እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀራና መንገዲ ዘላ ኤውሮጳ፡ ዘውጽኣቶ መግለጺ ክሕግዛ ድዩ?
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤውሮጳ ኣብ ቀራና መንገዲ ከም ዘላ ገሊጹ።
መራሕቲ ኤውሮጳ ሓቢሮም ገዛእ-ርእሶም ክከላኸሉን ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ደው ዝብለሉ መንገዲ ከናድዩን ኣተሓሳሲቡ።
ስታርመር ንዩክረይን ንምሕጋዝ ተወሳኺ ኣጽዋር ክሰድድ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ሃገሩ፡ 2 ቢልዮን ዶላር ብምስላዕ፡ 5,000 ጸረ ነፈርቲ ሚሳይላት ናብ ዩክረይን ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጡ።
ሃገራት ኤውሮጳ ንገዛእ-ርእሰንን ዩክረይንን ንምክልኻል ዘኽእለን ኣጽዋር ከዕብያ ጸዊዑ። እንተዀነ፡ እዚ ምባሉ፡ ንኣመሪካ ከም ዘይትእመን መሓዛ ቈጺሩዋ ከም ዘይኰነ ብፍሉይ ኣስሚርሉ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዘጋጠመ "ክርእዮ ዝደሊ ሰብ" ከም ዘየሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ካብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ንላዕሊ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ከም ዘየሎዋ ድማ ተዛሪቡ።
"ታሪኽ ከም ዝነግረና፡ ኣብ ኤውሮጳ ግጭት እንተ ተላዒሉ ንዅሉና እዩ ዝጸልወና፡" ኢሉ።
እዚ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ናይቲ ፕረዚደንት ዘለንስክን ምምሕዳር ትራምፕን ኣብ ርሱን ምጕት ዝኣተውሉን ሓገዝ ኣመሪካ ንዩክረይን ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉን እዩ ተቓኒዑ።
ሽዑ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዘለንስኪ ነቲ ኣመሪካ ዝገበረትሉ ደገፍ ምስጋና የብሉን ኢሉ ነቒፉዎ እዩ።
ስታርመር ምስ ዘለንስክን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንወል ማክሮንን ብምዃን ውጥን ሰላም ናብ ኣመሪካ ከቕርቡ ከም ዝወሰኑ ገሊጹ።
ኣመሪካ ብወገና፡ ኣብ ምድላው ውዕል ሰላም ክትተሓገዝ ከም እትኽእል ጠቒሳ ነይራ እያ።
ስታርመር፡ "ኣብ ኣህጉርና ከይዲ ሰላም ንምድጋፍን ነዚ ጻዕሪ ንምዕዋትን ሓያል ደገፍ ኣመሪካ የድልየና እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ኣኼባ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ትራምፕን ዘለንስክን ዘጓነፈ ተዓብሊሉ እዩ።
ዝርርብ ሰላም ዳግማይ ንምጅማር ክሕግዝ ድላይ ከም ዘለዎ ዝገለጸ ቀዳማይ ምኒስተር ስታርመር፡ ነቲ ክስተት ኣብ ክንዲ ወጥሪ ንምዕባይ፡ ምስ ትራምፕ፡ ዘለንስክን ማክሮንን ርክብ ንምፍጣር ከም ዝተጠቕመሉ እዩ ዝግለጽ።
ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፋ ሃገራት ፈረንሳ፡ ፖላንድ፡ ሽወደን፡ ቱርኪ፡ ኖርወይ፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ዴንማርክ፡ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ሮማንያ፡ ፊንላንድ፡ ኢጣልያ፡ ስጳኛን ካናዳን እየን።
ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ንኤውሮጳ ብህጹጽ "ዳግማይ ምዕጣቕ፡" ከም ዘድሊ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ድሕሪ እቲ ዋዕላ ናብ ሳንድሪንግሃም ብምኻድ ምስ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ተራኺቡ። ደንጒዩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ኣመሪካ ብዛዕባ ማዕድናት ስምምዕ ክፈርም ድሉው ምህላዉ ገሊጹ።
"እቶም መሻርኽቲ ድልዋት እንተዀይኖም [ኣመሪካ ማለቱ እዩ]፡ ኣብቲ ኣብ ጠረጴዛ ዘሎ ውዕል ክፍርም፡" ቅሩብ ምህላዉ ሓቢሩ።
ስታርመር፡ ካብ ንፑቲን ንትራምፕ ከም ዝኣምን ይገልጽ
ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ ዩክረይን ተዅሲ ደው ንምባል ዝድግፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኤውሮጳ ንምቛም ዘተ ኣካዪዶም። ስታመር፡ "ብወለንታውያን" ዝቘመ "ልፍንቲ" ክኸውን እዩ ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ እምበር፡ ኣብ ፑቲን እምነት ከም ዘይብሉ ሓቢ፣ "ዶናልድ ትራምፕ ነባሪ ሰላም እደሊ እየ ክብል ከሎ ትኣምኖ ዲኻ ንዝብል ሕቶ፡ እወ እዩ መልሰይ፡" ኢሉ።
ስታርመር ካብ ኣመሪካ ውሕስነት ጸጥታ ንምርካብ "ጽዑቕ ዘተ" ከም ዘሎ'ውን ገሊጹ እዩ።
"ውዕል ክህሉን ውግእ ደው ክብልን እንተዀይኑ፡ እቲ ስምምዕ ከለላ ክረክብ የድልዮ፣ ምኽንያቱ፡ ዝግ ኢሉ ጸኒሑ ዳግም (ብላድሚር ፑቲን) እንተ ጀሚሩ፡ እቲ ውጽኢቱ ዝኸፍአ እዩ ዝኸውን፡" ኢሉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ድሕሪ'ቲ ኣኼባ መራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ነጥብታት ከም ዝተሰማምዑ ገሊጹ፤
- ወተሃደራዊ ሓገዝ ናብ ዩክረይን ክውሕዝ ምግባር፣ ከምኡ'ውን፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ቍጠባዊ ጸቕጢ ክውስኽ ምግባር፣
- ዝዀነ ነባሪ ሰላም ከምጽእ ዝኽእል ውዕል ልዑላውነትን ጸጥታን ዩክረይን ከረጋግጽ፣ ከምኡ'ውን፡ ዩክረይን ኣብ ዝግበር ዘተ ሰላም ተሳታፊት ክትከውን፣
- ስምምዕ ሰላም እንተ ተፈጺሙ፡ ኣብ መጻኢ ካልእ ወራር ንምክልኻል፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ዩክረይን ምዕባይ፣
- ብዛዕባ ዩክረይን ዝካየድ ስምምዕ ንምክልኻልን ብድሕሪኡ ነቲ ዝርከብ ሰላም ንምውሓስን፡ ብወለንተኛታት ልፍንቲ ምቛም።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ናብቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ክጽንበራ ፍቓደኛታት ዝዀና ሃገራት እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ እተን ዝተሰማምዓ ብዝቐልጠፈ ውጥን ጻዕርታተን ከሐይላ ምዃነን ገሊጹ።
መራሕቲ ኤውሮጳ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ክውስኹ ቃል ኣትዮም
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ወተሃደራዊ ወጻኢታት ሃገሩ ኣብ 2027 ናብ 2.5 ሚእታዊት ካብ ድምር ዘቤታዊ እቶት ከዕብዮ ምዃኑ ኣብዚ ሰሙን ቃል ኣትዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ቸክ ፔትር ፊያላ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤውሮጳ ታሪኻዊ ፈተና ከም ዘጋጥማ ብምግላጽ፡ ገዛእ-ርእሳ ክትከላኸል ኣለዋ። ሃገራት ኤውሮጳ ብውሕዱ 3 ሚእታዊት ካብ ድምር ዘቤታዊ እቶተን ኣብ ምክልኻል ከውዕልኦ ኣለወን ኢሉ።
"ጻዕርታትና ብዝቐልጠፈ እንተ ዘይኣዕቢናዮን እቲ ወራሪ ነቲ ኵነታት ክዝውሮ እንተ ኣፍቂድናሉን ብጽቡቕ ኣይክንውድእን ኢና፡" ወሲኹ።
ኣመሪካ ኣተኵሮኣ ናብ ቻይናን እስያን ንምትሕሓዝ ከተሰጋግር ሕጋዊ ምዃኑ ዝገለጸ ማክሮን፡ ተወሳኺ ወጻኢታት ምክልኻል ክግበር ጸዊዑ።
"ኣቐዲምና ክንበራበር ነይሩና፡" ዝበለ ማክሮን፡ "ዝያዳ ልዑላዊት፡ ዝያዳ ስምርቲ፡ ዝያዳ ናጻ ኤውሮጳ ከም እተድልየና ንዓመታት ክዛረብ ጸኒሐ'የ፡" ኢሉ።
እዚ ምትእኽኻብ ኤውሮጳ ፋይዳ ክህልዎ ድዩ?
ኤውሮጳ ኣብዚ ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ ኵነታት፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታታ ብምሕያል ኣካሉ ናይ ምዃን ድላይ ኣለዋ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ትራምፕ ምስ ፑቲን ብዝገበሮ ምርድዳእ እዩ ተባሒቱ ቀንዩ።
መገሻ ዘለንስኪ ናብ ዋሽንግተን ድማ ንዩክረይንን ኤውሮጳን ናብቲ መኣዲ ክመልሰን ተስፋ እኳ እንተ ነበረ፡ ናብ ዘይተሓስበ ጫሊዱ ነቲ ኵነታት ዝበኣሰ ገይሩዎ።
ኤውሮጳውያን ነዚ ኣብ ተነቃፊ መንገዲ ረጊጹ ዘሎ ዝምድናኦም ምስ ኣመሪካ ዝጽግንሉ መንገዲ ክረኽቡ ሃሰው ይብሉ ኣለዉ።
እዚ ምትእኽኻብ ሓይልታት ኤውሮጳ ዲፕሎማስያዊ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል ድዩ? ኣመሪካኸ ከምቲ በይና ዝጀመረቶ ድያ ክትጓዓዝ - ኣብ ቀጻሊ ዝርአ ዘይተመለሰ ሕቶታት እዩ።