ባሕቲ መስከረም፡ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ 62 ዓመት

ኤርትራውያና ስንኩላን ተጋደልቲ - ኣብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራውያና ስንኩላን ተጋደልቲ - ኣብ ሱዳን

ሎሚ መበል 62 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ቅድሚ 62 ዓመት ልክዕ ከምዛ ዕለት ብረት ዓጢቘም ክቃለሱ ናብ በረኻታት ሃገሮም ዝወፈሩ መንእሰያት ኤርትራ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ዕድመ ዕስራታት እዮም ነይሮም።

ሎሚ ብዙሓት ካብቶም ድሕሪ 30 ዓመት ቃልሲ፡ ነጻነት ሃገሮም ክርእዩ ዝበቕዑ ፈለምቲ ብረታዊ ተጋድሎ ዕድመን ጥዕናን እንተሂቡዎም ኣብ 80ታት ዕድመኦም ኣለው።

ይዅን እምበር ሓያሎ ካብኣቶም ኣብ ዓውደ ውግእ ብከቢድ ዝሰንከሉ፡ ኣብታ ንእስነቶም ዝሃቡዋ፡ ዝተጋደሉላ፡ ዝደኸሙላን ዝሰንከሉላን ሃገሮም ክነብሩ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ፈቐዶ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት ኣብዛ ታሪኻዊት ዕለት ዘለዎም ዝተፈራረቐ ስምዒት ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለው።

ትጽቢትን ክውንነትን ብረታዊ ቃልሲ

ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ናብ ቃልሲ ተሰሊፉ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብ ዓውደ ውግእ ብኸቢድ ሰንኪሉ መቝረጽቲ እግሪ ዘጋጠሞ ገዲም ተጋዳላይ የማነ ብህይወት ነጻነት ክርኢ'ኳ እንተበቕዐ ዳሕራይ ብዝተፈጥረ ሰብኣዊ ግህሰትን ፖለቲካዊ ዓፈናን ኣብታ ንእስነቱን ኣካሉን ዝኸፈለላ ሃገሩ ክነብር ስለዘይከኣለ፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዶባት ሰጊሩ ፈለማ ናብ ሱዳን ካብኡ ብሰሃራ ናይ ኤውሮጳ ኣትዩ።

“ስደት ኣብ ህይወተይ ንሓደ መዓልቲ'ውን ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን እቲ ነዊሕ ከይጸናሕና ዝተቓለስናሉ ዕላማ ተጠሊሙ።

"ኣብ ክንዲ ብቕዋምን ሕግን ንመሓደርን ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝትከልን፡ ብኣንጻሩ ምልካዊ ስርዓትን ምሕደራን ሰሪቱ መሰልን ክብርን ተጋዳላይን ህዝብን ስለዝተጋህሰ፡ ምእንቲ ክብረይን ድሕነተይን ብኸቢድ መጻብቦ ዓደይ ገዲፈ ተሰዲደ፡” ክብል ነቲ ዝሓለፈ ከቢድ ጕዕዞ ስደት ብምረት ይዝክሮ።

የማነ ድሕሪ እቲ ዅሉ ዝሓለፎ በዳሂ ጕዕዞ ስደት ኣብ ኤውሮጳ ኣትዩ ተቛዳሲ እተን ንህዝበን ብፍላይ ከኣ ንስንኩላተን ብልዑል ሰብኣዊ ክንክን ዝጥውራን ብፍትሒ ዘመሓድራን ሃገራት ምዕራብ ብልዑል ክብሪ ከምዝእለ ይገልጽ።

“ዕድል ገይርና፡ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ፡ ብሕግን ፍትሕን ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት ዝኣተና ኣነን ንዓይ ዝመስሉ ስንኩላንን እቲ ኣብ ሃገርና ካብ መንግስትና ዘይረኸብናዮ ክብርን ናብዮትን ረኺብና ንእለ ኣለና።

"ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ባሕቲ መስከረም እናኽበዓል ከኣ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ስንኩላን ብጾትን ልዕሊ ኵሉ ከኣ ነቶም ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ምስ ተሓኤ ተጋዲሎም ሕጂ ኣብ ከሰላ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ግዱሳት ገበርቲ ሰናይ ወዲቘም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝርከቡ ዘለው ውግኣት ሓርነትን ስንኵላን ብጾተይን እዝክርን ብሃለዋቶም እሓዝንን” ክብል ብዛዕባ ኩነታት ስንኩላን ኤርትራ ሕማቕ ከምዝስመዖ ይዛረብ።

