እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይሊ ባሕሪ ቻይና ብፍጥነት ይዓቢ ኣሎ - ኣርሓ ማያት ክኸውን ድዩ?
ሓንቲ ጥሮተኛ'ያ፡ ሰባት ኣብ ዝዘናግዕሉ ቦታ ናብ መድረኽ እናወጽኡ ኣብ ዝደርፍሉ 'ካሪዮኪ'፡ "ማሕበርነት ጽቡቕ'ዩ..." እበናለት ትወዛወዝ።
ኮፍ ኢሎም ዘዕልሉ ዝነበሩ መሓዙታ'ውን ተሓዊሶም፡ "ዴሳዊ ሰልፊ ንቻይና ናብ መንገዲ ስልጣንን ሃብትን ይመርሓ!" በሉ።
እዚ፡ ንዅሉ ዘሰማምዕ ሓሳብ ዝሓዘ ዘይክኸውን ይኽእል፤ ግን ድማ ኣማዕዲኻ ኣዝየን ገዘፍቲ መራኽብ ናብ ዝርኣያሉ እናጠመቱ'ዮም ዝደርፉ ነይሮም።
ኣብ ዳልያን፡ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቻይና ውጽእ ኢሉ ናብ ከባቢ ብጫ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ፓርክ ሱዮዩዋን፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ መፍረ መራኽብ ቻይና እትርእየሉ፡ ክትእከበሉን ክትሕጐሰሉን እትኽእል ቦታ እዩ።
ኣብ ዋሽንግተን ብኣሽሓት ማይላት ርሒቘም ንዝርከቡ ተንተንቲ ዋይት ሃውስ ግን እዚ መደበር ህንጸት መራኽብ ቻይና ኣካል ናይቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ቻይና ኣብ ህንጸት መራኽብ እትገብሮ ወፍሪ ኣዕብያቶ እያ።
እዚ ድማ ፍረ ኣፍርዩ እዩ፤ ኣብዚ ዓመት፡ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ካብ ትእዛዛት መራኽብ ዓለም፡ ናብ ቻይና ከይዱ።
ብቐሊል ኣዘራርባ ቻይና ካብ ዝዀነት ሃገር ንላዕሊ መራኽብ ትሃንጽ ኣላ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ትሰርሖ ስለ ዘላ እዩ።
"እቲ ብዝሒ ኣመና ዘደንቕ'ዩ... ብብዙሕ መዳይ ዓይኒኻ ማይ የምልእ፡" ይብል ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ስትራተጅያዊ መጽናዕቲ ክኢላ ባሕሪ ዝዀነ ኒክ ቻይልድስ።
"ዓቕሚ ምህናጽ መራኽብ ቻይና፡ ብሓፈሻ ካብ ናይ ኣመሪካ 200 ዕጽፊ ዝበጽሕ'ዩ።"
ኣደናቒ መሪሕነት ሓይሊ ባሕሪ'ውን ኣለዋ።
ሕጂ፡ ዴሳዊ ስርዓት ቻይና ኣብ ዓለም ዝዓበየ ኰይኑ፡ 234 መራኽብ ውግእ ኣለዉኦ፤ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ 219 መራኽብ ውግእ ጥራይ እዩ ዝውንን።
ባሕሪ፡ ነቲ ዘገርም ዕብየት ቻይና ናህሪ ወሲኽሉ።
እታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ቍጠባ ዓለምና፡ ካብተን ዓሰርተ ጽዑቓት ወደባት ዓለም ነተን ሸውዓተ ሒዛ ትርከብ።
እዚኦም፡ ንዓለምለኻዊ መስመራት ቀረብ ኣዝዮም ኣገደስቲ'ዮም።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ከተማታታ ድማ ብምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ንግዲ ይስስና ኣለዋ።
ህርፋን በይጂን እናዓበየ ምስ ከደ፡ ዕጥቂ መራኽባ እውን እናዓበየ ከይዱ።
ከምኡ'ውን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይናን ክንዮኡን ድምጻ ሓፍ ከተብል ዝገብራ ርእሰ ተኣማንነት ወሲኹ።
ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ዝመርሓ ቻይና፡ ብርግጽ ነቲ ማዕበል ክትገዝኦ ትደሊ።
እዚ፡ ክዕወት ድዩ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ እዩ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዝካየድ ዓቢ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ናብቲ ዕላማ ክሳብ ክንደይ ከም ዝቐረበት ከርኢ ይኽእል እዩ።
ዢ፡ መራሕቲ እተን ሃገራት ምዕራብ ዘርሐቕአን ሩስያን ሰሜን ኮርያን ዝዀኑ ቭላድሚር ፑቲንን ኪም ጆንግ ኡንን ኣብዚ መድረኽ ከአንግዶም እዩ።
ኣመሪካን መሻርኽታን ነዚ ብቐረባ ክከታተልኦ እየን።
እዚ ድማ ጸረ መራኽብ ሚሳይላት፡ ሃይፐርሶኒክ ኣጽዋርን ትሕቲ ማይ ዝኸዳ ድሮናትን ከጠቓልል ትጽቢት ይግበር።
"ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ገና ርኡይ ብልጫታት እኳ እንተሃለዎ፡ ምስ ቻይና ዘለዎ ጋግ ግን ክጸብብ ይርኢ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት መራኽብ ናይ ምህናጽ ዓቕሙ ኣዝዩ ስለ ዝነከየ ድማ ነዚ ዝምልሰሉ መገዲ ንምርካብ ድማ ይጽገም ኣሎ፡" ይብል ቻይልድስ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ከዐሪ ከም ዝደሊ ብምግላጽ፡ ንህንጸት መራኽብ ኣመሪካ ዳግማይ ንምሕያልን ብልጫ ባሕራዊ ረብሓ ኣመሪካ ዳግማይ ንምውሳድን ፈጻሚ ትእዛዝ ፈሪሙ ኣሎ።
እዚ ድማ "ኣዝዩ ነዊሕ ትእዛዝ" ክኸውን እዩ ይብል ቻይልድስ ወሲኹ።
'መሪር ተዘክሮታት' ከኽትም ዝገብር ሓይሊ ባሕሪ
ካብ 2019 ክሳብ 2023፡ ኣርባዕተ ዓበይቲ መፍረዪ ቦታታት መራኽብ ቻይና - ዳልያን፡ ጉዋንዝሆ፡ ጂያንግናንን ሁዶንግ-ዞንግሁዋን - 39 መራኽብ ውግእ - ብድምር 550 ሽሕ ቶን ማይ የነቓንቓ - ከም ዘፍረያ ማእከል ስትራተጅያውን ኣህጉራዊ መጽናዕትን (CSIS) ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር።
እዚ ድማ፡ መጠን እቲ ዘነቓንቕኦ ማይ እዩ። እዚ ዓቐን ብመንጽር ክብደት መርከብ ዝግለጸሉ ዝውቱር መንገዲ እዩ።
ብመንጽር እዚ፡ ሓይሊ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘነቓንቖ መጠን ማይ ኣስታት 399 ሽሕ ቶን እዩ ዝግመት።
ቻይና ብብዝሒ መራኽብ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሓይሊ ባሕሪ ክህልዋ እንከሎ፡ መርከብ ኣመሪካ ግን ዝዓበየ ሓፈሻዊ ቶን ዘለዎን ዝያዳ ሓያልን እዩ - ኣዝየን ዝዓበያ ዓበይቲ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ኣለዎ።
በይጂን ግን ነዚ'ውን ተርክበሉ ኣላ።
ክኢላ ማእከል ስትራተጅያውን ኣህጉራዊ መጽናዕትን ኣሌክሳንደር ፓልመር፡ "ቻይናውያን ፍጥነቶም ይንኪ ከም ዘሎ ዘርኢ ምልክት የሎን፡" ይብል።
"ብርግጽ፡ ቍጽሪ መራኽብ [ብዝሒ] እቲ እንኮ መዐቀኒ ኣድማዕነት ሓይሊ ባሕሪ ኣይኰነን። ይዅን'ምበር፡ መራኽብ ውግእ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣዝዩ ዝድነቕ ኰይኑ፡ ስትራተጅያዊ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል'ዩ።"
