እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣብ ከተማ መኾኒ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
ኣብ ደቡብ ትግራይ ከተማ መኾኒ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ክልተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ካልኦት ክልተ ድማ ከም ዝቖሰሉን ቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
እቲ ህይወት ሰባት ዝሓለፈሉ ክስተት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 15 መጋቢት 2025 ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ጣብያ ሓወልቲ ቁሸት በዓዱ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ኣጋጢሙ።
ከንቲባን ቤት-ፅሕፈት ፀጥታን ከተማ መኾኒ፡ ኣብቲ ጠያይቲ ዝተተኰሰሉ ክስተት፡ ሓደ ኣባል ሚሊሻ ራያ ዓዘቦን ሓደ ኣባል ሓይልታት ትግራይን ከም ዝተቐተሉ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ኣባል ሚሊሻን፡ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢን ብዝተተኰሰ ጥይት ተጐዲኦም፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደርን ሆስፒታል መቐለን ሕክምና ኣብ ምክትታል ይርከቡ።
ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ኩነታት መረዳእታ ንምርካብ ንግዳያት፣ ሰብመዚ እቲ ከባቢን ኣዛዚ ኣርሚ 43 ሓይልታት ትግራይን ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ብኸመይ'ዩ ኣጋጢሙ?
እዚ ህይወት ሰባት ዝቐዘፈ ጠያይቲ ዝተተኰሰሉ ክስተት፡ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ትካላት ኣብ ዝርከበሉ 'ማኒፋክቸሪንግ' ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ሰዓት 4፡00 (10፡00) ናይ ምሸት ከባብያዊ ኣቆፃፅራ እዩ ኣጋጢሙ።
ኣብቲ ከባቢ ኣካል ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ "ኣርሚ 43" ተዋፊሩ ከም ዝርከብ ከንቲባን ቤት-ፅሕፈት ፀጥታን ከተማ መኾኒን ገሊፆም።
ከንቲባ ከተማ ሞኾኒ ኣይተ መሰለ ኣሸብር፡ "ክልተ ሰብ ሞይቶምና። ሓደ ናይ ራያ ዓዘቦ ሚሊሻ ተቐቲሉ፡ ሓደ ምስቲ ሚሊሻ ዝተታኾሰ ቲዲኤፍ'ውን ተቐቲሉ። እቶም ሚሊሻ ናብ ገዝኦም እንትኸዱ፡ እቶም ሰራዊት'ውን ኣብ ሓለዋ ስለ ዝነበሩ፡ 'መን ኢኻ? ብዝብል ሃንደበት እዩ ተፈጢሩ። ካልእ ሚሊሻን ሓደ ሲቪልን'ውን ተጎዲኦም" ብምባል፡ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ንቢቢሲ መብርሂ ሂቡ።
ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ከተማ መኾኒ ኣይተ ሓለፎም ኣብርሃ ብወገኑ፡ ነቲ ዝወረደ ሞትን ጉድኣትን ብምርግጋፅ፡ "ክልተ ናይ ሓለዋ ስራሕ ዝሰርሑ ናይ ራያ ዓዘቦ ምልሻ ኣብ ድራር ገለ ኣምሽዮም እንትኸዱ… ኣብቲ ከባቢ ሓይልታት ትግራይ ነይሮም። 'መን ኢኻ?' ብዝብል ብድንገት ዝተፈጠረ እዩ" ኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ ህዝቢ ምስቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ኣብ ሻቕሎት ከም ዝርከብ ዝገልፅ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ብቀዳም ምሸት ዘጋጠመ ክስተት ግና ምስዚ ዝዛመድ ኣይኮነን ይብል።
"እቶም ግዳያት ዝኾኑ ሚሊሻታት ናይ ሓመድ ሞኾኒ ዘይኮነስ ናይ ራያ ዓዘቦ ሚሊሻ እዮም። ዘብዒ ዝሕልውሉ ቦታ ግና ኣብ ውሽጢ ከተማና እዩ። እቶም ሚሊሻ ኣብ ዝሓልፍሉ 'መን ኢኻ' ብዝብል ብቅፅበት ዝተፈጠረ እዩ" ኢሉ።
ብዛዕባ እቶም ኣብታ ምሸት ግዳያት ቅትለትን መጉዳእትን ዝኾኑ ኣርባዕተ ሰባት እንተነፅር ድማ፡ "እቲ ሓደ ናይ ኣርሚ 43 ተጋዳላይ እዩ። እቲ ሓደ'ውን ናይ ራያ ዓዘቦ ምልሻ እዩ። እቲ ሓደ ዝተጐድአ'ውን ሚሊሻ ራያ ዓዘቦ እዩ። እቲ ካልእ ድማ ሲቪል እዩ" ኢሉ።
"ሓመድ ሞኾኒ"፡ ኣብታ ከተማ ንዝረኣዩ ገበናት ንምክልኻል ተባሂሉ ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ግእዝ ብመናእሰይ እታ ከተማ ዝተወደበን ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተጋደልቲ ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ጉድኣት ኣካል ዝተሓወስዎ ውዳበ ከም ዝኾነ ይግለፅ።
ኣብዚ እዋን ኣብታ ከተማ ኣርሚ 43 ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተዋፈረ እኳ እንተኾነ፡ ፀጥታ እቲ ከባቢ ግና ብቤት-ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን እታ ከተማን ብሓመድ ሞኾኒን እዩ ዝሕሎ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት ዝወለዶ ከም ዝኾነ ይእመን።
"ደድሕሬና እናሰዓቡ ክትኵሱልና ጀሚሮም"
ኣይተ መሰለ ሕሉፍ፡ ኣብቲ ምሸት ብኣባላት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ጐኑ ብጥይት ተወቒዑ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና ይከታተል ኣሎ።
መሰለ፡ ኣብታ ምሸት ምስኡ ዝነበረ ኣባል ሚሊሻ ራያ ዓዘቦ ኣይተ መሰለ ተስፋይ ብዝተተኰሰ ጥይት እንትመውት ብዓይኑ ርእዩ እዩ።
ምስ መሓዝቶም ኣብ ከተማ ኣምሽዮም ከባቢ ሰዓት 4፡00 (10፡00) ናይ ምሸት ናብ ገዛ እንትመለሱ እዚ ኩነታት ከም ዘጋጠመ ድማ ንቢቢሲ ይገልፅ።