ዝኽሪ ኣስምሃን ኣብ ሱዳን

ኣስምሃን ወለሎ፡ ብ1978 ገና ቘልዓ እንከላ ምስ ወለዳን ኣሕዋታን ካብ ከተማ ኣስመራ ሃዲሞም ናብ መዓስከር ሱዳን ኣትዮም። ኵሎም ስድራኣን ቀረባ ቤተሰባን ተጋደልቲ ጀብሃን ሻዕብያን ብምንባሮም ምስ ገድልን ዛንታታቱን ቀረባ ምትእስሳር ነይርዋ።

ኣብ ከሰላ ሱዳን ካብ ቍልዕነታ ስንኩላን ተጋደልቲ እናረኣየት ዝዓበየት ኣስማሃን፡ ኣብዛ ንመበል 61 ዓመት እትኽብር ዘላ ታሪኻዊት ዕለት ነቶም ኣብ ቍልዕነታ ዝረኣየቶምን ንነዊሕ ዓመታት እትፈልጦምን ኣብ ከሰላ ሱዳን ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ዘለው ተጋደልቲ ብሓበንን ሓዘንን ትዝክሮም።

“ኣደይ እትርከበን ኣደታት ከሰላ፡ ነቶም ኣብ ኵናት ዝሰንከሉ ዉጕኣት ሓርነት በብተራ እናኸዳ ክዳውንቶም ይሓጽባሎምን መግቢ ይሰርሓሎምን ነይረን። ንወርሒ ወይ ዓመት ዘይኮነ ንዓመታት እየን ኣልየናኦም።

"ግን ኵሉ እቲ ዝገብራኦ ዝነበራ ስራሕ፡ ክንዲ ጠብታ ናይቲ ንሶም ዝኸፈሉዎ ዋጋ ኣይኮነን። ንሳቶም ህይወት እዮም ሂቦምና - ንሕና’ኸ እንታይ ኮን ጌርናሎም ኢለ ንነብሰይ እሓትት እሞ እሓዝን፡” ትብል።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሱዳን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ስለዝነበረ ነቶም ስንኩላን ብሞራልን ንዋትን በብዓቕሙ ይሕግዞም ነይሩ። ዳሕራይ ግን ብዙሕ ካብቲ ህዝቢ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንስደት ኣርሒቑ።

እቶም ንስለ ነጻነት ኢሎም ኣብ ቃልሲ ዝሰንከሉ ተጋደልቲ ግን ገና ዕድመ ደፊኦም ጸገም ጥዕና ተደራሪቡዎም፡ ኣእዳው ለገስቲ ቍሊሕ እናበሉ ኣብ ከሰላ ሱዳን ይነብሩ ኣለው።

ንሓደ ዕላማ ዝሰንከሉ ዉጕኣት ሓርነት ጀብሃን ሻዕብያን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ምስ ህዝባዊ ግንባር ኰይኖም እናተቓለሱ ዝሰንከሉ ኣስታት 10 ሽሕ ቀዳሞት ስንኩላን ኵናት ምስቶም ኣብ ኲናት ዶባት 1998-2000 ዝሰንከሉ፡ ይጥዓሞም ኣይጥዓሞም መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ይናብዮም ኣሎ።

ልዕሊ ኵሉ ግን ኣብ መሬቶም ኣብ ሃገሮም ምስ ህዝቦም ስለዘለው፡ ብዝወሓደ ምስ ቤተሰብን መቕርብን ስለዝራኸቡ ሞራላዊ ክብሪ ኣለዎም።

እዞም ኣብ ሱዳን ከሰላ ዝነብሩ ዘለዉ ስንኩላን ሓርነት ግን ንሓደ ዕላማ ሰንኪሎም ከብቅዑ፡ ኣእዳው ገበርቲ ሰናይ ጥራይ ከቋምቱ ክትርእዮም ናይ ሓግዙና ጻውዒቶም ክትሰምዕ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ይብል፡ የማነ።

እቲ ዘገርም ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ውጕኣት ሓርነት በብዓቕሙ ዝገብሮ ምድግጋፍ ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ይግለጽ እዩ።

እዞም ኣብ ከሰላ ሱዳን ዘለው ኤርትራውያን’ከ ደኣ ስንኩላን ኲናት ዶ ኣይኰኑን? እቶም ኣብ ጀብሃ ተጋዲሎም ዕድመ ደፊኦም ናባይን ኣላይን ዘይብሎም ዕድመኦም ብዘይ ውላድን ሓድግን ዘሕለፉዎኸ ኤርትራውያን ኣይኰኑን ድዮም? ክትብል ትሓትት ኣስምሃን።

