እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካናዳ፡ ስለ ምንታይ 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ክትቅበል ወጢና?
ካናዳ ብሰንኪ ዕድመ ምድፋእ ጥሮታ ዝወጽኡ ዜጋታት ምብዛሕ ኣብ ቁጠባኣ ዘጋጠመ ሃጓፍ፡ ብስደተኛታት ንምምላእ ተኣማሚና ኣላ።
ነቲ ብዙሓት ሰባት ካብ ወጻኢ ምምጻእ ዝብል ሓሳብ ግን ኵሉ ሰብ ዝተሰማመዓሉ ኣይኰነን።
መንግስቲ ካናዳ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ዓመታዊ፡ 500 ሽሕ ስደተኛታት ንምእታው ውጥን ከምዘለዎ ዘፍለጠ ኰይኑ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ክትቅበል እያ ማለት እዩ።
እዚ ውጥን፡ ብመንጽር ብዝሒ ህዝቢ ምስ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎም ሰባት ዘለዎ ተዛምዶ፡ እታ ሃገር፡ ካብ ብሪጣንያ ሸሞንተ ግዜ ካብ ኣሜሪካ ድማ ኣርባዕተ ግዜ ዝበዝሕ ህዝቢ እትቕበል ዝገብራ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ መጽናዕቲ ግን፡ ሓደስቲ ሰባት ምቕባል ናይ ገዛእ ርእሱ ጭንቀት ይፈጥር ከም ዘሎ የመላኽት።
ብዓቢኡ ዝተኣማመነትሉ ትልሚ
ካናዳ ብዝሒ ህዝባን ቍጠባኣን ንምድንፋዕ፡ ብዘይገደብ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ፍቓድ ዘለዎም ግን ድማ ዜጋታታ ዘይኰኑ ስደተኛታት ንምስሓብ ክትፍትን ጸኒሓ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ታሪኻ ዝለዓለ 405 ሽሕ ቀወምቲ ነበርቲ ተቐቢላ እያ።
እቲ ምኽንያት ብገለ ሸነኹ ቀሊል ቅማረ እዩ።
ካናዳ ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት ምዕራብ፡ ትሑት መጠን ወሊድ ዘለዎ ብዕድመ ዝደፍአ ብዝሒ ህዝቢ ኣሎዋ።
እዚ ማለት ድማ እታ ሃገር ክትምዕብል እንተደልያ ሰደተኛታት ከተምጽእ ኣለዋ።
መንግስቲ ከም ዝገለጾ፡ ብዝሒ ስደተኛታት ድሮ ንዕብየት ሰራሕተኛ ዓቕሚ ሰብ ዝሸፈነ ኰይኑ፡ ኣብ 2032 ድማ ንምሉእ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ክሽፍን ትጽቢት ይግበር።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ክሳብ 2025 ዓመታዊ 500 ሽሕ ስደተኛታት ከም ዝቕበል ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ 2021 ዝነበረ ብ25 ሚእታዊት ክብ ዝብል እዩ።
ኣብ ዓለም ፍሉይ ዝዀነ ቦታ
ኣብዚ እዋን ሓደ ካብ ኣርባዕተ ካናዳውያን ናብታ ሃገር ብስደት ዝመጽአ ኰይኑ፡ እዚ መጠን ምስ ሃገራት ጕጅለ -7 ክነጻጸር እንከሎ ዝለዓለ እዩ።
እታ ብልሙድ ብዙሓት ኣህዛብ ተሓናፊጾም ከም ዝነብሩላ እትግለጽ ኣሜሪካ እኳ፡ ካብ ብዝሒ ህዝባ 14 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ስደተኛ።
ካብ ነበርቲ ብሪጣንያ እውን ተመሳሳሊ 14 ሚእታዊት ስደተኛታት እዮም።
እንተዀነ እዚ ብመንጽር ስደተኛታት ካናዳ ቅሩብ ምቕዳም እምበር፡ ናይ ብሪጣንያ ድሕሪት ምትራፍ ከም ዘየመላኽት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዳይረክተር ማይግሬሽን ኦብዘርባቶሪ ማደሊን ሰምፕሽን ትገልጽ።
