ፍሉጣት ራፐራት ካብ ሞት ንምትራፍ ዝተዳለወ ሚስጢራዊ ኣኼባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 1990ታት፡ ስነ ጥበባውያን ራፕ ኣመሪካ፡ ኢስት ኮስትን ዌስት ኮስትን ኣብ ዝብል ኣብ ክልተ ተገሚዖም፡ ንሓድሕዶም ቃላት ዝሰናደውሉ ጊዜ’ዩ ነይሩ።
ሂፕ-ሆፕ፡ ኣብ 1990ታት’ዩ ቀልቢ ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ክገዝእ ዝጀመረ።
ስነ-ጥበባውያን ግን ብልምዲ ዝፈልጡዎ ሒዞም ካብ ምውጻእ ብዝዘለለ መርኣያ ዝዀኖም ኣይነበረን።
ሓደ ሰብ ግን ነይሩ፤ እዚ ሰብ ክኣ ኵሉ ዝክኣሎ ገይሩ’ዩ።
ኵዊንሲ ጆንስ ይብሃል። ኣባል ‘ጋንግ' ነይሩ።
እዚ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣቐዲሙ ዝተገንዘበ፡ ሓደ ሚስጢራዊ ኣኼባ ብምድላው እቲ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝጕህር ዝነበረ ሓዊ ከህድኦ ፈቲኑ።
ወዲ ሸውዓተ ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ቺካጎ ሰባት ብካራ ክሳብ ምውጋእ በጺሑ እዩ።
ድሕሪኡ ግን ሽሙ ኣብ ኣመሪካ ብሙዚቃ ጐሊሑ ዝተጽሓፈ ክኸውን በቒዑ።
ሬይ ቻርልስ፣ ፍራንክ ሲናትን ማይክል ጃክሰን ኣሰር ኵዊንሲ ካብ መንጐ ዝዓረፎም ኰኸባት ሙዚቃ እዮም።
ኵዊንሲ፡ ጃዝ፣ ስዊንግ፣ ሶል፣ ፈንክ፣ ዲስኮን ፖፕን ኣብ ዝበሃሉ ቅዲታት ሙዚቃ’ውን ልዑል እጃም ነይሩዎ።
ንሱ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ መበል 91 ዓመቱ ከም ዝሞተ ይዝከር።
እዚ ውልቀሰብ፡ ብሰፊሑ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ዝፈጠሮ ጽልዋ እዩ ዝዝከር።
ክንድ’ቲ ዘበርከቶ ግን ትዅረት ኣይረኸበን።
ሚሲጢራዊ ኣኼባ
ኵዊንሲ፡ ኣብ ራፕ ሓዊሱ ኣብ ኵሎም ቅዲታት ሙዚቃ ኣዝዩ ዝኸበረ ሽም እዩ።
ንሱ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ዀነ መራኸቢ ብዙሃን ዘይጠመቱዎ ሓደ ጕዳይ ክርኢ ዝኽኣለ ሰብ’ዩ።
ኣብ መንጐ ሂፕ-ሆፕን ኣብ ግዜ ንእስነቱን ህቡብ ዝነበረ ቢቦፕ ጃዝን ዘሎ ምምስሳል ተገንዚቡ።
“ብብዙሕ ነገር ስለ ዝሓለፍና፡ ከም ዝመሳሰል ተረዲአ” ይብል።
ኣቕራቢ ሬድዮን ራፐርን ፋብ 5 ፍሬዲ፡ “ኵዊንሲ ተረዲኡዎ ጥራይ ዘይኰነ ፈሊጡዎ’ውን’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ኵዊንሲ፡ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን፡ ምስ ብዙሓት ዓበይቲ ራፐራት ሰሪሑ’ዩ።