ሕጂ'ውን ኣብ ምዕባይ ሓይሊ ባሕሪ ቻይና ድሩትነታት ኣለዉ።
በይጂን ዝያዳ መራኽብ ክህልዋ ይኽእል፤ እንተዀነ፡ ስርሒታት ዘካይዳ ነፈርቲ ዝጽዕና ክልተ መራኽብ ጥራይ ኣለዋኣ። ሓይሊ ባሕራ ድማ ካብ ኣመሪካ ኣዝየን ዝወሓዳ ሳብማሪናት ይውንን።
ገለ ተንተንቲ፡ ከምተን ኣመሪካ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝነበራኣ ቴኖሎጅያዊ ምዕባለ ዘለወንን ዝተራቐቓን ከም ዘይኰናን ይምጕቱ።
ሳብማሪናት ቻይና'ውን፡ ብዓቢኡ ነቲ ዕምቈት ዘይብሉ ድሮ ምስ ኣመሪካ ጸወታ ኣንጭዋን ድሙን እተካይደሉ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ተባሂሉ ዝተሃንጻ እየን።
ስለዚ፡ ንግዜኡ ቻይና ካብ ናይ ገዛእ ርእሳ ገማግም ባሕሪ ርሒቓ ናይ ምጕዓዝ ዓቕማ ድሩት እዩ።
እዚ ግን ናይ ምቕያር ተኽእሎታት ከም ዘሎዎ ምልክታት ኣሎ - ቅልጡፍ ድማ እዩ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ካብታ ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና እትርከብ ደሴታዊት ኣውራጃ ሃይናን ዝረኸቦ ምስሊ ሳተላይት፡ በይጂን መደበራት ሓይሊ ባሕሪ ንምስፋሕ ልዑል ወፍሪ ትገብር ከም ዘላ ክርዳእ ክኢሉ።
ኣብ ዩሊን ዝርከብ መደበር ሓሙሽተ ሓደስቲ ጽርግያታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተሃንጸ ይመስል።
ቻይና ንዅለን እተን ዝዓበያ ሳብማሪናታ ጂን-ክላስ (ወይ ታይፕ 094) ኣብዚ ወደብ ክትምስርተን መደብ ከም ዘለዋ ይግመት።
እዘን ሓደስቲ መራኽብ ነፍሲወከፈን 12 ንዩክለሳዊ ሚሳይላት ክሕዛ ይኽእላ እየን።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና ዝተዘርግሑ ኣሳእል ወተሃደራዊ ልምምዳት ከም ዝሕብርዎ፡ ብውሑድ ክልተ ሓደስቲ ዓይነታት ትሕቲ ማይ ዝኸዳ ድሮናት፡ ካብቶም ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ምርኢት ዝቐርቡ ሓደስቲ ስርዓታት ክዀና እየን።
ነዚኦም ተጠቒማ፡ ቻይና ኣብ ዓሚቝ ትሕቲ ማይ ምክትታል ከተካይድን ካልኦት ሳብማሪናት ወይ'ውን ገመዳት ትሕቲ ባሕሪ ከይተረፈ ክትፈልጥን ትኽእል'ያ - ንናይ ገዛእ ርእሳ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ከየእተወት።
መብዛሕትኡ እቲ ቴክኖሎጂ ክሳብ ሕጂ "ዘይተረጋገጸን ዓቕሙ ንጹር ዘይኰነን እዩ፡" ክብል ክኢላ ፕሮጀክት ሓይሊ ቻይና ሲኤስኣይኤስ ማቲው ፉናይዮለ የጠንቅቕ።
"እቲ ዓቢ ሕቶ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ውዱእ መልክዑ ንኽሕዝ ክንደይ ግዜ ክወስድ'ዩ ዝብል'ዩ።"
ስለዚ ድማ እያ ኣመሪካ ነቲ ምህናጽ መራኽብ ቻይና ዝውክሎ ስግኣት ዕሽሽ ክትብሎ ዘይትኽእል ክብል ወሲኹ ይዛረብ።
ዓቢይ ወተሃደራዊ ምርኢት ምክያድ፡ ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዝተመዝገበ ዓወት፡ ከምኡ'ውን ምዝዛም ኣረሜናዊ መግዛእቲ ንምዝካር ዝውዕል'ውን ክኸውን ይኽእል።
እቲ ዓለም ከም ዕብየት ቻይና እትርእዮ ነገር፡ ዢ ከም ዳግመ ትንሳአ እታ ሃገር እዩ ዝርእዮ።
