ኣቶ ጌታቸው ረዳ: 'ኣብ ትግራይ መንግስቲ ዘይፈልጦም ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዉ'

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንጋዜጠኛታት መንግስትን ወጻኢን ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ነገር ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ምርኩስ ብምግባር ዝተመስረተ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ከምዝዓመመ ብዝርዝር ኣቕሪቡ::

ኣብ መግለጺኡ ኣቶ ጌታቸው፡ ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወኪሉ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ፈደራልን ክልል ኣምሓራን ተራኺቦም ከም ዝዘተየ ጠቒሱ።

ምምላስ መሬትን ዝተፈናቐለ ህዝብን

ኣብቲ ናይ ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ መግለጺኡ፡ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ወጺኦም ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝርርብ ከም ዝተገብረ ይዛረብ።

"ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘለና ርክብ ይሕመቕ ይጸብቕ ዋላ ምትእምማን ኣይሃልዎ፡ በብግዚኡ እቲ ምትእምማን እናጠንከረ እታ ሕዚ ተረኺባ ዘላ ሰላም ናብ ዝሓሸ ብርኪ ትበጽሐሉ ኵነታት ምፍጣር፡ ሰላምና ከይዘረግና ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግዝኣት ንመልሰሉ ዝተፈናቐሉ ንመልሰሉ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ዳግም ዓርሱ ብዓርሱ ዘመሓደረሉ ግን ድማ ቀሲኑ ብትዕግስቲ ክንከይድ ኣለና ዝብል ጠንካራ መርገጺ ሒዝና ኢና ንንቀሳቐስ" ኢሉ።

ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ግዝኣትና ብሓይሊ ነምልስ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ብሓይሊ ምምላስን ዘይምምላስ ኣይኮነን እቲ ኣጀንዳ ኢሉ።

"ብሓይሊ ምምላስ ይከኣል እዩ ግን ብሓደ ወገን፡ ፕሪቶሪያ - ምስ ብዙሕ ሽግራቱን ዓንቀፍቀፉን - ስለዝተቐበልናዮ ብማሕበረሰብ ዓለምን ብመንግስቲ ፈደራልን ንሕና ከም መፍረስቲ ከይንቝጸር ንጥንቀቕ ኢና፤ ልዕሊ ዅሉ ግን ሰላምና ብዘይዘርግ መንገዲ እቲ ዝጀመርናዮ ርክብ እናማዕበለ ክኸይድ ብዘኽእል መንገዲ ተረዳዲእና ክንገብሮ ስለዝግበአና ክሳብ ሕዚ ንጽበ ኣለና" ክብል ኣቐሚጡ።

ኣብ መወዳእታ፡ "ኣምሓራ ዓንቀፈ ኣይዓንቀፈ፡ ኤርትራ ዓንቀፈ ኣይዓንቀፈ ብዝብል ክግለጽ ከምዘይብሉን ውዕል ፕሪቶሪያ ናይ ምፍጻም ሓላፍነት መንግስቲ ፈደራልን ትግራይን ክሳብ ዝዀነ ፈደራል መንግስቲ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ኣለዎ" ኣብ ዝብል ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ኣቶ ጌታቸው ተዛሪቡ።

ቅቡልነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ኣብቲ መግለጺ፡ ኣቶ ጌታቸው ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን እግሩ ከምዘይተኸለ ብምጥቃስ፡ ጠንቂ ናይዚ ክገልጽ እንከሎ፤

ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቅቡል ዘይምግባር ዋላ ኣብ ገለ መሪሕነት ከምዝርእ'ውን ኣግሂዱ።

ብመሰረቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከይቈመ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሓሉ ምኽንያት እውን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈጸመ ውዕል ሓደጋ እዩ ክፍረም ኣይነበሮን ዝብል ስለዝነበረ እዩ።

ወረዳታት ንባዕለን ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ገይረን ከይቈጽራ ብዝተወደበ መንገዲ ምንቅስቓስ ከምዝግበር ዘሎ እውን ብግልጺ ተዛሪቡ።

ካብዚ ብምብጋስ መንግስቲ ፈደራል ምስቲ ኣብ ዞባን ወረዳን እግሪ ዘይተኸለን ኣብ መቐለ ጥራይ ምስ ዝተንጠልጠለ ኣብ መቐለ ኰይኑ እውን ብብዙሕ መልክዑ ስራሕ ክጅምር ምስ ዘይከኣለ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምሉእ ልቢ ርክብ ክንገብር ኣይንኽእልን ከምዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ይገልጽ::

"ዝዀነ ይዅን ምምሕዳር ዞባን ወረዳን ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይመርሐንን ምባል ከብቅዕ ኣለዎ" ኢሎም::

እቲ ቐንዲ ጸገም ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ተወዲቡ መንግስታዊ ቍመና ሒዙ ኣብ ምምራሕ ሽግር ከምዝነበሮ እውን ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ ገሊጹ።

መንግስቲ ፈደራል፡ ንትግራይ ናይ ሓደ ዓመት በጀት ጥራይ ከምዝፈቐደን ካብቲ ዝተፈቐደ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ 3 ቢልዮን ብር ከምዝሃበ መግለጺ እቲ ርእሰ ምምሕዳር የረድእ።

ንሰራሕተኛ መንግስቲ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ደሞዝ ጥራይ ኢና ከፊልና ክብል ዝገለጸ ኣቶ ጌታቸው፡ ኵሉ ንሰራሕተኛ መንግስቲ ከይነውዕሎ ልዕሊ 270 ሽሕ ሰራዊት ቀለብ ክነቕርብ ስለዝነበረና እዩ ኢሉ።

