እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍርዱ እናተጸበየ ጾታ ዝቐየረ ገበነኛ ኣበይ ከምዝእሰር ኣጸጊሙ
ኣዳም ግራሃም ኣብ ልዕሊ ክልተ ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ተባሂሉ'ዩ ፈለማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
በቲ ኣብ 2016 ከምኡ'ውን ኣብ 2019 ዝፈጸሞ ገበናት ተኸሲሱ ኣብ መስርሕ እናሃለወ ግን ጾታ ቀዪሩ- ካብ ተባዕታይ ናብ ኣንስታይ ተለዊጡ።
በዚ መሰረት ስሙ ካብ ኣዳም ግራሃም ናብ ኢስላ ብሪሰን ቀይርዎ።
እቲ ንማእሰርቲ ዝፈረዶ ዳኛ ከምዝብሎ፡ ብሪስተን ደጊሙ ዓመጽ ክፍጽም ልዑል ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ማእሰርቱ ወዲኡ ድሕሪ ምፍትሑ'ውን ንሰለስተ ዓመታት ክትትል ከድልዮ እዩ።
ድሕሪ ፍርዱ ቀንዲ ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ ግን ኣበይ ይተኣሰር- ምስ ደቂተባዕትዮዶ ወይስ ምስ ደቂኣንስትዮ- ዝብል'ዩ።
ወዲ/ጓል 31 ዓመት ብሪሰን፡ ገበነኛ ኰይኑ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ናይ ደቂኣንስትዮ ቤትማእሰርቲ'ኳ ተዳጒኑ እንተነበረ፡ ደሓር ግን ናብ ናይ ደቂተባዕትዮ ተወሲዱ።
እቲ ስጕምቲ፡ እዚ ብጾታዊ ዓመጽ ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ሰብ ዋላ ጾታ ይቐይር ንውሕስነት እሱራት ደቂኣንስትዮ ሓደገኛ'ዩ ስለዝተባህለ'ዩ ተወሲዱ።
በዚ ዝተላዕለ፡ እቲ ጉዳይ ዓቢዩ ህጹጽ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክግበር ዝቐሰበ ኰይኑ'ሎ። ስለዚ ድሕሪ ሕጂ፡ ኵሎም ኣብ ቀረባ እዋን ጾታ ዝቐየሩ ሰብ-ድርብ-ጾታ (ትራንስጀንደር) ገበነኛታት በቲ ክውለዱ እንከለዉ ዝነበሮም ጾታ መሰረት ክእሰሩ እዮም።
ብሪንሰን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንተነቀፍቲ ዝበለን ደቂኣንስትዮ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ኣብቲ ኣብ ስኮትላንድ ዝነበረ መጋባእያ ቤትፍርዲ ተገሊጹ።
ዳኛ ሎርድ ስኮት ኣብ ዝሃቦ ቃል ፍርዲ፡ "ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ንርእስኻ ከም ግዳይ ኢኻ እትርእያ፤ ግን ኣይኰንካን" ክብል ገሊጽሉ።
እቲ ገበነኛ፡ ሓያለ ናይ ስነ-ኣእምሮ ምዕባለ ጸገማት ከምዘለዎ ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ'ውን እቲ ዳኛ ጠቒሱ።
"ዘለካ ጸገማት፡ ንዅሉ እቲ ኣብ 2016 ከምኡ'ውን ኣብ 2019 ኣብ ልዕሊ እዘን ክልተ ደቂኣንስትዮ ዝፈጸምካዮ ምኽኑይ ኣይገብሮን'ዩ" ኢሉ።
ብሪሰን፡ እተን ግዳያት ንዘለወን ጸገማት ብምምዝማዝ ኣብ ገዝአን ከምዝዓመጸን እቲ ዳኛ ኣነጺሩ።
ነቲ ገበን ከምዘይወዓሎ ዝገልጽ ብሪሰን፡ ንምሉእ ዕድመኡ ኣብ መዝገብ ፈጸምቲ ጾታዊ ዓመጻት ክሰፍር'ዩ።
ርክብ ዘቋረጸት በዓልቲ ቤቱኸ እንታይ ትብል?
