እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ክንደይ ኲናታት'ዩ ደው ኣቢሉ፣ ወጥሪ ኢትዮጵያን ግብጽንከ?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ንምውዳእ ቀንዲ ሸምጋሊ ኰይኑ ይንቀሳቐስ ኣሎ።
ኣብ ዓለም ዘለው ኲናታት፡ ግጭታትን ዘይምቅዳዋትን ብሰላማዊ መገዲ ክፍትሑ ኣብ ምግባር ዓብይ እጃም ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ዝዛረብ ትራምፕ፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ግብጽን ሰላም ክወርድ ገይረ'የ ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።
ኣብ ዩክረይን ምቍራጽ ተጻብኦ ንኽግበር ጸቕጢ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ በርቲዑዎ ዘሎ ትራምፕ፡ ኣብዚ መዳይ ንነብሱ ምስክርነት ክህብ እዩ ዝስማዕ።
"ሽዱሽተ ኲናታት ደው ኣቢለ'የ፤ ምቍራጽ ተጻብኦ ዝብል ነገር ከይጠቐስኩ'የ ኣብዞም ስምምዓት ክበጽሕ ዝኽኣልኩ፡" ክብል ብ18 ነሓሰ 2015 ኣብ ዋይት ሃውስ ተዛሪቡ።
ብጽባሒቱ ኸኣ፡ ብዝሒ እዞም ደው ክብሉ ገይረዮም'የ ዝበሎም ኲናታት ናብ "ሸውዓተ" ሓፍ ኣቢሉዎ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም እቲ "ዋና መራሒ ሰላም" ሓሊፉዎም'ዩ ብምባል ትራምፕ ደው ኣቢሉዎም ዝበሎም ውግኣት ዘርዚሩ።
ገሊኦም ጐንጺታት፡ ዋላ'ኳ ንነዊሕ እዋን ብዝዘለቝ ወጥሪታት ዝተላዕሉ እንተዀኑ፡ ንመዓልቲታት ጥራይ ዝጸንሑ'ዮም ነይሮም።
ዘላቕነት እቶም ብሸምግልና ትራምፕ ዝመጽኡ ስምምዓት ሰላም ግን ኣብ ሕቶ ምልክት'ዩ ዘሎ።
ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ብዛዕባኦም ክዛረብ ከሎ እውን "ምቍራጽ ተዅሲ" ዝብል ቃል ብዙሕ ግዜ ተጠቒሙ እዩ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ (ምጽራይ ሓበሬታ) ነዞም ግጭታት ብደቂቕ ርእዩ፡ እቲ ፕረዚደንት ነዚኦም ኣብ ምውዳእ ዝነበሮ ተራ ክሳብ ክንደይ'ዩ ዝብል ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ግብጽን ኢትዮጵያን
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ግብጽን ኲናት የለን፤ ግን ምስ ህንጻት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰን ምምላእ ማይን ብዝተሓሓዝ ንዓመታት ኣብ ወጥሪ ይርከባ።
ስለዚ፡ ኣብዚ እቲ ፕረዚደንት ደው ክብል ዝገበሮ "ኲናት" ኣይነበረን።
ግብጺ ብሰንኪ እዚ ካብ ፈለግ ኣባይ እትረኽቦ ማይ ክጽሎ ከም ዝኽእል እኳ እንተሞገተት፡ እቲ 14 ዓመታት ዝወሰደ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ግድብ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝሓተተ ከዋኦይኑ፡ ሓምሸይ ዙርያ ምምላእ ማይ ተዛዚሙ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ከም ዝምረቕ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ገይራ'ያ።
ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ዝካየዱ ዝነበሩ ስሉሳዊ ድርድራት'ዉን መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ፍረ ክብተኑ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።
ንግብጺ ወጊኑ ርእይቶ ብምሃብ ዝፍለጥ ትራምፕ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት "ብሰንኪ እቲ ዓብዪ ግድብ ኣብ ጐንጺ፡" ከም ዝነበራ ብምግላጽ እቲ ግድብ "ኣብቲ ዘገርም ፈለግ ናይል ጽልዋ ኣለዎ፡" ክብል ጽሒፉ።
ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት፡ "ሰላም ኣሎ፤ ብናተይ ሸምጋልነት ብውሑድ [ሰላም ኣሎ]። ከምኡ ኢሉ ክቕጽል'ዩ፡" ብምባል ድሕሪ ናይ 12 ዓመታት ዘይምቅዳው ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምስ ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኣመሪካ [ንግድብ ሕዳሰ] "ብገንዘብ ደጊፋ'ያ፡" ብምባል "ናብ ናይል ዝኸይድ ማይ ዝዓጹ'ዩ፡" ክብል ኣካታዒ ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።
"ኣነ ግብጺ እንተዝኸውን፡ እቲ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዘሎ ማይ ክህልወኒ ምደለኹ። ኣብኡ ይሰርሓሉ'የ ዘለዅ፤ እቲ ጸገም ፍታሕ ክረክብ'ዩ፡" ኢሉ።
ግብጺ ንቃላት ትራምፕ ብሓጐስ ክትቅበሎ ከላ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ግን ወጥሪ ከጋድድ ዝኽእል ሓደጋ ከም ዘለዎም ገሊጾም።
ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ኣፈላላይ ንምፍታሕ ዘኽእል ወግዓዊ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።
እስራኤልን ኢራንን
እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ መደብራት ኒዩክሌር ኢራን ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ን12 መዓልታት ዝጸንሐ ጐንጺ ተኻይዱ ነይሩ።
ትራምፕ፡ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻማ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብዛዕባ እቲ ወፍሪ ከም ዝሓበሮ ኣረጋጊጹ።
ኣመሪካ፡ ንእስራኤል ደጊፋ ኣብ ኒዩክለራዊ ነቝጣታት ኢራን መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከላ፡ እዚ ስጕምቲ እቲ ጐንጺ ቀልጢፉ ንክውዳእ ዝተወስደ ስጕምቲ ከም ዝዀነ ተገይሩ ዘምጽእ ብሰፊሑ ይረአ።
ትራምፕ ብ23 ሰነ 2025፡ "ብወግዒ ኢራን ተኹሲ ደው ምባል ክትጅምር እያ፤ ድሕሪ 12 ሰዓት ድማ እስራኤል ተኹሲ ደው ከተብል እያ፤ ድሕሪ 24 ሰዓት ድማ እቲ ናይ 12 መዓልቲታት ኲናት ብወግዒ ደው ክብል'ዩ፡" ክብል ጽሒፉ።
እቲ ተጻብኦታት ምስ ተዛዘመ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ ሃገሩ "ወሳኒ ዓወት" ከም ዘረጋገጸት ገሊጹ፤ ዝዀነ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል እንተሎ ግን ኣይጠቐሰን።
ካብ ሽዑ ጀሚራ እስራኤል ሓድሽ ስግኣታት ንምምካት ንኢራን ዳግማይ ከተጥቅዓ ከም እትኽእል ክትሕነ ይስማዕ'ዩ።
"ኣብ ዘላቒ ሰላም ይኹን ንኒዩክለራዊ መደብ ኢራን ከመይ ጌርካ ትከታተሎ ዝብል ዝተበጽሐ ስምምዕ የለን፡" ይብል ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ትካል ምርምር ብሩኪንግስ ላዕለዋይ ክኢላ ዝዀነ ማይክል ኦሃንሎን።
"ስለዚ እቲ ዘሎ ነገር፡ ምቍራጽ ተጻብኦ እምበር ነቲ ኲናት ዝወድአ ነገር ኣይኰነን። ይዅን'ምበር፡ እስራኤል ብኣመሪካ ተሓጊዛ ንኢራን ምድኻማ ስትራተጂካዊ ትርጉም ዘለዎ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እጃም ተጻዊቱ'ዩ፡"።
ፓኪስታንን ህንድን
