ቅልውላው ክልል ትግራይ፡ ካበይ ነቒሉ ኣበይ በጺሑ?

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ተዛማዲ ሰላም፡ ክልል ትግራይ ናብ ሓዱሽ ቅልውላው ትኣቱ ዘላ ትመስል። ኣብ ኲናት ትግራይ ብሓደ ተሰሊፎም ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝተዋግኡ መራሕቲ ህወሓት ሕጂ ኣብ ክልተ ውድባት ተገሚዖም ይርከቡ።

ብኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብታ ክልል ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ወረዳታትን ከተማታትን ምቍጽጻር ጀሚሩ ኣሎ።

ግዝያዊ ፕረዚደንት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ካብ ስርሖም ኣሰናቢቱ'ዩ።

ክልቲኦም ጕጅለታት ንውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ብምእታዎም ንሕድሕዶም ይካሰሱ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ሓደ ወገን ናይ ከንቲባታት ከተማታት፡ ወረዳን ቀበሌ "ይምንጥል" ከም ዘሎ ገሊጹ።

"እቲ ሕጂ ማሕተም ወረዳ፡ ማህተም ቀበሌ፡ ማሕተም ከንቲባ ከተማታት እናኣረየ ዝውዕል ዘሎ ሓይሊ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ 'ክደራደር'የ' ኢሉ ክመጽእ'ዩ፡" ክብል ወሲኹ።

ኣቶ ጌታቸው ነቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ቅልውላው፡ "ዕልዋ መንግስቲ" ክብል'ዩ ገሊጽዎ።

ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ወገን ድማ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ትግራይ ሕግን ስርዓትን ናይ ምትግባር ስራሕ . . . ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ዝያዳ ዘጠናኽር እዩ፡" ክብል ገሊጹ።

ኵነታት ክልል ትግራይ ካብ ተዛማዲ ሰላም ናብዚ ቅልውላው ብኸመይ ተሰጋጊሩ? ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተራእዩ ቍልፊ ፍጻመታት እንታይ እዮም?

ስምምዕ ፕሪቶርያ

ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ትግራይ ንምቍራጽ ዝተበጽሐ ስምምዕ ቅድሚ ክልተ ዓመትን ሓሙሽተ ኣዋርሕን ወይ ድማ ብ23 ጥቅምቲ 2015 (ግእዝ) እዩ ተፈሪሙ።

መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ኣብ ስምምዕ ቅድሚ ምብጻሖም ንዓሰርተ መዓልቲ ተደራዲሮም ነይሮም።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ድርድር ዝተኸተመ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ፡ ክልቲኦም ወገናት እታ ሃገር ውሁድ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክህልዋ ከም ዝግባእን ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ ከም ዘለዎምን ይጠቅስ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ትግራይ መረጻ ክሳብ ዝካየድ ንዅሉ ዝሓቍፍ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝጣየስ፡ ኣብ እዋን ኲናት ንዝተፈጸሙ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መሰጋገሪ ፍትሒ ከም ዝግበርን እቲ ስምምዕ ይሕብር።

ውዕል ኣፈጻጽማ ናይሮቢ

ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፡ 3 ሕዳር 2015 (ግ)፡ መንግስትን ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ህወሓትን ኣብ ዝርዝር ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ቅድሚ እቲ ስምምዕ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ናይሮቢ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዝርርብ ኣካይዶም ነይሮም። እዚ ድማ ኣብ ዝርዝር ኣተገባብራ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ኵለመዳያዊ ስምምዕ ዘተኰረ እዩ።

ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ እቲ ስምምዕ ተበጻሕነት ገደብ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ሓለዋ ሰላማውያን ሰባት፡ ምፍታሕ ኣጽዋር፡ ከምኡ'ውን ምትካል ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋጽ ርኡይ ስጕምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን መንግስቲ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ "ውጥን ምፍታሕ ኣጽዋርን ምውዳብ ሓይልታት ምክልኻል ናብ መቐለን" ብዝምልከት ከም ዝተሰማምዑ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ምጅማር ዝተቛረጸ ኣገልግሎታት

ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ፡ ማይ፡ ቴለኮም ተቛሪጹ ምንባሩ ይፍለጥ። ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ባንኪ ይዅን መጓዓዝያ ኣገልግሎት ኣይነበረን።

ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣስታት ክልተ ወርሒ፡ ብዕለት 20 ታሕሳስ 2015 (ግ)፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ መቐለ በረራታት ጀሚሩ።

እቲ መንገዲ ኣየር በረራ ቅድሚ ምጅማሩ ክልተ መዓልቲ፡ ብኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ልኡኽ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ናብ መቐለ ተጓዒዙ።

