ኣብ ዓፋር ዝተረኸበ ሓድሽ ቅሪተ ኣካል፡ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ወዲሰብ እንታይ ይነግረና?

ኣብ ለዲ ገራሩ ብዃዕቲ ዝተረኽቡ ኣስናን

ምንጪ ስእሊ, Ledi Geraru Reasearch Team

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ለዲ ገራሩ ብዃዕቲ ዝተረኽቡ ኣስናን

ቅድሚ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሚልዮን ዓመታት ዝነበረ እዋን ኣብ ፍልቀት ደቂ ሰባት ወሳኒ እዋን ምዃኑ ይእመን።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ መዝገብ ቅሪተ-ኣካላት፡ ደቂ-ሰባትን ቅድመ-ሰብን ንመጀመርታ ግዜ ዝተራእዩ ኣብዚ እዋን'ዚ እዩ ይብሉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መጽሔት ኔቸር ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ እዋን ሆወሞን ፓራንትሮፐስን ዝተባህሉ ዓሌታት፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መዝገብ ቅሪተ-ኣካላት ከም ዝተራእዩን፡ ኣቦሓጎ ናይዞም ኣሰር ወለዶታት ዝዀነ ኣውስትራሎፒተከስ ኣፋረንሲስ ከም ዝጠፍአን ይሕብር።

ኣብ በዓል መዚ ቅርስታት ኢትዮጵያ ክኢላ ፓሊዮኢኮሎጂ ዶክተር ሰሚነው ኣስራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይካ ቅሪተ-ኣካላት ደቂ ሰባት ካልኦት ባህሪያት ሰብ ዘርእዩ ናውቲ፣ መሳርሒታት እምኒ ዝኣመሰሉ ነገራት ክጥቀም ዝጀመረሉ እዋን ስለ ዝዀነ'ዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዶክተር ሰሚነው "ኣብዚ እዋን'ዚ ክእለት ኣተሓሳስባ ሰባት እናማዕበለ ምስ ከደ፡ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት እምኒ ክጥቀሙ ጀሚሮም፤ ስለዚ፡ ተመራመርቲ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት እምኒ ምስ ቅሪተ-ኣካላት ብሓባር ይረኽቡ፡" ክብል ይገልጽ።

ብዘይካ'ዚ፡ "መሳርሒታት እምኒ ብዛዕባ ባህርያቶም፡ ኣብ ከባቢኦም ንዘሎ ባህርያዊ ጸጋታት ብኸመይ ከም ዝተጠቕሙ፡ ወይ ኣተሓሳስባኦም ክሳብ ክንደይ ምዕቡል ምንባሩ ክነግሩና ይኽእሉ እዮም፡" ክብል የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መጽሔት ኔቸር ዝተሓትመ ሳይንሳዊ ጽሑፍ፡ ነቲ ንፍልቀት ደቂ ሰባት እንርእየሉ መነጽር ሓድሽ ተወሳኺ መርትዖታት ዝህብ'ዩ።

እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣብ ጽሑፎም፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ ቅድመ ሰብ ዝነበረ ዘገምታዊ ለውጢ ብዝተሓሓዝ እቶም ዓሌታት ናብዞም ክስተታት ንኸምርሑ ብዛዕባ ዝገበሩዎም ተቐያየርቲ ኵነታት ዝምልከት ግምታት ንምፍታሽ ዝግበሩ ፈተነታት ድሩታት ምዃኖም ኣስፊሮም።

ይዅን እምበር፡ እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ፕሮጀክት ምርምር ኬልዲ ገራሩ ዝረኸብዎ ሓደስቲ ቅድመ-ታሪኻዊ ቅሪተ-ኣካላት፡ ዕድመ፡ ስነ-ምድራዊ ኵነታትን ህዋሳት ስኒን ተንቲኖም ኣለዉ።

እቲ ትንታነ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብን መጸውዒ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝዀነን ከባቢ ለዲ ገራሩ ኣብ ዝተረኽቡ ቅሪተ ኣካላት መሰረት ዝገበረ'ዩ።

እቶም ተመራመርቲ ብመሰረት ዝረኸቡዎም ቅሪተ ኣካል ስሪ ሆሞ ድማ፡ ቅድሚ 2.78ን 2.59 ሚልዮን ዓመታት ዝነበረ፡ ኣውስትራሎፒተከስ ድማ ቅድሚ 2.63 ሚልዮን ዓመታት ከም ዝነበረ የርእዩ።

እቲ ኣብ ኔቸር ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ዋላ'ኳ እቶም መርኣያታት ኣውስትራሎፒተከስ ብደረጃ ዓሌቶም ምልላይ እንተዘይተኻእለ፡ ቅርጺ ምስሎም (ሞርፎሎጂ) ግን ካብ ኣውስትራሎፒተከስ ኣፋረንሲስን ኣውስትራሎፒተከስ ጋርሂን ዝተፈልየ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

