ውርሻ ኪሲንጀር፡ በቶም ልዕሊ 2 ሚልዮን ቶን ቦምባ ዘዝነበሎም ካምቦድያውያን እንክዝከር

ኣብዚ ሰሙን ሞት ፍሉጥ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ሄንሪ ኪሲንጀር ምስተሰምዐ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ሓዘኖም ክገልጹ ተራእዮም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ፡ “ ካብቶም ፍቱናትን ፍሉያትን ድምጺታት ጉዳያት ወጻኢ ሓደ ስኢንና” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌር፡ ነቲ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር “ንናጻ ዓለምን ሓለዋኣን ዘለዎ ፍቕሪ ዘበገሶ” ናይ ዲፕሎማሲ ጥበበኛ ክብል ገሊጽዎ።

ቦሪስ ጆንሰን ብተመሳሳሊ “ዓርሞሽሽ ዲፕሎማሲ፡ ስትራተጂን ሰላምን” . . . ካልኦት እውን ከምኡን ክንድኡን ክብሉ ኣሞጊሶምዎ።

ኣቦ ሰላም ግን ካምቦድያውያን ንኪሲንጀር ንምግላጽ ዝጥቀሙሉ ቃል ፈጺሙ ኣይኰነን።

ኣብ እዋን ኲናት ቬትናም ፡ ኪሲንጀርን ነበር ፕረዚደንት ኣመሪካ ሪቻርድ ኒክሰንን፡ ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ካምቦድያ ዝነበሩ ሓይልታት ቬት ኮንግ ንምድፋእ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ምስ ዝዀነ ኣካል ዘይወገነት ሃገር፡ ደብዳባት ቦምባ ክላንደስታይን ክፍጸም ኣዚዞም።

ኣመሪካ ካብ 1965 ክሳብ 1973 ብጠቕላላ ልዕሊ 2 ሚልዮን ቶን ቦምባ ኣብ መሬት ካምቦድያ ኣዝኒባ።

እቲ ዝገርም፡ ኣብ ምሉእ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ሄሮሺማን ናጋሳኪን ዝተደርበዩ ሓዊሱ እቶም ብ ‘ኣላይስ’ ዝፍለጡ ጕጅለ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ቶን ቦምባ እዮም ተጠቒሞም።

ኪሲንጀር፡ እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ካምቦድያ ዝነበሩ ሓይልታት ቬትናም እምበር ንካምቦድያ ዒላማ ዝገበረ ኣይነበረን ይብል ነይሩ።

ወዲ 76 ዓመት ቮንግ ችሁት፡ ኣብታ ምስ ቬትናም እትዋሰን ቁሸቱ፡ ስቨይ ራይን፡ ደብዳብናብ ዝጀመረሉ፡ ሄንሪ ኪሲንጀር ዝበሃል ሽም ሰሚዑ ኣይፈልጥን።

“ዝተረፈ ነገር ኣይነበረን፤ ዋላ ተኽሊ ሻምብቆ። ህዝቢ ሃዲሙ እቶም ኣብታ ቍሸት ዝተረፉ ግን ሞይቶም” ይብል።

“ብዙሓት ሰባት ሞይቶም፤ ናይ ኵሎም ኣሽማት ክዝርዝር ኣይክእልን። ሰብነቶም ሓቢጡ ነይሩ፤ እቲ ደብዳብ ምስ ሃድአ ድማ ሰባት መጺኦም ቀቢሮምዎም።”

ኣብ 2006 ዩኒቨርሲቲ የል ዘውጸኦ ጸብጻብ ደብዳብ ካምቦድያ፡ “ካምቦድያ እታ ኣብ ታሪኽ ዝበዝሐ ደብዳብ ቦምባ ዝተፈጸማ ሃገር ክትከውን ትኽእል እያ” ኢሉ።