ብዘይካ መጓዓዝያ ኣየር፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ፡ ቴለፎንን ባንክን እውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዳግማይ ተጀሚሩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታቱ ዳግማይ ኣብ ዝጀመረሉ ዕለት፡ ፈደራል ፖሊስ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ኣትዩ።

ፖሊስ ፈደራል ኣብታ ከተማ "ትካላት ፈደራል መንግስቲ ናይ ምሕላው ስራሕ፡" ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ርክብ ሓላላ ኬላ

ድሕሪ ኲናት ሓድሕድን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንፈለማ እዋን ኣብ ክልል ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ዳውሮ ኣብ ዝርከብ መዘናግዒ ሓላላ ኬላ 'ሪዞርት' ምስ መራሕቲ ህወሓት ተራኺቡ።

ኣብቲ ዘተ ምክትል ቀዳማይ ምኒስትር ነበር ደመቀ መኮነን፡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣደም ፋራሕ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሕጂ ዳይረክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ድሕንነትን ዘሎ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ምኒስትር መስኖን ቆላታትን ዶክተር ኣብርሃም በላይን ካልኦትን ተሳቲፎም ነይሮም።

ብወገን ትግራይ ድማ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣምባሳደር ወንደሙ ኣሳምነውን ካልኦትን ተረኺቦም።

ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ብዕለት 12 መጋቢት 2015 ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ኣብ ክልል ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘጣይስ ደንቢ ኣጽዲቑ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ቀዳማይ ምኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብመሰረት እቲ ደንቢ ንጌታቸው ረዳ ግዝያዊ ሓላፊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገይሩ ሰይሙ።

ኣቶ ጌታቸው ምስ ተሰየመ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ 27 ኣባላት ዝሓቘፈ ግዝያዊ ካቢነ ምኒስተራት ዕላዊ ገይሩ።

ኣብቲ ካቢነ ምኒስተራት ድማ ንሓይልታት ትግራይ ኣብ ኲናት ኣንጻር መንግስቲ ፈደራል ዝመርሐ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ነበር ሌተናል ጀነራል ጻድቃንን ስልጣን ተዋሂቡዎም።

ህወሓት ካብ ዝርዝር ግብረሽበራዊ ምስራዝ

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘጣይሽ ሕጊ ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ህወሓት ካብ ዝርዝር ግብረሽበራውያን ኣልዩ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኰይኑ፡ እቲ ውሳነ ካብ 61 ኣባላት ባይቶ ተቓውሞ ገጢምዎ ነይሩ።

እቲ ስምምዕ ሰላም፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተዋህበ ግብረሽበራዊ ስያመ ህወሓት ክስርዝ ዘመቻችእ እዩ።"

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ንህወሓት ኣብ ዝርዝር ግብረሽበራ ዘስፈረ፡ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ሚያዝያ 2013 እዩ ነይሩ።

ዕጥቂ ምፍታሕ

ኣብ ሕዳር 2015 ሓዱሽ ዝተጣየሰ ኮምሽን ሃገራዊ ዳግመ ህንጸት፡ ኣብ ጥሪ ንኽልል ትግራይ ኣጽዋር ናይ ምርካብ መስርሕ ኣጀሚሩ።

እቲ ኮምሽን፡ "ኣብ ኵሉ ከባቢታት እታ ሃገር ክካየድ ዝጸንሐ ግጭታት ናይ መወዳእታ ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብ ምግባር ኣገዳሲ ብምዃኑ፡" ነዚ መስርሕ ከም ዘጀመረ ገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋሮም ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ዘረከቡ ተሓቢሩ።

ምፍታሕ ኣጽዋር ሓይልታት ትግራይ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተኣመሙ ጉዳያት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ እቲ ኮምሽን ኣብ ክልል ትግራይ ኣጽዋሮም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ነባራት ተጋደልቲ ተቐቢሉ ኣብ ማእከላት ምውዳብ ሰራዊት ከእቱ ጀሚሩ።

ሓደጋ ዘንጸላለዎ ህልውና ህወሓት

ህወሓት ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ኣብ ጐነጻዊ ንጥፈታት ተዋፊሩ ብዝብል ክሲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ሕጋውነቱ ከም ዝተሰረዘ ይፍለጥ።

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 2016 ኣብ ጐነጻዊ ንጥፈታት ንዝነጥፉ ፖለቲካውያን ጕጅለታት ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝህብ ኣዋጅ ኣጽዲቑ።

እዚ ኣዋጅ ምምሕያሽ ሕጊ መረጻ፡ ህወሓት ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ዘኽእል ኰይኑ፡ ህወሓት'ውን ብቦርድ መረጻ ዝተሰረዘ ሕጋውነቱ ናብ ንቡር ክምለስ ሓቲቱ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ሰልፊ ነቲ ዝነበረ ሕጋውነቱ ኣካል ዳግማይ ክረክብ ዘቕረቦ ሕቶ ከም ዝተነጽገን ብፍሉይ ኵነታት ክምዝገብ ከም ዝተወሰነን እቲ ቦርድ ከም ዘፍለጠ ይዝከር።

