እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ኢዱ የዋጣውጥ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ውድብ "ንኣመሪካ ንምግጣም" ዝተፈጥረ እዩ ብምባል፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ንዝፈረዩ ኣቑሑት ብ25% ቀረጽ ክስልዓሎም መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ንሱ ምስ ኣባላት ካቢነ ምኒስተራት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ክንሕብሮ ኢና" ድሕሪ ምባል፡ "ብሓፈሻ 25% ክኸውን'ዩ፣ እዚ ድማ ኣብ መካይንን ካልእ ኵሉ ነገራትን ክኸውን'ዩ፡" ኢሉ።
ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ "ኣንጻር ዘይምኽኑይ ቀረጽ" ብጽኑዕን ብቕልጡፍን ግብረ መልሲ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ መግለጺ ትራምፕ፡ ብዛዕባ ውጥን ንግዱ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣቑሑት ሜክሲኮን ካናዳን፡ ካብ 4 መጋቢት ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል እውን ዝገልጽ እዩ ዝመስል።
ድሒሩ ሓደ ብዓል ስልጣን እቲ ምምሕዳር፡ እቲ ናይ ፈጽሚ ግዜ ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎን እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ምስ ድሕነት ዶባት ዝተኣሳሰሩ ስጕምትታት ሜክሲኮን ካናዳን ክግምግም መደብ ከም ዘለዎን ገሊጹ።
ትራምፕ ትማሊ ረቡዕ ምስ ኤውሮጳ ዝግበር ንግዲ እውን ኣብ ሓሳቡ ከም ዝጸንሐ ብንጹር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታት ኤውሮጳ ደጊሙ ብምንቃፍ፡ ንኣመሪካውያን ሰደድቲ ፍርያት መግብን መካይንን ከም ዘዳኸሞም ገሊጹ።
"ሕብረት ኤውሮጳ ንኣመሪካ ንምግጣም እዩ ተመስሪቱ - ዕላምኡ ንሱ'ዩ። ጽቡቕ ስራሕ ድማ ሰሪሖምሉ፡" ኢሉ።
"ሕጂ ግን ፕረዚደንት ኰይነ ኣለኹ።"
ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ መግለጺ ብምንጻግ፡ ዞባዊ ዕዳጋ ምፍጣር ንኣመሪካውያን ትካላት ኣብ ኤውሮጳ ንግዲ ከካይዱ ኣቕሊልሎም ኣሎ ኢሉ።
ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን፡ "ንኣመሪካ ጸጋ ኰይኑዋ'ዩ፡" ኢሉ። "ብሕግታት እንተ ተቐዪድኩም ክንሻረኽ ድሉዋት ኢና። እንተዀነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ንተጠቀምትናን ንግድናን እውን ክንከላኸለሎም ኢና። እቲ ካባና ዝጽበዩዎ ቀሊል ኣይኰነን።"
ታሪፍ ማለት ናብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝኣቱ ኣቑሑት፡ መንግስቲ ካብቶም ዘእትውዎ ኩባንያታት ዝእክቦ ቀረጽ እዩ።
ትራምፕ ነዚ ቀረጽ ፋብሪካታት ኣመሪካ ንምዕባይ፡ ገንዘብ ንምእካብን ነቲ ንሱ ዝቃወሞ ፖሊሲታት ናይ ካልኦት ሃገራት ንምቕያር ከም ዝደፍእን ገሊጹ ኣሎ።
ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ካብ ቻይና ንዝመጽእ ኣቑሑት 10% ቀረጽ ብምውሳኽ፡ ንኻልኦት ኣእትዎት ቀረጽ ንምስላዕ ስጕምትታት ወሲዱ።
ሰራሕተኛታቱ ንነፍሲ ወከፍ ሃገር ብዛዕባ "ሓድሕዳዊ" ታሪፍ ዝምልከት እማመታት ከዳልዉ መምርሒ`ውን ሂቡ ይርከብ።
ብኻልእ ወገን፡ ንገለ ካብቶም ውጥናት እውን ደው ስለ ዘበሎ፡ ብዙሓት ትካላት ንግድን ተንተንትን ነቲ ዘፈራርሖ ዘሎ ንምፍጻም ድልው ኣሎ ድዩ የሎን ሕቶ ከቐምጡ ገይሩዎም ኣሎ።
ሓላፊ ፖሊሲን ፖለቲካን ኣመሪካ ኣብ ዎልፍ ሪሰርች ቶቢን ማርከስ። "እቲ ሎሚ ዝተዛረቦ 25 ሚእታዊት ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዘመልከቶ ልዑል ደረጃ ዝሰማማዕ`ዩ፡" ይብል
"እቲ ዝተሰልዐ መጠን ንዝምድና ምስ ኤውሮጳ ብርግጽ ዘተሓሳስብ እዩ። እንተዀነ፡ ካብ ማንም ተላዒሉ ኣይኰነን።"
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ናይተን ክልተ ላዕለዎት መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ ዝዀና ሜክሲኮን ካናዳን 25% ቀረጽ ክኽፈል ኣዚዙ ነይሩ። እንተዀነ፡ ብዛዕባ ዶባዊ ጸጥታ ክሳዕ ዝዘራረቡ ናብ 4 መጋቢት ኣሰጋጊሩዎ ኣሎ።
ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ ሜክሲኮን ካናዳን ዝተሰልዓለን 25 ሚእታዊት ቀረጽ፡ "ኣብ ዝተመደበሉ እዋን" ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ኣብቲ ናይ ረቡዕ ኣኼባ፡ ሓድሽ ሓበሬታ ክወሃቦ ምስ ተሓተተ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮን ካናዳን ዝኽፈል 25% ቀረጽ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ዕለት ድማ፡ ብኽፍሊ ንግዲ ብዛዕባ "ሓድሕዳዊ" ታሪፍ ሰፊሕ እማመታት ዝቐርበሉ መዓልቲ እዩ።