"ኣብ ከተማ ኣምሺና ናብ ገዛ እናሓለፍና ኣብ ከባቢ ጋራዥ 'ንዑ ጠጠው በሉ' ኢሎምና።ቲዲኤፍ እዮም። ጠጠው ኢልና እንታይ ኢኹም ደሊኹምና ጠጠው ተብሉና? ኣሕዋት ኣይኰናን ዲና? ኢልናዮም። 'ክንፍትሸኩም ኢና' ኢሎም። ንሕና'ውን ተጋሩ ኣይኰንናን ዲና ንምንታይ ትፍትሹና ኢልናዮም፡ መሰስ ምስ በልና [መገዲ ምስ ጀመሩ] ደድሕሬና እናመፅኡ ክትኵሱልና ጀሚሮም። ኣነ ፀጋማይ ጐነይ እየ ተወቒዐ።"
ምስኦም ዘምሰዩን ኣቐዲሞም ናብ ገዝኦም ብባጃጅ ዝኸዱን መሓዝቶም፡ ኣብ መንገዲ ሓይልታት ትግራይ ደው ከም ዘበልዎምን ዕጥቂ ስለ ዘይብሎም ግና ከም ዝሰደድዎምን ዝዛረብ ኣይተ መሰለ፡ "ንስኹም ዕጥቂ ስለ ዘለኩም በዚ ከይትመፅኡ ክሕዝኹም እዮም። ብኻልእ መንገዲ ምፁ' ኢሎምና። ካልእ መንገዲ መሪፅና ብእግርና ኣብ ንኸደሉ'ዩ እዚ ኣጋጢሙ" ይብል፡ ነቲ ኩነታት እንተረድእ።
ካብ ዝትኰሱ ጠያይቲ ንምህዳም ኣብ ዝፍትንሉ በቶም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከም ዝተወቕዑ ድማ ይሕብር።
"ንሕና ምንም ኣይበልናዮምን። ደድሕሬና እናሰዓቡ ይትኵሱ ነይሮም። ምሳይ ዝነበረ መሰለ ተስፋይ ውቃዕ ስለ ዝነበሮ ክሃድም ኣይከኣለን። ሽዑ ተኵሶም ቀቲለሞ። ኣነ ተወቒዐ እውን ሱቕ ኢለ ስለ ዝሃደምኩ ክስዕቡኒ ኣይከኣሉን" ኢሉ።
ንርእስኹም ንምክልኻል ናብቶም ሓይልታት ትግራይ ተኵስኩም ዲኹም ዝብል ብቢቢሲ ንዝቕረበሉ ሕቶ፡ "ኣነ ንባዕለይ ኣይተኰስኩን። ንሱ (መሰለ ተስፋይ) ተኵሱ ድዩ ኣይተኰሰን ኣይፈለጥኩን። ክንሃድም እንከለና ፀልማት እዩ ነይሩ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
በቲ ኣብ ፀጋማይ ጐኑ ዝተወቕዖ ጥይት፡ ደም ከም ዝፈሰሶን ስድርኡ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝወሰድዎን ይሕብር።
"ደም ፈሲሱኒ፡ ውነይ ተሰዊረ እየ ነይረ። ደሓር ቀልበይ ምስ ፈለጥኹ ናብ ቤተሰብ ደዊለ፡ ቤተሰብ መፅዮም እዮም ናብ ሕክምና ወሲዶምኒ" ኢሉ።
ኣብዚ ህሞት ሓደ ኣባል ኣርሚ 43 ሓይልታት ትግራይ'ውን ተቐቲሉ እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ዘዘራረብናዮ ኣዛዚ ኣርሚ 43 ሓይልታት ትግራይ ኮሎኔል ትንሳኤ ብርሃነ (ወዲ ብርሃነ)፡ እቲ ልውውጥ ተኹሲ ኣብ መንጐ ኣብቲ ዕለት ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ኣርሚ 43 ን ቅድሚ ሕዚ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩን ዝተሰናበቱን ሚሊሻታትን ከም ዘጋጠመ ገሊፁ።
"ኣነ ኣብቲ ተዂሲ ዘጋጠመሉ ከባቢ እዩ ገዛይ። እቲ ተዂሲ ቅድሚ ሕዚ ምሳና ዝነበሩ ተጋደልቲ ዘሰናበትናዮም ሚሊሻታት ናብ ገዝኦም እንትምለሱ፡ ምሳይ ዝነበሩ ቆልዑ ሻቡ ዋርድያ ነይሮም። 'መን ኢኻ?' ብዝብል ጐንፂ ዘጋጠመ ሽግር እምበር ኰነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ኣይኮነን። እቶም ሚሊሻ ኣብ ከተማ ሰኺሮም በቲ ከባቢ እንትሓልፉ እዮም ተጋጭዮም። ነዚ ክፍፅሙ ኢሎም ኣይኮኑን መፅዮም፡ ሃንደበት በቲ ከባቢ ናብ ገዝኦም እንትሓልፉ እዩ ኣጋጢሙ" ኢሉ።