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንዓመታት ዝዘለቐ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ግን ኣብታ ብህንዲ እትመሓደር ካሽሚር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓድሽ ተጻብኦታት ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ ነይሩ።
ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ጐንጺ፡ ትራምፕ ህንዲን ፓኪስታንን "ምሉእን ቅልጡፍን ተኹሲ ደው ምባል" ከም ዝተሰማምዓ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያኡ ጽሒፉ።
እዚ ውጽኢት ናይቲ "ብሸምጋልነት ኣመሪካ ዝተኻየደ ነዊሕ ለይቲ ዝወሰደ ድርድር'ዩ፡" ኢሉ።
ፓኪስታን ንትራምፕ ኣመስጊናቶ፡ ድሒራ ድማ "ኣገዳሲ ዲፕሎማስያዊ ምትእትታው" ገይሩ ኢላ ካብ ምምስጋን ብዝሰገረ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክወሃቦ ሓጽያቶ።
ህንዲ ብወገና፡ ተሳትፎ ኣመሪካ ብምንኣስ: እቶም ዝርርባት ምቍራጽ ተጻብኦ "ኣብ መንጐ ወተሃደራዊ ሓይልታት ህንድን ፓኪስታንን ብዝነበረ ቀጥታዊ መስመራት ርክብ እዮም ተኻይዶም፡" ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ቪክራም ሚስሪ ገሊጹ።
ርዋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን
ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ተጻብኦ ኣሎ።
እዚ ድማ ብርዋንዳ ዝድገፉ ዕጡቓት ኤም23 ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝርከብ ግዝኣት ብሰፊሑ ምቍጽጻሮም ስዒቡ ተላዒሉ ዝነበረ ጐንጺ ዝያዳ ክጋደድ ገይሩ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዋሽንግተን ብምርኻብ፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ንምውጋድ ዝዓለመ ስምምዕ ሰላም ፈሪመን ነይረን። ትራምፕ እዚ ስምምዕ ኣብ መንጐ እዘን ሃገራትን ኣመሪካን ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ንምዕባይ ከም ዝሕግዝ ገሊጹ።
ይዅን'ምበር፡ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ እተን ሃገራት ብምጥሓስ ንሓድሕደን ዝካሰሳ ዘለዋ ኰይነን፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን እዚ ምስሕሓብ ምስ ርዋንዳ ኣተሓሒዘንኦ ኣለዋ።
ዕጡቓት ኤ23 ካብቲ ስምምዕ ሰላም ንርእሶም ከም ዘግልሉ ኣብ ቀረባ ገሊጾም ኣለው።
ኣብ ሓምለ፡ እቲ ጕጅለ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዲ.ኣር ኮንጎ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሕዱ 140 ሰባት ከም ዝቐተለ ሂዩማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ።
"ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጐ ኮንጎን ርዋንዳን ውግእ ኣሎ - ስለዚ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ብሓቂ ግብራዊ ኰይኑ ኣይፈልጥን፡" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ፕሮፌሰር ታሪኽ ዝዀነት ማርጋሬት ማክሚላን።
ታይላንድን ካምቦድያን
ትራምፕ ብ26 ሓምለ 2025፡ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ንግዝያዊ ቀዳማይ ምኒስተር ታይላንድ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዘሎ ኲናት ደው ንከብልን ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ንኽግበርን ሕጂ ክድውለሉ'የ፡" ክብል ጽሒፉ።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ሰሙን ዘይመልኦ ጐንጺ ደው ከም ዝበለ ተዛሪቡ።
