ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዘጠቓለለ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስልጣን ተረኪቡ

ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ መረጻ ክሳብ ዝካየድ፡ ነቲ ክልል ክመርሕ ዝተጣየሰ ጊዝያዊ ምምሕዳር ሎሚ 27 መጋቢት 2015 (ግእዝ) ብዕሊ ስልጣን ከም ዝተረከበ ተገሊጹ።

ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብቲ ነቲ ክልል ከመሓድር ዝጸንሐ ብ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካልኤል ዝምራሕ ካቢኔ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ስልጣኑ ከም ዝተረከበ ቴሌቪዝን ትግራይ ጸብጺባ።

ነቲ ኣንጻር ሰራዊት ፌደራልን መሻርኸቱን ዝመርሑ ዝነበሩ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ጀነራላት ኣብቲ 27 ኣባላት ዘለውዎ ካቢኔ ኣገዳሲ ጽፍሒ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ዝነበረ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ሰክሬታርያት ሰላምን ጸጥታን ኮይኑ ተመዚዙ'ሎ።

ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ'ውን ብተመሳሳሊ ብደረጃ ምክትል ፕረዚደንት ሓላፊ ሰክሬታርያት ዘይምእኩል ምሕደራን ደሞክራታይዘሽንን ኮይኑ ተሸይሙ ከምዘሎ እቲ ሰብመዚ እቲ ክልል ኣፍሊጦም።

ብዘይካ'ዚ፡ ሌ/ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ኮይኑ ከገልግል ተሓርዩ ከምዘሎ ብመንገዲ ተለቪዢን ትግራይ ዝወጸ ዝርዝር ኣስማት ጠቒሱ።

ነቲ ኣብ ሕዳር 2020 ተጀሚሩ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ኣብ ትግራይ ሓድሽ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ ዘገድድ እዩ።

በዚ መሰረት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኰይኑ ከም ዝተሸመ ይዝከር።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ሓድሽ ካቢኔ ኣትዮም ዘለዉ ሰብመዚ፣ ኣይተ በየነ ምክሩ (ቁጠባ)፡ ፕሮፌሰርእ ክንደያ ገ/ህይወት (ማሕበራዊ ልምዓት)፡ ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ (ምምሕዳር ሃፍእትን ትልምን)፡ ከምኡ'ውን ብ/ጀነራል ተኽላይ ኣሸብር (ዳግመ ህንፀትንምጥያሽንዳግመ ህንፀትንምጥያሽን) ይርከብዎም።

ቅድም ክብል መራሕቲ ትግራይ፡ 28 ኣባላት ዘለዉዎ ሓድሽ ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝጣየሹ ምግላጾም ዝዝከር ኰይኑ፡ ከይዲ እቲ ምጥያሽ ኣሳታፍን ግልጽን ኣይኰነን ዝበሉ ተቓወምቲ ውድባት ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፉን።

ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካብ 9 መጋቢት 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ናብ ስራሕ ከም ዝኣተወ ቴሌቪዥን ትግራይ ሓቢራ።

እቶም ኣባላት ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዞም ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፌደራልን ሰብ መዚ ክልል ኦሮምያን ተዘራሪቦም ከም ዝተመለሱ ድማ ኣፍሊጣ።

ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ፕረዚደንት እቲ ምምሕዳር ኰይኑ ዝተመዘዘ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብ 24 መጋቢት 2023 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ዘላቂ ሰላምን ፖለቲካዊ ለውጥን ንምምጻእን ተሓታትነት ገበናት ኲናት ክረጋገጽን ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ድሕሪ እቲ ከቢድ ደማዊ ውግእ ዝተበጽሐ ስምምእ ሰላም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝነበሩ ፍልልያት ብሰላምን ዘተን ንምፍታሕ “ተስፋ ዝህቡ ስጒምቲታት ክውሰዱ ጀሚሮም” ክብል እውን ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ርእሰ ምምሕዳር ውክልና ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘረጋግጽን ኣሳታፍን ዝዀነ ምምሕዳር ንምቛም ፈጻሚ ኣካል እቲ ክልል ሓላፍነት ከም ዝተዋህቦ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ዝምስረት ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ንዅሉ ዘሳተፈን ኵሎም ዓቕምታት ትግራይ ዝእክብን ክኸውን ጻዕሪ ከም ዝተገበረ ገሊጹ።

ህወሓት ኣብ ፌስቡክ ገጹ፡ ዝርዝር ናይቶም ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕላዊ ከም ዝገበረ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።