በቲ ልውውጥ ተኹሲ ናህቱ ሓላዊ ኣዶናይ ብርሃነ ኣለማዮ፡ በቲ ልውጥ ተኹሲ ከም ዝተቐተለ ብምርግጋፅ፡ ሬሳ መዋቲ ናብ እንዳኣብርሃ ኣፅበሃ ከም ዝተልኣኸ ገሊፁ።
"ሓደ ሚሊሻ፡ ሓደ ድማ ናህተይ ሓላዊ ዝነበረ ኣዶናይ ብርሃነ በቲ ልውውጥ ተኹሲ ሃንደበት ተሰዊኦም። ንዓይ ክሕልዉ ኢሎም መስዋእቲ ከፊሎም ኣለዉ።ካብቶም ሚሊሻታት ዝሞቱን ዝተጎድኡን'ውን ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ዘሰናበትናዮም ተጋሩ እዮም።"
እቶም ሚሊሻታት ከምቲ ትብሎ "ሰኺሮም" እንተነይሮም፡ እቶም ሓይልታት ትግራይ ነቲ ጎንፂ ንምንታይ ብኻልእ መንገዲ ዘይፈተሕዎ ዝብል ሕቶ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ኮሎኔል ትንሳኤ፡ " እቶም ሚሊሻታት እዮም ኣቐዲሞም ተኹሲ ከፊቶም" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
እቲ ካልእ ብዝተተኰሶ ጥይት ጉድኣት ኣጋጢምዎ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል መቐለ ዝሕከም ዘሎ ድማ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ እንዳ ባኒ መሰንከቲ ዝሰርሕ ወዲ 19 ዓመት መዓርግ ገብረስላሴ ዝበሃል መንእሰይ እዩ።
"ተዂሲ እንትለዓል ኣብ ስራሕ'የ ነይረ። ነቲ ተዂሲ ሰሚዐ ንደገ ውፅእ ክብል ብምብራቕ ዝመፅአ ዝተተኰሰ ጥይት የማናይ ኢደይ ወቒዑኒ። እቲ ዓረር ኣይወፀን። ናብ ሆስፒታል ሞኾኒ ከይደ ምንም ክገብሩ ኣይኸኣሉይ፡ ናብ መቐለ ኽድ ኢሎምኒ" ይብል።
ኣብታ ከተማ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይን ከባብያዊ ዕጡቓትን ኣብታ ከተማ ስለ ዝዘሩ ኣብቲ ህዝቢ ሻቕሎት ሰፊኑ ከም ዝርከብ ምንጭታት ቢቢሲ ይገልፁ።
ሓደ ሽሙ ዘይንፀርሖ ነባሪ እታ ከተማ፡ "እቲ ህዝቢ ተሸቢሩ (ርዒዱ'ዩ) ሓዲሩ። ሕዚ'ውን ዝተረጋግዐ ኣይኾነይ። እቲ ጐንፂ መራሒኡ'ውን ስለዘይፍለጥ ኣብ ህዝቢ ምቾት የለይ" ይብል።
ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ከተማ መኾኒ ኣይተ ሓለፎም ኣብርሃ፡ እቲ ተዂሲ ኣብ ዘጋጠመሉ ምሸት ከባቢ ሰዓት 4፡00 ኣብ ጉዳይ ሓለዋ ፀጥታ ምስ ኣዛዚ ኣርሚ 43 እናተዛተዩ እንከለዉ ሃንደበት ተኹሲ ከም ዝተወልዐ እዩ ዝዛረብ።
"ኣብዚ ከባቢ ወዲ ብርሃነ ዝመርሖ ኣርሚ 43 እዩ ዘሎ፤ ኣብዚ ከባቢ ነዊሕ ዝፀንሐ እዩ። ምስቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብቲ ህዝቢ ሻቕሎትን ዘይምትእምማንን ስለ ዝተፈጠረ፡ እቲ ኣብ ካልኦት ከተማታት ዓዲጉዶም፣ ዓድግራት፣ መቐለን ሳምረን ዝፈፀምዎ ማሕተም ናይ ምምንጣልን ምፍርራሕን ተግባር፡ ኣብዚ ከባቢ እንድሕር ፈፂመሞ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝፍጠር ነጊርናዮም ኢና። ንሶም'ውን ይፈልጡ እዮም" ይብል።
እቲ ብቀዳም ምሸት ዘጋጠመ ክስተት ግና፡ ምስቲ ዘሎ ስግኣታት ከም ዘይተሓሓዝን ሃንደበት ዝተፈጠረ ከም ዝኾነን የነፅር።