ንሱ፡ ዋጋ "ሃገራዊ ድሕነት ንምሕላው ዝሕግዝ ሓያል ሓይሊ ባሕሪ" ኣጕሊሑ'ሎ።
ካብ 1840 ክሳብ 1949 ዝነበረ፡ "ዘይተዘርበ ስቓይ" ዘምጽአ 470 ወራራት ይጠቅስ - እቲ ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ዝነበረ ግዝኣት ቺንግ እናደኸመ ምስ ከደ፡ ቻይና ኣብ ዕግርግር፡ ሰውራን ኲናት ሓድሕድን ተሸሚማ።
ከምኡ'ውን ሃገሩ ድሕሪ ደጊም "ክትዋረድ" ወይ ነቶም "መሪር ተዘክሮታት መጥቃዕቲታት ወጻኢ" ዳግማይ ከም ዘይተፍቅድ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ቻይና ዘይከሓድ ብዙሓት መራኽብ ተፍሪ ኣላ። ብዙሓት ካብተን ንግዳዊ ምህርቲ ዝድግፋ፡ ንሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን መራኽብ ውግእ ንምፍራይ እውን ክሕግዛ ይኽእላ እየን።
ወተሃደራውን ስቪላውን ትካላት መራኽብ ኣብ ገለ ቦታታት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ይሰርሑ።
እዚ ድማ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና "ወተሃደራዊ-ስቪላዊ ምትሕውዋስ" ክብል ይገልጽዎ።
ፕረዚደንት ቻይና ነዚ ጸቒጡ ይሰርሓሉ።
በይጂንግ "ፍላግሺፕ ሺፕያርድ" ኢላ እትጽውዖ ዳልያን፡ ኣብዚ ዓቢ ተራ ኣለዋ።
ኣብ ዳልያን ፓርክ ሱዮዩዋን፡ ነፋሪት ብሰፍሳፊት ካብ ዓባይ መርከብ ክትወርድ ይርአ።
"እዚ ንኽልቲኦም ንግዳውን ወተሃደራውን ኣካላት ብሓባር ንምውህሃድ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ኣጀንዳ'ዩ። ንኽልቲኦም ንምህናጽ ዘድሊ ቴክኖሎጂ ናብ ማእከላይ ቦታ ንምምጻእ ጻዕርታት ኣሎ - ዳልያን ሓደ ካብኣቶም'ዩ፡" ይብል ፉናይዮለ።
"ኣብ ዝዀነ ዝተናውሐ ግጭት፡ ብቕልጡፍ ሓደስቲ መራኽብ ዘፍሪ ቦታ እንተ ሃልዩካ፡ እዚ ዓቢ ስትራተጅያዊ ብልጫ'ዩ። ንግዳዊ መራኽብ ናብ ዝዀነ ናይ ግጭት ዞባ ከጓዕዛ ይኽእላ እየን። ካብዚ ወጻኢ፡ ኣመሪካ ዝተናውሐ ኲናት ክትቅጽል ኣብ ዘይትኽእለሉ ኵነታት እያ ዘላ።"
እዚ ብቐጥታ፡ "መን እዩ ዝያዳ ንብረት ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ናብ ማይ ከእቱ ዝኽእል?" ዝብል ሕቶ ከም ዘልዕል ይረዛብ።
እቲ መልሲ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ቻይና እያ።
'ሓይልኻ ሕባእ፡ ግዜ ተጸበ'
ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ስትራተጂ ባሕሪ ዩኒቨርሲቲ ፔኪን ፕሮፌሰር ሁ ቦ፡ ዓለም ግን ክትጭነቕ የብላን ይብል።
"ኣብ ንግዲ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ድማ ብወተሃደራዊ መዳይ ኢድና ከነእቱ ዝዀነ ተገዳስነት የብልናን።"
ቻይና ዓበይቲ መራኽብ ትሰርሐሉ ዘላ ምኽንያት ድማ ስለ እትኽእል እምበር ንዓለም ክትቈጻጸር ስለ ዝደለየት ኣይኰነን ኢሉ።
ቻይና ከም ካልእ ሃገር ዘይትርእያ ሓንቲ ደሴት ኣላ - ታይዋን።
