እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ብልዕቲ ዘይብለይ ተወሊደ’ - ቤቢ ጆን ሙሳምባ
ቤቢ ጆን ሙሳምባ ን26 ዓመታት ንፈተውታን ኣዝማዳን ከይተረፈ ዘይገለጸቶ ዓቢ ምስጢር ሒዛ ትነብር ነይራ።
እቲ ምስጢራ፡ ክልተ ጾታታት ከም ዘለዉ ካብ ትፈልጥ ኣትሒዙ ለይትን መዓልትን የጨንቓ ነይሩ።
እቲ ወለዳ ዝሃብዋ ስም ብመጠኑ ፍንጪ ናይቲ ምስጢር ነይሩ። ግን ሓደ ስም ዘይፍታሕ ምስጢር ክሕዝ ከም ዝኽእል መን ይሓስቦ?
እዚ ዅሉ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ?
ውልደት ቤቢ ጆን ሙሳምባ
ቤቢ ጆን ሙሳምባ ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዳረሰላም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣማና ተወሊዳ።
ወለዳ፡ ወዲ ክረኽቡ ተሓንጥዮም’ኳ እንተነበሩ፡ እታ ዕሸል ግን ከምቲ ዝተጸበይዎ ዘይኮነትስ ዘይንቡር ባህሪ ሒዛ’ያ ተወሊዳ።
እታ ህጻን፡ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ይዅን ጓል ኣንስተይቲ ኣይነበራን።
ወለዳ ተደናጊሮም፤ ንውላዶም እንታይ ዓይነት ዝግባእ ስም ከም ዝህብዋ ኣይፈለጡን።
ከም ንቡር፡ እታ ዕሸል ወዲ ተባዕታይ እንተትኸውን ነይራ ‘ባቡ’ (Babu) ዝብል መጸውዒ ኣባሓጎ፡ ጓል ኣንስተይቲ እንተትኸውን ድማ ‘ቢቢ’ (Bibi) ዝብል መጸውዒ እኖሓጐኣ ምወረሰት ነይራ።
ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምሕሳብን ምዝታይን ግን ‘ቤቢ’ ዝብል ስም ክህብዋ ወሲኖም።
ስለዚ ካብ ክልቲኡ መጸውዒ ኣያታታ ፊደላት ወሲዶም ‘Babi’ ኢሎም ሰመይዋ።
ድሒሩ ክድመጽ ከሎ ተመሳሳሊ ስለዝኾነ ‘Babi’ ዝነበረ ስማ ናብ ‘Baby’ ተቐይሩ።
ቤቢ ሙሳምባ፡ እዚ ኵነታት ኣዝዩ ንነዊሕ ግዜ ካብ ቀረባ ኣዝማዳ ሓቢኣ ከም ዓቢ ምስጢር ዓቂባቶ ጸኒሓ።
"እቲ ውሳነ (ስማ) ንኣባሓጐይን ዓባየይን ዝውክል ምዃኑ ተነጊሩኒ። ኣብ ቀጻሊ፡ ተፈጥሮይ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ወዲ ተባዕታይ ምዃኑ እንተዝፈሊን ወዲ ተባዕታይ ምዃነይ እንተዘመልክትን ባቡ (Babu) ተባሂለ ክጽዋዕ ነይረ" ትብል።
"ተፈጥሮይ ናይ ጓል ምዃኑ እንተዝፈሊ ድማ ኪቢቢ (Kibibi) ምተባሃልኩ። ክሳብ ሕጂ ግን ጓል ኣንስተይቲ ይዅን ወዲ ተባዕታይ ዘነጸረ ጾታ የብለይን።"
ኣብ እዋን ንእስነት ዘጋጠምዋ ብድሆታት
እቲ ኵነታቱ ክርድኣ ዝጀመረ ኣስታት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ከላ እዩ፤ ሽዑ ካብ ካልኦት ቈልዑ ዝተፈልየት ምዃና ፈሊጣ።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ወለዳ ንገዛእ ርእሳ ከም ዘላቶ ክትቅበል መኺሮምዋ። ናይ ቀረባ ኣዝማዳ ኣብ ጐድና ከም ዝነበሩን እቲ ምስጢር ባህርያታ ከም ዝተዓቀበ ኣብ ምርግጋጽ ከም ዝሓገዙን ትገልጽ።
እቲ ዝዓበየ ብድሆታት ኣብ መደቀሲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (dormitory) ኣብ ትድቅሰሉ እዋን እዩ ኣጋጢምዋ።
ንነብሳ ከም ዝኾነት ስለ ዝለለየት፡ ኵነታታ ንምሕባእ ብዙሕ ጻዕሪ ክትገብር ነይርዋ።
ኣብኡ ኣብ ዝተማህረትሉ ዓመታት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ባህርያታ ዝነበረ ጉድለት ዝፈለጠ ሰብ ከም ዘይነበረ ትዛረብ።