እቲ ቦርድ ኣብዚ ውሳነ ዝበጽሐ ኣዋጅ ምዝገባን ምምሕያሽ ስነ-ምግባርን ሰልፊ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ሕጋውነት ንምምላስ ዝሕግዝ ድንጋገ ከም ዘይብሉ ብምጥቃስ እዩ።

እንተዀነ፡ ህወሓት ኣብ ቦርድ መረጻ ዳግም ምዝገባ ከም ዘይቅበል ምስ ኣፍለጠ፡ እቲ ቦርድ ኣብ ክንድኡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ከካይድ ኣተሓሳሲቡ።

ህወሓት ግን ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምክያድ ዝተዋህቦ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ግዜ ምስ ኣሕለፈ፡ ብቦርድ መረጻ ንሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተኣጊዱ።

ህወሓት ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተቓውሞኡ ብምጥቃስ፡ ውሳነ ቦርድ መረጻ ብሕጊ ተግባራውነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

ኣካታዒ መበል 14 ዋዕላ ህወሓት

ህወሓት ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ብቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዘይረኸበን ኣብ መንጎ መራሕቱ ዘይምርድዳእ ዘስዓበን መበል 14 ጉባኤ ኣካይዱ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝነበረ ምፍልላይ ዘስፍሐ ዋዕላ፡ ኣብ መንጎ መራሕቱ ብዝተፈጥረ ምፍንጫል እዩ ተዛዚሙ። ፕረዚደንትን ምክትል ኣቦ መንበርን ግዝያዊ ምምሕዳር ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ካብቲ ኣኼባ ከም ዝሰሓቡ ድማ ይዝከር።

ኣብ መንጎ እዚ ኵሉ ክትዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ሰልፊ ተኻይዱ፤ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር ኰይኑ ከም ዝተመረጸ ተሓቢሩ።

ኣቶ ጌታቸውን እቶም ካብቲ ባይቶ ዝሰሓቡን ኣባላትን ካብ መሪሕነት ህወሓት ጥራሕ ዘይኰነስ ካብ ኣባልነቶም እውን ክሰናበቱ ተወሲኑ።

ግዝያዊ ምምሕዳር "ንምእራም" ዝተገብረ ፈተነ

ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ዋዕላ ህወሓት ዘይተረኸቡን ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዘለዉን ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ኣካየድቲ ስራሕን ነቲ ትካል ከም ዘይውክሉ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንህወሓት ወኪሎም ዝነበሩ መራሕቲ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ስለ ዘይተሳተፉን ስለ ዘይተመረጹን ንህወሓት ክውክሉ ከም ዘይክእሉ ኣብሪሁ።

ነዚ ስዒቡ ህወሓት ኣብ ውክልና ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካብ ስራሕ ዝተኣገዱ መራሕቲ ሓላፍነቶም ከስተኻኽል ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ እቲ ዞባ፡ ከምቲ ህወሓት ዝወሰኖ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዳግመ ውደባ ክግበር ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

ነዚ ካብ ኣቦ መንበር ህወሓትን ወተሃደራዊ መራሕቱን ዝቐረበ ሓሳብ፡ ፈተነ "ዕልዋ መንግስቲ" ክብል ዝገለጾ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ምምሕዳሩ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ምእጋድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ

ኵነታት እቲ ክልል እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ጌታቸው ረዳ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣርባዕተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ካብ ስርሖም ኣገዲዱ።

ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርጊሰ፡ ሜጀር ጀነራል ማሾ በየነን ብርጋዴር ጀነራል ምግበይን ሰኑይ 1 መጋቢት 2017 (ግ) ካብ ስራሕ ተኣጊዶም። ብሰሉስ ድማ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ግዝያዊ እገዳ ተነቢሩ።

እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሰራዊት፡ "ብኣንጻር ውሳነታት መንግስቲ፡ ንመላእ ህዝብናን መንእሰያትናን ናብ ህውከት፡ ሓይልታት ጸጥታና ነንሕድሕዶም ክጋጨዉ፡ ህዝብና ድማ ናብ ክሃድመሉ ዘይክእል ጕድጓድ ዘእተወ ሓደገኛ ንጥፈታት ብምክያድ፡" ዝተገብረ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣቶ ጌታቸው ዝሓለፈ ሰሉስ ምሸት ንተሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ እቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ነቲ "ውሳነ" ንምትግባር "ኵሉ ስጕምትታት" ክወስዱ ብምጅማሮም ከም ዝተኣገዱ ገሊጹ።