እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓቐን ጕድበ ብመጥባሕቲ ክጐድል ይኽእል ዶ?
ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ርሕሚ እንታይ ትፈልጣ?
ርሕሚ፡ ግዳማዊን ውሽጣዊን ክፋላት ኣለዋ። ሓንቲ ካብቶም ውሽጣዊ ኣካላት ድማ ጕድበ (ጭንቅራ) እያ።
ኣብቲ ውሽጣዊ ከናፍር ብልዕቲ ዝራኸበሉ ላዕለዋይ ክፋል ዘላ ሕበጥ ደጋዊ ጕድበ ወይ ጭንቅራ እያ። ዝዓበየት ክፋል ጕድበ ግን ኣብ ውሽጢ ርሕሚ እያ ትርከብ፡ ካብ 7 ክሳብ 13 ሴንቲ ሜተር ቁመት ክህልዋ ይኽእል።
ጕድበ ኣዝዩ ልዑል ረስኒ ዘለዋ ኰይና ምስ እትተሓዝን ብፈኲስ እትትከፍን፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ልዑል ጾታዊ ተምሳጥ ክትኣቱ ትኽእል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢንዲያና፡ ኢንስቲትዩት ኪንሲን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣስታት 73 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ጕድበ ንምልዕዓልን ንርውየትን ፍጹም ኣድላዪ ከም ዝዀነት ይዛረባ።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዓቐን ጕድበአን “ንቡር” ድዩ ኣይኮነን ኢለን ይጭነቓ’የን፤ ብሓቂ ግን ንቡር ዝበሃል ዓቐን የለን።
ዓቐን ጕድበ ንዓቕሚ ርውየት ኣይጸልዎን’ዩ፤ እቲ ብሓቂ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ጕድበ ዘይኰነስ ዓቐን ሽፋን እቲ ጕድበ እዩ።
ጕድበ ብረጒድ ሽፋን እንተተሸፊና፡ ናብ ርውየት ንምብጻሕ ዝያዳ ቀጥታዊ ጸቕጢ ምግባር ኣገዳሲ ይኸውን።
ዘይንቡር ጕድበ
ዘይንቡር ዓቐን ጕድበ ወይ ከኣ ጭንቅራ ዘለወን ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ። እዚ ኵነታት ብእንግሊዝኛ ክሊቶሮምጋሊ (clitoromegaly) ይበሃል።
ክሊቶሮምጋሊ ኣብ እዋን ሕርሲ ክመጽእ ወይ ድማ ድሒሩ ኣብ ህይወት ክምዕብል ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ንኣንድሮጅን (ኣብ ተባዕትዮ ዝርከብ ሆርሞን) ዝተቓልዓ ደቂ ኣንስትዮ እዚ ኵነታት ከማዕብላ ይኽእላ።
ጭዋዳታት ንምምዕባል ዝውሰዱ ኣናቦሊክ ስቴሮይድስ ዝተበሃሉ ምስ ናይ ወዲ ተባዕታይ ጾታዊ ሆርሞን ቴስቶስትሮን ዝመሳሰሉ ሰብ ዝሰርሖ ወይ ዘይባህርያዊ ንጥረ ነገራት ምውሳድ እውን ነዚ ኵነታት ከቃልዕ ይኽእል።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ማህጸን ኣሲስ ቻታኦ ብሪያንድ፡ ክልተ ክሊቶፕላስቲ (ጕድበ ንምእራም ዝግበር መጥባሕቲ) ተኻይዱ ነይሩ።
ሓንቲ ካብተን መጥባሕቲ ዝገበራ ኣዋልድ፡ ጓል 22 ዓመት ማሪያ (ስማ ዝተቐየረ) እያ። ንሳ፡ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ብዝምልከት ምስ ቢቢሲ ዕላል ኣካይዳ ነይራ።
ብዛዕባ ዓቐን ጕድበኣ ንጕጅለ ሕክምና ዝተጣርዐት እታ መንእሰይ፡ ፡ ካብ ታሕሳስ 2021 ጀሚራ ፍወሳ ሆርሞን ከም ዝወሰደት ትገልጽ።