ቤቢ ክትውለድ ከላ ከም ጓል እያ ተመዝጊባ፡ ምስክር ወረቐት ልደታ ከይተረፈ ጓል ከም ዝኾነት እዩ ዝገልጽ።
ንሳ ምስ ተወልደት፡ ወለዳ ደቆም ክልተ ኣዋልድን ሰለስተ ኣወዳትን ከም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዝቘጽሩ ነይሮም። ይዅን እምበር ብውሽጢ፡ እታ ስድራ ሓንቲ ጓል፡ ሰለስተ ኣሕዋትን ሓንቲ ኣካታዒ ጾታ ዘለዋን ውላዳት ከም ዘለዋ ትሓስብ።
ብሙሳምባ ብሰንኪ ውሽጣዊ ባህርያታ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ይዅን ጓል ኣንስተይቲ’ኳ እንዘይሃለዋ፡ ሽንቲ መሸኒ ግን ነይርዋ።
ኣብ መንጐ እቲ ሽንቲ ትሸነሉን ደገ ትወጸሉን ዘሎ ክፋል ግን ዓጽሚ ጥራይ እዩ ዘሎ።
ኣካላዊ ቅርጻ ኣንስታዊ እንተዀነ’ውን ኣጥባት የብላን።
ቤቢ ኣብ ህይወታ ብዙሕ ግዜ ተመርሚራ እያ፣ ኣብ ክልተ ዓመታ፡ ኣብ ሽዱሽተ ዓመታ፡ ኣብ ዓሰርተ ዓመታን ኣብ ዕስራ ዓመታን።
ኣብ ነፍሲወከፍ እቲ መርመራ፡ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ተባዕታይ ምዃኑ ዝሕብር ኣካል ከም ዘይብሉ ተረጋጊጹ እዩ።
ምቅላዕ እቲ ምስጢር
ሙሳምባ፡ ንመባእታዊ ንጥፈት ባይቶ ዝኸውን ቅጥዕታት ክትመልእ ከላ፡ ንገዛእ ርእሳ ጾታ ከም ዘይብሉ ሰብ ገይራ ክሳብ ዝገለጸትሉ እዋን ባህርያታ ሚስጥር ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።
ሙሳምባ ንገዛእ ርእሳ ከም ጓል እያ ተለሊ፣ ምስጢር ስነ-ተዋልዶ ባህርያታ ግን ሒዛ ምንባር ከም ዝሰልቸዋ ትዛረብ።
ብ23 ሓምለ 2020 ድማ ጓል ኣንስተይቲ ወላ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘይኮነት ንዓለም ኣፍሊጣ።
እቲ ፍጻመ ዘጋጠመ፡ ኣብቲ ዓመት ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ መረጻ ሕጹይ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ታንዛንያ ክትከውን ሰባት ድምጾም ክህብዋ ጐስጓስ ኣብ ተካይደሉ ዝነበረ እዋን እዩ።
ብዛዕባ ተፈጥሮኣ ንዓለም እተፍልጠሉ ግዜ ከም ዝበጽሐ ፈሊጠ ትብል።
"ኣነ ኣካለ-ስንክልና ዘጋጥሞም ብድሆታት ብፍላይ ድማ ጸለመ ስለ ዝፈልጥ፡ ኣብ ባይቶ ከም መራሒት ኰይነ ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ምውዳብ ቀዳምነት ክህቦ ደልየ። ይዅን እምበር፡ እቲ ሕልመይ ክውን ኣይኮነን" ትብል ቤቢ ሙሳምባ።
እቲ ዜናኣ ተቐባልነት ዝረኸበሉ ኣገባብ ግን ነዛ መንእሰይ ኣገሪምዋ። ነቲ ዜና ዝሰምዑ ብዙሓት ሰባት ከም ዝበኸዩን ከም ዝተገረሙን ትገልጽ።
ዋላ እታ ንብዙሕ ዓመታት ትፈልጣ ኢስቴር እትበሃል ናይ ቀረባ ዓርካ ከይተረፈት ብዛዕባ ባህርያታ ምስ ሰምዐት ተደናጊራ እያ።
"ናይ ቀረባ መሓዛይ’ያ፡ ብዛዕባ ባህርየይ ግን ነጊረያ ኣይፈልጥን። ፍጽምቲ ጓል ኣንስተይቲ ምዃነይ ጥራይ ትፈልጥ ስለዝነበረት፡ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ፍቕራዊ ህይወተይ ትሓተኒ ነይራ” ትብል።
እዛ መንእሰይ፡ መንግስቲ ንኸምኣ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣፍልጦ ዝህብ ሕጊ ከውጽእ ትሓትት ኣላ።
ሙሳምባ፡ ንግዚኡ ፍቕራዊ ህይወታ ዝምልከት ሓበሬታ ብሕታዊ ክኸውን እዩ ድልየታ።
ጠንቂ'ዚ ኵነታት እንታይ እዩ?
