ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ርክቡ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን እንታይ ኢሉ?

ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ዝሳተፍ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝገበሮ በይናዊ ርክብ ኣጠማምታ’ኡ ኣብ ህልው ኵነታትን ስርዓትን ዓለም፡ ብፍላይ ምስ ኲናት ሩስያ ዩክረይን ኣተሓሒዙ መርገጺኡ ኣነጺሩ።

ንሱ ኣብቲ ዝገበሮ መግለጺ፡ “ሰባት ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ክብሉ እንከለዉ፡ ኣነ ግን፡ ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ዝበሃል ብመሰረቱ’ውን የለን እየ ዝብል፤ እዚ፡ ብኔቶ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተኣወጀ ኲናት እዩ፡” ኢሉ።

ነዚ ከብርህ እንከሎ እቲ ፕረዚደንት፡ ብመሰረቱ እቲ ኲናት ኣንጻሩ ሩስያ ጥራይ’ውን ዘይኰነን፡ ዓለም ብዅሉ ሸነካት ብቝጠባ ይዅን ፖለቲካ ንምግባት ዝግበር ውዲት እዩ፣ ክብል ገሊጽዎ።

እዚ ኸኣ ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኲናት ዝተራእየ፡ ንሩስያ ምግታእ ዝብል ጥሙሕ ምዕራባውያን ኰይኑ፡ ኣካል ናይቲ ዝዀነ ብቝጠባ፡ ቴክኖሎጂ፡ ማሕበረ-ባህላዉን ካልእን መዳያት ንዝዳረግዎም ወገናት ጨቢጥካ ናይ ምሓዝ ዕላምኦም እዩ፡ ክብል ንምዕራባውያን ዝቐንዐ ተሪር ክሲ ኣቕሪቡ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ መድረኻት ክሳተፍ ዘይጸንሐ ፕረዚደንት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ኣብ ዝእንገድ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ቃለመጠይቓትን ኣንጻር ምዕራባዊ ዓለም ክዛረብ ይስማዕ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ’ውን እቲ ተደጋጋሚ ቃና ዘዘውትር ፕረዚደንት፡ ኣንጻር ምዕራባውያን ዝቐንዐ ተሪር ነቕፌታ ኣስሚዑ እዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ናጽነትን ልምዓትን ሃገሩ ዘይደልዩ ዝበሎም "ተጻባእቲ" ንምክልኻል "ካልእ ዓይነት ብልሓተ-መኸተ" ከድሊ ምዃኑ ድሕሪ ምእማት፣ ዋሽንግተን ኣብዚ ቀረባ ዘውጽኣቶ ናይ ፖሊሲ ሰነድ'ውን "ንመንግስቲ ኤርትራ ንምንጻል" ቅሉዕ ኲነት ክብል ገሊጽዎ እዩ።

በቲ "ጃንዳ ዋሽንግተን ዝመርሖ ዝጠፈሸ ኪዳን [ወተሃደራዊ] ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] " ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንዘካይዶ ጸቕጢ ነቒፉ። ኣብ ልዕሊ ቻይና'ውን ተመሳሳሊ ጸቕጢ ይግበር ከምዘሎ ኣሚቱ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ብፍላይ ኣብ ህሉው ኵነታት ሩስያ-ዩክረይን መሰረት ገይሩ ዝሃቦ መግለጺኡ፡ “ኔቶ ለሚሱ እዩ ኣብ ጽዑቕ ክንክን [ኣብ ኣፍ ሞት ንዝበጽሐ ዝግበር ሕክምናዊ ረዲኤት] እዩ ዘሎ” ዝብለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እታ ነዚ ክኸይድ ዝጸንሐ ዳይናሚክስ ብግቡእ ከተንብቦ ዝጸንሐት ሩስያ ግን ነቒሓትሉ እያ ክብል ንኢዱ።

