እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ምንካይ ወሊድ ሓደጋ ዘንፀላለዎ ሕብረተሰብ ጃፓን
ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን፡ ብሰንኪ ምንካይ መጠን ወሊድ፡ ሃገሩ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ከም ዝጠሓለት ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ እዚ፡ ጃፓን ምንቅስቓስ ደው ኣብ እተብለሉ ፀድፊ ከም እትርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፉሚዮ ኪሺዳ ኣጠንቒቑ።
ካብ 125 ሚልየን ብዝሒ ህዝቢ ጃፓን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መጠን ወሊድ ትሕቲ 800 ሽሕ ምንባሩ ተገሊፁ። እዚ ኣሃዝ ኣብ 1970ታት ልዕሊ ክልተ ሚልየን እዩ ነይሩ።
ጐረባብቲ ጃፓን ኣብ ዝርከብወን ብዙሓት ሃገራት፡ መጠን ወሊድ እናነከየ እዩ ክመፅእ ጸኒሑ።
ኣብ ጃፓን ግና፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ማእከላይ ዕድመ ሰባት እናወሰኸ ክመፅእ ብምምጽንሑ፡ ነቲ ጸገም የኽብዶ። ብዝሒ ኣረጋውያን ክዛይድ እንከሎ፡ ብዝሒ ኣብ ስራሕ ዝወፍር ዓቕሚሰብ ይውሕድ ኣሎ።
ከም መረዳእታ ባንክ ዓለም፡ ጃፓን ኣብዚ እዋን ብብዝሒ ልዕሊ 65 ዝዕድሚኦም ሰብ ፀጋ ዕድመ፡ ኣብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ፡ “ከም ሕብረተሰብ ክንቅፅል ዲና ዝብል ሕቶ ኣብ ምልክት ኣትዩ ኣሎ። ኣብ ቆልዑ መሰረት ዝገበሩ ፖሊሲታት ትኹረት የድልዮም፡ ክፀንሑ ዘይኽእሉን ንፅባሕ ዘይበሃሉን እዮም" ኢሉ።
መንግስቲ ምስ ቈልዑ ኣብ ዝተሓሓዙ ፕሮግራማት፡ ዝያዳ ገንዘብ ክስልዕ ከምዝደሊን ኣብዚ መዳይ ኣተኲሩ ዝሰርሕ ትካል ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ክቐውም ምዃኑ'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ።
መንግስቲ ጃፓን ቅድሚ ሕዚ እውን ተመሳሳሊ ስትራቴጂታት ፈቲኑ እኳ እንተነበረ ኣይተዓወተን።
ኣብ ዓመተ 2020 ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 128 ሚልየን ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ ጃፓን፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ክፍለ ዘበን፡ ናብ 53 ሚልየን ክወርድ ከም ዝኽእል ይሕብር።
ጃፓን ንስደተኛታት ትቕበለሉ ሕጊ ተሪር’ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመጠኑ ፉኽስ ኢሉ እዩ። ገለ ሰብ-ሞያ ግና፡ ኣረጋውያን ዝበዝሖ ሕብረተሰብ ንምክልኻል፡ እቲ ዘሎ ሕጊ እታ ሃገር ኣዝዩ ክልሕልሕ ከም ዘለዎ ይገልፁ ኣለዉ።
ክብሪ ናብራ፣ ብዝሒ ኣብ ስራሕን ቤት ትምህርትን ናይ ዝፅመዳ ቁፅሪ ደቂኣንስትዮ ምውሳኽ፣ ደቂ ኣንስትዮ ውሑዳት ቈልዑ ክወልዳ ዝድርኽ መከላኸሊ ወሊድ ምውሳኹ፡ መጠን ወሊድ ንኽንክይ ካብ መንጐ ዝገበሩ ዓበይቲ ምኽንያታት እዮም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ቻይና፡ መጠን ወሊድ ኣብ 60 ዓመታት ንፈለማ እዋን ከም ዝነከየ ምግላፃ ይፍለጥ።
ጃፓን፡ ካብታ ዝነኣሰት ሃገር ሞናኮ ቀፂላ፡ ኣብ ዓለም ብዝሒ ብዕድመ ዝኣረገ ሕብረተሰብ ዘለዋ ሃገር እያ። ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ፡ ትሑት መጠን ወሊድ እያ ተመዝግብ ዘላ። ኣብ 2050፡ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ጃፓን እቲ ሓደ ሲሶ ከም ዘይህሉ ይግመት።
ኣብታ ሃገር፡ ካብ ዜጋታት ወፃኢ ዝተወለዱ ሰለስተ ሚእታዊት ጥራሕ እዮም፤ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዜጋታት ወፃኢ ዝተወለዱ 15 ሚእታዊት እዮም።
ኣብ ጃፓን፡ ካብ ዜጋታት ወፃኢ ሃገርን ጃፓናውያንን ዝውለዱ ሰባት ዝወሃቦም ቦታ ኣካታዒ እዩ። ካብ ጃፓናውን ወጻእተኛታትን ዝውለዱ ቆልዑ ‘ሃፉ’ ማለት እውን ፍርቂ ጃፓናውያን ተባሂሎም እዮም ዝፍለጡ።
ክብሪ ናብራ፡ ንምንካይ መጠን ወሊድ ሓደ ምኽንያት እንትኾን፡ ጃፓን ንዝሓለፉ 30 ዓመታት መሃያ ሰራሕተኛታት ኣየመሓየሸትን።