ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ቻይና ምስ ፑቲንን ኪምን ኰይኑ ኣንጻር ኣመሪካ 'ውዲት ይኣልም' ኣሎ ኢሉ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ጂንፒን ምስ መራሕቲ ሩስያን ሰሜን ኮርያን ኣንጻር ኣመሪካ ውዲት ይኣልም ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ፡ ቻይና ኣብ በይጂን ኣብ ዘካየደቶ ዝዓበየ ሰልፊ መዓልቲ ዓወት ንመራሕቲ ዓለም ኣብ ዘአንገደትሉ እዋን'ዩ - እዚ ድማ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ዘርኢ'ዩ።

ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "በጃኹም ንቭላድሚር ፑቲንን ኪም ጆንግ ኡንን ኣንጻር ኣመሪካ ብሓባር ኣብ እትሰርሕሉ ዘለኹም እዋን ምዉቕ ሰላምታይ ኣብጽሑለይ፡" ክብል ጽሒፉ።

ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ዝምድና ቻይና፡ ሩስያን ካልኦት ሃገራትን እናደልደለ ምኻዱ ንኣመሪካ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ብድሆ ኰይኑዋ ንዝብል ሓሳብ ነጺጉ ነይሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ሃገሩ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ንቻይና ዝሃበቶ "ልዑል ደገፍን 'ደምን'" ጠቒሱ።

ቻይና ዘካየደቶ ሰልፊ፡ ጃፓን ኣብቲ ኲናት ኢዳ ካብ እትህብን ቻይና ድማ ካብ እትዕወትን 80 ዓመታት ከም ዝገበረ ዘመልክት እዩ።

"ቻይና ዓወትን ክብርን ንኽትጓናጸፍ ብዙሓት ኣመሪካውያን ህይወቶም ከፊሎም። ብጅግንነቶምን መስዋእቶምን ክኽበሩን ክዝከሩን ተስፋ እገብር!" ኢሉ።

ሺ ምስ ኪም ጆንግ ኡንን ቭላድሚር ፑቲንን ዝርከቡዎም ካልኦት 26 መራሕቲ ኣብቲ ምርኢት ተሳቲፎም። ገለ ተዓዘብቲ እዚ ከም መልእኽቲ ንሃገራት ምዕራብ ገይሮም ይርእዩዎ።

ቻይና፡ ትራምፕ ዝሰልዖ ቀረጽ ንቑጠባን ፖለቲካን ዓለም ስለ ዝዘርግ፡ ከም መተካእታ ኣመሪካ ክትርአ ትደሊ።

ትራምፕ ዝኽተሎ ቀረጽ ንረብሓን ኢንዱስትሪታትን ኣመሪካ ከም ዝሕሉ እዩ ዝገልጽ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ንዝዀነ ዲፕሎማስያዊ ክሳራታት ክቕበል ድልው ይመስል።

ቻይናን መሻርኽታን ንኣመሪካ ንምቅዋም ኣህጉራዊ ጕጅለ ንምቛም ይጽዕሩ እንተዀይኖም ብቢቢሲ ምስ ተሓተተ ትራምፕ፡ "ኣይፋልን፣ ፈጺሙ ኣይኰነን። ቻይና ተድልየና እያ፡" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ "ከምቲ ትፈልጡዎ ምስ ፕረዚደንት ሺ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝምድና ኣለኒ። ቻይና ግን ካብቲ ዘድልየና ንላዕሊ ኣዝያ እያ እተድልየና። ፈጺመ ብኸምኡ ኣይርእያን እየ።"

ብሰሉስ 2 መስከረም 2025 ኣብ ራድዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ትራምፕ፡ ኣብ መንጐ ሩስያን ቻይናን ምሕዝነት ክምስረት ከም ዘየጨንቖ ገሊጹ።

ንሱ ንመደብ ራድዮ ስኮት ጀኒንግስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣመሪካ "ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ሓይሊ" ከም ዘለዋን፡ ኣንጻሮም ፈጺሞም ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዘይጥቀሙን ገሊጹ።

"እመኑኒ፡ ከምኡ እንተ ገይሮም እቲ ዝኸፍአ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር እዩ ክኸውን፡" ኢሉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ቃለመሕትት ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣላስካ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ ምስ ዩክረይን ኣብ ስምምዕ ሰላም ክበጽሑ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ልዕሊ ፑቲን፡ "ኣዝዩ ተስፋ ከም ዝቘረጸ፡" ገሊጹ።

"ብፕረዚደንት ፑቲን ኣዝየ ተስፋ ቈሪጸ ኣለኹ፡ ከምኡ ክብል እኽእል'የ፡" ዝበለ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን፡ "ሰባት ንኽነብሩ ዝሕግዝ ነገር ክትገብር እያ፡" ኢሉ፤ ብኸመይ መገዲ ግን ኣይገለጸን።

ቻይና ንምሉእ ወራር ፑቲን ኣይነቐፈቶን፣ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ቻይና ኣብ ድርብ መዓላ ዝውዕሉ ንብረታት ብምሻጥን ነዳዲ ሩስያ ብምዕዳግን ብተዘዋዋሪ ንዂናት ሩስያ ከም ዝደገፈት ይኸስሳ። በይጂንግ ግን ነዚ ትነጽጎ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ገለ ክፋላት እቲ ግንባር ሓደስቲ ሰራዊት ትሃንጽ ከም ዘላ ገሊጹ።

ኣብቲ ብቪድዮ ዝሃቦ መደረ፡ "[ፑቲን] ተገዲዱ ናብ ሰላም ካብ ምእታው ሓንጊዱ፡" ኢሉ።