እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ዝተሸመ ጌታቸው ረዳ መን’ዩ?
ኣብዚ እዋን ፖለቲካ ኢትዮጵያን ትግራይን ስሞም ጐሊሑ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝጥቀሱ መሪሕነትን ፖለቲከኛታትን ሓደ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት መግለጺን መብርህን ክህብ እንከሎ ብዝጥቀሞም ቃላትን ፍልይ ዝበሉ ሓሳባቱን ብዙሓት ይንእድዎ።
ኣብዚ እዋን ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ዝተመዘዘ ጌታቸው ረዳ ዕሙቈት ብዘለዎ ፖለቲካዊ ግንዛበኡን ትንተናታቱን ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ምስ ምፍልላይ ገዛኢ ውድብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኢህወደግን ቀንዲ መስራቲ እቲ ግንባርን ዝነበረ ህወሓትን ስዒቡ ኣብ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅሩቁስ ዝያዳ ጐሊሑ ክወጽእ ክኢሉ’ሎ።
ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ዝነበረ ኵነታት ድማ ስሙ ብተደጋጋሚ ዝለዓል በዓል ስልጣን ትግራይ ነይሩ። እቲ ብብስለቱን ፖለቲካዊ ዓቕሙን ብዙሓት ዝንእድዎ ጌታቸው ረዳ ግን መን’ዩ?
ግዜ ቍልዕነትን ትምህርትን
ጌታቸው ረዳ ኣብ ሰነ 1967 [ግእዝ] ካብ ኣይተ ረዳ ካሕሳይን ወይዘሮ ዓፈራ ተበጀን ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ተወሊዱ።
ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስኣኸለ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝኣተወ ኰይኑ፤ ገና ካብ ግዜ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ንትምህርትን ንባብ መጻሕፍትን ፍሉይ ፍቕሪ ነይርዎ።
ምስ መማህርቱን መተዓብይቱን ናይ ትምህርትን ጸዋታን ግዜ እንተነበሮ’ኳ፡ እቲ ንመጻሕፍቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ግን ምስኦም ንዘሕልፎ ግዜ ይድርቶ ነይሩ።
ካብ ቀዳማይ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ዝተመሃረ ኰይኑ፡ ዝለዓለ ውጽኢት እናረኸበ ንወለዱ ዘሐጕስን ንነኣሽቱ ኣሕዋቱ ኣብነት ዝዀነን ተመሃራይ እዩ።
ብፍላይ ናብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስበጽሐ ዘንብቦም መጻሕፍቲ ትምህርታዊ ጥራይ ዘይኮኑስ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፉ ሓደሽትን ዝነበሩን መጻሕፍቲ ደልዩ እናረኸበ ግዚኡ ኣብ ምንባብ ጥራሕ ከሕልፎ ይመርጽ ነይሩ።
በዓል ኒቺ፡ ካርል ማርክስን ሌኒንን ዝጸሓፍዎም ነዊሕ ዕድመ ዘቝጸሩ መጻሕፍቲ፡ ካብ መንጐ እቶም ገና ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ኰይኑ ዘንበቦም ይርከብዎም።
ኣብ 1985 ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ናይ ሽዑ ቤት ትምህርቲ ‘ታዳጊዋ ኢትዮጵያ’ ምስ ወድአ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእተው ዝለዓለ ውጽኢት ስለዝረኸበ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ኣትዩ።
ካብ መምህርነት ናብ ፖለቲካ
ጌታቸው ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምራቝ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብመምህርነት ዝተጸምበረ ኰይኑ ኣብ ክፍሊ ትምህር ሕጊ ንዝተወሰነ ዓመታት ኣገልጊሉ።
ኣብ ፈለማ 1990ታት [ግእዝ] ብዝረኸቦ ዕድል ትምህርቲ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከብ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣላባማ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ካልኣይ ዲግሪ (ማስተርስ) ክረክብ ዝበቕዐ ኰይኑ ዳግማይ ናብቲ ብመምህርነት ዝሰርሓሉ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተመሊሱ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ብመምህርነት ነዊሕ ኣይጸንሐን፤ ኣብ 1997 ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሓላፍነት ስራሕ መንግስቲ ስለዝተሸመ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ።
ካብ ሞያ መምህርነት ወጺኡ ናብ ፖለቲካን መንግስታዊ ስልጣንን ካብ ዝኣቱ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ሓላፍነት ዘገልገለ ኰይኑ፡ ብፍላይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ነዊሕ እዋን ዝሰርሐሎም እዮም።
ዝሰርሓሎም መንግስታዊ ሓላፍነታት
- ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዳይሬክተር ፓብሊክ ዲፕሎማሲ
- ኣብ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ዳይሬክተርነት ናብ ዋና ዳይሬክተርነት ደይቡ
- ሚኒስተር ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ
- ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር (ኣብ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ)