ካብቲ ሰብ ርሒቓ ትነብር በዓልቲቤቱ ሾና ግራሃም ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ቀንዲ ኣድህቦ ዘድልየን እተን ግዳያት ምዃነን ተዛሪባ።
"ንዓይ ከምዝርኣየኒ፡ ሰብኣይ እዩ፡ ሰብኣይ ኰይኑ'ዩ ነቲ ገበን ፈጺምዎ. . . ኣብ ናይ ሰብኣይ ቤት ማእሰርቲ'ዩ ክዳጐን ዘለዎ" ትብል።
ወይዘሮ ግራሃም ከምትብሎ፡ ምስ ኣዳም ኣብ 2015 ምስተራኸቡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ተመርዕዮም።
ብሓንሳብ ኣብ ዝነበሩለን ዓመታት፡ ኣንስታይ ክኸውን ዝእምት ዝዀነ ነገር ከምዘይነበሮ'ያ ትዛረብ።
ብሪሰን፡ ምስ ደቂኣንስትዮ ተኣሲሩ ዝሓሸ ናይ ማእሰርቲ ህይወት ከሕልፍ ተስፋ ብምግባር ጾታኡ ክቕይር ከምዝወሰነ ትምጕት ወይዘሮ ግራሃም፡ እዚ ግን ኣይተዓወተን ትብል።
"ከም ሰብኣይ ገበን ፈጺምካስ፡ ምስ ተኸሰስካ ጾታኻ ክትቅይር ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምኡ ስለዝዀነ ድማ'ዩ ክጻወት ይፍትን ከምዘሎ ትፈልጥ"።
ንዓኣ'ውን ብሓንሳብ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ክዕምጻን ብኻራ ክወግኣን ፈቲኑ ምንባሩ ትኸስስ።
እቲ ኣዳም ግራሃም ምዃኑ ትፈልጦ ዝነበረት 'ኣዳም በሪሰን' ኢሉ ንርእሱ ምጽውዑ'ውን ኣሕሪቝዋ ይርከብ።
"ዳሕረዋይ ስመይ ወሲዱ ካብ ገበን ክሃድም'ዩ ፈቲኑ፡ ብኸም'የ ኣነ ዝወስዶ።
"ኣብ ማእሰርቲ ክበሊ ተስፋ እገብር። እተን ግዳያት'ውን ነዚ ክፉእ ሰብ ክርስዕኦ ተስፋ እገብር" ድማ ትብል።
ተኸላኻሊ ጠበቓኡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ገበነኛ ጾታኡ ምቕያሩ ብዙሓት ከምዘባጨውሉ ተዛሪቡ።
ዓሚሉ ኣቐዲሙ ጾታኡ ክቕይር ሓሳብ ከምዝነበሮ'ዩ እቲ ጠበቓ ዝምጉት።
ነዚ ንምግባር ከቢድ መድሃኒት ይወስድ ምንባሩን፡ መጥባሕቲ ክገብር ይጽበ ከምዝነበረን ጠበቓ ኤድዋርድ ታርጎውስኪ ጠቒሱ።
ሰብመዚ ፍትሒ ስኮትላንድ ድሕሪ ዝገበርዎ ክለሳ'ዩ ብሪሰን ናብቲ ናይ ደቂተባዕትዮ ቤትማእሰርቲ ተወሲዱ።
ላዕለዎት ሓለፍቲ "ብሰንኪ ልዑል ስግኣት ሓደጋን ዘይበርሀ ነገራትን" ምስ ደቂተባትዮ ክጸንሕ ወሲኖም።
እቲ ኵነታት፡ ኣብታ ኣካል ብሪጣንያ ዝዀነት ስኮትላንድ ንዝጸንሐ ክትዕ ሕጊ ጾታዊ ማዕረነት ናብ ኣደባባይ ዘውጽአ ኰይኑ'ሎ።
ጾታኦም ክቕይሩ ዝደልዩ ሰብ ብቐሊሉ ዕድል ዝረኽብሉ ኵነታት ንምፍጣር ዝቐረበ ጠለብ ምምሕያሽ ሕጊ ዛጊት ተቐባልነት ኣይረኸበን ዘሎ።
በሪሰን ኣብ መንጐ መስርሕ ፍርዲ ጾታኡ ካብ ሰብኣይ ናብ ሰበይቲ ብምቕያሩ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመት 'ትራንስጀንደር' ጓለንስተይቲ ኮይና ኣሎ።