እቶም ቅምሶታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣውስትራሎፒተከስን ቀዳሞት ሆሞን፡ ቅድሚ 2.5 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ክልል ዓፋር ክልተ ዝተፈላለዩ ሓረጋት ዘርኢ ከም ዝነበሩን፡ መዝገብ ቅሪተ-ኣካላት ሆሚኒን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፍለጠሉ ንላዕሊ ዝተፈላለየ ምዃኑን ይሕብሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ርኽበታት ከም ዝሕብሮ፡ ቅድሚ 3.0ን 2.5 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ ኣርባዕተ ዓሌታት ሆሚኒን ይነብሩ ነይሮም።

ንሳቶም ድማ ቀዳሞት ሆሞ፡ ፓራትሮፖስ፡ ኣውስትራሎፒተከስ ጋርሂን እቲ ሓድሽ ዝተረኸበ ኣውስትራሎፒተከስ ለዲ ገራሩን እዮም።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ ለዲ ገራሩ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንዓመታት ድሕሪ ምዅዓት፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይፍለጡ ዓሰርተ ቅሪት ኣካል ኣስናን ረኺቦም።

ብተወሳኺ፡ እዚ ዓሌት ምስ ዓሌት ዘርኢ ወዲሰብ ዝዀነ ቀዳሞት ዓሌት ሆሞ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜን ቦታን ከም ዝነበረ ዘርኢ ምልክታት ከም ዘሎ እቶም ተመራመርቲ ኣፍሊጦም።

እቶም ብዅዕታ ዝተረኽቡ ኣስናን ሽዱሽተ ናይ ግርጻን፡ ክልተ ናይ ቅድሚት ኣስናን፡ ሓደ ናይ መጀመርታ ግርጻንን ይርከቡዎም።

እዞም ኣስናን፡ ሓደ ዓይነት ዘርኢ ካብ ዘለዎም ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣውስትራሎፒተከስ ዝተረኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ዓይነታት ኣውስትራሎፒተከስ ኣለዉ፤ እዚኦም ድማ ቀዳሞት ኣቦሓጎታት ደቂ ሰባት ኰይኖም፡ ባህሪያት ኣህባይን ናይ ሰብ ዝመስል ባህርያትን ኣለዎም።

ካብዞም ሓደስቲ ዝተረኽቡ ኣስናን ኣውስትራሎፒተከስ ዘይመሳሰሉን ሻብዓይ ዓይነት ምዃኖም ዝሕብር ባህርያት ከም ዘለዎምን እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።

እዚ እንታይ ማለት እዩ?

ቅድሚ ሕጂ ዝፍለጡ ዓይነታት ኣውስትራሎፒተከስ፡ ኣውስትራሎፒተከስ ኣናመንሲስ፡ ኣፋረንሲስ፡ ኣፍሪቃነስ፡ ጋርሂን ካልኦት ሳይንሳዊ ኣስማት ዘለዎም ዓይነታትን እዮም።

ኣብ በዓል መዚ ቅርስታት ኢትዮጵያ ተመራማሪ ስነጥንቲን ስነሰብን ዶክተር ቶማስ ጌታቸው፡ "ኣውስትራሎፒተከስ ኣፋረንሲስ ንመወዳእታ ግዜ ቅድሚ 2.95 ሚልዮን ዓመታት ተራእዩ። ድሕሪኡ ኣይተራእየን። ሕጂ'ውን ኣብ ክልል ዓፋር፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓሌት ኣውስትራሎፒተከስ ጋርሂ ዝተባህለ ዝተፈላለየ ዓይነት ዓሌት ተረኺቡ ኣሎ፡" ኢሉ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ንርኽበት ለዲ ገራሩ ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር፡ "እቲ ሓድሽ [ኣውስትራሎፒቲከስ] ዕድሚኡ 2.6 ሚልዮን ዓመት ምዃኑ'ዩ። ስለዚ እዚ ርኽበት ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ካብቶም ክሳብ ሕጂ እንፈልጦም ካልኦት ዓይነታት፡ ኣውስትራሎፒተከስ ኣፋረንሲስን ጋርሂን ዝተፈልየ ምዃኑ'ዩ፡" ክብል ይገልጽ።

"ንጋርሂ ውይ ኣፋረንሲስ ኣይመስልን'ዩ፤ እቲ ናትና ዓሌት ዝርከበሉ ሆሞ'ውን ኣይመስልን። ስለዚ ዝተፈለየ ዓይነት ኣውስትራሎፒተከስ ምዃኑ ዘርኢ'ዩ፡" ብምባል ይውስኽ።

ለዲ ገራሩ ግን ኣብ ተመሳሳሊ ኵዕታ ዝተረኽበ እንኰ ስኒ ኣውስትራሎፒተከስ ኣይኰነን።

ብተወሳኺ እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ 2.59 ሚልዮን ዓመታት ዝገበሩ ሰለስተ ኣስናን ዓሌት ጂነስ ሆሞ ረኺቦም።

ዶክተር ሰሚነው ኣስራት፡ "[እቶም ቅሪተ-ኣካላት] ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ለዲ ገራሩ'ዮም ተረኺቦም። ኣብ ውሽጢ እቲ ከባቢ ንኣሽቱ ቦታታት ኣለዉ። እዚኦም 'locality' ይበሃሉ። ነፍሲ ወከፍ 'locality' ዕድመኦም ይፍለጥ'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ኣብ መጽሔት 'ተፈጥሮ' ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ 'ጉሩማህ'፡ 'ለ ኣዶይታ'ን 'ጊዲ ሳንድ'ን ዝበሃሉ ቦታታት ይዝርዝር።

ኣብ ለዲ ገራሩ ዝተረኽቡ ቅሪተ ኣካላት

ምንጪ ስእሊ, Ledi Geraru Research Team

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ለዲ ገራሩ ዝተረኽቡ ቅሪተ ኣካላት

እንታይ'ዩ ተረኺቡ? ረብሓኡ'ከ?