ተሓታትነት ብዝምልከት

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ሰብኣዊ በደላት ብዝምልከት ተሓታትነት ክህሉ ኣብ ምግባር ዛጊት ዝተፈጸመ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መብዛሕትኦም ብፍላይ ምስ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሙ በደላት "ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዓደሙ ወጻእተኛታት ዝፈጸምዎ እዩ፡" ኢሉ።

ነዚኦም ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ብዙሕ ሰፊሕ መርትዖ መሰረት ዝገበረ መስርሕ ፍትሒ ክህሉ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለና፡ ድማ ኢሉ። እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ብተደጋጋሚ ከምዘልዕሎን ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝህሉ ርክብ እውን ዝተፈለየ መርገጺ ከምዘየለ ኣነጺሩ።

"ምስቶም ገበን ፈጺሞም ንብሎም ሰባት ኢና ንሰርሕ ዘለና፡ ተሓታትነት ከይተረጋገጸ ምስኦም ኣይንሰርሕን ክንብል ኣይንኽእልን" ብምባል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብሪሁ።

ጸጥታዊ ጸገማት ትግራይ

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ጸጥታዊ ኵነታት ትግራይ ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብመሰረት ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ትግራይ መንግስቲ ዘይፈልጦም ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዉ።

"ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተዋፈሩ ሰባት ምእሳር ጀሚርና ኣለና፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ድማ ብወፍሪ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክነእትዎም ኢና" ኢሉ።

"ኣብ ምዝውዋር ሰባት ብዝምልከት ኤርትራውያን እናጨወዩ ገንዘብ ምቕባል፤ ሎሚ ንኤርትራዊ ይመስል፣ ንትግራዋይ እውን ጀሚሮም ኣለዉ፤ እዚ ኣካላት መንግስቲ ኢና ብዝብል ጉልባብ ዝፍጸም እዩ፤ ነዚ ንምጽራይ ግዜ ወሲዱልና እዩ። ካብ ጽባሕ ጀሚርና ናብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ ስራሕ ክንጅምር ኢና ብምባል ድማ ገሊጹ።

ሓይሊ ፖሊስ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንውልቀ ሓለፍቲ ዘይኰነስ ንህዝቢ ደው ዝብል ኰይኑ ከም ብሓድሽ ተወዲኑ ክቐውም ዘኽእል ምትዕሪራይ ከምዝተጀመረ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ኣብ ጸጥታ ዝርአ ዘሎ ጸገም ፖለቲካዊ ሕመቕ ከምዝዀነ ዝገልጽ ኣቶ ጌታቸው፡ ውድቀት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምነዩ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ዘለዎም ውልቀሰባት ኣለዉ ኢሉ።

ካብ ትግራይ፡ ናብ ባህርዳር: ደሴን ሰመራን ብረት ዘሳግሩ ሰባት ምህላዎም ተጻርዩ ከምዝተረጋገጸ እቲ ርእሰ ምምሕዳር ኣቃሊዑ::

ኣብ ትግራይ ስርቂ ዳርጋ ሕጋዊ ዝዀነሉ ኵነታት ምህላው'ውን ብጋህዲ ኣቐሚጡ።

ኣብ ስርቂ ረድኤት እኽሊ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 480 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ዝገለጸ ኣቶ ጌታቸው ንመኸተ ዝተዋጽአ ገንዘብ ጁባ ብዙሓት ኣሕቢጡ እዩ ብምባል'ውን ነቲ ዝጸንሐ ብልሽውና ብግልጺ ነጊሩ።

ብፖለቲካዊ ውድባት ዝተጸውዐ ሰለማዊ ሰልፊ ዝምልከት

ሰለስተ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ንጳጉሜን 2 ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝጸውዑ ይፍለጥ::

"ሰላማዊ ሰልፊ ምፍቃድን ምኽልካልን ዝበሃል ከምዘየለን ከፍልጡ ጥራሕ ከምዘልዎም ምስቶም መራሕቲ እተን ውድባት ተረዳዲእና ኢና:: ሰልፊ ዝግበረሉ ቦታ ምውሳን ግን ናይቶም ፖለቲካዊ ውድባት ስልጣን ኣይኮነን።

"ብሕጋዊ መንገዲ ምክታዕ ስለዝገደፍዎ እምበር እቶም ውድባት ብመሰረት ቦርድ መረጻ ሕዚ ዘለዎም ቁመና: ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበር ኣኼባ ክጽውዑ እንተዘይኰይኑ ኣብ ኣደባባ ሰልፊ ክጽውዑ መሰል የብሎም" ኢሎም::

ቀንዲ መበገሲ ምኽልካል እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ግን ኣብ መቐለ ርኡይ ጸጥታዊ ጸገም ስለዘሎ እዩ ዝብል እምነት ኣንጸባሪቝ።

"ግዝፍ ዝበለ ናይ ነተጉቲ ምትእኽኻብ ኣሎ፤ ካብ ጐረባብቲ ከባቢታት ዝመጸ እዩ፤ ወረቐት ክብትኑ ዝወፈሩ ውልቀሰባት ተኣሲሮም ነይሮም፤ ምስ ፖሊስ ተዘራሪብና ተፈቲሖም እዮም።

"ንሰለስተ መዓልቲ ዝበሃል ሰልፊ እውን የለን፣ ዓመጽ ተዘይኮይኑ፤

"ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ትግራይ ዳግም ናብ ሕምስምስ ናይ ምእታው ኣጀንዳ ዝሓዙ ሰባት ኣለዉ፣ ጭቡጥ መረዳእታ ኣለና፤ እቶም መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣይኰኑን" ክብል ኣብቲ ንክልተ ሰዓታት ዝቐጸለ መግለጺ ብዝርዝር ኣብሪሁ።