በይጂን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ፡ ነታ ደሞክራስያዊት ደሴት "ክትጥርንፋ" ድልየት ከም ዘለዋ ትገልጽ። እዚ ንምዕዋት ሓይሊ ምጥቃም ድማ ከም ኣማራጺ እያ ትርእዮ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ቻይና ክሳብ 2027 ንታይዋን ክትወርር ምዃና ኣዊጆም እኳ እንተ ነበሩ፡ በይጂን ግን ነዚ ናይ መወዳእታ ግዜ ከም ዘየቐመጠትሉ ትገልጽ።
ፕሮፌሰር ሁ ቦ፡ "ቻይና ንታይዋን ክትመልሳ ዓቕሚ ኣለዋ፤ ዓቃል ስለ ዝዀነት ግን ከምኡ ኣይትገብርን እያ። ቻይና ብሰላማዊ ውህደት ተስፋ ቈሪጻ ኣይትፈልጥን። ክንጽበ ንኽእል ኢና፡" ይብል።
እቲ ዝዓበየ ስክፍታ ዝዀነ ይዅን ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ዝሰፍሐ ኲናት ከበግስ ዝኽእል ምዃኑ እዩ።
እዚ ድማ፡ ንኣመሪካ ከሳትፍ ይኽእል እዩ።
ዋሽንግተን ታይዋን ንነብሳ ክትከላኸለላ ዝሕግዝ ኣጽዋር ክትህብ ብሕጊ ትግደድ - እዚ ድማ በይጂን ነታ ኣብ መወዳእታ ኣካል ቻይና ክትከውን እትኽእል ዝተፈልየት ምምሕዳር ኢላ እትገልጻ ዝግበር ቅቡል ደገፍ ኣይኰነን ትብል።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሀግሰት ቻይና ንታይዋን "ቀረባ" ሓደጋ ከም ዘስዕብ ኣጠንቂቑ፣ ሃገራት እስያ ወጻኢታት ምክልኻል ከዕብያን ምስ ኣመሪካ ኲናት ንምዕጋት ክሰርሓን ኣተሓሳሲቡ።
ስለዚ፡ ዋላ'ኳ ፕሮፌሰር ሁ ቦ መረጋገጺ እንተ ሃበ፡ መራኽብ ውግእ ቻይና ካብ ገማግም እታ ሃገር ወጺአን ዝያዳ ክጓዓዛ ጀሚረን ምህላወን ዕሽሽ ኢልካ ምሕላፍ ኣጸጋሚ እዩ።
ኣብ ለካቲት፡ ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ ክዞራ ተራእየን፡ ኣብኡ ድማ ዘይተለምደ ወተሃደራዊ ልምምድ ገይረን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ኣብ ጥቓ ጃፓን ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ብምክያደን ስክፍታ ፈጢሩ - ዋላ'ኳ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት እንተ ነበረ፡ እቲ ስጕምቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ'ዩ።
በይጂንግ ኣብ ፓስፊክ ዘለዋ ሓይሊ ንምንጽብራቕ ኣብ እትገብሮ ፈተነታት እናደፈረት ኣብ እትኸደሉ ዘላ እዋን፡ ካብ ታይዋን ክሳብ ኣውስትራልያ ዝርከባ ጐረባብቲ ቻይና፡ "ሓይልኻ ሓቢእካ ግዜኻ ተጸበ" ዝብል ፍሉጥ ፈኸርኣ ፍረ የፍሪ ኣሎ ብምባል ይሻቐላ።
ፕሮፌሰር ሁ ቦ ግን፡ እተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መሻርኽታ - ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያን ኣውስትራልያን - ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ግጭት ከይፍጠር ዝብል ስግኣተን ልዕሊ ዓቐን ምዃኑ ይኣምን።
እተን ሃገራት፡ ኣዕናዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግንዘባ እየን።
"ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝነበረ ኵነታት፡ ክልቲኦም ወገናት ክዋግኡ ከም ዘይደልዩ ብግልጺ ዘርኢ ይመስለኒ። ንዕኡ ተዳሊና ኣለና፡ ግን ሓድሕድና ክንዋጋእ ኣይንደልን ኢና።"