ብሓጺሩ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ኣስናን'ዮም ተረኺቦም፤ እቲ ሓደ ኣብ ኣውስትራሎፒተከስ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ዓሌት ጂነስ ሆሞ ይምደብ። ረብሓኡ ግን ካብዚ ንላዕሊ'ዩ።

ኣብ መንጐ እቲ ኣውስትራሎፒተከስ ኣፋረንሲስ ንመወዳእታ ግዜ ዝተራእየሉ እዋንን (ቅድሚ 2.95 ሚልዮን ዓመታት) ቅድሚ 2 ሚልዮን ዓመታትን ዝነበረ መዝገብ ቅሪተ-ኣካላት ሆሚኒን ብግቡእ ኣይፍለጥን።

እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ካብ ዝረኸብዎም 13 ኣስናን እቶም ዓሰርተ ካብቶም ኣብ በሊ ኣዶይታ ዝተረኽበ ዓይነት ኣውስትራሎፒተከስ እዮም።

ክልተ ዓይነታት ኣውስትራሎፒተከስ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅርበትን ኣብ ተመሳሳሊ እዋንን ብሓባር ክነብሩ ዘለዎም ትሑት ተኽእሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ ቦታ ዝተረኽቡ ኣስናን ናይ ሓደ ዓይነት ኣውስትራሎፒተከስ ምዃኖም ይግመት ነይሩ።

ልክዕ ከምቲ ቀዳሞት ሆሞን ፓራንትሮፑስን ኣብ ተፋሰስ ኦሞ ቱርካና ብሓባር ዝነብሩ ዝነበሩ፡ እቲ ካብ ቦታ በዲ ገራሩ ዝተረኽበ ሓድሽ ርኽበት፡ ቀዳሞት ሆሞን ኣውስትራሎፒተከስን ክልቲኦም ቅድሚ 2.5 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ዞባ ዓፋር ከምዝነበሩ ተመራመርቲ ይዛረቡ።

እዚ ማለት ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቀዳሞት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደ ከባቢ ኣብ ኣዝዩ ዝቀራረብ ግዜ ብሓባር ይነብሩ ነይሮም ማለት እዩ።

ተመሳሳሊ ዕድመ ናይቶም ቅሪተ-ኣካላት፡ እዚ ሓድሽ ዝተረኽበ ዓይነት ኣውስትራሎፒተከስ ምስቶም ኣብቲ ክልል ዝነበሩ ቀዳሞት ዓይነታት ሆሞ ብሓባር ምንባሮ፡ ንባህርያዊ ጸጋታት ይነሓንሑ ነይሮም ድዮም? ዝብል ሕቶ የልዕል።

ዶክተር ቶማስ ጌታቸው፡ "እቲ ዝተረኽቡሉ መቓን ግዜ፡ ሆሞን እዚ ክሳብ ሕጂ ስያመ ዘይተዋህቦ ዓሌት ኣውስትራሎፒተከስን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ከባቢ ብሓባር ይነብሩ ከም ዝነበሩ ይሕብር፡" ኢሉ።

ሳይንሳዊ ርኽበታት እቶም ተመራመርቲ ከም ዝሕብሮ፡ ህላወ ክልቲኦም ቀዳሞት ሆሞን ኣውስትራሎፒተከስን ኣብ ለዲ ገራሩ፡ ኣብቲ ካባቢ ቅድሚ ሰለስተ ክሳብ ክልተ ሚልዮን ዓመታት ንምድብ ሆሚኒን ብዙሕነትን ጽልዋ ከም ዘለዎ ይጠቅስ።

እዚ ማለት ሆሞን ኣውስትራሎፒተከስን ቅድሚ 2.5 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ክልል ዓፋር ብሓባር ከም ዝነበሩን ቅድሚ 3 ክሳብ 2.5 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብውሑድ ኣርባዕተ ሓረግ ወለዶ ሆሚኒ ከም ዝነበሩን እዩ።

ኣብ ለዲ ገራሩ ዝተረኸቡ ቅሪተ-ኣካላት፡ ቅድሚ 3 ክሳብ 2.5 ሚልዮን ዓመታት ብውሑዱ ሰለስተ ሓረግ ወለዶ ኣብ ሓደ ከባቢ ከም ዝነበሩ ይሕብሩ። ንሳቶም ድማ ሆሞ፡ ኣውስትራሎፒተከስ ጋርሂን ኣብ ለዲ ገራሩ ዝተረኽቡ ሓደስቲ ዓይነታት ኣውስትራሎፒተከስን እዮም።