- ኣብ ኣላማጣ ተመራጺ ብምዃን’ውን ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣትዩ ነይሩ።
ብድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ግንባር ኢህወደግ ዓበይቲ ለውጢታት ክግበር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ፍልልያት ከምዝተፈጠረ ይዝከር።
በዚ ምኽንያት ብፍላይ ነቲ ግንባር ካብ ዝመስረቱ ኣርባዕተ ውድባት ፖለቲካ ሓደን ጐብለል ዝነበረ ህወሓት ምስቲ ሓድሽ መንግስትን ኣካይዳን ብብዙሕ መልክዑ ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ ንርእሱ ካብ ኢህወደግ ኣግሊሉ።
ነዚ ስዒቡ ጌታቸው ረዳ’ውን ምስ ካልኦት ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ሹመኛታትን ትግራይ ናብ ክልሎም ተመሊሶም ኣብ ዝሰርሑሉ ግዜ፡ እቲ ፖለቲካዊ ፍልልያት ናብ ኣዝዩ ዝለዓለ ወጥሪ ብምስግጋሩ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ህወሓትን ርኡይ ቅርሕነቲ ተራእዩ።
ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ፖለቲካዊ ረስኒን ናይ ቅድመ ኲናት ወጥሪታትን ዝረኣየሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዕሊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብምዃን ይሰርሕ ነይሩ።
ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበራ ሒደት ኣዋርሕን ድሕሪ ምውላዕ ኲናትን ድማ ካብ ኣማኻርነት ፕረዚደንት ብተወሳኺ ወሃቢ ቓል ህወሓትን ክልላዊ መንግስትን ኰይኑ ተቐልቂሉ።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ንውድቡ ህወሓት ብምውካል ብዝህቦም መግለጺታት ናብ ቅድሚት ክመጽእ ዝኸኣለ ጌታቸው፡ ብድሕሪ ኲናት እውን እንተዀነ ብፍላይ ምስ ስምምዕ ሰላም ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተገበሩ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪታት ንትግራይ ብምውካል መሪሕ እጃም ፈጺሙ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ - ፕሪቶሪያን፡ ኬንያ - ናይሮቢን ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ንተወከልቲ ትግራይ ብምምራሕ ምስ ተወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተላዚቡ።
ምሕዝነት ጌታቸው ምስ መጻሕፍቲ
ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ ዕድመ ኣትሒዙ ዓበይቲ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ዘንብብ ዝነበረ ጌታቸው፡ ክሳብ ሎሚ’ውን እንተዀነ ኣእዳዉን ኣዒንቱን ካብ መጻሕፍቲ ከምዘይፈለየ ቤተሰቡን ብቐረባ ዝፈልጥዎን ይዛረቡ።
ንዘንብቦም መጻሕፍቲ ዘየማርጽ’ኳ እንተዀነ ብቐንዱ ግን ናይ ፍልስፍና፡ ፖለቲካን ቁጠባን ከምኡ’ውን ታሪኽ ዓለም ዘዘንትዉ መጻሕፍቲ የዘውትር።
“ገና ተመሃራይ ኰይኑ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝዀኑ መጻሕፍቲ እዩ ዘንብብ ነይሩ። ካብ ሰብ ተለቂሑ ዘምጽኣ መጽሓፍ ንጽባሕ ምለሳ ኢኻ እንተተባሂሉ ምሉእ ለይቲ ኮፍ ኢሉ ኣንቢቡ ከረክቦም ከሎ ይርእዮ ነይረ” ይብል ንእሽተይ ሓዉ ዶክተር ሞላ ረዳ።
ብዙሓት ሰባት ብዛዕባኡ ክዛረቡን ክንእድዎን ከለዉ ካብ ዝጠቕስዎም ጉዳያት እቲ ሓደ ምልከት ቋንቋ እንግሊዝኛኡ እዩ።
እዚ ክእለት ድማ ካብቲ ገና ተመሃራይ ኰይኑ ልዕሊ ዕድመኡ እናቐደመ ዘንብቦም ዝነበሩ ዓለማዊ መጻሕፍቲ ዘማዕበሎ ከምዝኾነ ሓዉ ይዛረብ።
ሓደ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስኡ ብመምህርነት ዝሰርሐን ናይ ቀረባ ዓርኩን መምህር ምሉወርቅ ኪዳነማርያን ኣብ ዝጸሓፎ ሓደ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ጌታቸውን መጻሕፍትን ሓሳብ ኣስፊሩ ነይሩ።
“ጌታቸው ረዳ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመሪቝ ምስመጸ ኣብታ ቀደም ቢዝነስ ኮሌጅ (ቀበሌ 03) እትበሃል ዝነበረት ናይ መጀመርያ ትካል ላዕለዋይ ትምህርቲ ትግራይ እዩ ተቘጺሩ ምሳና ከሰርሕ ተሓዊሱና። ኣብቲ ጋሻ ዝነበረሉን ምሳና ዝተራኸበሉን ናይ መጀመርያ እዋን ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይታ ዝነበረትና ቤት ሻሂ ኰይኑ መጽሓፍ የንብብ ነይሩ፡" ክብል የዘንቱ።
ምሉወርቅ ከምዝብሎ ጌታቸው ሓድሽ ምሩቕ ኰይኑ ሒዝዎ ዝነበረ መጽሓፍ ናይ Albert Camus, "The Myth of Sisyphus" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ እዩ ነይሩ።
ዳማ እናተጻወቱ ድማ “እቲ ሒዝካዮ ዝንሄኻ መፅሓፍ ተረዲኡካ ድዩ ተንብቦ ዘለኻ?" ክብል ንጌታቸው ሓተቶ።
ሽዑ ናይ ጌታቸው መልሲ "እወ፤ ቅድሚ ሕዚ'ውን ካልኦት ናይ Albert Camus መጻሕፍቲ ኣንቢበሉ እየ" ኢሉ ናይተን ዘንበበን መጻሕፍቲ ስም ዝርዝር ነገሮ።
“ሓድሽ ምሩቕ ምያኡ እንተዘይኮይኑ ከምኡ ዝበለ ፍልስፍና ተንከፍ መጽሓፍ ከንብብ ስለዘየጋጥመኒ እየ ከምኡ ዝበለ ሕቶ ሓቲተዮ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝተራኸብናሉ ብዛዕባ መጻሕፍትን ሓሳባትን ኢና ነዋግዕ” ይብል ምሉወርቅ።
ሎሚ’ውን እንተዀነ ኣብ መዝነት መንግስቲ ኰይኑ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዚኡ መጻሕፍቲ ምንባብ ኣየቋረጸን።