ኣከዳድንኦም 'ባህልን ስነምግባርን' ጥሒሱ ተባሂሎም ዝተኣስሩ ቲክቶከራት እንታይ ዓይነት ክሲ ከጋጥሞም ይኽእል?

ኣዶናይ ብርሃነ (ጸጋም)፣ ወንግላዊት ገብረ እንድርያስ (ማእኸል)ን ዮውሃንስ መኮነን (የማን) ብሰንኪ ኣከዳድንኦም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, @Krinfud / Instagram ; @Evan / TikTok ; @Jahnny / TikTok ; BBC

መግለጺ ስእሊ, ኣዶናይ ብርሃነ (ጸጋም)፣ ወንጌላዊት ገብረ እንድርያስ (ማእከል)ን ዮሃንስ መኮነን (የማን) ብሰንኪ 'ኣከዳድንኦም' ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ኣብታ ዓቃባዊ ባህሊ ዘለዋ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ መደብ ሽልማት ቲክቶክ፡ "ዘይጭዋዊ ኣከዳድና" ተኸዲኖም ብዝብል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣዶናይ ብርሃነ ዝርከቦም ሽዱሽተ ቲክቶከራት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ 'ጂ ፓወር ቲክቶክ ክርኤቲቭ ኣዋርድ' ክካየድ እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ብዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ብምቕራብ ዝፍለጡ ተጠቀምቲ ከም ዝተሳተፉ ይፍለጥ።

ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለዎ ወዲ 25 ዓመት ኣዶናይ ብርሃነ ድማ ኣብቲ መድረኽ "ብሉጽ ቲክቶከር" ተባሂሉ ተሸሊሙ ነይሩ።

ብሰሉስ ምሸት ግን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምጽራይ ይግበረሉ ከም ዘሎ ፖሊስ ገሊጹ።

ፖሊስ ፈደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ መንእሰያት፡ ኣብቲ መድረኽ ሽልማት ቲክቶክ ካብ ባህልን ስነምግባርን ህዝቢ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝዀነ "ሰብነቶም ዕርቃኑ ዘርኢ ኣከዳድና ተኸዲኖም ኣብ ኣደባባይን ብቐጥታ ፈነወ ተለቪዥን ንህዝቢ ኣብ ዝተመሓላለፈን፡" ንህዝቢ ዘነውር እዩ ክብል ከሲሱ።

ፖሊስ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ መንእሰያት፡ "ሕሱር ባህሊ ንምስራጽ ዝግበር ተግባር ንምክልኻል ስጕምቲ ምውሳድ ክቕጽል፡" ምዃኑ ገሊጹ።

በዚ መሰረት፡ ብረቡዕ'ዉን ካልኦት ክልተ ቲክቶከራት ነቲ መተግበሪ ብምጥቃም፡ "ካብ ባህልን ልምድን እታ ሃገር ወጻኢ ዝዀኑ ምስልታትን መልእኽቲታትን፡" የመሓላልፉ ነይሮም ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

እቲ ማእሰርቲ ኣብ መላእ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ሰፊሕ ክትዕ ኣስዒቡ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ደገፍቲ፡ እቲ ማእሰርቲ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝጥሕስን ፈጠራ ዝጐስን ምዃኑ ክምጕቱ እንከለዉ፡ ዓቃባውያን ድምጽታት ድማ ፖሊስ ዝወሰዶ ስጕምቲ ብምድጋፍ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝፍለጡ ሰባት ባህላዊ ስርዓታት ከኽብሩ ኣለዎም ኢሎም ይማጐቱ።

ካብቶም ዝተኣሰሩ ኢቫን ብዝብል እትጽዋዕ ወንጌላዊት ገብረ እንድርያስ፡ ኣብቲ መድረኽ ሽልማት ቲክቶክ መትሓዚ ጡብ ዘይብላ ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ ጃኬት ተኸዲና ተራእያ።

'ጃኒ' ብዝብል ዝፍለጥ ዮሃንስ መኮነን ቦርሳ ሒዙ ዝተራእየ ኰይኑ፡ ኣዶናይ ደረቱ ዘርኢ ማልያ ተኸዲኑ እዩ ተሳኢሉ።

በረኸት ጸጋየ፡ መቅድም ደረጀን ጊሩም ገዛህኝን እውን ተኣሲሮም እዮም። ካብቶም ሽዱሽተ ቲክቶከራት ብዛዕባ ኣተሓሕዛኦም ኣይተረዛቡን።

ወላዲት ኣዶናይ ብርሃነ - ኣበባ ገብሩ - ግን በቲ ዜና ከም ዝሰንበደት ብምግላጽ፡ ኣዶናይ "ዓንዲ ሕቖኣ"ን "ኣብነት መንእሰያት ኢትዮጵያ" ምዃኑን ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪባ።

