ሺን ፑቲንን ብዘይተዓጽወ ማይክራፎን ዘውግዑዎ 'ምስጢር' እንታይ'ዩ?

ቻይና፡ ኣብቲ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራት ዝተረኸብሉ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ሓያሎ ዘመናውያን ኣጽዋር ንዓለም ኣርእያ እያ።

ኣብ መዕጸዊ እቲ ዝኽሪ 80 ዓመት ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተኻየደሉ ስነስርዓት፡ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ሩስያዊ መራሒ ቭላድሚር ፑቲንን ምናልባት ከይተዓጽወ ብዝተረስዐ መጕልሒ ድምጺ ዘውግዑዎ ዝነበሩ ጉዳይ ናብ መራኸቢ ብዙሓን በጺሑ ኣሎ።

ክልቲኦም መራሕትን ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ጐድኒ ንጐድኒ ኰይኖም ዘውግዑዎ ዝነበሩ ጉዳይ፡ መብጣሕቲ ሰብነት ብምግባር፡ ዕድሜኻ ምስ ምንዋሕ ዝተኣሳሰር እዩ ነይሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብዚ ጉዳይ ከዕልሉ እንከለዉ፡ ብዛዕባ ዕድሚኦም ድዮም ዝሓስቡ ነይሮም ዋላስ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ስነፍልጠት ጥዕና ዝብል ዝተፈልጠ ነገር የሎን።

በዚ ዘይተዓጽወ ማይክራፎን፡ ፑቲን ብሓገዝ ስነፍልጠት ህይወት ዘልኣለማዊት ምግባር ዝምልከት ክዛረብ ይስማዕ።

ብሓገዝ ባዮቴክኖሎጂ፡ ምናልባት ንመጻኢ ንዘልኣለም ምንባር ዝከኣለሉ ዕድል ክፍጠር እዩ እውን ኢሉ።

ድምጺ ሺን ፑቲንን፡ ኣብቲ ብሃገራዊ ተለቪዥን ቻይና ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምርኢት እዩ ተሰሚዑ።

ኣብዚ ጉዳይ ክዘራረቡ እንከለው ድማ ሺ ኣብ ማእከል፡ ፑቲንን ኪምን ድማ ብየማንን ጸጋምን ዓጂቦምዎ ኣብ ኣደባባይ ቲና'መን ብእግሮም ይጓዓዙ ነይሮም።

ሺ፡ ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሒ ኰይኑ፡ ፑቲን ርብዒ ክፍለ ዘመን ሓሊፉዎ ኣሎ።

ክልቲኦም ድማ ካብ ስልጣኖም ናይ ምውራድ ድልየት ኣርእዮም ኣይፈልጡን።

መንኵብ ንመንኵብ ገጢሞም ኣብ ኣደባባይ ቲና'መን ክሳገሩ እንከለዉ፡ ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ዝነበሮም ዕላል፡ ስነፍልጠት መብጣሕቲ ኣካላት ክንደየናይ ይዝምን ከም ዘሎ ኣውጊዖም።

እቲ ዘይተዓጽወ ማይክራፎን ድማ ንገሊኡ ወግዒታቶም ስሒቡዎ።

ሺ፡ ቀደም ሓደ ሰብ ክሳዕ 70 ዓመት ብህይወት ክጸንሕ ምርኣይ ዝገርም ነገር ነይሩ። ሕጂ እኮ ወዲ 70 ዓመት ቈልዓ'ዩ።

ፑቲን፡ (ንሒደት ደቓይቕ ዘይስማዕ ድምጺ) . . . ክፍሊ ኣካላት ወዲሰብ ብተደጋጋሚ ክሕደስ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ሓደ ሰብ ደጋጊሙ መንእሰይ ክኸውን ይኽእል - ዕድሚኡ ብዘየገድስ። እዚ ነገር እንተ ቀጺሉ ምናልባት ንዘልኣለም ምንባር ይከኣል ይኸውን።

ሺ፡ ኣብዚ ክፍለ ዘመን ክሳዕ 150 ዓመት ብህይወት ክትነብረሉ እትኽእል ተስፋ ኣሎ።

ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ዘውግዑዎ ዝነበሩ ምናልባት ድልየቶም ምሕደራ ዓለም፡ ብሓድሽ መልክዕ ክቐውም ምግባር ጥራይ ከም ዘይኰነ'ዩ።

ምናልባት ድልየቶም ካብ ቍጠባን ፖለቲካን ዝሰገረ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልክት'ዩ።

ሺን ፑቲንን ኣብቲ እዋን ዘውግዑዎ ዝነበሩ ነገር፡ ብተርጓሚ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ነዚ ናብ ኢንግሊዘኛ ክቕየር ገይሩ።

ፑቲን ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ ንማዕከን ዜና ሩስያ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ እቲ ምስ ሺ ዘዋግዖ ነገር ብተዘዋዋሪ ደጊሙዎ'ዩ።

ኣብዚ ቃለመሕትት፡ ዘመናዊ ሕክምና ኣካላት ሰብነት ምቕያርን ምሕዳስን ስለ ዝኽእል፡ ወዲሰብ ነዊሕ ዕድመ ክነብር እዩ ኢሉ።

"ማእከላይ ዕድመ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝተፈላለየ እዩ። ይዅን'ምበር ወዲሰብ ብህይወት ዝጸንሓሉ ዕድመ ቀስ እናበለ ምውሳኹ ኣይተርፍን፡" ኢሉ።

ብረቡዕ 3 መስከረም 2025 ኣብ ዝተኻየደ ዘገርም ወተሃደራዊ ምርኢት ቻይና፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ሓዊሱ፡ መራሕቲ ዙምባብወ፡ ፓኪስታን፡ ቬትናም፡ ኢራንን ቤላሩስን ዝርከቡዎም ሰበስልጣን ተሳቲፎም እዮም።

ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እዚ ምትእኽኻብ ንኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ንምንሕናሕ ዝተገብረ እዩ ይብሉ።

ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "በጃኹም ንቭላድሚር ፑቲንን ኪም ጆንግ ኡንን ኣንጻር ኣመሪካ ብሓባር ኣብ እትሰርሕሉ ዘለኹም እዋን ምዉቕ ሰላምታይ ኣብጽሑለይ፡" ክብል ጽሒፉ።