እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣታዊ መጽሓፋ ኣብ ኤርትራ ብናይ ደም ካንሰር ንዝሳቐዩ ሕጻናት ዘወፈየት ደራሲት
እዛ 'ሮራ' ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሓትመት መጽሓፍ ራሄል ኣፍወርቂ፡ ሮራ ብእትሰምየት ጓል ኣንስተይቲ ገጸ ባህሪ እተነድቀት እያ።
እታ ገጸ ባህሪ: ካብ ዘበነ ቑልዕነታ ኣትሒዛ ኩሉ ቀጸላታት ትምህርታ ካብ መባእታ ክሳብ ኮሌጅ፤ ኣብ ስራሕ ዓለምን ሓዳርን ንዝኸደቶ መስርሕ ህይወት እናተረኸት ንብደሆታት መንእሰያት ተዘንቱ።
ደራሲት ራሄል ኣፍወርቂ በታ ዝሓረየታ ገጸ ባህሪ ኣቢላ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ስድራ ቤት ዘጋጥም ተሞክሮ ማሕበራዊ ሂወት፡ ምስ ዓወትን ውድቀትን ዝመጽእ ሓጎስን ሓዘንን፡ ጸቕጢ መዘናን ውሽጣዊ ድሌትን፡ ጭንቀትን መፍትሒኡን ተዘንቱ።
ኣብ ትረኻኣ ከኣ ወለዲ ንሕጻናት ደቆም ኣብ ርእሲ እቲ ዘቕርቡሎም ነገራዊ ትሕዝቶ ግዜ ሂቦም ብሞራልን ፍቕርን ክሃንጹዎም፡ ከም ተኽሊ ክኹስኩሱዎም ምዕባለታቶም ብቐረባ እናተኸታተሉ ነባሪ ህያብ ከዕጥቕዎም ተዘኻኽር።
እዛ ጸሓፊት ግን መን እያ?
ራሄል ኣብ ኣስመራ ጎዳይፍ ተወሊዳ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ባና ናይ መባእታ ትምህርታ ፈሊማ ኣብታ ከተማ ዝዓበየት ምስ ማእከሎት ተማሃሮ እትስራዕ መንእሰይ እያ ነይራ።
ኣቦኣ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝነበረ: ወላዲታ ከኣ ስራሕ ውዒላ ንዓኣን ንኣሕዋታን ኣለይ መለይ ክትብል ግዜ ስለዘይነበራ ኣብ ትምህርታ ከምቲ ዝግባእ ክትከታተልዋ ዕድል ኣይነበራን።
ኣቡኣ ኣብቲ ንዕረፍቲ ዝመጽኣሉ ናይ ወላዲ ፍቕሪ ይልግሰላ እኳ እንተነበረ ግን ኣይከምቶም ምስ ወለዶም ዝነብሩ መዛኑኣ። ስለዝኾነ ራሄል ኣብ ቑልዕነታ ኣብ ጸወታ ተድህብ ብምንባራ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ካብቶም ንብልጫ ዝወዳደሩን ኣብ ቅድሚት ዝስርዑን ተማሃሮ ኣይነበረትን።
ኣብ ገለ ግዝያት እውን ክፍሊ ዝደገመትሉ እዋን ነይሩ።
ይኹን 'ምበር "ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቑል" ከም ዝብሃል፣ ዳሕራይ በብቕሩብ ትርጉም ትምህርቲ እናተሰወጣ ብምምጹኡ ተገዲሳ ከተጽንዕን ትምህርታ ብግቡእ ክትከታተልን ከምዝጀመረት ትዛረብ።
በዚ ድማ ኣብ ሓጺር እዋን ርኡይ ለውጢ ብምምጻእ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ዝነበረትሉ ክሳብ ብልጫ ብምውሳድ ተወዳዳሪት ኮይና ትምህርታ ዛዚማ።
ኣብ ርእሲኡ እውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ባርካ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ናይ ንባብ ጉጅለታት ተጠርኒፋ፡ ናይ ንባብን ትረኻን ዓቕማ ኣማዕበለት።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ቤት ትምህርቲ 'ዋርሳይ ይክኣሎ' ዛዚማ ምስ ኣብ ሃገራዊ መርመራ ንዲግሪ ዘእትዋ ነጥቢ ረኺባ ናብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ኣተወት። ድሒራ እውን ኣብ ስማፕ ኢንስቲትዩት ኮምፕዩተር ኣፕሊኬሽን ተማህረት።
ኣብ ቁልዕነታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዓምዲ ተርሙማን መሶብ ህጻናትን ትሳተፍ ብምንባራ ምስ መጽሓፍቲ ፍቕሪ አሕዲራ። ብኸምኡ ከኣ ናይ ምንባብ ባህሊ ኣማዕበለት።