እተን ሃገራት፡ "ብዘይ ዝኹነ ቅድመ ኵነት ኣብ ቅልጡፍ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ንምብጻሕ፡" ተሰማሚዐን በለ።
ማሌዥያ፡ ነቲ ዝርርብ ሰላም ተአንግድ እኳ እንተነበረት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ታይላንድን ካምቦድያን ውግእ ደው እንተዘይኣቢለን፡ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ቀረጽ ከንብር እየ ክብል ኣፈራሪሑ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ማሌዥያ ጥራይ ዘይኰነ፡ ክልቲአን ሃገራት'ውን እቲ ኲናት ደው እንተዘይኣቢለን ቀረጽ ከም ዝገብር ኣጠንቂቝ።
ክልቲአን ሃገራት ናብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝልእክኦም ናይ ወጻኢ ንግዲ ጽግዕተኛታት ምዃነን ይፍለጥ።
ብ7 ነሓሰ ታይላንድን ካምቦድያን ኣብቲ ናይ ሓባር ዶባተን ዝነበረ ወጥሪ ንምንካይ ዝዓለመ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ድማ ተገሊጹ።
ኣርመንያን ኣዘርባጃንን
መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ትራምፕ ብ8 ነሓሰ ስምምዕ ሰላም ንምውሓስ ብዝገበሮ ጻዕሪ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክቕበል ኣለዎ ኢሎም።
እዚ ስምምዕ ሰላም፡ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ዝተኣወጀ እዩ።
"ክልቲአን ሃገራት ነቲ ስምምዕ ንኽፍርማ ጸቕጢ ገይሩለን ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ እቲ ዝተጻወቶ እጃም ኣፍልጦ ክወሃቦ ይግባእ፡" ይብል ኦሃንሎን።
ኣብ መጋቢት፡ ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ንኣስታት 40 ዓመታት ዝጸንሐ ብሰንኪ ምምሕዳር ናጎርኖ-ካራባክ ይግብኣኒ'ዩ ብዝብል ዝለዓል ጐንጺ ከብቅዕ ድሉዋት ምዃኖም ገሊጾም ነይሮም።
ናጎርኖ-ካራባክ፡ ኣብ መንጐ ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ዝርከብ ግዝኣት ኰይኑ፡ ኣብ መስከረም 2023 ኣዘርባጃን ነቲ ከባቢ (ብዙሓት ኣርመንያውያን ዝነብሩሉ) ምስ ሓዘቶ እዩ እቲ ወጥሪ ዳግም ተላዒሉ።
ሰርብያን ኮሶቮን
ትራምፕ ብ27 ሰነ ኣብ መንጐ ሰርብያን ኮሶቮን ጐንጺ ከይለዓል ከም ዝገበረ ተዛሪቡ።
"ሰርብያን ኮሶቮን ናብ ኲናት ክኣትዋ ቀሪበን ነይረን፤ ዓብይ ኲናት ምዀነ ነይሩ። 'ናብ ኲናት እንተኣቲኹም ምስ ኣመሪካ ዝግበር ንግዲ የለን' ኢለዮም። ንሳቶም ድማ 'ናብ ኲናት ኣይንኣቱን' ኢሎም፡" ክብል ተዛሪቡ።
ክልቲአን ሃገራት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ወጥሪ ዝጸንሓ ኰይነን፡ እዚ ድማ ኮሶቮ ካብ ሰርብያ ድሕሪ ምግንጻላ ዝስዓበ እዩ።
ፕሮፌሰር ማክሚላን፡ "ሰርብያን ኮሶቮን ንሓድሕደን ክበኣሳ ወይ ክተኩሳ ኣይጸንሓን፡ ስለዚ ዘብቅዕ ኲናት ኣይኰነን፡" ኢላ።
ዋይት ሃውስ፡ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ'ውን ነተን ሃገራት ከም ዘሰማምዐ ይጠቅስ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2020፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ትራምፕ ስምምዓት ቍጠባ'ኳ እንተፈረማ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ኲናት ኣይነበራን።