እዚ ድማ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሙዚቀኛታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ መንጐ ኣሕተምቲ’ውን ዝጕሃሃር ዝነበረ ሓደጋታት ክግንዘብ ሓጊዙዎ።
ኢስት ኮስት፡ ሂፕ-ሆፕ ዝጀመረላ’ያ።
ሾን ኮምብስ (ቅድም ኢሉ ፓፊን ፒ ዲዲን ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ)፡ ብ1992 ‘ኖቶሪያስ ቢኣይጂ’ (ቢጊ ስሞልስ’ውን ይብሃል) ሓዊሱ፡ ካልኦት ስነ-ጥበባውያን ኣተኣኻኺቡ ክኣ ‘ባድ ቦይ’ ዝተባህለ ኣሕታሚ ትካል መስሪቱ።
ኣብ ካልእ ሸነኽ ኣመሪካ ድማ፡ ሎስ ኣንጅለስ ማእከል ራፕ ኰይና ተቐልቀለት።
ኣብኡ ድማ ዶ/ር ድሬን ቱፓክን ዝሓዘ ‘ዴስ ሮው ሬከርድስ’ ተመስሪቱ።

ምንጪ ስእሊ, Madison McGaw/BFA.com/Shutterstock
ብ1994፡ ቱፓክ ኣብ ውሽጢ ስቱዲዮ እንከሎ ብዝተተኰሰ ጥይት ቘሲሉ።
መሓዝኡ ዝነበረ ቢጊ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ክህልዎ ከም ዝኽእል ተገሚቱ።
ቢጊ ድማ፡ ከይውዓለ ከይሓደረ እንከሎ ‘ሁ ሾት ያ?’ [መን’ዩ ተኲስሉ] ዝብል ሙዚቃ ሰርሐ።
ቱፓክ’ውን፡ እዚ ሙዚቃ ንዕኡ ተባሂሉ ከም ዝተሰርሐ ከም ዝዀነ ተሰሚዑዎ።
ብ3 ነሓሰ 1995 ዓ.ም [ኣ.ኤ]፡ መጽሄት ሶርስ ኣብ ዘዳለዎ ስነ-ስርዓት ሽልማት ክኣ፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ሸነኽ ዝነበረ ዘይምቅድዳው ቀጺሉ።
ናይት፡ ኣብ መድረኽ ኰይኑ ንኮምብስን ባድ ቦይ ሬከርድስን ዘቘጥዐ ተግባር ይፍጽም።
‘ቫይብ’ ዝተባህለ መጽሄት ዝነበሮ ኲዊንሲ ክኣ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ኣኼባ ጸዊዑ።
እዚ ሓደጋ ከትርፍ ይኽእል’ዩ ብዝብል ብ1995 ስነ-ጥበባውያን፡ ኣሕተምቲን ኣብ መንጐ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ጸለውቲ ዝዀኑ ሰባትን ዝተሳተፍሉ ሚስጢራዊ ኣኼባ ጸዊዑ።
ምኽንያት እዚ ኣኼባ ግን ኣብ መንጐ ኢስትን ዌስትን ኮስት ዝተፈጥረ ውጥጥ ጥራይ ኣይነበረን።
ብዛዕባ ሂፕ-ሆፕ ንምዝርራብን እቲ ዝመጽእ ወለዶ ብዛዕባ ህይወትን ቢዝነስን ዝዝትየሉ መድረኽ ንክኸውን ዝዓለመ ነይሩ።
ራፕ ዝፈጠሮ እኵይ ምስልን ኣብ መንጐ ስነ-ጥበባውያን ዝነበረ ዘይምቅድዳውን ክኣ እቲ ዝዓበየ ኣርእስቲ ነይሩ።
“እዚ ጕዳይ፡ ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ፤ ነዚ ንምፍታሕ ድማ ሲምፖዝየም ንምድላው ይሓስብ ነይሩ” ይብል ነቲ መድረኽ ዝኣሊ ዝነበረ ፋቭ 5 ፍሬዲ።
