እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ መስርዕ ስናይፐር ኣብ ድፋዕ ዝወፈረ ጋዜጠኛ እንታይ ርእዩ?
ሓይልታት ዩክረይን፡ ነታ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር እትርከብ ከተማ ባክሙት ዳግማይ ንምሓዝ ይጽዕሩ ኣለዉ።
ሓደ ጕጅለ ቢቢሲ፡ "ርዅስ መንፈስ ባክሙት-ጎስት" ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ለይቲ ለይቲ ወፈራ ምስ ዘካይዱ ሰብ-ስናይፐራት ዝሓቘፈ ጋንታ ክንቀሳቐስ፡ ፍሉይ ዕድል ረኺቡ።
ኣዛዚ ናይታ መስርዕ-ጎስት፡ ናብቲ "ጫፍ ህላወ" ዝበሎ ቦታ - ኣብ ወሰን ከተማ ዝርከብ መደበሮም - ይወስደና።
"ጎስት- ምልክት ጻውዒተይ እዩ" ይብለኒ።
"ኣብ ባክሙት ራዕዲ ክንፈጥር ምስ ጀመርና፡ 'መንፈሳት ባክሙት' ዝብል ስም ተዋሂቡና።"
መደበሮም ኣብ ውሽጢ ደረጃ መዳፍዕ ሩስያ ዝኣተወ እዩ።
ንሱ፡ ኣብ ጥቓኡ ብዝዓልብ በራሪታት ኣይጭነቕን እዩ።
"እቲ መዳፍዕ ኵሉ ግዜ ሰባት ከም ዝጭነቝ እዩ ዝገብር" ይብል። "ካብ መዳፍዕ ክትሕባእ ትኽእል ኢኻ፤ ካብ ስናይፐር ግን ኣይከኣልን።"
ኣስታት 20 ወተሃደራት ዝሓቘፈት ጕጅለ ጎስት፡ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ወሰና ወሰን ባክሙት ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ዒላማታት እዮም ዘነጻጽሩ።
ንጎስት መስርዑ ክንደይ ሩስያውያን ከም ዝቐተለት እሓቶ። "ዝተረጋገጸ ቍጽሪ ኣሎ - 524፡ ካብዚኦም ሰብዓን ሽዱሽተን ናተይ እዮም" ይብል።
እታ ጋንታ ንነፍሲ ወከፍ ተዅሲ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ሽጉጦም ትምዝግቦ።
ኵሉ ሰብ ቍጽሪ ምሓዝ ኣይኮነሉን ‘ምበር።
ናይ ሎሚ ምሸት ወፍሪ ዝሃርም ኩዝያ፡ "ዝሕበነሉ ነገር ኣይኰነን። ሰባት ግን ኣይኮናን ንቐትል ዘለና፡ ንጸላኢ ኢና ነጥፍእ ዘለና" ይብል።
ቅድሚ ኲናት ኣብ ፋብሪካ ይሰርሕ ነይሩ። ንሱ፡ ጠበንጃ ፈጺሙ ከምዘይፈቱ፡ ሩስያ ምስ ወረረት ግን ብረት ከልዕል ከምዝተገደደ ይዛረብ።
ኩዝያ ስርሓት ኣመሪካ ዝዀነት ስናይፐሩ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ምጽራይ ይገብር።
"ነፍሲ ወከፍ ተልእኾ ሓደገኛ እዩ፤ ክንጋገ ከለና ጸላኢ ክሃርመና ይኽእል'ዩ" ይብል።
"ብርግጽ ፈሪሐ ኣለኹ - ዓሻ ጥራይ እዩ ኣብዚ ዘይፈርሕ።"
ኣብ ናይ ሎሚ ምሸት ተልእኾ ታራስ ብዝተባህለ ኣባሉ ክዕጀብ እዩ።
ኩሽ መራሒ መኪና እዩ - ብዝተኻእለ መጠን ናብ ቅድመ ግንባር እዩ ዘጸግዖም።
ካብኡ እታ መስርዕ ኣብ ዕላማኣ ንምብጻሕ ልዕሊ ሓደ ማይል ብእግሪ ክትከይድ ክትግደድ እያ።
ጎስት፡ ምስቲ ብቐሊሉ 'እንግሊዛዊ' እናተበሃለ ዝፍለጥ ‘ሮኪ’ ፡ ኣብ መደበር ተመሊሱ ክጸንሕ እዩ።
እዚ ዝነኣሰ ኣባል እታ መስርዕ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ መጀመርታ ልምምዱ ድሕሪ ምቕባሉ፡ እዩ ነዚ ስም ዝረኸቦ።
ገና ዝተረጋገጸ ናይ መጀመርታ ዒላማ ኣይረኸበን።
ጎስት፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ መስረዕ ብወተሃደራዊ ተመኵሮን ክእለትን ዘይኮነስ ብ"ሰብኣውነቱን ሃገራውነቱን" ከም ዝሓርዮም ይዛረብ።
ድብንብን እናበለ ምስ ከደ፡ ኣባላት እታ መስርዕ ናብታ ወተሃደራዊት መኪና ይድይቡ። ኣነን ካሜራማን ሙስ ካምበልን ክሳብ እቲ መውረዲ ቦታ ከነሰንዮም ኢና።