እታ ዕጽፊ ብዝሒ ህዘቢ ካናዳ ዘለዋ ንእሽቶ ደሴት ዝዀነት ብሪጣንያ፡ ድሮ ጽዑቕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኰይና፡ እታ ኣስታት 38 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ካብተን ሰፋሕቲ ሃገራት ዓለም ዝዀነትን ካናዳ ግን ንምዕባይ ሕጂ'ውን ቦታ ኣለዋ።
“ብሓፈሻ ብሪጣንያ፡ ብከምቲ ካናዳ እትገብሮ ዘላ ብዝሒ ህዝቢ ናይ ምውሳኽ ዕላማ የብላን” ትብል ማደሊን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማክማስተር ፖሊቲካል ሳይንቲስት ዝዀነ ጆፍረይ ካሜሩን ድማ፡ ኣብ ከም ካናዳ ዝበላ ትሑት መጠን ወሊድን ብብዝሒ ኣብ ምእራግ ዝርከብ ህዝብን ዘለወን ሃገራት፡ ዕዉትነት ስርዓተ ስደት ኣብ ድጋፍ ህዝቢ ዝተመስረት ከም ዝዀነ ይገልጽ።
“ንብዙሓት ሃገራት እቲ ቀያዲ ባእታ ርእይቶ ህዝቢ እዩ።”
ኣብታ ብደቡባዊ ዶባታ ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ኵሉ ግዜ ንላዕሊ ዝበዝሐላ ኣሜሪካ፡ ብዝሒ ስደተኛታት ካብቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ሽቕለት ከይዛይድ ብሓፈሻ ስግኣት ኣሎ።
ቅድሚ ብረግዚት [ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ]፡ ብዝሒ ካብ ምብራቕ ኣውሮጳ ናብታ ሃገር ዝስደዱ ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊ ስደት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ክምዕብል ገይሩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን፡ እታ ሃገር ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸ ስርዓተ ቁጽጽር ኣሎዋ ካብ ዝብል እምነት ዝነቅል ዝሓሸ ኣመለኻኽታ ከም ዝማዕበለ ሰምፕሽን ትገልጽ።
ካናዳ ግን፡ ንስደተኛታት ዝለዓለ ድጋፍ ናይ ምሃብ ዝጸንሐ ታሪኽ እዩ ዘለዋ።
ካሜሩን ናይዚ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ “እቲ ህዝቢ መንግስቲ ካናዳ ንጉዳይ ስደት ብኣግባቡን ድልየት እታ ሃገር ብዘማልአን መንገዲ የመሓድሮ እዩ ዝብል እምነት ስለዘለዎ ይመስለኒ” ይብል።
እንተዀነ ንስደት ዝምልከት ዝዀነ ሻቕሎት የለን ማለት ኣይኰነን።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዶብ ኣሜሪካ ዝተራእየ ዋሕዚ ስደተኛታት ሻቕሎት ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ኣብ 2018 ዝመጽአ ህዝባዊ ሰልፊ ካናዳ ዝተባህለ የማናዊ ውድብ ነቲ ሰክፍታ ክሳብ መረጻ 2019 ከም ኣጀንዳ ኣምጺእዎ።
ዝተፈላለየ ከባቢታት ካናዳ እውን ኣብ ጉዳይ ስደት ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎም።
መንግስቲ ካናዳ 500 ሽሕ ስደተኛታት ክቕበል ከም ዝደሊ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፡ ግዝኣት ኩቤክ ልዕሊ 50 ሽሕ ስደተኛታት ከም ዘይትቕበል ኣፍሊጣ እያ።
እዚ ማለት እታ 23 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ካናዳ ዝሓዘት ግዝኣት፡ ካብቶም ስደተኛታት 10 ሚእታዊት ጥራሕ እያ ክትቅበል ማለት እዩ።
