እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን እገዳ ኣንቢሩ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን "ንኣመሪካን ናይ ቀረባ መሓዛኣ ዝዀነት እስራኤልን ዒላማ ዝገበረ ዘይሕጋውን መሰረት ዘይብሉን ተግባራት" ይፍጽም ነይሩ ብምባል ፈጻሚ ትእዛዝ እገዳ ፈሪሙ።
እቲ ስጕምቲ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣመሪካ ወይ መሻርኽቲ ሃገራት ዘካይዶም መርመራታት ኣብ ልዕሊ ዝሕግዙ ውልቀሰባትን ስድራቤታቶምን ገደባት ፋይናንስን ቪዛን የቐምጥ።
ትራምፕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ናብ ዋሽንግተን ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን እዩ ነዚ ስጕምቲ ፈሪሙ።
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናት ብዝምልከት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ ነይሩ።
እስራኤል ነዚ አይትቕበሎን፤ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣዛዚ ሓማስ እውን ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣውጺኡ'ዩ።
ማእከል እዚ ቤት ፍርዲ ዝዀነት ሆላንድ፡ ብትእዛዝ ትራምፕ "ከም ዝሓዘነት" ገሊጻ።
ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሆላንድ ካስፐር ቬልድካምፕ "እቲ ቤት ፍርዲ ኣንጻር ካብ መቕጻዕቲ ናጻ ንዝዀኑ ሰባት ኣብ ምቅላስ ኣገዳሲ'ዩ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
እቲ ብሓሙስ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጽአ ትእዛዝ፡ ኣብ ሄግ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ኣብ ሓደ እዋን እቶም ትእዛዛት ብምውጻእ ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን "ዘሕፍር ሞራላዊ ማዕርነት" ፈጢሩ ክብል ከሲሱ።
ፈጻሚ ትእዛዝ ትራምፕ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ "ሓደገኛ ቅድመ ኵነት ኣቐሚጡ" ብምባል፡ ኣመሪካውያን "ንምግፋዕ፡ ክግሃሱን ክእሰሩ ዘኽእሉን" ዕድላት ንኽቃልዑ ብምግባር ኣብ ሓደጋ ኣእቲዩዎም እዩ ክብል ከሲሱ።
"እዚ ጽዩፍ ተግባር ብግደኡ ንልኡላውነት ኣመሪካ ንምግሃስ ዘስግእን ነቲ ወሳኒ ሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ወጻኢን ስራሕ መንግስቲ ኣመሪካን እስራኤል ሓዊሱ መሓዙትናን ዘዳኽምን'ዩ፡" ይብል እቲ ትእዛዝ።
ኣመሪካ ኣባል ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ስለ ዘይኰነት፡ እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኣመሪካ ወይ ዜጋታት ዝዀነነ ይዅን ስልጣን ፍርዲ ከይህልዎ ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ እያ።
ዋይት ሃውስ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንመሰል ምክልኻል እስራኤል ክግድብ እንከሎ፡ ንኢራንን ኣንጻር እስራኤል ዝዀኑ ጕጅለታትን ዕሽሽ ኢሉዎም ክብል ከሲሱ።
ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ገበናት ኲናት ፈጺሞም ድዮም ኣይፈጸሙን ዝምርምሩ ዝነበሩ ሰበስልጣን እቲ ቤት ፍርዲ እገዳ ኣንቢሩ።
እቶም እገዳታት ብምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን እዮም ተላዒሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፍርዲ ገበን እገዳ ክግብር ኣድሚጹ እኳ እንተነበረ፡ እቲ እማመ ግን ኣብ ሰነት ተዓንቂፉ።
ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ዝርከብአን ልዕሊ 120 ሃገራት፡ ኣባል እቲ ቤት ፍርዲ ኰይነን ኣመሪካን እስራኤልን ግን ኣባላት ኣይኰናን።
ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ቤት ፍርዲ ኰይኑ ሃገራት ክኸሳ ኣብ ዘይክእላሉ እዋን ጥራይ እዩ ኢዱ ዘእቱ።
ፈጻሚ ትእዛዝ ትራምፕ "ክልቲአን ሃገራት [ኣመሪካን እስራኤልን] ንሕጊታት ኲናት ብጥብቂ ዝኽተል ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘለወን ዲሞክራስያውያን ሃገራት እየን፡" ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ሰሙናት ባይደን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ነታንያሁ ንዘውጽኦ ትእዛዝ ማእሰርቲ ብምንቃፍ እቲ ስጕምቲ "ዘሕርቕ" ከም ዝዀነ ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ እስራኤልን ሓማስን ማዕረ ክርኣዩ ኣይክእሉን ኢሉ።