ኣብ ታንዛንያ ሓኪም ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ዝዀነ ዶክተር በርኖ ምዋምበ ከም ዝብሎ፡ እዚ ኵነታት ብእንግሊዝኛ ‘ዲስኦርደር ኦፍ ሴክስ ዲቨሎፕመንት' (DSD) ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ ድማ ኣካላት መፍረ ዘይምዕብልሉ ኵነታት እዩ።
ካልእ ብማየር-ሮኪታንስኪ-ኩስተር-ሃውዘር (MRKH) ሲንድሮም ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነት ሕማም ከም ዘሎን፡ እዚ ድማ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኩሉ ክፋላት ብልዕታ ዘይህልወሉ ኵነታት ከም ዝዀነ ይዛረብ።
እቲ ዶክተር ወሲኹ፡ እዚ ኣዝዩ ሳሕቲ ዘጋጥም ኵነታት ብማእከላይ ገምጋም ካብ 4500 ውልደታት ኣብ 1 ቈልዓ ከጋጥም ተኽእሎ ከም ዘሎን ኣብ ዕብየት ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፉ ጂናት ብዝፍጠር ለውጢ ከም ዝመጽእን ይገልጽ።
ክስተኻኸል ይኽእል ድዩ? እዚ ኣብ ጽንኩርነት ናይቲ ኵነታት ከም ዝምርኮስ ዶክተር በርኖ ይገልጽ።
ሓደ ኣካላቱ ብግቡእ ዘይማዕበለ ሰብ፡ መአረምታ መጥባሕቲ ክግበረሉ ይኽእል እዩ።
ከም ቤቢ ሙሳምባ ፍጹም ዘይብሉ ሰብ ግን፡ እቲ መስርሕ ሕክምና ከቢድ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ኣቃውማን ባህልን ሕብረተሰባት ኣፍሪቃ።
እቲ ዶክተር፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት መአረምታ ከም ዝግበር፡ ከምኡ’ውን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ካልእ ሰብ ዝተወስደ ማህጸን ክትከለላን ርሕሚ’ውን ከይተረፈ ክስርሓላን ከም ዝኽእል ይገልጽ። እታ ሰብ ድማ ድሕሪ መጥባሕትን ሆርሞናዊ ፍወሳን ክትጠንስ ትኽእል እያ።
ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ
ጾታ ሓደ ህጻን ዝውስኑ ሰፊሕ ብዙሓት ረቛሒታት ኣለዉ። ኣብ ምዕባለ ዝዀነ ካብዚኦም ምዝንባዕ እንተኣጋጢሙ ምዝንባዕ ምዕባለ ጾታዊ ኣካል ከስዕብ ይኽእል።
ካብ ዝያዳ ተባዕታዊ ባህርያት ዘለወን ኣዋልድን ዝያዳ ኣንስታዊ ባህርያት ዘለዎም ኣወዳትን ጀሚሩ፡ ክሳብ ቅድሚ ሕጂ ብውሕደት ጾታ (ኢንተርሴክስ) ዝፍለጡ ዘይተወሰነ ጾታ ዘለዎም ህጻናት ክውለዱ ይኽእሉ።
ንኣብነት፡ ኣብ 2009፡ ኣብ ልዕሊ ሻምፕዮን ዓለም 800 ሜትሮ ካስተር ሰመንያ ዝተገብረ መርመራ ጾታ፡ ባህርያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዘርኣየ ጸብጻባት ምሕባሮም ይዝከር።
ብልዕቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሓደ ቲሹ (ኣካል) እዮም ዝዓብዩ፡ ቴስቶስትሮን ግን ዝተፈላለየ መልክዕን ምዕባለን ከም ዝህልዎም ይገብር። ስለዚ ዝዓበየ ጎደቦ ማለት ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣንስተይትን ዘሎ ነገር ክኸውን ይኽእል።
ንገሊኦም ምስ እዚ ኵነታት ዝተወልዱ ሰባት፡ ኣብ ሕፍረትን ምስጢርን ዝመልኦ ዓለም ምዕባይ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግሉጽነት ኣብ ምምዕባል ግን ብዙሕ ይስራሕ ኣሎ።
ኣደ ክልተ ቈልዑን ዝዀነት ጃኔት፡ ክትውለደ ከላ፡ ወዲ ድያ ጓል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ነይሩ።
