እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ 'ብለይቲ መንግስቲ ዘይፈልጦ ኣኼባ ዝጸውዑ ሓለፍቲ ስጉምቲ ተወሲድሎም'
ብለይቲ ኣኼባ ጸዊዖም ዝተባህሉ ሓለፍቲ መንግስቲ "ስጉምቲ" ከምዝተወስደሎም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቶም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጹ ሰብመዚ ኣብ ከተማ መቐለ ነቲ ኣኼባ ከካይዱ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ኢሉ።
"መንግስቲ ብዘይፈልጦ፣ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ብምብኻን ካብ 14 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ካብ ጣብያ፣ ወረዳን ዞባን ዝተኣኻኸበ ሓይሊ ኣኼባ ናብ መቐለ ምፅውዑ ምኽንያቱ ግልፂ ከምዘይኮነ" ተዛሪቡ ክብል ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ሓቢሩ።
"ናይዚ ቀንዲ ተሳተፍቲ በቢብርኩ ዘለው ናይ ህዝቢ ምልዕዓል ሓለፍቲ እንትኾኑ መንግስትን ህዝብን ዝሃቦም ሓላፍነት ኣብዘይተጠቐሙ ኣካላት ስጉምቲ ተወሲዱ ኣሎ"።
"እዚ ዝተጀመረ ስጉምቲ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል" ኣጠንቂቑ'ሎ።
ዕላማ ናይቲ ኣኼባ እንታይ ከምዝነበረ ግን ኣቶ ጌታቸው ኣየነጸረን።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ እቲ ብመሰረት ኣብ ሕዳር 2021 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ በዳሂ ተቓውሞታት ክቐርበሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ኣቶ ጌታቸው እቲ ንሱ ዝመርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን እግሩ ከምዘይተኸለ ብምጥቃስ፡ ገለ ወረዳታት ንባዕለን ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ገይረን ከይቈጽራ "ብዝተወደበ መንገዲ" ምንቅስቓስ ይግበር ምንባሩ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ኩነታት "ኣብ ገለ መሪሕነት ከምዝርእ'ውን" ኣብቲ እዋን ኣሚቱ እዩ።
"ዝዀነ ይዅን ምምሕዳር ዞባን ወረዳን ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይመርሐንን ምባል ከብቅዕ ኣለዎ" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር::
እቶም ኣብ ምውዳብ እቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ዞባታት ካብ ትማሊ ሓሙስ 15 ጥቅምቲ ጀሚሩ ካብ መዝነቶም ከምዝተሰናበቱ ተነጊርዎም ኣሎ።
መንግስቲ ነቶም ካብ ሓላፍነቶም ዝተላዕሉ ሰበስልጣን "ብቕልጡፍ" ክትክኦም ምዃኑ ድማ ጌታቸው ረዳ ቃል ኣትዩ።
"እዞም መለዓዓልቲ ህዝቢ ነቲ ኣብ መሬት ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ፣ ህዝቢ ሒዝካ ኣብ ክንዲ ምውፋር ናብ መቐለ መፂኻ ምእካብ ዕላምኡ ግልፂ ኣይኮነን" ይብል ኣቶ ጌታቸው።
"ኣብ ገለገሊኡ ስንቂ እውን ሒዞም ንኽመፁ" ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ እቲ ክልል ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ከምዝዝትዩ ገሊጹ።
እቲ ኣብ መወዳእታ መጋቢት 2023 ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ መረጻ ክሳብ ዝካየድ፡ ነቲ ክልል ክመርሕ ዝቖመ ጊዝያዊ ምምሕዳር ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ምሁራትን ዘጠቓለለ ምዃኑ ይፍለጥ።
ህወሓት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ማእኸላይ ኮሚቴን ፈፃሚ ስራሕን ውድብና ከምኡ እውን ካልኦት መተሓባበርቲ ኮሚቴታትን ብዝወሰንዎን ብዝበፅሕዎ ሓበራዊ ምርድዳእን ዝካየድ ዘሎ እንትኾን ንኻልኦት ዕማማት እውን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ" ክብል ሓቢሩ ነይሩ።
"ይኹን'ምበር ካብዚ ዝተገለፀ ወፃኢ ከይዲን ዕላማን እዚ ኣኼባ ብምዝባዕ ዝንዝሑ ግጉያት ወረታት ምዃኖም ክንገልፅ ንፎቱ" ኢሉ፡፡
ህወሓት፡ ካብ ብዙሓት ተጋሩ ምስቲ ናይ ክልተ ዓመት ኣዕናዊ ኲናትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላምን ብዝተሓሓዝ፡ ከምኡ'ውንንልዕሊ 32 ዓመታት ንፖለቲካ ትግራይ ብምዕብላሉ ሓያል ተቓውሞታት ከጋጥሞ ጀሚሩ'ሎ።