ብ 1973 ዝወጸ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጐን) ድማ “ ኪሲንጀር ሕድሕድ ናይቶም ኣብ 1969 ን 1970 ን ኣብ ልዕሊ ካምቦድያ ዝተፈጸሙ 3875 ደብዳባት ኣጽዲቑ” ከምኡ ድማ “ካብ ጋዜጣታት ዝስወሩሉ መንገዲ ” ሃንዲሱ ክብል ገሊጹ።

ዕላዊ ኣብ ዝተገበረ ኣብ 1970 ምስ ምክትሉ ዝገበሮ ዝርርብ ስልኪ “ክፍጸም ዘለዎ ትእዛዝ እዩ። ዝበርር ኵሉ ወይ ዝንቀሳቐስ ነገር ኵሉ። ተረዲኡካ ዶ?” ክብል ተሰሚዑ።

ቍጽሪ በቶም ደብዳባት ዝተቐተሉ ሰባት ብትኽክል ኣይፍለጥን፤ ኰይኑ ግን ካብ 50 ሽሕ ክሳብ 150 ሽሕ ከምዝዀነ ይግመት።

ካብቶም ዘሰቅቝ ደብዳባት ሓደ ኣብ ዕሸል ከተማ ኒክ ሎንግ ዝተፈጸመ፡ 137 ካምቦድያውያን ዝተቐተልሉን 268 ዝቘሰልሉን ብጌጋ ዝተፈጸመ እዩ።

ጋዜጠኛ ሲድኒ ሻምበር ኣብ ኒው ዮርክ ታይምስ ዘሕተሞን ጸኒሑ ‘ዘ ኪሊንግ ፊልድስ’ ዝብል ፊልም ዝተሰርሐን ዛንታ፡ ኪኦ ቻን ዝተባህለ ሰበይቱን 10 ደቁን ዝተቐተልዎ ሰብኣይ ዝተዛረቦ ተጠቒሱ ኣሎ።

“ኵሎም ኣባላት ስድራይ ተቐቲሎም” እናበለ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ መንበር ይወቅዕ፤ ጸኒሑ ድማ ይወድቕ።

“ኵሎም ቤተሰበይ ሞይቶም እዮም፡ ሰኣለኒ፣ ሰኣለኒ፣ ንኣመሪካውያን ኣርእዮም።”

ካልእ ሰብኣይ ድማ ኣብ ጥቓ ዘይተፈንጀረ ነታጒ ደው ኢሉ “ ኣመሪካውያን መዓስ ኢኹም ደው እተብልዎ?” ኢሉ ይሓትት።

ካልኦት ድማ ተግባር ኪሲንጀርን ኒክሰንን፡ነቲ ኣብ 20 ክፍለዘበን ዝተፈጸመ ዝኸፍአ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ መንገዲ ጸሪጉ ብምባል ይወቕሱ።

ብ ፖል ፖት ዝተመርሐ ቀይሕ ራዕዲ ክመር ካብ 1975 ክሳብ 1979 ኣስታት 1.7 ሚልዮን ሰባት ( ርብዒ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር) ተቐቲሎም።

ቅድም ክብል ውሑድ ደገፍ ዝነበሮም ሕሉፋት-ኮምዩኒስት፡ ደብዳብ ኣመሪካ ምስ ቀጸለ ተቐባልነቶም ዓብዩ።

ዳይረክተር ሲኣይኤ፡ ኣብ 1973፡ እቶም ዝተፈጸሙ ደብዳባት ከም ቀንዲ መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ከምዝተጠቐሙሎም ገሊጹ።

ኣብ 2009 በቲ ክመር ዝበሃል ወፍሪ ራዕዲ ዝተኸሰሰ ፈላማይ በዓል መዚ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሪቻርድ ኒክሰንን ኪሲንጀርን፡ ቀይሕ ራዕዲ ክመር ወርቃዊ ዕድል ክረክብ ኣፍቂዶምሉ” ክብል መስኪሩ።