መራሒ እታ ግዝኣት ፍራንኮይስ ልጋውልት፡ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብታ ግዝኣት ንዝዝረብ ቋንቋ ፈረንሳ ከዳኽሞ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።
“ድሮ ብ 50 ሽሕ እኳ ንምድኻም ፈረንሳይኛ ደው ክነብሎ ኣይንኽእልን” ኢሉ።
ካናዳ፡ ዋላ'ኳ ከም ሃገር ናይ ምዕባይ ብዙሕ ዕድል ዘለዋ እንተዀነት፡ ገለ ከባቢታት ግን ይጨናነቑ እዮም ዘለዉ።
ንኣስታት 10 ሚእታዊት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ዝሓዛ ከተማታት ቶሮንቶን ቫንኮቨርን፡ ናይ ተመጣጣኒ መንበሪ ገዛ ቅልውላው ኣጋጢምወን ኣሎ።
ኣብ 1537 ካናዳውያን ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ ኣርባዕተ እቶም ሰለስተ፡ እቲ ሓድሽ ትልሚ ኣብ መንበሪ ገዛን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጸቕጢ ክፈጥር እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ገሊጾም።
ካልእ ካናዳ ካብ ሃገራት ምዕራብ ፍልይቲ ዝገብራ፡ ኣብ ንስራሕ ኢሎም ዝስደዱ ሰባት (ኢኮኖሚክ ማይግራንት) ዘለዋ ትዅረት እዩ።
ኣስታት ፍርቂ ካብ ቀወምቲ ነበርቲ ካናዳ ብሞያዊ ክእለቶም ተቐባልነት ዝረኸቡ እዮም።
መንግስቲ፡ ኣብ 2025 እቲ መጠን 60 ሚእታዊት ክበጽሕ ተስፋ ገይሩ ኣሎ።
ነዚ ሓደ ምኽንያት፡ ስርዓት ካናዳ ዝተሃነጸሉ መንገዲ ከም ዝዀነ ካሜሩን ይገልጽ።
ኣብ 1960ታት ካናዳ ካብቲ ንሃገራት ዝወሃብ ብዝሒ (ኮታ ሲስተም) ናብ ገምጋም መሰረት ዝገበረ፡ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ስርዓት ብምስግጋራ፡ እቲ ዳሕረዋይ ስርዓት ኣብ ዕብየት ካናዳ ኣበርክቶ ዘለዎም ብዙሓት ስደተኛታት ክትቅበል ኣኽኢልዋ እዩ።
ዋላ'ኳ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ተመሳሳሊ ስርዓት እንተሃለወን፡ ናይ ካናዳ ግን ፍሉይ እዩ።
ኣብ ብሪጣንያ ካብ ኣርባዕተ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም እቲ ሓደ እዩ ብስራሕ ምኽንያት ነቲ ዕድል ዝረክብ።
ኣብ ኣሜሪካ ድማ 20 ሚእታዊት ጥራይ ብስራሕ ምኽንያት ፍቓድ መንበሪ ይረኽቡ።
እተን ሃገራት ቍጽሪ ንስራሕ ዝኣትዉ ስደተኛታት ናይ ምውሳኽ ምልክታት ዘርእያ ዘለዋ ኰይነን፡ እቲ ኣፈላላይ ናብዘን ሃገራት ዝኣቱ ብኣስራሕቱ ዝምወል ምዃኑ እዩ።
ኣብ ካናዳ ግን፡ ጠለብ ስራሕ ምርካብ ከም ሓደ ብዙሕ ነጥቢ ዘውህብ ረቛሒ ኣይውሰድን።
ካናዳ ነቲ ትልሚ ከተዐውቶ ትኽእልዶ?
ካናዳ ዝበዝሑ ስደተኛ ሰራሕተኛታት እትቕበል ሃገር ጥራሕ ዘይኰነትስ፡ ካብተን ብብዝሒ ሓተትቲ ዕቝባ ዝቕበላ ሃገራት እውን እያ።
ኣብ 2021 ጥራሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ተቐቢላ እያ።
እንተዀነ እታ ሃገር ዘውጸአቶ ትልሚ ዝተጋነነ ይመስል።
ኣብ 2021 ክትቅበሎም ተሊማ ዝነበረት ሓተትቲ ዕቝባ 59 ሽሕ እዩ ነይሩ።
ሚኒስትሪ ስደተኛታት ካናዳ እቲ ክፍተት ብሰንኪ ምስ ኮቪድ ዝተሓሓዝ ዕጽዋ ዶብ ዝተፈጥረ ከም ዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
ካናዳ ኣብ 2023 ኣስታት 76 ሽሕ ሓተትቲ ዕቍባ ክትቅበል ትልሚ ኣለዋ።