እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ሩስያ፡ ንኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ዝተሓስበ 40 ሽሕ ቶን ኣጥቂዓ' - ዩክረይን
ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሩስያ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሮማንያ ንዝርከብ መኽዘናት እኽሊ ኦዴሳ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣካይደን።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መሳለጥያታት ወደብ ዩክረይን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ መኽዘን እኽልን እኽሊ ንምጽዓን ዝሕግዝ መልዓሊ (ሊፍት)ን ከም ዝተሃስየ ተሓቢሩ።
ዩክረይን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቻይናን እስራኤልን ክለኣኽ ዝተሓሰበ ኣስታት 40 ሽሕ ቶን እኽሊ ከም ዝተጠቕዐ ትገልጽ።
ሩስያ፡ ብመገዲ ጸሊም ባሕሪ ውሑስ ሰደድ እኽሊ ንምክያድ ዘኽእል ስምምዕ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምግዳፋ’ያ ንወደባት ዩክረይን ዒላማ ክትገብር ጀሚራ።
ሚኒስተር ኦሌክሳንድር ኩብራኮቭ ኣብ ትዊተር "እዚኦም እቶም ሎሚ መሰረት ዓለማዊ ውሕስነት መግቢ ዝዀኑ ወደባት እዮም" ክብል ገሊጹ።
ኣስታት 3 ኪ.ሜ ርሒቑ ካብ ዝርከብ ዳኑብ ዝተቐረጸ ቪድዮ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣጋ ምሸት ኣብ ከባቢ ኢዝማዒል ኣብ ዝርከብ ወደብ ሰፊሕ ባርዕ ሓዊ የርኢ።
ፕረዚደንት ሮማንያ ክላውስ ኢዮሃኒስ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ዩክረይን "ኣብ ጥቓ ሮማንያ" ዘካየደቶ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ቅቡል ኣይኰነን ክብል ኰኒኑ።
ሓያሎ መሓውራት ከም ዝተሃሰዩ ዘመልክት ብዙሕ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርገሐ መራሒ ዞባ ኦዴሳ ኦሌህ ኪፐር፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሩስያ ዝተፈጸመሉ ቦታ ህጹጽ ሓገዝ ንምሃብ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ዝዀነ ሰብ ከም ዝሞተ ዝሕብር ጸብጻብ ከም ዘየለ’ውን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ዕንወት ኣጋጢሙ" ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ገሊጽዎ።
ዩክረይን ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ሰደድቲ ስርናይ ዓለምና እያ።
ብመሰረት መረዳእታ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2021 ሶማልያ ካብ ዝረኸበቶ ስርናይ 90 ሚእታዊት ካብ ዩክረይንን ሩስያን ዝመጸ ነይሩ።
ኣብ መላእ ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ልዕሊ 50 ሚልዮን ህዝቢ ብሰንኪ ኣብ ተኸታተልቲ ዓመታት ዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብ ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮም ይግለጽ።
ብመሰረት ስምምዕ ውሑስ ሰደድ እኽሊ፡ ዩክረይን 625 ሽሕ ቶን መግቢ ከም ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ኣፍጋኒስታን፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን የመንን ከም ዝሰደደት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፡ ሩስያ ኣብ ወደብ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሰደድ እኽሊ ዘውረደቶ ጉድኣት፡ "ኮነ ኢላ ንዓለማዊ ውሕስነት መግቢ ኣብ ሓደጋ ኣእትያቶ" ክብል ከሲሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሩስያ ኣብ ዝተፈላለዩ መኽዘናት እኽሊ’ውን መጥቃዕቲ ፈጺመን እየን።
ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ መጥቃዕቲ ገበናት ኲናት ምዃኑ ዘመልከተ ፕረዚደንት ሮማንያ፡ ዩክረይን "ፍርያት መግባ ናብቶም ዝተጸገሙ ሰባት ናይ ምልኣኽ ዓቕማ" ዘዳኽም'ዩ ኢሉ።
ሩስያ ኣቐዲማ ኣብ ዓበይቲ ወደባት ጸሊም ባሕሪ ኦዴሳን ቾርኖሞርስክን መጥቃዕቲ ፈጺማ ነይራ፤ በዚ ድማ 60 ሽሕ ቶን እኽሊ ከም ዝዓነወ ሰብመዚ ገሊጾም’ዮም።