ኪሲንጀር ደብዳብ ካምቦድያ ኣመልኪቶም ንዝወጹ ወቐሳታት ኵሉ ሻብ ይነጽጐም ነይሩ።

ኣብ 1973 “እቲ ደብዳብ ንካምቦድያ ከምዘይነበረ ግልጺ ክገበር እደሊ፤ ነቶም ኣብ ካምቦድያ ዝነበሩ ሰሜን ቬትናማውያን እዩ” ኢሉ።

ኣብ 90 ዓመቱ ድማ እቶም ቦምባታት” ጻዕቒ ሰብ ኣብ ዘይነበረሎም፡ ኣብ ውሽጢ 5 ማይል ዶብ ቬትናም” ጥራይ እዮም ተፈጺሞም ኢሉ።

ነቲ ደብዳባት ኣብ 1973 ዝጸብጸበት ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ኤልሳቤጥ ቤከር ግን እዚ ሓቂ ከምዘይኰነ ተዛሪባ።

በቶም ደብዳባት ሰባትን እንስሳትን ምማቶምን ገጠራት ምዕናዎምን እትዛረብ እታ ጋዜጠኛ፡ ሞተር ሳይክል እኳ ርእዮም ዘይፈልጡ ካምቦድያውያን ሓረስቶት፡ “ንምንታይ እዩ ካብ ሰማይ ሓዊ ዝፈስስ ዘሎ?” ኢሎም ከምዝሓተትዋ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ገሊጻ።

ወዲ 78 ዓመት ፐን ያይ፡ እቲ ደብዳብ ቅድሚ ምጅማሩ ምስ ወተሃደራት ቫይት ኮንግ ከምዝተሓባበረ ይገልጽ። እንተዀነ ኣቦኡን ዘማኡን ሓዊሱ ብዙሓት ሰላማውያን ብደብዳብ ኣመሪካ ከምዝተቐተሉ ይዛረብ።

“ኣዝየ ፈሪሐን ድቃስ ኣብዩንን ነይሩ። ሰባት ኣብ ኵሉ ይሞቱ ነይሮም። እናሃደምና እንፈልጦም ሰባት ሞይቶም ንርእይ ኔርና. . . ምንም ግን ክንገብር ኣይከኣልናን” ይብል።

ነቲ ኣብ 1973 ኲናት ቬትናም ከብቅዕን ኣብ ምድርዳርን ብዝነበሮ ተራ ሽልማት ኖቤል ዝወሰደን ኣብ ኣመሪካ ንሲቪላት ዝወሃብ ዝለዓለ ሽልማት ‘ፕረዚደንሻል ሜዳል ኦፍ ኦርደር’ ዝተሸለመን ኪሲንጀር ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ይንእድዎ።

ጓል 70 ዓመት ፕሩም ሀን፡ ኣመሪካ ኣብ ቁሸታ ደብዳብ ምስጀመረት ክትፈናቐል ተገዲዳ።

ንሳ ብዛዕባ ኪሲንጀር ብዙሕ ከምዘይትፈልጥን ሞቱ ምስ ሰምዐት ድማ ብዙሕ ከምዘይሓዘነትን ትዛረብ።

“ብዙሕ ህዝብና ስለዝቐተለ ይሙት ግደፍዎ። “ ብምባል ሕጂ እውን ኣብ ኣመሪካ ዓሚቝ ቅረታ ከምዘለዋ ትገልጽ።

“ዓድና ብምድብዳብ ብዙሕ ሰብ ቀቲሎምን ምስ ደቆም ፈላልዮምን። ዳሕራይ ድማ ራዕዲ ከመር ሰብኡት፡ ኣንስትን ቈልዑን ቀቲሉ።”

ጋዜጠኛ ቤከር፡ መጠን ፖሊሲ ኪሲንጀር ኣብ ልዕሊ ካምቦድያ ኣናኢስካ ከምዘይረአ ትኣምን።

“ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘብጸሖ ነገር ከተጋንኖ እትኽእል ኣይኰነን።”