እቲ መራሒ መኪና - ኩሽ፡ ገለ ክፋል እቲ መገዲ ክሳብ ሕጂ ብመዳፍዕ ሩስያ ዒላማ ይግበር ከምዘሎ ይነግረና።
ሞተሩ ከንቀሳቕስ ምስ ጀመረ፡ ኣባላት እታ ጋንታ ንነፍሶም ናይ ‘ምምዕታብ’ ምልክት ኣርእዮም።
ኩሽ ካብ ተሌፎኑ ገለ ሙዚቃ ክሰምዕ ይጅምር። ንሱ፡ ደርፊታት ራፕ ዩክረይን ኣብ ስምዒት ከም ዘእትዎም ይዛረብ። ግን ነቲ ድምጺ ተዅሲ እውን ክሽፍኖ ይኽእል እዩ።
ኣብ መጀመርታ ብሰንኪ ድምጺ ናይታ ኩሽ ዝዝውራ’ ሃምቪ’ መኪና ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ነትጒ ክትሰምዕ ኣጸጋሚ እዩ።
ንሱ ግን ብዙሕ ግዜ ናብ ሰማይ እናመልክተ፡ የጠንቅቕ ነይሩ። ኣብ ጥቓኡ ድማ ድምጺ ፍንጀራታት ይስምዑ ነይሮም።
ፍርቂ ደርዘን ዝዀና፡ ዝዓነዋ ወተሃደራዊ መካይን ዩክረይን ንሓልፍ ነይርና። ኩሽ ናብቲ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ናይቲ ኮሮኮንቺ መገዲ ዝርከብ ስብርባራት የመልክት ነይሩ።
ድሕሪ ዕስራ ደቓይቕ ኣብ ጥቓ ሓደ ዝዓነወ ገዛ ሃንደበት ደው ንብል።
እታ ክልተ ሰባት ዝሓዘት መስርዕ ስናይፐር፡ ማዕጾታት መኪና ከፊታ ናብ ጣሻ ኣትያ።
ኩሽ ቅድሚኡ ቅልጥፍ ኢሉ"ኣምላኽ ምሳኻ ይዅን" ኢሉ ዓው ኢሉ።
ክንምለስ ከለና ብልጭታ ኣራንሺን ዝዓበየ ፍንጀራን ኣሎ። እታ መኪና ዝያዳ ክትናወጽ ትጅምር።
ኩሽ እናዘወረ ከሎ ማዕጾኡ ከፊቱ፡ ምልስ ኢሉ ንድሕሪት ይጥምት እሞ፡ ገለ ተመልከተ።
ሓደ ቍራጽ ሓጺን ንሓንቲ ካብተን ናይ ድሕሪት ጎማታት ቆሪጽዋ ኣሎ። ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ምስ ተመለስና ነቲ ጎማ ዝቐደደ ዓቢ ዝተሰንጠቐ ብረት የርእየና።
ሕጂ ጸልሚቱ እቲ ደብዳብ ድማ ሃዲኡ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ መደበሮም ካብ መስርዕ ስናይፐር ዜና ንምርካብ ብስክፍታ ራድዮታቶም ይሕዙ። ኩሽን እቲ 'እንግሊዛውን' ይወርዱ።
ጎስት ንጓል 7 ዓመት ጓሉ ተሌፎን ይድውል። ዓው ኣቢሉ የዛርባ ኣሎ፤ "አፍቅረካ እየ ባባ" ኢላ ብታሕጓስ ክትዘልል ከላ ትስማዕ።
ብረት ከመይ ጌርካ ከም ዝትኮስ ምሂርዋ ኣሎ።
ድሕሪ ሸውዓተ ሰዓታት ውሑድ ድቃስ፡ እንምለሰሉ ግዜ ኣኺሉ።
ሓዊ ይነድድ ኣሎ፤ ኣብቲ ህንጻ ግን ንዕቆብ ኣለና፤ ድሕሪኡ ድማ ናብታ መኪና ንምምላስ መንገድና ንጅምር።
ሕጂ ጸልማት ኰይኑ፡ ኩሽ ግን ክዝውር ይፍትን ኣሎ - ኣቓልቦ ንዘይምስሓብ መብራህቲ ቅድሚት ኣጥፊኡ።
ካልእ ሃንደበት ደው ምስ በለ ኣባላት እታ መስርዕ ስናይፐር ናብ ውሽጢ ተመሊሳ።
ናብ መደበሮም ምስ ተመለስና እቲ ዕረፍቲ ዘይእመን እዩ።
ድሒሮም ድማ ብለይቲ ዝተወስደ ቪድዮ የርእዩና። ኣብ ጥቓ ቅድመ ግንባር ናብ ወተሃደራት ዩክረይን ክትኩስ ዝጸንሐ ሩስያዊ መዳፍዕ ምዃኑ ይዛረቡ።
ሕጂ ክሳብ ንጽባሒቱ ምሸት ተልእኾኦም ከዕርፉ እዮም።
ኩዝያ "ምምላሰይ ሕጉስ እየ፡ ኵሉ ሰብ ብህይወት ምህላዉ ድማ ሕጕስ እየ" ይብል።
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ኣዛዚ ‘ጎስት’ ሓዊሱ ሓያሎ ካብታ መስርዕ ተጐዲኦም እዮም። ዛጊት ብህይወት ዝጎደለ ግን የለን።
ጎስት፡ "ነፍሲ ወከፍ ወፍሪ ናይ መወዳእታና ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ግን ክቡር ተግባር ኢና ንፍጽም ዘለና" ኢሉ።