ናይ ኮተቴ ዕድሚኡ ኣብ ካናዳ ዘሕለፈ ኣዶናይ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ፡ መብዛሕትኡ ትሕዝቶ ቲክቶክ ድማ ስደተኛ ምዃን ኣሉታዊ ጐድኒ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ሰዓብቱ ኣብ ዓዶም ክነብሩን ክሰርሑን ይላቦ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃበን፣ እንተዀነ እቶም እሱራት ንህዝባዊ ሞራል ዘዳኽም ኣካይዳ የስፋሕፍሑ ከም ዘለዉ ዝተጠርጠሩ ምዃኖም ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን፡ ገለ ተንተንቲ ኣብቲ ሃገር ምስ ዝርአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን ክብሪ መነባብሮን ኣንፈት ንምጥምዛዝ ዝተወስደ ስጕምቲ ምዃኑ ይኣምኑ።

ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለዉ ኰይኖም፡ እዚ ኣብ መንጎ እቲ ብቕልጡፍ ዝሰፍሕ ዘሎ ዲጂታላዊ ባህሊ ኢትዮጵያን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ባህላዊ ትጽቢታትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናን ዘጕልሕ እዩ።

ቲክቶክ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት፡ ብዙሓት ሰባት ንንግዲ ከምኡ'ውን ምንጪ መዘናግዒ ገይሮም ይጥቀምሉ'ዮም።

ኣብ ሶማልያን፡ ኬንያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ብዙሓት መንእሰያት ድማ ሓያሎ ፖለቲካዊ ጐስጓሳትን ትሕዝቶታትን ንምዝርጋሕ ከም ዝጥቀምሉ ይፍለጥ።

ቲክቶክ ኣብ ኣፍሪቃ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ማሕበራዊ መራኸቢ ኰይኑ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ መድረኽ ዝፍነው ትሕዝቶታት ቍጽጽር ወይ ምመያ ንኽግበረሎም ጸዊዐን ነይረን እየን።

እዞም ውልቀሰባት እንታይ ዓይነት ክሲ ክገጥሞም ይኽእል?

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት ሕጊ፡ እቶም ቲክቶከራት ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ ክሳብ ሕጂ ስለ ዘይፍለጥ፡ በየናይ ገበናዊ ሕጊ ክኽሰሱ ከም ዝኽእሉ ንምዝራብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ገሊጾም።

ይኹን እምበር፡ ፖሊስ ዝሃቦ መግለጺ መሰረት ብምግባር፡ ብመሰረት ሕጊ ገበን 1996 ዓንቀጽ 639(1) ክኽሰሱ ተኽእሎ ከም ዘሎ ገሊጾም።

እዚ፡ "ዝዀነ ሰብ ኰነ ኢሉ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ይኹን ሰብ ብብዝሒ ኣብ ዘለወሉ ከባቢ ተግባር ጾታዊ ርክብ ወይ ካልእ ምስ ሰናይ ባህሪ ወይ ሞራል ብዓቢኡ ዝጻረር ተግባር ዝፈጸመ ወይ ዘርኣየ ሰብ ካብ ሰለስተ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ብቐሊል ማእሰርቲ ወይ ካብ ሓደ ሽሕ ብር ዘይበዝሕ መቕጻዕቲ ይቕጻዕ፡" ይብል።

ፖሊስ ብረቡዕ ንማእሰርቲ ኣዶናይ ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ማእሰርቲ ምስ ገበናት ናይቶም ኣቐዲሞም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረአ ዘሎ ክትዓት ስዒቡ፡ ኣብ ቲክቶክ ድምጺ መንእሰያት ይዓቢ ብምህላዩ፡ ነዚ "ክዕፍኑዎን ከፈራርሕዎምን" ዝደልዩ ይመስል ክብሉ ገሊጾም።

ኣዳለውቲ 'ክሬቲቭ ኣዋርድ'፡ እቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ንፈጠራዊ ክእለት መንእሰያት ዘተባብዕ ጥራይ ዘይኰነስ ምስሊ ሃገር ኣብ ምህናጽ እጃሙ ከም ዘበርክት ገሊጾም ነይሮም።

እቲ ብኽእለቶም ንሃገርና ጽቡቕ ስም ከምጽኡን ብዲጂታል ኔትወርክ ሰላም ንምስፋን ዝኽእሉ መናእሰይ ንምትብባዕ ዝዓለመ ስነ-ስርዓት ሽልማት ልዕሊ 5 ሚልዮን ብር ኣብ ሽልማት ወጻኢ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።

እቲ መድረኽ ስነጥበባውያን፣ ቀያዕቲ፣ ሳዕሳዕትን ካልኦትን ዝርከቡዎም ኣብ 26 ናይ ውድድር ዓውዲታት ንምሽላም ዝተዳለወ እዩ ነይሩ።