ካናዳ፡ ስለምንታይ ብዙሓት ሓተትቲ ዕቝባ ይመርጹዋ ኣለዉ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ካናዳ ሰጊሮም፤ ካብዚኦም መብዛሕትኦም ዕቝባ ሓቲቶም።

ብዙሓት ድማ እታ ሃገር ካብ ኣሜሪካ ንላዕሊ ስደተኛታት ተቐባሊት እያ ብዝብል እምነት ዝድረኹ እዮም።

ካናዳ ግን ነቲ ዋሕዚ ክትጻወሮ ትኽእል ድያ? ሕቶ ብዙሓት እዩ።

ኣብቲ በረድ ዝበዝሖ ክረምታዊ መዓልቲ፡ መንገዲ ሮክስሃም ዝሑልን ጽምው ዝበለን እዩ።

ጽምዋ እዚ መገዲ፡ ብድምጺ መካይን ወይ በቲ በረድ ዝሓልፍ ኣሰር ሰባት ይስበር።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣስታት 150 ስደተኛታት እግሮም ናብ ካናዳ ንምእታው ቈሪጾም ናብ ሮክስሃም ይመጽኡ።

ብዙሓት ክሳብ ካብ ብራዚል ዝርሕቕ ቦታ እዮም ጕዕዞኦም ጀሚሮም፡ እዚ ኣብ ግዝኣት ኒውዮርክ ዝርከብ ጽርግያ መዛዘሚ ጕዕዞኦም ይገብርዎ።

መንገዲ ሮክስሃም፡ ወግዓዊ መስመር ዶብ ኣይኰነን፤ ኣብ መወዳእታ እቲ መገዲ'ውን ወኪላ የለውን። ነቶም ዝሰግሩ ሰባት ዝኣስሩ ፖሊስ ጥራይ ግን ኣለዉ።

ዕቝባ ንምሕታት ግን፡ ካብ ኣሜሪካ ናብ ካናዳ ንምእታው እቲ ዝቐረበ ቦታ እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት በቲ መንገዲ ዝለዓለ ዋሕዚ ስደተኛታት ነይሩ - ኣሽሓት በቲ እታ ሃገር ነቶም ካብ ኲናትን ግጭትን ዝሃድሙ ንምሕጋዝ ዘለዋ ተበግሶ ዝተስሓቡ እዮም።

እቲ ዋሕዚ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እናዓበየ፡ ብዛዕባ ድሕነት እቲ መገዲ ስክፍታታት እናወሰኸ፡ መጻኢ እቶም ነቲ ጕዕዞ ዝገብሩ እንታይ ይኸውን ዝብል ሕቶታት ኣስዒቡ ኣሎ።

መንገዲ ሮክስሃም ኣብ 2017 ካብ ምምዝባልን ግጭትን ዝሃደሙ ስደተኛታት ብብዝሒ ናብኡ ክሰግሩ ምስ ጀመሩ እዩ ሃገራዊ ኣቓልቦ ረኺቡ።

ገሊኦም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ኣሜሪካ ከይስጐጉ ብዝሓደሮም ስግኣት፡ ገሊኦም ድማ ብቐዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ትሩዶ "ነቶም ካብ ስደት፡ ራዕዲን ኲናትን ዝሃድሙ፡ ካናዳውያን ብሓጐስ ክቕበሉኹም እዮም" ዝብል ርእይቶ ተሳሒቦም።

እቲ ዋሕዚ ንሰበስልጣን ካናዳ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ኰይኑዎም።

ስታድዩም ኦሎምፒክ ሞንትርያል ንሓጺር እዋን ናብ መንበሪ ሓደስቲ ስደተኛታት ተቐይሩ።

መንግስቲ ፈደራል፡ ናብ ካናዳ ምእታው ኣብኡ ንኽትጸንሕ መረጋገጺ ከም ዘይኰነ ብምጥንቃቕ፡ ነቲ ዋሕዚ ክዓግቶ ፈቲኑ።

ምስ ለበዳ ኮቪድ ብዝተኣሰሰር፡ መንግስቲ ፈደራል ብዘውጽኦ ህጹጽ ስጕምትታት ጥዕና ነቲ መስመር ዓጽዩ ጸኒሑ።

ቅድሚ 16 ኣዋርሕ ኣቢሉ እቶም ስጕምትታት ምስ ተላዕሉ ኣሽሓት ሓተትቲ ዕቝባ መሊሶም መጺኦም።

ብዙሓት ካብታ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብፖለቲካውን ጕጅለታትን ዓመጽ ዝተናወጸት ሃገር ሃይቲ ዝመጹ እዮም።

