እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ብድሌት ፑቲን ኣብ ዝተጠራጠረሉ፡ ሩስያ ንዘለንስኪ ንምንታይ ተቃልሎ?
ዶናልድ ትራምፕ ክልተኦም መራሕቲ ተራኺቦም ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንኸብቅዕ ክዛራረቡ ጻውዒት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ክረምሊን ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ዩክረይናዊ ቮሎድሚር ዘለንስኪን ርክብ ክግበር ንዝቐረበ ሓሳብ ኣቕሊላ ተመልኪታቶ።
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣላስካ ምስ ፑቲን ድሕሪ ምርኻቡን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ን7 መራሕቲ ኤውሮጳን ዘለንስኪን ድሕሪ ምእንጋዱን ብዛዕባ ክካየድ ዝኽእል ኣኼባ ተዛሪቡ። እቲ ግጭት ንምፍታሑ ኣጸጋሚ ምዃኑን ፑቲን ነቲ ኲናት ከብቅዕ ዘይደሊ ክኸውን ከም ዝኽእልን ገሊጹ።
ትራምፕ እቲ ግጭት ንምፍታሑ "ከቢድ" ምዃኑ ብምእማን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ተጻብኦታት ንምውጋድ ተገዳስነት ኣልቦ ክኸውን ከም ዝኽእል ተኣሚኑ።
ንሱ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ክንፈልጥ ኢና፣ "ውዕል ክገብር ዘይደሊ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።
ፑቲን ስምምዕ ክገብር እንተ ዘይደልዩ ኣብ "ከቢድ ኵነታት" ክኣቱ ከም ዝኽእል እኳ እንተ ገለጸ፡ ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ፕረዚደንት ሩስያ ትማሊ ሰኑይ ንትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ዩክረይን ቀጥታዊ ዝርርብ ንምክያድ "ክፉት" ምዃኑ ይግለጽ'ምበር፡ ንጽባሒቱ ግን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌይ ላቭሮቭ ነቲ ዘይንጹር ሓሳብ ኣነኣኢሱ ኣቕሪቡዎ እዩ።
ዝዀነ ኣኼባ፡ "በብቝሩብ... ካብ ደረጃ ክኢላታት ጀሚሩ ብድሕሪኡ ድማ ኵሉ ዘድሊ ስጕምትታት ብምሕላፍ፡" ክዳሎ ከም ዘለዎ ንተደጋጋሚ መግለጺ ክረምሊን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ምክትል ወኪል ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ድሚትሪ ፖልያንስኪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀጥታዊ ዝርርብ ንዝብል ሓሳብ ዝነጸገ ሰብ ከም ዘየሎ፡ "እንተዀነ፡ ምእንቲ ኣኼባ ተባሂሉ ዝግበር ኣኼባ ክኸውን የብሉን፡" ክብል ሓቢሩ።
ጸብጻባት ብሰሉስ ከም ዝሓበሩዎ፡ ፑቲን፡ ንትራምፕ ዘለንስኪ ናብ ሞስኮ ክመጽእ ከም ዝኽእል ሓሳብ ከም ዘቕረበን እዚ ድማ ዩክረይን ዳርጋ ብርግጽ ክትነጽጎ ምዃናን ርዱእ እዩ።
እቲ ሓሳብ፡ ሩስያ ኪየቭ ክትሰማማዓሉ ዘይትኽእል ኣማራጺ እተቕርበሉ ሜላ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ንትራምፕ እቲ ኲናት ክሳዕ ክንደይ ዝተሓላለኸ፣ ጠለባት ሞስኮን መርገጺ ኪየቭን ክሳብ ክንደይ ከም ዝፈላለይ ንምርዳእ ዝሓገዞ ይመስል።
ትራምፕ ንፑቲን ተዅሲ ደው ንምባል ከም ዝሰማማዕ ክገብሮ እኽእል እየ ዝበሎ ኣይተፈጸመን። ሕጂ ድማ ትራምፕ፡ ዩክረይንን ሩስያን ብቐጥታ ናብ ቀዋሚ ስምምዕ ሰላም ክሰጋገራ ኣለወን ይብል። ንዩክረይን ኣብ ውሕስነት ጸጥታኣ ገለ ምዕባለታት ተራእዩ እዩ።