ዩክረይን ከኣ፡ ነቲ ምዕራባውያን ንዓለም ንምግባት ኣብ ዝገብርዎ ክርፍስ፡ ንሩስያ ንምህራም ገንሸል ዝዀነት ሃገር እያ ኢሉ።

እዚ ግን መግትኢ ክግበረሉን ይኣክል ክበሃል ኣለዎ ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓበይቲ ዋዕላታት ኣብ ዝእንገደሉ ኣጋጣሚታት እቲ ትረኻ ክቕየር ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክብጻሕ ኣለዎ፤ “ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ምባል ተሪፉ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብኔቶ ዝተኣወጀ ኲናት” ተባሂሉ ክጽዋዕ ብሓባር ክንሰማማዕ ኣለና ኢሉ።

እቲ፡ ብመገዲ ቻይና ምሕዝነት ብምፍጣር፡ ንሩስያ ምግታ’እ ዝብል ዝነበረ ስትራተጂ ምዕራባውያን፡ “ፈሺሉ እዩ ምኽንያቱ ቻይና ካብ ቍጽጽሮም ወጺኣ ከይዳ እያ” ብምባል ዝጠቐሰ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኤርትራ’ውን ንዅሉ ቅድመኵነታቶም ብዘይምእዛዛ ኣብ ልዕሊኣ ብዘንበርዎ እገዳታት ክትሳቐ ጺኒሓ እያ፡ ኢሉ።

ኣቶ ኢሳይያስ፡ ብ 08 ጥሪ 2022 ንኣብነት ኣብ ዘካይዶም ዓመታዊ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ "ዝሑል ኲናት" ይዅን ድሕሪኡ ክፍጠር ተፈቲኑ ዝብሎ "እንኮ-ቀጽራዊ" ዓለማዊ ስርዓት ገሊጹ ነይሩ። ኤርትራ ድማ ግዳይ ናይዚ ምዕባለታት'ዚ ምዃና ኣቐሚጡ ምንባሩ’ውን ኣይርሳዕን።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ፈላሚ ታሪኻዊ ርክቡ’ውን ብተመሳሳሊ፡ እቲ “ኣብ ጫፍ ሱርበተኻዊ ለውጢ ዝርከብ ዓለማዊ ስርዓት” ውድዓዊ ሓባራዊ ምምኽኻር ዝሓትት እዩ ክብል ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣተሓሒዙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ “እቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት፡ ኣብ ዓለም፡ “ድኹም ስነሓሳብን ልጓም ዘይተገብሮ ሓደ-ፖላራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዘስገድድ ተግባራት ዕብለላ፡ ብዙሕ ዕንወት ኣኸቲሉ እዩ፡" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ነዚ፡ ከም ምኽንያት ኣቐሚጡ ድማ፡ ሩስያ ካብ ሕጂ ንንየው ግቡእ ተራኣ ክትጻወትን ንሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ክትመርሖን፡ ኵሉ ድማ ክተሓባባበርን ይግባእ ክብል ተዛሪቡ።

“ኣታ ተስፋ ብዙሓት ውጽዓት ዝነበረት ሕብረት ሶቭየት እዩ ናብዚ መሪሑና ዘሎ፡” ድሕሪ ምባል፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምብትታን ሶቭየት ከምቲ ኵሉ ግዜ ትብሎ ታሪኻዊ ዕንወት እዩ ብምባል ንፕረዚደንት ፑቲን፡ ምእንቲ ረብሓና ክንብል ኣብ ጐድና ኣለና ኢልዎ።

ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ምዕራብ ኣብ ኤርትራ "ናይ ስርዓት ለውጢ" ንምምጻእ ክሰርሓ ከም ዝጸንሓ ኤርትራ ክትከስስ ጸኒሓ'ያ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና፡ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወሪዱ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ምዕራባውያን ሃገራት መንግስቲ ኤርትራ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስረትን ሰብኣዊ መሰላት ከኸብርን ክጽውዓ ጸኒሐን እየን።

ኤርትራ፡ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ ከምዘይትፈልጥን፡ ናይ ሃይማኖት፡ ምዝራብ፡ ምንቅስቓስን ምውዳብን ናጽነታት ከምዘየሎ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

እቲ ንኣስታት 30 ዓመት ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም፡ "ከይተኣወጀ ዝሞተ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ'ዩ።

ነቲ ከም መሰጋገሪ ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ'ውን ድሕሪ 2002 ብዘይወግዓዊ መግለጺ ኣፍሪስዎ ይርከብ።