ብፍላይ ኤደን እያሱ ዝተባህለት መምህር እቶም ህጻናት ብዓቕሞም ክርድእዎ ንዘይክኣሉ መጽሓፍቲ ብምብራህን ብምትርጓምን ካቡኡ ሓሊፋ እውን ዓመት መጽአ ናብቲ ኣብ ኤክስፖ ዝቐርብ ዝነበረ ምርኢት መጽሓፍቲ ትወስዶምን ምስ ደረስቲ ተራኽቦምን ብምንባራ ብፍቕሪ ትዝክራ።
ተገዳስነት ኣብ ስነ-ጽሑፍ
ኣብ ስነ ጽሑፍ ተገዳስነት ዘሕደረት ራሄል፡ ኣብ 2009 ኣብ ዓምዲ ስነ ጥበብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ክፋላት ዝተሓትመት ‘ባህጊ መንየ’ ዘርእስታ ዛንታ ኣቕሪባ።
ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ናይ ቅብኣ ዝንባለ ስለዘሕደረት ኣብቲ ወትሩ ቀዳም ብፍሉጥ ካርቱኒስትን ቀባኣይን ሃብቶም ምሕረት (ኣባሓጎይ) ኣብ ኤሪ-ቲቪ ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ሰእሊ ትምህርቲ እናተኸታተለት ክትሓናጥጥ ጀመረት።
መሊሳ እውን ኣብ ሰገን ጉጅለ ስነ ጥበባውያን ኤርትራ ተጠርኒፋ ንገለ ኣዋርሕ ናይ ቅብኣ ትምህርቲ ወሰደት።
በዚ ዝጀመረ ድማ ኣብ 2014 ምስ 3 ካልኦት መዛኑኣ ኮይና ናይ ቅብኣ ምርኢት ኣዳልያ ንህዝቢ ኣቕረበት።
ኣብ 2015 ከም ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ንሱዳን ተሰደት። ንብድሆታታት ስደት ክትገጥም ሓርኮትኮት ብምባል ሓንሳብ ከም ሳሳዪት ሓንሳብ ከም ተሓዚት ቆልዓ ንሓንሳብ ከም ካሸር ቤት ብልዕን መስተን ኮይና ኩሉ ዓይነት ስራሓት ፈተነት።
እንተኾነ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣብታ ሃገር ብዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ሱዳን ምንባር ስለዝኸበዳ መሊሳ ናብ ኢትዮጵያ ተሰደት::
እንተኾነ፡ ከምቲ ዝሓሰበቶ ኣይሰለጣን። ግን ከኣ ብናብራ ስደት ከይተማረረት ንዝሓሸ ዕድል ናብ ዩጋንዳ ሰገረት። ናይ ስነ ጽሑፍ ፍልጠታ ንምዕባይ ከኣ ምስ መ/ር ስዒድ ሳልሕ ኣብቲ ንመበል 9 ግዚኡ ዝተዋህበ ስልጠና ብምምሃር ሕጂውን ምስ ፍሬና ትያትሪካል ኣርት እናተማህረት ንገዛእ ርእሳ ኣብ ምምዕባል ወትሩ ትጽዕር ኣላ።
ራሄል፡ ብዙሕ ውረድ ደይብ ካብቲ ሕልማን ራኢኣን ከሰናኽላ ኣይፈቐደትሉን። እኳ ደኣ በርቲዓን ሓይላን ሮራ ኢላ ዝሰየመታ ቦኽሪ መጽሓፋ ክተበርክት በቒዓ ኣላ።
ከም ስደተኛ ኮይንካ መጽሓፍ ክትጽሕፍን ከተሕትምን፡ ብዙሕ ውረድ ከምዘለዎ እትገልጽ ራሄል፡ ከም በዓል ቴድሮስ ዓብለልን መምህር ኣለክሳንደር ኣማንኤልን (ደራስን ዳይረክተርን) ዝኣመሰሉ እናኣተባብዑ ስለዝኣረሙላ ነቲ ዘጋጠማ ብድሆታት ዛዚማ ኣብ ከብሒ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ጸንቢራ።
ራሄል፡ ካብ ኣንበብቲ ንዝቐርበላ ሃናጺ ምኽርን መአረምታን ክትቅበል ድልውነታ ብምግላጽ፡ ንመዘናታታ ስነ ጥበባውያን ብዝኾነ ይኹን ዓንቃፊ ምኽንያት ከይተጎቱ ዓቕሞም ብዘፍቅዶ ክጽዕሩን ዕዮታቶም ክዛዝሙን ትመክር።
ራሄል ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ፡ ኣብ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ተጠርኒፋ፡ ሂወት ሰባት ንምድሓን ነነዊሕ ዓመታት ደም ብምልጋስ ዝከኣላ ኣስተዋጽኦ ገይራ እያ።
ሕጂ ድማ ኩሉ ኣታዊ መጽሓፍ ሮራ ኣብ ኤርትራ ብናይ ደም ካንሰር ንዝሳቐዩ ዘለው ሕጻናት ኤርትራ እያ ወፍያቶ ። ኣብ ስደት እውን ናይ ናብራ ብደሆን ናይ ገንዘብ ሕጽረታት እውን እንተሎ ራሄል ነቲ ቅዱስ ሓሳብ “ሓሳብ እግዜኣብሄር እዩ “ ክትብል እያ ትገልጾ።
ዛጊት ድማ እቲ ካብ ሽያጥ መጽሓፍ ሮራ ዝተረኽበ ኣታዊ ኣብ ባንክ ሕሳብ ብኤርትራዊት ዝውነን ኢስት ኣፍሪቃ ክሊኒክ ክኣቱ ኣፍቂዶምላ ኣለው።
ኣብ መወዳእታ ንኹለን ኣብ ስደት ዘለዋ ደቀንስትዮ፡ ብተስፋን ዓቕልን ከይተጨነቃ ነቲ ኣብ ኢደን ዘሎ ክገብራ ትምዕድ።