ዘለንስኪን መራሕቲ ኤውሮጳን፡ እዚ ኪዳን ኣብ ዝዀነ ስምምዕ ሰላም ንልኡላውነት ኪየቭ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንትራምፕ ዘእመኑዎ ይመስሉ።
ትማሊ ሰሉስ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ሰራዊታ ከም ዘይተዋፍር እኳ እንተ ገለጸ፡ ኣመሪካ ንኤውሮጳውያን ተዅሲ ደው ምባል ወይ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ናብ ዩክረይን ሰራዊት እንተ ሰዲዶም "ብኣየር" ክትሕግዞም ምዃና ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ እቲ ደገፍ ነፈርቲ፡ ንዕማማት ስለያ ዘጠቓልል ድዩ ወይ'ውን ጀታትን ነፈርቲ ውግእን ክጥቀም እዩ - ብልክዕ ኣይገለጸን።
መብጽዓታት ትራምፕ ክሳዕ ሕጂ ድሩት'ዩ ዘሎ።
እቲ ብፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ዝምራሕ ጥምረት ወለንታውያን ግን፡ ውግእ እንተ ተዛዚሙ ናብ ዩክረይን ክለኣኽ ዝኽእል ውሕስነት ዝህብ ሓይሊ ክዳሉ መደብ ክገብር ከም ዝጸንሐ እዩ ዝገልጽ።
ድሕሪ'ቲ ብሰሉስ ብኢንተርነት ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ወሃቢ-ቓል ዳውኒንግ ስትሪት፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ምስ መቕርብ ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ክራኸብን፡ "ሓያል ውሕስነት ጸጥታ ንምሃብ ዝነበሮ መደባት ንምሕያል" ዝዓለመን ምዃኑ ገሊጹ።
ትራምፕ ምስ ፑቲንን ዘለንስኪን ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ዋላ እኳ ኣብ መንጎ ክልተኦም መራሕቲ "ዓቢይ ደም ምቅባእ" ከም ዝነበረ እንተ ገለጸ፡ ሕጂ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ቀጥታዊ ዝርርብ ናብ ስምምዕ ሰላም ከብጽሕ ከም ዝኽእል ዝሓሰበ ይመስል።
ናይ መወዳእታ ርክብ ትራምፕን ፑቲንን ኣብ 2019 እዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዘካየደቶ ኲናት ብዙሕ ሞትን ዕንወትን ኣስዒቡ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ኣየር ይቕጽል ኣሎ።
ፑቲን፡ ዘለንስኪ ሕጋዊ ከም ዘይኰነ ስለ ዝሓስብ፡ ዩክረይን ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ክትቀርብ ምዃና ይወቅስ። ንሱ ንዓመታት ኪየቭ ብ"ኒዮ-ናዚ ስርዓት" ከም እትምራሕን ዝዀነ ይዅን ተዅሲ ደው ምባል ኣብ መሪሕነት ኪየቭ ለውጢ ንምግባርን ከጠቓልል ኣለዎ ይብል።
ሩስያ፡ ሰራዊታ ገና ኣብ ዓውደ ውግእ ላዕለዋይ ኢድ ስለ ዘለዎ ክትዛራረብ ሃንቀውታ የብላን።
መራሕቲ ኤውሮጳን ዘለንስኪን ቀጥታዊ ርክብ ክካየድ ከም ዝድግፉ ተዛሪቦም ኣለዉ። ዘለንስኪ ትማሊ ሰኑይ ምስ ፑቲን ንዝዀነ ዓይነት ርክብ ክፉት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኤውሮጳውያን ድማ ዋዕላ ክካየደሉ ዝኽእል ቦታታት ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
መራሕቲ ኤውሮጳ ንቐጥታዊ ዝርርብ ብምድጋፍ፡ ፑቲን ነቲ ኲናት ንምቍራጽ ስጕምቲ ክወስድ ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንትራምፕ ኣንጻር ሞስኮ ክስለፍ ከእምኑዎ ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም።