እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ 'ኵሉ ሓገዛት' ንዩክረይን ደው ምባላ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኵሉ እቲ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ሓገዝ ደው ከብል ምውሳኑ፡ ንኪቭ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም እቶም ኣመሪካ ደገፋ ንክቕጽል ክጕስጕሱ ዝጸንሑ ኤውሮጳውያን መሻርኽቲ'ውን መሪር ጽፍዒት እዩ።
ኣመሪካ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከተቋርጽ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
ኣባላት ኮንግረስ ዝነበሩ ሪፓብሊካን ኣብ 2023 ጆ ባይደን ንዩክረይን ዝገብሮ ዝነበረ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ሓገዝ ዓጊቶምዎ ነይሮም እዮም።
ብሰንኩ፡ ዩክረይን ብሓገዝ ኤውሮጳ ነቲ ዝነበራ ክዙን ተተኮስቲ ከተውጽኦ ተገዲዳ ነይራ።
ጸኒሑ ግን ኮንግረስ ነቲ ናይ 60 ቢልዮን ፓውንድ ሓገዝ ኣብቲ ዓመት ኣጽዲቕዎ።
እቲ እዋን፡ ዩክረይን ኣብ ካርኪቭ ዳግም ንዘተወደበ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሩስያ ክትምክት ትቃለስ ዝነበረትሉ እዩ።
ሓገዝ ኣመሪካ እንተደንጐየ'ኳ፡ ነቲ ኵነታት ኣብ ምቕያር ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ።
ከምቲ ኣብ 2024 ዝተራእየ፡ ምቁራጽ ሓገዝ ኣሜሪካ ኣብ ባይታ ጽልዋኡ ክርአ ገለ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል ይኸውን እዩ - ብውሑዱ ብመንጽር ኣጽዋራትን ተተኰስትን።
ሃገራት ኤውሮጳ፡ ቀስ ብቐስ ምፍራይ ቦምባታት መዳፍዕ እናዕበያ ክመጽኣ ጸኒሐን እየን።
ኣብዚ እዋን ብሓፈሻ ኤውሮጳ፡ ካብ ኣመሪካ ንላዕሊ ንዩክረይን ዝወሃብ 60 ሚእታዊት ትሽፍን።
ይዅን እምበር ወተሃደራዊ ደገፍ ኣመሪካ ንዩክረይን ኣመና ኣገዳሲ ምዃኑ ኣየካትዕን።
ዩክረይን ንሰባን ከተማታታን ዘለዋ ዓቕሚ ምክልኻል ብቐንዱ ኣብቶም ዝተራቐቝ - ብሓባር ምስ ኖርወይ ዝማዕበሉ - ባሊስቲክን ናሳምን ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ኣመሪካ - ኣጽዋራት ይምርኰስ።
ብዘይካ'ዚ ኣመሪካ ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕቲ - ሂምራስን ኣታክምስን - ሚሳይላት ንዩክረይን ሂባታ እያ።
ሽሕ'ኳ ንኣጠቓቕማኦም ኣብ ውሽጢ ሩስያ ደረት እንተገብረትላ፡ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ'ቲ ዝተጐበጠ ግዝኣታት ልዑል ኣገዳስነት ንዘለዎም ዒላማታት ንኽትወቅዕ ኣገደስቲ ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።
ኣብዚ ብቕዓቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዝሖም'ውን ወሳኒ ኰይኑ ጸኒሑ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለምና ዝሓየለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምዃና፡ ኣማኢት ድሩዓት ወተሃደራዊ መካይንን ልኢኻ እያ።
እዚ ድማ እቲ ንኣሽቱ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣውሮጳ ፈጺሙ ዝዳረጐ ኣይኰነን።
ምቍራጽ ገለ ካብዚ ሓገዛት፡ ጽልዋኡ ኣብ ግንባር ኲናት ንምርኣይ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።
ብመንጽር ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታ ግን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ቅጽበታዊ ጽልዋ ክህሉ ይኽእል እዩ።
ኣብ ህዋ ዝተመርኰሰ ስለያን ምክትታልን ምስ ኣመሪካ ክትመዓራረ እትኽእል ሃገር የላን።
ኣብ ርእሲኡ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኰነስ ብንግዳዊ ኵባንያታት'ውን ዝቐርብ እዩ።
ብኤሎን ማስክ ዝውነን 'ስታርሊንክ ሳተላይት' መራኸቢ መርበብ ሓበሬታ ከም ኣብነት ንውሰድ።
ኣብ ኵሉ'ቲ ዩክረይን ዝሓዘቶ ቦታታት ቅድመ ውግእ ስታርሊንክ ዲሽ ብብዝሒ ተተኺሉ ከም ዘሎ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጆናታን ቤል ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዓይኑ ከም ዝረኣየ ይገልጽ።
ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዓውደ ውግእ ዘሎ እዋናዊ ሓበሬታ ንምትሕልላፍ ኣብኣቶም ይምርኰሱ።
ከበድቲ መዳፍዕን ሰብኣልቦ ነፈርትን ንዘካይድዎ መጥቃዕቲ ንምውህሃድ ኣገደስቲ እዮም ዘለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፔንታጐን - ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ - ነዚ ወሃቢ ትንፋስ ኰይኑ ዝጸንሐ መሳርሒ ከም ዝምውል ተኣሚኑ ነይሩ።
እቲ ንባዕሉ'ውን ብፕረዚደንት ዘለንስኪ ብትሪ ክነቅፍ ዝጸንሐ ኤሎን ማስክ፡ ኣብ ምምሕዳር ኣመሪካ ወሳኒ ሰብ ኰይኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን እምበኣር፡ እቲ ውዕል ክቕጽል ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ይመስል።
ኣመሪካ፡ ስርሓታ ንዝዀነ ወተሃደራዊ ናውቲ ናብ ዩክረይን ንምክልኣኽ ከ ንሃገራት ኤውሮጳ ክትፈቕደለን ድያ? ዝብል ሕቶ'ውን ክለዓል ግድን እዩ።
ኤውሮጳ ነተን ኣመሪካ ዝሰርሓተን ኤፍ-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ንዩክረይንን ክትህብ ኣብ ዝደለየትሉ እዋን፡ ኣቐዲማ ፍቓድ ዋሽንግተን ክትረክብ ግድን እዩ።
ንጽገና ተባሂሉ ዝቐርብ መሳርሒታት ኣመሪካ ኸ? ኣመሪካ ንሓይልታት ዩክረይን ከተሰልጥንን ነቲ ኣመሪካ እትህቦም ናውቲ ባዕላቶም ክጽግንዎ ምእንቲ ክኽእሉ ክትድግፎም ጸኒሓ እያ።
ባይደን ኣብ መወዳእታ እዋን ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ዩክረይን ዝሰርሑ ኮንትራክተራት ተጻዒኑ ዝነበረ ዝነበረ እገዳታት ኣልዒሉ።
ኤፍ-16 ነፈርቲ ብፍላይ፡ ብኣድማዕነት ክሰርሓን ቀጻልነት ክህልወንን ክኢላታት መሃንድሳትን መቀያየሪ ናውቲን ኣመና የድልየን እዩ።
ትራምፕ ሓገዝ ደው ንምባል ዝወሰዶ ውሳነ፡ ንብዙሓት ቀሊል ክመስል ይኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ ዩክረይን ቀልጢፋ ናብ ዘተ ንኽትኣቱ ንምስግዳድ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ግሁድ እዩ።
ኣብተን መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ኤውሮጳ ግዝያዊ ደውታ ክኸውን ተስፋ ኣሎ።
ብዘይ ደገፍ ኣመሪካ ዩክረይን ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዋን ከተሕልፍ ምዃና ኣይተርፍን።