ካብ ከም በዓል ቬንዙዌላን ኮሎምብያን ዝኣመሰላ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ፡ ወይ ድማ ካብ ርሑቕ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጽኡ ሰባት’ውን ኣለው።

ኵሎም ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሽጣዊ ዕግርግር ዝገጥሙ እዮም።

ማዕረ ማዕረኡ ምምሕዳር ባይደን፡ ገለ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ብመሬት ምእታው ንምዕጋት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣብ ዘመነ ትራምፕ ዝነበሩ ፖሊሲታት ለበዳ ኣናዊሑ ኣሎ።

ኣብ ኩቤክ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት፡ ንኣሜሪካ ከም መዕቆቢ ጽብቕቲ ሃገር ከም ዘይኰነት ዝርእይዋ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሕቶ ዕቝባ ቅድሚ ምስምዑ ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል፡ ከምኡ’ውን ተቐባልነት ከም ዘይብሎም ኰይኑ ስለ ዝስምዖም እዩ።

ጆሽዋ ድሕሪ በዓል ልደት ክልተ መዓልቲ ናብ ሞንትርያል ዝኣተወ ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ምስ ካልኦት ስደተኛታት ናይ ሓባር ገዛ ይካፈል ኣሎ፤ ጉዳዩ ክስማዕ ድማ ይጽበ ኣሎ።

እቲ ተወላዲ ቬንዙዌላ፡ ናብ ካናዳ ክጓዓዝ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቺለ ብዘይ ሰነድ ጕዕዞ ኣብ ስደት ይነብር ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ካልኦት ሃገራት፡ ምስ ዘይስሩዓት ስደተኛታት ክንድዚ ሓልዮት የብለንን" ይብል ካብ ፖለቲካዊ ስደት ዝሃድም ሰብ ምዃኑ መንነቱ ንምሕላው ስሙ ዝተቐየረ ጆሽዋ።

ካናዳ ግን ብሓጐስ ተቐቢላትኒ ኣላ- ይብል።

ብድሕሪ እዚ ዋሕዚ ምስ ኣሜሪካ ዝተገብረ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ስምምዕ - ስምምዕ ውሑስ ሳልሳይ ሃገር - ስደተኛታት ኣብታ ፈላሚት እግሮም ዝረግጽዋ 'ውሑስ' ሃገር ዕቝባ ክሓቱ ዝጠልብ እዩ።

ካብ ኣሜሪካ ዝመጽእ ስደተኛ ኣብ ዶባዊ ካናዳ ክምለስ ይኽእል እዩ፤ ሮክስሃም መንገዲ ግን ነዃል ኣይሰኣኖን።

ሚስተር ትሩዶ ነቲ መሳገሪ ንምዕጻው ዝቐረበ ጻውዒት ብምንጻግ፡ ነቲ ምስ ኣሜሪካ ዘሎ ብኣሽሓት ኪሎ ሜትር ዝቝመቱ ክፉት ዶብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስደተኛታት ብሓደገኛ መንገዲ ናብ ካልእ ቦታታት ክሰግሩ ከም ዝፍትኑን ይሕብር።

ኣብ ክንድኡ ነቲ ስምምዕ ዳግማይ ኣብ ምድርዳር ኣተኲሩ'ሎ - እዚ ጉዳይ እዚ እቲ ፕረዚደንት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናብ ኦታዋ ክበጽሕ ከሎ ምስ ጆ ባይደን ከልዕሎ ትጽቢት ይግበር።

እቶም ሓደስቲ መጻእቲ ግን ንማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብፍላይ ኣብታ ብዙሓት ስደተኛታት ዝሰፍሩላ ኩቤክ ስጕምቲ ክወስዱ ጸቕጢ ይገጥሞም ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኩቤክ ፍራንስዋ ሌጋልት፡ ኣብታ ዞባ ዘሎ ኵነታት ዘይጸንዕ ክብል ብምግላጽ፡ ኣገልግሎታት "ናብ ጫፍ ተደፊኡ" ከምዘሎን፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ገለ ስደተኛታት ስእነት ገዛ የጋጥሞም ከም ዘሎን ገሊጹ።

"ሓተትቲ ዕቝባ ብኽብሪ ምቕባል ኣጸጋሚ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ" ክብል ኣብ ለካቲት ገሊጹ ነይሩ።

ስደተኛታት እውን ምጕታት ሕቶታት ዕቝባ የጋጥሞም ኣሎ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ጥሪ ዝነበረ 56,300 ክሳብ ታሕሳስ ናብ ዳርጋ 71,000 ዓብዩ - ብ26 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ሕጂ ሓደ ጉዳይ ንምርኣይ ክሳብ ክልተ ዓመት ክወስድ ይኽእል።

ኣስታት 28 ሚእታዊት ካብ ኵሉ ሕቶ ዕቝባ ዝሓለፈ ዓመት ተነጺጕ'ዩ።

ብዙሓት ስደተኛታት ከም ውጽኢቱ መነባብሮኦም ንምምላእ ተቓሊሶም፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ዝጽበዩሉ እዋን ባንክታት መግብን ካልእ ማሕበራዊ ደገፋትን ንምርካብ ከም ዝተጠቕሙ ተጣበቕቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

"ገሊኦም ኣብ ትሕቲ መኣዲ ስራሕ ክቕበሉ ኣብ ዝግደደሉ ኵነታት እዮም ዘለዉ" ትብል ኣብ ሞንትርያል እትነብር ጠበቓ ኢሚግሬሽን ሱዛን ታፎት፡ ንሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ሕቶታቶም ትሕግዝ።

ፖይሰን፡ ገለ ካብኣቶም ብዘይ ተወሳኺ ደገፍ መንግስቲ በቲ ስንጥቆታት ይወድቁ ከም ዘለዉ ስግኣት ከምዘለዋ ገሊጻ።

"እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝዀኑ፡ ስንባደ ዘለዎም፡ ብዙሕ ጸገማት ቋንቋ ዘለዎም ዘድልዮም ሓገዝ ኣይረኽቡን ዘለው ዝብል ናይ ብሓቂ ስክፍታ ኣሎና" ትብል።

ወከልቲ ዶባት ኣሜሪካ ካብ ካናዳ ተመሊሶም ዝሰግሩ ሰባት ምውሳኹ ኣስተብሂሎም።

ኣብ ጥሪ፡ ሓለዋ ዶባት ኣሜሪካ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ክሰግሩ ዝፈተኑ 367 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ዝተራእየ ቍጽሪ ብድምር ዝዛይድ እዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሮም ኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካን ብዛዕባ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ዝፍጠር ዘሎ "ቅልውላው" ብዕምቈት ተዛሪቦም።

ገለ ካብቶም ንድሕሪት ዝሰገሩ ሰባት፡ ኣብ ካናዳ ስራሕ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም፡ ወይ ምስ ስድራኦም ክራኸቡ ብዘይምኽኣሎም ዝተመልሱ ምዃኖም ኣብ ሞንትርያል ምስ ሓተትቲ ዕቝባ ዝሰርሑ ሰባት ይዛረቡ።

ኣብ ካናዳ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ብድሆታት'ኳ እንተሃለወ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ማእከል መሪር ክረምቲ ከይተረፈ ብመንገዲ ሮክስሃም ይሰግሩ ኣለዉ።

ሚስተር ፕሮቮስት ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጽአ ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን፡ "እዚ ወዲ ገንዘብ ኣይነበሮን። ኣብ ሓደ ሞቴል ክጽበ ጸኒሑ'ዩ" ይብል ።

እቶም ስደተኛታት ምስ ሰገሩ፡ ኣባላት ሮያል ካናዳዊ ፈረስ ፖሊስ ይቕበሉዎም።

ንሳቶም ድማ ንቕድሚት እንተሰጊሮም ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣትዉ የጠንቅቝ።

ኣብ ሓደ እዋን ገለ ብራሽን ኣግራብን ዘለዎ ጐዳጉዲ ዝነበረ ኰይኑ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ እቲ ብወገን ካናዳ ዝርከብ ዶብ ናብ ንእሽቶ ቀጽሪ ፖሊስ ተቐይሩ፡ ነቶም ዝሰግሩ ንምስራሕ ዝሕግዙ ተጐታቲ መካይንን ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ሆቴላት ንምምጻእ ዝጽበዩ ኣውቶቡሳትን ምሉእ ብምሉእ ተቐይሩ።

ሚስተር ፕሮቮስት፡ ሰባት ኣብቲ ካልእ ወገን እንታይ ከም ዝጽበዮም ርግጸኛታት ዘይኰኑ፡ ናይ መወዳእታ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዶም ምልስ ክብሉ ከም ዝርኢ ገሊጹ።

ንከም ጆሽዋ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ግን ካናዳ ኣብ መስመር ናይ መወዳእታ ውሑስ ቦታ እያ።

"ሕልሚ ኣሜሪካውያን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ሞይቱ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። "ሞንትርያል ሓዳስ ገዛይ እያ። እታ እንኮ ገዛይ ዘለዋ።"