ኣመሪካ ኣብ ግዝኣታ መንነቱ ዘይተፈልጠ ዝበርር ኣካል ተኲሳ ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ

ብመሰረት ጸብጻብ ፔንታጎን፡ እቲ ኣካል ብኤፍ-22 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ከምዝተሃርመ ተገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር፡ ኣብ ግዝኣት ኣላስካ ዝተራእየ ዝበርር ዝነበረ መንነቱ ዘይተፈልጠ ነገር፡ ብመሰረት ትእዛዝ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ተወቒዑ ክወድቕ ተገይሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዋይት ሃውስ፡ እቲ ዝበርር ኣካል ብነፋሪት ውግእ ከምዝተሃርመ ተገሊጹ።

ወሃቢ ቃል እቲ ፕረዚደንት ጆን ኪርቢ ከም ዝበሎ፡ እዚ ኣካል ግዝፈቱ፡ ክንዲ መኪና ዝኸውን እዩ።

ብቐንዱ ንበረራታት ኣየር ሓደጋ ምዃኑ ስለዝተኣመነ እዩ ክውቃዕ ዝተወሰነ።

እዚ ነገር መን ሰዲድዎ? ኣብዚ እዋን እዚ ዕላምኡ ኸ?- እንታይ ምንባሩ ኣይተፈልጠን።

እንተኾነ ኣሜሪካ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብቻይና ዝተልኣኸ ሰላዪ ባሉን ወቒዓ ድሕሪ ምውዳቓ ተመሳሳሊ ናይ ጸጥታ ስክፍታታት ኣጋጢምዋ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ወሃቢ ቃል፡ እቲ ገና ዝወደቐ መንነቱ ዘይተፈልጠ ነገር፡ ካብቲ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሰማይ ኣመሪካ ዝለኣኸቶ ሓበሬታ ዝእክእብ ባሎን ኣዝዩ ዝነኣሰ ምዃኑ ገሊጹ።

ናይ ቻይና ሰላዪ ባሉን፡ ካብ ሰለስተ ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ብድምር ቁሩብ ይዓቢ።

እዚ ሓድሽ ኣካል ክንዲ ንእሽቶ ናይ ገዛ መኪና እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ቻይና ናይ ስለያ ባሎን ኣብ ግዝኣት ደቡብ ካሮላይና ኣብ ማያዊ ኣካል ድሕሪ ምውዳቑ ፡ ሓይሊ ባሕሪ ነቲ ስብርባር ንምድላይ ተዋፊሩ ኣሎ።

እቲ ብዓርቢ ዝተወቕዐ መንነቱ ዘይተፈልጠ ነገር፡ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኣላስካ 40 ሽሕ ጫማ ኣብ ሰማይ ይበርር ነይሩ።

እዚ ማለት ድማ ኣስታት 12 ሽሕ ሜትሮ ወይ 12 ኪሎ ሜትር ብራኸ ኣለዎ።

መብዛሕትኡ ግዘ፡ ናይ ተሳፈርቲ ነፈርቲ ክሳብ 45,000 ጫማ ቁመት ክበራ ይኽእላ እየን።

እቲ ኣካል፡ ኣብ ሰዓት ካብ 20 ክሳብ 40 ሜትሮ ይጓዓዝ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ኣብ ጥቓ ባሕሪ ቢዮፎርት ድሕሪ ምውቃዑ፡ እቲ ስብርባር ንምርካብ ብነፋሪት ውግእ-ብሄሊኮፕተር ኣለሻ ይካየድ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ባሕሪ ቢዮፎርት በረድ ስለዝኾነ፡ እቲ ስብርባር ንምርካብ ኣጸጋሚ ከምዘይከውን ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት እቲ ወሃቢ ቃል፡ እዚ ኣካል መን ከምዝሰደዶ፡ ናይ መን ንብረት ምዃኑ፡ ናይ ውልቀ ሰብ ድዩ ወይስ ብመንግስቲ ዝውነን ምዃኑ ኣይተፈልጠን።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ንፈለማ እዋን ተራእዩ።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ኩነታት እቲ ኣካል ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ፈለማ ክልተ ነፈርቲ ውግእ ናብኡ ቀሪበን ኣብ ውሽጢ ሰብ ከምዘየለ ኣረጋጊጸን።

እቲ ሓበሬታ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስተገልጸ ድማ እቲ ናይ ምጥቃዕ ትእዛዝ ተግባራዊ ምዃኑ ገሊጹ።

ዋሽንግተን፡ ቻይና ሰላዪ ባሎን ሰዲዳ ብዝብል ክሲ ምስ ቤጂንግ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ተሸሚማ ኣላ።

ዝሓለፈ ሰንበት ናብ ቤጂንግ ክበጽሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን ሓሳቡ ዝቐየረ በዚ ምኽንያት ነይሩ።

ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ቻይና ልስሉስ መርገጺ ብምሓዙ ብሪፓብሊካን ይንቀፍ ኣሎ።

ብመሰረት ሪፓብሊካን፡ ቻይና ካብ ሰማይ ኣሜሪካ ብዙሕ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ትወስድ ትኸውን።

ኣሜሪካ ግን ብኡ መሰረት መልሲ ከምዘይሃበት ይኸሱ።

ብኣንጻሩ ቻይና፡ ሓበሬታ ክሊማ ንምእካብ ዝለኣኽዋ ባሉን ምዃና ትገልጽ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ናብ ቻይናዊ መዘንኡ ኣብ ሓደ ሓደገኛ ጸጥታዊ ኩነታት ምስ ዘጋጥም ጥራይ ዝጥቀመሉ መስመር ቴሌፎን ደዊሉ።

ይኹን እምበር ቻይናዊ መዘንኡ ዌይ ፈንገ ነቲ ቴለፎን ኣየልዐሎን።