እታ ዓባይ ከም ዝዀነት ዝጠቐሰታ ጕድበ፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዝያዳ እናገዘፈት ስለትኸይድ፡ እዚ ኣዝዩ ዘይምቹእ ስምዒት የስዕበላ ነይሩ።
"ኣብ 18 ዓመት ዕድመይ ጾታዊ ርክብ ምስ ጀመርኩ፡ ጕድበይ ኣዝያ ከም ዝሓበጠት ኣስተብሂለ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘጨንቐኒ ነገር እዩ ነይሩ" ትብል።
እለሻ መፍትሒ
ስለዚ ማሪያ፡ ዓቐን ጕድበ ናይ ምንካይ ተኽእሎ እንተሃልዩ ንሓኪም ማህጸን ሓቲታ።
ድሒሩ ተመርሚራ ኣብዛ ኣካል እዚኣ ዘይንቡር ዕብየት ዘስዓበ ጀነቲካዊ ጸገም ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ።
"ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ ኣየሸገረትኒን፡ ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ግን ይጥምታ’ሞ ንቡር ከም ዘይኮነት ይሓስብ ነይረ። ስለዚ ድማ እየ ክትቅነስ ዝደለኹ" ክትብል ገሊጻ።
ማርያ፡ እቲ ጾታዊ መጻምድታ በቲ ኵነታት ዘይዕግበት ገሊጹ ከም ዘይፈልጥ፡ ንሳ ባዕላ ግን ሕጕስቲ ብዘይ ምዃና ሕክምና ክትረክብ ከም ዝመኸራ ወሲኻ ሓቢራ።
ኣብታ ሴኣራ እትበሃል ማርያ እትነብረላ ግዝኣት ፍሉይ ክኢላ መጥባሕቲ ኣይነበረን፤ ስለዚ ሓደ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዝርከብ ክኢላ ነቲ መጥባሕቲ ንምፍጻም ኣስታት 3000 ኪሎሜተር ንኽጓዓዝ ክሳዕ ዝሰማማዕ ክትጽበ ግድን ነይሩ።
"እቲ መጥባሕቲ ብጽቡቕ ተኻይዱ። ሕጂ ምልእቲ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝዀንኩ ይስምዓኒ፤ ምኽንያቱ ቅድሚኡ ንዓይ ንቡር ኣይነበረትን" ትብል።
"ንመብዛሕትአን ሰባት እዚ ንእሽቶ ጸገም'ዩ፡ ነተን ምስኣ ዝነብራ ግን ከቢድ'ዩ።"
'ሕማም ኣይኰነን'
ነቲ መጥባሕቲ ዘካየደ ሓኪም ማህጸን ማርሴሎ ፕራክሰደስ፡ ዓባይ ጕድበ "ልምድቲ ናይ ምዕባለ ጸገም" እያ ይብል። እንተዀነ፡ ንርእሰ-ምትእምማን ደቂ ኣንስትዮ ክትጸሉ ከም ትኽእል ይኣምን።
ንሱ፡ "ዓባይ ጕድበ ምህላው ግን ሕማም ኣይኮነን" ይብል።
ጭንቅራ፡ ልዕሊ 8,000 መትኒታት ዝሓዘት ቀንዲ ምንጪ ጾታዊ ርውየት ደቂ ኣንስትዮ እያ።
ገለ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓቐን ቅንጭራይ ቅኑዕ ድዩ ኢለን ክጭነቓ ከም ዘይብለን ይምከር።
ምኽንያቱ እቲ ዓቐን ካብ ጓልኣንስተይቲ ናብ ጓል ኣንስተይቲ ይፈላለ’ዩ፤ እዚ ዝበሃል ቅቡል መለክዒ ዓቐን’ውን የብላን።
ስለዚ ኣብ እዋን ርክብ ባህታ ዘይትረከብ ሰብ ንሓኪም ክትውከስ ይምከር።
"ተሓከምቲ፡ እታ ኣካል ዓባይ ድያ ኣይኮነትን ኢለን ክዕቅና የብለንን፤ ምኽንያቱ፡ ብሓቂ እዚ ኣዝዩ ውልቃዊ ጉዳይ እዩ። ቅሩብ ዓባይ ኰይና ዕግበት ክትረክብ እንተኽኢላ ድማ ጸገም የለን" ይብል ዶክተር ፕራክሰደስ።
ኣብ ሕክምና፡ 'ፕራደር' ዝበሃል ምደባ፡ ኣብዚ መስርሕ ደረጃ ምዝንባዕ ኣካላት መፍረ ካብ 0 ክሳብ 6 ኣብ ዘሎ ደረጃ የስራዕ፤ 0 ንቡር መጠን ጕድበ ክገልጽ እንከሎ፡ 6 ድማ ናይ ወዲ ተባዕታይ መትሎ ክሳብ ትመስል ኣዝያ ዓባይ ጕድበ የመልክት። ይዅን እምበር፡ እዚ ገምጋም ብክኢላ ጥራይ ዝፍጸም መስርሕ እዩ።
ክሊቶፕላስቲ እንታይ እዩ?
ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ሕርሲ ወይ ድሒሮም ከምጹ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ዘይስሩዕነት ጾታዊ ኣካላት ኣለዉ።
ገለ ካብዚኦም፡ ምዕባይ ዓቐን ጕድበ፡ ምጥባቕ ክልቲአን ከናፍር ርሕሚ፡ ንሽንቲን ናብ ክሳድ ማህጸን ተመርሕ ሓንቲ ሻምብቆ (መእተዊ) ጥራይ ምህላውን ዘይንቡር ርሕሚን ይርከቡ።
ነዞም ዘይስሩዕነት ንምእራም ዝግበር ሕክምና ብሓፈሻ ፌሚናይዚን ጀኒቶፕላስቲ (feminizing genioplasty) ኣብ ህጻናት፡ መንእሰያትን ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮን ክፍጸም ይኽእል።
ዝተፈላለዩ ዘይስሩዕነት መፍረ ኣካላት ንምእራም ዝፍጸሙ መጥባሕቲታት ኣለዉ፤ ገለ ካብዚኦም ዘይስሩዕ ቅርጺ ከናፍር ርሕሚ ንምእራም ዝካየድ ላብያፕላስቲ፡ ዘይስሩዕ ቅርጺ ርሕሚ ንምእራም ዝግበር ቫጃይኖፕላስቲን ክሊቶፕላስቲን እዮም።
ዘይንቡር ዓቐን ጕድበ ንምእራም ወይ ንምምሕያሽ ዝግበር ክሊቶፕላስቲ፡ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት መጥባሕታዊ መስርሕ ዝፍጸም’ዩ።
ክሳዕ 1950ታት ጕድበ ንጾታዊ ርክብ ኣድላዪ ኣይኮነትን ብዝብል ግጉይ ኣረዳድኣ ብሰፊሑ ዝትግበር ዝነበረ ምሉእ ጕድበ ንምእላይ ዝግበር መጥባሕቲ ክሊቶረክቶሚ፡ ንደጋዊት ክፋል ጕድበ ንምእራም ዝግበር መጥባሕቲ ምስሓብ ጕድበን (clitoral recession) ምንካይ ጕድበን (reduction clitoroplasty) ገለ ኣብነታት እዮም።
ኣብ ምኽንያታት እቲ መጥባሕቲ ተመርኲሶም ንተሓከምቲ ዝሓሸ መስርሕ ዝመኽሩ ሓካይም እዮም።
ጀነቲካዊ ወይ ሆርሞናዊ ጸገማት ከምኡ’ውን ጭዋዳታት ንምምዕባል ዝውሰዱ ኣናቦሊክ ስቴሮይድስ ዝተበሃሉ ሰብ ሰርሖ ንጥረ ነገራት ምጥቃም ገለ ካብቶም ጠንቅታት ናይቲ ልዕሊ ዓቐን ምዕባለ ጕድበ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዶክተር ፕራክሰደስ ይገልጽ።
ዘይንቡር ዕብየት ኣካል መፍረ፡ ብሰንኪ ኣብ እዋን ጥንሲ ሆርሞናት ብምጥቃም ከምኡ’ውን ብፖሊስሲስቲክ (PCOS) ዝተበሃለ ሕማም ማህጸን ክመጽእ ይኽእል።
እዚ ሕማም ማህጸን (ፖሊስሲስቲክ) "ኣብ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ልሙድ” ከም ዝዀነ ዝገልጽ ዶክተር ፕራክሰደስ፡ "ዘይስሩዕነት ወርሓዊ ጽግያት፡ ፈጸጋ፡ ልዕሊ ዓቐን ጸጕሪ ኣካላት፡ ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ድማ ምዕባይ ናይዚ ኣካል ከስዕብ ይኽእል" ይብል
ጕድበ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብደም ዝመልአ ኣካል ዘነቓቕሕ ፍጻመ ወይ ንጥፈት ምስ ዝህሉ ዓቐና ይውስኽ። እዚ ኣብ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ንቡር ኰይኑ፡ ምውሳኽ እቲ መጠን ግን ኣብተን ክሊቶሜጋሊ ዘለወን ዝያዳ ይጐልሕ።