ንሕቶኣ ባዕላ ብምምላስ ከኣ እዞም ኣብ ስደት እንርከብ ዜጋታት ብዙሕ ዝውጥጠና ነገር ከምዘሎ ርዱእ'ኳ እንተዀነ ብተዛማዲ ካብቲ ኣብ ዓድን ሱዳንን ዘሎ ህዝብና ስለዝሓይሽ ዓዓቕምና ክንገብር ይግባእ ክትብል ምሕጽንታኣ ተቕርብ።

ተጋዳላይ ጸጋይ፡ ባሕቲ መስከረም፡ ህዝቢ ኤርትራ እምቢ ንዓመጽን ጭቈናን ብምባል ብመሪሕ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ዝኣወጀላ ዕለት ስለዝዀነት ዋላ'ውን "በዚ ስልጣን ጨቢጡ ብምልኪ ዘመሓድር ዘሎ መብጽዓ ዝሰበረ ስርዓት ኢሳይያስን ጕጅለኡን እንተተበደልኩ፡ ክብሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ባሕቲ መስከረም ከም ወትሩ ደሚቑ ክነብር እዩ፡" ይብል።

ንሱ ወሲኹ፡ “ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝዀነ ዓመጽን ግፍዕን ዘጋጠሞ ሕብረተሰብ ከምዝገብሮ ብስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ዓመጽን ግፍዕን ምስ ኣጋጠሞ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ።

እንተዀነ ተቓለስቲ ሓርነትን መላእ ህዝብን ዝተቓለሱሉን ዝተጸበይዎን ደሞክራሲያዊ ፍትሓዊ ስርዓት ስለዘይተተኽለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዳርጋ ምስ ኵለን ጐረባብቱ ብዝገበሮ ውግእን ኣደዳ ዳግማይ ስንክልናን ሞትን ይኸውን ብምህላው፡ ብልቢ እሓዝን፡" ይብል።

እቶም ንህዝቦም ኣሚኖም ብዅሉ-ምሉ ጸብለል ንዝበሎም፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራዊትን ዘመናዊ ዕጥቅን ንዘለዎ ዓርሞሸሽ መንግስቲ ክንገጥሞ ኢና ኢሎም ዝተበገሱን ተጋዲሎም ዝሰንከሉን ክብርን ምስጋናን ይግበኦም’ዩ፡ ዝበለ ተጋዳላይ ጸጋይ፡ ኣብዛ ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም፡ ኵሎም እቶም ምእንቲ ህዝቦም ክቡር ህይወቶም ክኸፍሉ ኣብ ርሱን ጥምጥም ብኸቢድ ዝሰንከሉ ውግኣት ሓርነት ከኣ ዝያዳ ክብርን ሞሳን ከምዝግበኦም ተዛሪቡ።

ገለ ካብቶም ኣብ ከሰላ ሱዳን ብማሕበር ዝእለዩ ዘለው ስንኩላን፡ ጃብር ሙሳ ዑመር፡ ሓጂ መሓመድ፡ ተኸስተ ገብረስላሰ፡ እዮብ መሓሪ፡ እድሪስ ዑስማንን ካልኦትን ብቪድዮ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ነቲ ዛጊት ካብ ግዱሳት ብጾትን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ዝግበረሎም ደገፍ ኣመስጊኖም።

ኣካያዲ እቲ ማሕበር ኣቶ ተኽለሃይማኖት እልፉ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሱዳን ብዘሎ ክብሪ መነባብሮ ዋጋ ሃለኽቲ ኣዝዩ ስለዝነሃረ፡ ናይ ሕክምናን መግብን፡ ፍርናሽን ዓራውትን፡ ክዳንን ኣንሶላን ከምኡ'ውን ናይ ዊልቼር ብሽክለታን ቱግቱግን ሕጽረታት ከምዘለዎም ብምጥቃስ፡ ኵሉ ኤርትራዊ በብዓቕሙ ክድግፎም ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ እታ ነዞም ስንኩላን ካብ ቍልዕነታ እትፈልጦም ወይዘሮ ኣስምሃን ወለሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንቓልሲ ዝምልከት በዓላቱ ከኽብር እንከሎ ወትሩ ነቶም ምእንቲ ክብሩ ዝወደቑ ስንኩላን ሓርነቱ ኣብ ጀብሃ ዝተጋደሉ ይዅኑ ኣብ ሻዕቢያ ዝግባኦም ክብሪ ክህቦምን ክዝክሮምን ይግባእ ክትብል ምሕጽንታኣ ኣቕሪባ።