ወዲ 77 ዓመት ኦዲንጋ፡ ኣብ 2027 ንሻድሻይ ግዜ ክወዳደር ድዩ ዝብል ግን ሕጂ’ውን ኣይተፈልጠን።
ኣብዛ ሃገር ኣለው ካብ ዝበሃሉ ሓረስቶት ዕፉን ሓደ ዝዀነ ሩቶ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝገበሮ ውድድር እዩ ተዓዊቱ ዘሎ።
ኣብ ኬንያ ኸኣ፡ ካልኣይ ብዕድመ ዝነኣሰ ፕረዚደንት ኰይኑ ኣሎ፤ ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኬንያታ ብ2013 ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ወዲ 50 ዓመት'ዩ ነይሩ።
ሩቶ፡ ሓያል መዳሪ’ዩ፤ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ እንከሎ መራሒ ክንፊ መናእሰይ እቲ ገዛኢ ሰልፊ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ጐስጓሳት መረጻ ኸኣ ሰፊሕ ህዝቢ ናይ ምእካብ ተኽእሎ ነይርዎ።
ከም ውጽኢቱ፡ ንኦዲንጋ ይድግፋ እየን ኣብ ዝበሃላ ከባቢታት ምዕራብን ሰሜን ምብራቕን እታ ሃገር ልዑል ድምጺ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።
ካልእ እዚ ዓወት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ዝበዝሐ መረጽቲ ዝርከብሉ ማሕበረሰብ ኵኪዩ [ፕረዚደንት ኬንያታ ዝመጽኣሉ] ዝነብሩሉ ማውንት ኬንያ ከይተረፈ ምስዓሩ’ዩ።
ብተወሳኺ፡ ሰልፊ ሩቶ ዝበዝሐ ወንበር ባይቶ፡ ሰኔትን ስልጣን ኣመሓደርትን ተዓዊቱ ኣሎ።
ኣብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ካርዋን ኬንያታን ኣብ ዝመረጹሎም ዞባታት ከይተረፈ ንኦዲንጋ በሊጹዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቅድሚ እቲ መረጻ ርእይቶኦም ንቢቢሲ ዝሃቡ ደገፍቲ ሩቶ ዝዀኑ ነበርቲ ማውንት ኬንያ፡ ሩቶ ብ2013 ንወዶም ኬንያታ ንዘርኣዮ ድጋፍ ዓስቡ ከም ዝኸፍሉዎ ገሊጾም ነይሮም።
ኣቦ መንበር ማሕበር ዓበይቲ ዓዲ ዝዀነ ወዲ ሓው ንኣቦ ኬንያታ’ውን ንሩቶ ከም ዝድግፉ ተዛሪቡ’ዩ።
ሩቶ፡ ንመናእሰይ ኣብ ዝኣተዎ ቃል፡ ድኻታት ንኽረብሑ እቲ ቍጠባ “ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ” ዝጥምት ክኸውን ከም ዝገብር ተመባጺዑ ነይሩ።
ሕጂ መብጽዓታቱ ተግባራዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር።
ኣብዛ ሃገር፡ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 34 ዓመት ዝዀኑ ኣስታት 40 ሚእታዊት ዜጋታት ስራሕ የብሎምን።
እቲ ቝጠባ እውን እንተዀነ፡ ነቶም ዓመታዊ ዝምረቝን ናብ ስራሕ ክኣትው ትጽቢት ዝግበሩን 800 ሽሕ መናእሰይ ስራሕ ዝፈጥር ኣይኰነን ዘሎ።
እዚኦም ዓበይቲ ብድሆታት እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







