ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ንባይቶ ኣመሪካ ከቕርቦ ዝሓሰበ 'መደብ መብርሂ' ሰሪዙ

ፕረዚደንት ቮለድሚር ዘለንስኪ፡ ንሃገሩ ዝግበር ሓገዝ ዘይምጽዳቑ መበገሲ ብምግባር ንሓገግቲ ኣመሪካ ክህቦ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ ኣገዳሲ መብርሂ ሰሪዙ።

እቲ መራሒ ንኣባላት ወከልቲ ህዝብን ሰነትን ንሰሉስ ብኦንላይን መብርሂ ክህብ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ሰሪዙዎ።

ሓደ በዓል መዚ ዩክረይን ተወሳኺ ሓገዝ ኣመሪካ እንድሕር ዘይጸዲቑ ኣብቲ ምስ ሩስያ ዘካየድዎ ዘለዉ ኲናት ክሰዓሩ ከምዝኽእሉ መጠንቀቕታ ምስሃበ፡ ድሕሪ ሰዓታት ዘለንስኪ ነቲ መብርሂ ሰሪዙ።

መራሒ ሰነት ቻክ ስኩመር፡ መራሒ ዩክረይን ንምንታይ ከምዘይቀረበ ኣይገለጸን።

ካልእ ኣባል ዲሞክራት ድማ ኣብ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ኣገዳሲ ጉዳይ ስለዘጋጠሞ ነቲ መብርሂ ክህብ ከምዘይከኣለ ተዛሪቡ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ኣንድሪ የርማክ፡ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዘይቀጻሊ ሓገዝ ኣመሪካ ዩክረይን ኣብቲ ኲናት እትሰዓረሉ “ዓቢይ ሓደጋ ኣሎ" ኢሉ።

ንሱ ኣብ ኢንስቲትዩት ሰላም ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ቦታታትና ሒዝና ክንጸንሕን እቲ ህዝቢ ብህይወት ክቕጽልን ከቢድ ክኸውን እዩ” ኢሉ።

እቲ በዓል መዚ መግለጺ ምስሃበ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ነቲ ምስ ሰነት ዝነበሮ ኣኼባ ዝሰረዘ ኰይኑ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን መብርሂ ክህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ንዩክረይን ተወሳኺ ሓገዝ ንምሃብ ጸቕጢ ዝገብር ዘሎ ኮይኑ ባይቶ ኣመሪካ ግን ከጽድቘ ኣይከኣለን።

ዳይረክተር በጀት ዋይት ሃውስ ሻላንዳ ያንግ ንላዕለዎት መራሕቲ ሪፐብሊካንን ዲሞክራትን ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ “ገንዘብ ወዲእና ኣለና፤ ግዜ እውን ዳርጋ የብልናን” ኢላ።

ንሳ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ባይቶ ኣመሪካ ተወሳኺ ወታሃደራዊ ሓገዝ እንድሕር ዘይኣጽዲቑ፡ ዩክሬናውያን ነቲ ምስ ሩስያ ዝገብርዎ ኲናት ከምዘይጻወርዎ ኣጠንቂቓ።

ኣባል ሪፐብሊካን ዝዀነ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ማይክ ጆንሰን፡ ነቲ ዓሰርተታት ቢልዮን ዶላራት ንዩክረይን ክወሃብ ዝቐረበ ምሕጽንታ ዝነጸጐ ይመስል።

ንሱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ “ምምሕዳር ባይደን ነቲ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን፣ ኣፈታትሓ እቲ ግጭት ወይ ድማ ነቲ ካብ ኣመሪካውያን ከፈልቲ ግብሪ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ተሓታትነት ናይ ምግርግጋጽ ትልሚ የብሉን ንዝብል ሻቕሎትና መብርሂ ክህብ ኣይከኣለን” ኢሉ።

ኲናት ዩክረይንን ሩስያን እዚ ዝበሃል ምዕባለ ኣብ ዘየርእየሉ ዘሎ እዋን እዩ፡ ንዩክረይን ሓገዝ ክግበር ዝቐረበ እማመ ክዕገት ተገይሩ ዘሎ።

ትጽቢት ዝተገበረሉ ደቡባዊ ወፍሪ ዩክረይን ዝተዘሓሓለ ኰይኑ፡ ኣብ ሰፊሕ ገማግም ሩባ ደኒፕሮ ዓሪዱ ዝጸንሐ ሰራዊት ዩክረይን ዕርድታቱ ንምጽናዕ ይቃለስ ኣሎ።

እቲ ኲናት ኣብ ለካቲት 2022 ካብ ዝውላዕ ንደሓር ባይቶ ኣመሪካ ንዩክረይን ልዕሊ 110 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራውን ቍጠባውን ሓገዝ ኣጽዲቑ።

ምምሕዳር ባይደን መብዛሕትኡ ካብቲ ዝጸደቐ በጀት ተኸፋፊሉ እዩ ብምባል ከጠንቅቕ ጸኒሑ።

ምድንጓይ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ድሮ ኣብ ዓውደ ኲናት ዩክረይን ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝጀመረ እዮም ሰብ ሞያ ዝገልጹ።

እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሩስያ ዝጀመረቶ ጸረ መጥቃዕቲ ተዘሓሒሉ እዩ፤ ኣብ ቀጻሊ ብእተካይዶ ወፍሪ ዝተወረረ መሬታ ክተምልስ ዘለዋ ተኽእሎ እውን ኣጠራጣሪ ኰይኑ ኣሎ።