እዚ ድማ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረላ 'ዝዓበየት' ክትከውንን ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ድማ ዘይምቹእ ስምዒት ክተስዕብን ትኽእል።
ዓባይ ጕድበ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓቐን እታ ኣካላተን ኣቓልቦ ክስሕብ ስለ ዝኽእል ቢኪኒ ወይ ስጡም ክዳን ክኽደና ምቹእነት ከም ዘይስምዐን ክኢላታት ይገልጹ።
"ኣብ መጥባሕቲ፡ ብልክዕ ነቶም ዝሰፍሑ ቲሹታት ነወግዶም። ኵሎም እቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ተሃወስቲ ሰራውር ደም ግን ኣይእለዩን" ይብል ዶክተር ፕራክሰደስ።
ዕላማ ክሊቶፕላስቲ ንቡር መልክዕ ዘለዋ ጕድበ ምፍጣር’ዩ፤ እንተዀነ ጕድበ ቀንዲ ምንጪ ጾታዊ ደስታ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ስምዒት ምዕቃብ ኣገዳሲ’ዩ።
ነዚ ትሕቲ ሓደ ሰዓት ዝወስድ ቀሊል መስርሕ ዘካየዱ መብዛሕትኦም ተሓከምቲ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልታት ናብ ንቡር ንጥፈታቶም ከምለሱ ይኽእሉ።
ይዅን እምበር፡ ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምፍጻሞም፡ እቲ ቁስልን ሕበጥን ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝሓዊ ክጽበዩ ክኽእሉ ይግባእ።
ረብሓን ሓደጋን ክሊቶፕላስቲ
እቶም ተሓከምቲ ብፍላይ ድማ ህጻናት ጽቡቕ ሕክምናውን ስምዒታውን ሂወት ንኽህልዎም፡ መጥባሕቲ ክሊቶፕላስቲ ኣድላይን ጠቓምን ክኸውን ይኽእል። እንተዀነ ወለዲ ወይ ዓበይቲ ተሓከምቲ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ዝቕይር መጥባሕቲ ምግባሮም ምስ ኣማኸርትን ሓካይምን ብሰፊሑ ክመኻኸሩ ኣለዎም።
ዘይንቡርን ዓባይን ጕድበ ኣብ ገለ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ እዋን ምልዕዓል ቃንዛ ክተስዕበለን ትኽእል። ስለዚ ክሊቶፕላስቲ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዝፍጠር ቃንዛ ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል።
ብኻልእ ወገን፡ ክሊቶፕላስቲ ብመጠኑ ኣካታዒ ኣገባብ እዩ፡ ብፍላይ ብሰንኪ መልክዕ ነዚ መጥባሕቲ ኣብ ግምት ኣብ ዘእተዋ ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ።
ገለ ሓካይም፡ እቲ ኵነታት ቃንዛ ዘይፈጥር እንተዀይኑ፡ ካብቲ መልክዕ ዝህቦ ረብሓታት ብሓያሎ ሚዛን ዝደፍእ ስምዒት መትኒ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከጋጥም ከም ዝኽእል ይሓስቡ።
ኣብ ጕድበ ዝፍጸም መጥባሕቲ ምዝንባዕ ዋሕዚ ህዋሳትን ደምን ከስዕብ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።
ብዛዕባ ዓወታት ክሊቶፕላስቲ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ንኣሽቱ ህጻናት ዝፍጸም መስርሕ፡ ዝያዳ ናይ ነዊሕ ግዜ መጽናዕትታት የድሊ።