ብደቂ ተባዕትዮ ዝውሰድ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከይንቀሳቐስ ዓጊቱ

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ብደቂ ተባዕቶት ዝውሰድ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከይንቀሳቐስ ክዓግት ወይ ኣንፈት ክስሕት ክገብር ተኽእሎ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ብድሌት ዝቐርብን ሆርሞናዊ ምትእስሳር ዘይብሉን እዩ።

እቲ ክኒና ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እንተወሓደ ንገለ ሰዓታት ከም ዘቕዘዘን እዚ ድማ ናብ እንቋቑሖ ከይበጽሑ ክገብር ከም ዝኽእልን ኣብ ኣናጹ ዝተገብሩ ፈተነታት ኣመልኪቶም።

ይኹን እምበር ቅድሚ ናብ ደቂ ሰባት ምቕራቡ፡ ብዙሓት ተወሳኺ መርመራታት ክካየዱ ውጥን ኣሎ።

ደቂ ተባዕትትዮ፡ ነቲ ክኒና ቅድሚ ሓደ ሰዓት ውሒጦም ጾታዊ ርክብ እንተፈጺሞም ዘርኦም ስለ ዝቐዝዝ ጥንሲ ከይፍጠር ክከላኸሉ ከም ዝኽእሉ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።

እቲ ክኒና ብኸመይ ይሰርሕ?

እቲ ብደቂ ተባዕቶት ዝውሰድ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ዘይከምቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝውሰድ ከኒና ምስ ሆርሞን ዝዀነ ምትእስሳር የብሉን።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እዚ ሓደ ካብቲ ዝድህስስዎ ዘለዉ ኣገባብ ብልጫታት ምዃኑን ዝዀነ ይኹን ጎናዊ ሳዕቤን ከም ዘየስዕብን ይዛረቡ።

እቲ ክኒን፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣንፈት ክስሕት ዝገብር እዩ።

እቲ ብሃገራዊ ትካላት ጥዕና ኣመሪካ ዝተመወለ መጽናዕቲ፡ እቲ ክኒና ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብን ድሕሪ ጾታዊ ርክብን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘይንቀሳቐስ ክገብር ከም ዝኸኣለ የመልክት።

እቲ ክኒን ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል ኮይኑ ድሕሪ 24 ሰዓታት ግን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ንቡር ይምለስ።

ሓንቲ ካብቶም ሳይንቲስት ዝኾነት ዶክተር ሜላኒ ባልባክ፡ እቲ ክኒና ከም ቀሊል ኣጠቓቕማ ዘለዎ መከላኸሊ ጥንሲ ተስፋ ዘርኣየ ምዃኑ ትገልጽ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ደቂ ሰባት እንተድኣ ሰሪሑ፡ ደቂ ተባዕትዮ ከም ኣድላይነቱ ክወስድዎ ክኽእሉ እዮም።

ይኹን እምበር ከም ኮንዶም ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ግን ከም ዘይከላኸል ክኢላታት የጠንቅቑ።

ክኢላ ኣንድሮሎጂ ፕሮፌሰር ኣላን ፔሲ፡ "ንደቂ ተባዕትዮ ዝዀን መከላኸሊ ጥንሲ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣገባባት እኳ እንተተፈተኑ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ዕዳጋ ዝቐረበ የለን" ይብል።

"እቲ ኣብ ኣናጹ ዝተገብረ ፈተነታት ኣብ ደቂ ሰባት’ውን ብተመሳሳሊ ደረጃ ውጽኢታዊ ክኸውን እንተኽኢሉ፡ እቲ ክንደልዮ ዝጸናሕና መከላኸሊ ጥንሲ ደቂ ተባዕትዮ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"