ኲዊንሲ ድማ፡ “ንነገራት ትዅረት ንምሃብ ግዝኡ ሕጂ’ዩ ክብል ዝገበረኒ ቱፓክ’ዩ” ክብል ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቱፓክ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣይነበረን። ብምኽንያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ተኣሲሩ ነይሩ። ሱጄ፡ ድሬ ኮምብስን ቢጊን ግን ነይሮም።
ኩዊንሲ ’ውን ኣብቲ እዋን ምስ ቱፓክ ተጓኒጹ ነይሩ።
ብ1993 ኣብ መጽሄት ሶርስ ኣብ ዝተሓትመ ጽሑፍ፡ ኩዊንሲ ጻዕዳ ሰበይቲ ኣእቲዩ ብምባል እቲ ራፐር ነቲ ፕሮዲዩሰር ነቒፉዎ ነይሩ።
ኩዊንሲ ኣብቲ መድረኽ፡ “ዋላ’ኳ ኣብ መጀርመራ ምትፍናን እንተነበረ፡ ሕጂ ተሰማሚዕና ኢና። ተዘራሪብና፤ ቅድሚ ሕጂ ዋላ ሓደ ብኸምዚ ዘዛረበኒ ኣይነበረን። ኣነ’ውን ካብዚ ንላዕሊ ክጋደድ ኣይገብርን’የ ኢለዮ” ኢሉ።
ኣብቲ መድረኽ፡ ኣስታት 50 ልዑል ጽልዋ ዘለዎም ስነ-ጥበባውያንን ኣሕተምትን ተረኺቦም።
ካብኦም፡ ቻክ ዲ፣ ኣባላት ኤ ትራይብ ኮልድ ኩዌስት፣ ኤምሲ ላይት፣ ክሪስ ክሮስ፣ ዠርሜይን ደፕሪን ኣዳላዊ ፊልም ቦይዝ ኤን ዘሁድ ፊልም ጆን ሲንግለተንን ይጽርሑ።
ኩዊንሲ ፡ ኣብቲ ውልቃዊ ታሪዅ ዝሓዘ መጽሓፉ “እዞም ዘይቃደውን ኣብ ሓደ መድረኽ ብሓባር ከፍ ኢሎም ዘይፈልጡን ሰባት ብሓባር ምምጽኦም ኣስጊኡኒ ነይሩ” ክብል ጽሒፉ ኣሎ።
ፍሉጣት ኣሕተምቲ ሙዚቃ ክላረንስ ኣቫንትን ኣህመት ኣርተጉንን’ውን ተረኺቦም እዮም።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካን ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ኣመሪካን ነበር ኮሊን ፖል’ውን ተሳቲፉ ነይሩ።
ፖል፡ ፈላሚ ጸሊም ኣመሪካዊ ሚኒስትሪ ጕዳይ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ። ፕረዚደንት ክኸውን’ውን ባህጊ ነይሩዎ።
ነዚ’ዩ እቲ ኣኼባ ብሚስጢር ተኻይዱ። ሙዚቃ ራፕ ዝዓሰሎ ኣሉታዊ ምስሊ ምስ ሽም ፖል ንከይተኣሳሰር፡ ኩዊንሲ እቲ ኣኼባ ብሚስጢር ክትሓዝ ገይሩ።
ትዅረት ንዘይምስሓብ’ውን ኣብ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ኣኼባ ዝካየደሎም ቦታታት ተቐይሮም።
ኣብ ቤተ-ንባብ ዩኒቨርሲቲ ኢንዲያናፖሊዝ ዝርከብን ዘይተሓትመን ደብዳበ፡ “ውሳነይ ንዓኻ ካብ ዘለኒ ክብርን ፍትወትን ዝነቐለ ምዃኑ እመን” ክብል ኩዊንሲ ንፖል ጽሒፉሉ።
“በዚ ኮንፈረንስ ለውጢ ከም እነምጽእ እኣምን፤ ነዚ ኵነታት ዝኣለኻሉ መገዲ ንንእድ” ዝበለ ኩዊንሲ ፡ ኣብ መጽሓፉ፡ “ገለ መንእሰያት ራፐራት [ፖል] መን ምዃኑ’ውን ኣይፈልጡን ነይሮም። ገለ ነገር ዝጽሕትሩ ርኢይቶታት ክህቡ እንከለው፡ ፖል ወተሃደራዊ ባህሪኡን ስልጣኑን ብልኡም መገዲ’ዩ ኣርእዩ” ክብል ጽሒፉ።
ፋብ 5 ፍሬዲ’ውን፡ ኣብ መንጐ ፖልን ናይትን ዝነበረ ገለ ዝርርባት ይጠቅስ።