ንሳ፡ ማህጸን፡ እንቋቝሖን ጂን ደቂ ኣንስትዮን ሒዛ እያ ተወሊዳ፣ ብልዕታን ሆርሞናታን ግን ብኸፊል ተባዕታይ እዩ ነይሩ። ንሳ፡ ተፈጥሮኣዊ ኣድረናል ሃይፐርፕላዝያ ዝበሃል ኣካላታ ብዙሕ ቴስቶስትሮን ዘፍርየሉ ምዝንባዕ ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ።
"ኣቦሓጐይ ብዛዕባ ጾታይ ሕቶ ከም ዘሎ ምስ ፈለጠ፡ ንኽመውት ጥራይ ክገድፉኒ ሓሳብ ከም ዝሃበ ይፈልጥ እየ" ትብል።
ምስዚ ኵነታት ምንባር፡ ንነዊሕ ዓመታት "ስነ-ኣእምሮኣዊ ዕግርግር" ከም ዝገደፈላ ጃነት ትዛረብ።
ክሊኒካል ሳይኮሎጂስትን ክኢላ ፍወሳ ስነ-ጾታን ዝኾነ ዶክተር ታይገር ደቮር ዘይተወሰነ ጾታ ሒዙ እዩ ተወሊዱ።
ዘይተወሰነ ጾታ ዘለዎም ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሕፍረትን ብምስጢርን ከም ዝዓብዩ ዝገልጽ እዚ ዶክተር፡ "እቶም ዕሸላት ካብ ሓፈሻዊ ሕብረተሰብ ይሕብኡ እዮም - እዚ ናተይ ናይ ዕብየት ተመኩሮይ እዩ ነይሩ" ይብል።
ኣብ ሆስፒታል ህጻናት ፊላደልፍያ ንስድራቤታት እትመክር ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮኣዊት ኣይሊን ሻስት፡ "ንስድራቤታት ኣዝዩ ዘደናግርን ዝንጽልን ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እቲ ኣዝዩ ዘጨንቐኒ ድማ ብኣግኡ ናይ ሕፍረት ስምዒት ክምዕብል ይጅምር፡ እዚ ምስዚ ብልዕቲ ዝዛመድ'ዩ፡ ብዛዕባ እዚ ግን ኣይንዛረብን ኢና።
"ሓንቲ ወላዲት፡ ውላዳ ዳርጋ መንሽሮ እንተዝህልዎ ከም ዝተመነየት ነጊራትኒ፡ ምኽንያቱ እንተወሓደ ሰባት ብዛዕባ መንሽሮ ስለ ዝፈልጡ፡ ደገፍ ኣብ ዝደለየትሉ እዋን ውላደይ [መንሽሮ] ኣለዎ ክትብል ትኽእል እያ፡ ሰባት እውን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይጠፍኦምን።"
ወሃቢ ቃል ሮያል ኮሌጅ ሓካይም ሕርሲን ህጻናትን ማህጸንን ከምኡ’ውን ክኢላ ናይዞም ምዝንባዓት ዝዀነ ፒተር ቦወን-ሲምፕኪንስ ኣርባዕተ ዓይነት ጾታዊ መለለዪ ከምዘለዉ ይገልጽ።
ቀዳማይ፡ ‘ፊኖታይፕ’ ኰይኑ ጾታ ሓደ ሰብ ከምቲ መሲሉ ዝረኣዮ ዝገልጽ እዩ። ካልኣይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጾታ ኰይኑ እቲ ሰብ ብዛዕባ ጾታኡ ብውሽጡ ዝስምዖ ይገልጽ። እቲ ሳልሳይ፡ ብመሰረት ሓደ ሰብ ዘለዎ ፍረ-ንብሲ ወይ ማህጸን ዝውሰን ወሊዳዊ ጾታ እዩ። ብዘለካ ውህደት x ወይ y ክሮሞዞም ዝውሰን ክሮሞዞማዊ ጾታ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ እዩ።
እቲ ኵነታት ዘይውሱን ጾታ ኣብ ግርዝውና ወይ ብጽሕና እንተተፈሊጡ፡ ኣብቲ ጾታኡ ኣብ ሕቶ ዝኣተወ ውልቀሰብ ዝህልዎ ጽልዋ ዓሚቝ ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ዙርያ እቲ ኩነታት ዝግበር ዘተ ብተሃዋስነት ክተሓዝን ሕሙማት ቅኑዕ ደገፍ ክወሃቦምን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ይብል ቦወን-ሲምፕኪንስ።
ሰባት እንታይ ዓይነት ኩነታት ከም ዘለዎም ምግላጽ ኣይከኣልን'ዩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን እንታይ ከም ዝስምዖም ዝውስኑ ንሳቶም እዮም።"
እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ቅኑዕ ደገፍን ምኽርን ክረኽቡ ምኽኣሎም እዩ።