“ንሱ [ናይት] ዝዛረበሉን ኮሊን ፖል መልሲ ዝህበሉን ኣጋጣሚታት ነይሩ” ኢሉ።
“እዚ በዓል ኣርባዕተ ኰኸብ ጀነራል፡ ምስ ሱግ ናይት ተዘራሪቡ፡ ናይት ቦታኡ ክሕዝ ገይሩዎ’ዩ”።
ኔትፊሊክስ፡ ብ2018 ታሪኽ ህይወት ኩዊንሲ ዝድህስስ ሰነዳዊ ፊልም ዝዘርግሐ ኰይኑ፡ ገለ ምስሊታት እቲ ሕቡእ ኣኼባ ተጠቒሙ ኣሎ።
ፖል፡ “ብዛዕባ እትሰርሑዎ ነገር ብቁውም ነገር ክንዘራረብ ኣለና፤ ንሶም ኣይዋዘዩን፤ እመኑኒ ትኽክለኛ ጠያይቲ ኣለው” ኢሉ።
ድምጹ ቁርጽርጽ እናበሎ ክኣ፡ “ኣዝዩ ንስምዒትካ ዝሃሲ ነገር’ዩ፤ እንተውሓደ ክንዲ ናተይ ዕድመ ክትነብሩ ክርኢ’የ ዝደሊ” ክብል ተዛሪቡ።
“ኵዊንሲ ነቲ ጸገም ስለ ዝተረድኦ ኣዝዩ ስምዒታዊ ኰይኑ” ይብል ፋብ 5 ፍሬዲ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣዝዩ ሕማቕን ዘሕዝንን ነገር
ጆንስን ቱፓክን ዝነበሮም ቅርሕንቲ ተፈቲሑ።
ቱፓክ ኣብ 1993 ዝሃቦ ርኢይቶ ስዒቡ፡ ጓል ጆንስ ዝዀነት ራሺዳ [ዘ ኦፊስ ኣብ ዝተሰምየ ሲትኮም ኣመሪካ እትሳተፍ] ነቲ ራፐር ዘናሹ ጽሑፍ ኣብ መጽሄት ሶርስ ክሕተም ገይራ።
ቱፓክ ሃንደበት ምስ ካልእ ጓል ጆንስ ዝዀነት ኪዳዳ ክራኸብ እንከሎ ራሺዳ መሲላቶ ይቕሬታ ይሓታ።
ቱፓክን ኪዳዳን ነዚ ጕዳይ ንጐድኒ ገዲፎም ፍቕራዊ ርክብ ጀሚሮም።
ኵዊንሲ ጆንስ “ዋላ’ኳ ሕማቕ ጅማሮ እንተሃለወና፡ ነዚ ምስ ፈለጥኵ ከም ስነ-ጥበባዊን ከም ሰብን ዘለዎ ዓብዪ ዓቕሚ ክርኢ ክኢለ” ክብል ጽሒፉ።
ቱፓክ፡ ካብ ዴዝ ሮው ወጺኡ ናብ ኣሕታዊ ትካል ጆንስ ክጽንበር’ዩ ዝብል ዘረባታት ይወጽኡ ነይሮም።
ድሕሪ’ቲ ጕባኤ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 1996 ቱፓክ ብጥይት ተሃሪሙ ተቐቲሉ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ኣባል ጕጅለ ‘ጋንግ’ ዝነበረ “ኬፍ ዲ” ዴቪዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክሲ ተመስሪቱ ኣሎ።
ንሱ ግን ገበነኛ ኣይኰንኵን ይብል።
ብ1997 ዓ.ም ድማ፡ ‘ኖቶሪየስ ቢኣይጂ” ብኣሕታሚ ትካል ጆንስን መጽሄትን ካብ ዝተዳለወ ድግስ ክወጽእ እንከሎ ብጥይት ተሃሪሙ ተቐቲሉ።
ምስዚ ጕዳይ ብዝተሓሓዝ ግን ክሳብ ሕጂ ክሲ ዝተመስረተሉ ሰብ የለን።
ናይት፡ ብመኪና ገጭዩ ብምህዳም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ፤ ኮምብስ ድማ ምስ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ፍርዲ ይጽበዮ ኣሎ።
ንሱ ግን ንዝቐርብሉ ክሲታት ይነጽጐም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







