ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ንኣመሪካ ‘ውጥናት ዓወት’ ከተቕርበላ’ያ ኢሉ

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮለድሚር ዘለንስኪ፡ ሰራዊቱ ናብ ሩስያ ዞባ ኩርስክ ምእታዎም ኣካል ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ከቕርበሉ ሓንጺጽዎ ዘሎ ‘ውጥናት ዓወት’ ከምዝዀነ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰሉስ ንብዙሓት ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ውጥን ኣብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከምኡ ከኣ ኣመሪካ ነቲ ኣብቲ ውጥን ዘሎ፡ “ትህበናዶ ኣይትህበናን ከምኡ ከኣ ክንጥቀመሉ ይፍቀደናዶ ኣይፍቀደናን” ኣብ ዝብል ከምዝምርኮስ’ውን ሓቢሩ።

“[እቲ ውጥን] ንገለ ኣመና ህንጡይ ክመስል ይኽእል’ዩ ንዓና ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ውጥን’ዩ” ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣስዒቡ፡ እቲ ሃገሩ ዘለዋ ውጥን ንክልቲኦም ነቶም ንፕረዚደንትነት ዝወዳደደሩ [ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን] ከምዘርእዮም'ውን ገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ነሓሰ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ዩክረይን ናብ መሬት ሩስያ ብምእታው ንገለ ክፋል ዞባ ኩርስክ ተቘጻጺሮም ይርከቡ። ሩስያ’ውን ካብ መሬታ ከተውጽኦም ዓቕሚ ከምዝስኣነት’ዩ ዝግለጽ።

ምስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብሓባር ሕቶታት ንምምላስ ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸበ ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን ጀነራል ኦሌክሳንደር ስሮስኪ ብወገኑ፡ ሰራዊት ዩክረይን 1294 ትርብዒት ኪሎሜተር ካብ መሬት ሩስያ ተቘጻጺሩ ከምዘሎ ገሊጹ፤ እዚ ግን ቢቢሲ ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ጀነራል ኦሌክሳንደር ስሮስኪ፡ ዩክረይን መከላኸሊ ዕርድታት ካብ ውሽጢ ምብራቓዊ ዶባታ ንምርሓቕ ’ምበር መሬት ሩስያ ሒዛ ናይ ምጽናሕ መደብ ከምዘይብላ ኣብሪሁ።

ሩስያ ብወገና ንኣገዳሲት ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ፖክሮብስክ ንምሓዝ ትግስግስ ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ። ከተማ ፖክሮብስክ ዝበዝሐ መስመራት ባቡር ዩክረይን ዝሓልፈላ ስትራተጂያዊት ከተማ’ያ።

ብዘይካ'ዚ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንመጀመርታ ግዜ ሃገሩ ባዕላ ዘማዕበለቶ ዕዉት ፈተና ባላስቲካዊ ሚሳይል ከምዘካየደት ሓቢሩ። ብዛዕባ’ቲ ሃገሩ ኣማዕቢላቶ ዝበለቶ ባላስቲካዊ ሚሳይል ግን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ዩክረይን ኣብዚ ምስ ሩስያ ተካይዶ ዘላ ኲናት ኣቐድም ኣቢላ ካብ ኣመሪካ ዝተመጠወላ ባላስቲካዊ ሚሳይላት ክትጥቀም ጸኒሓ’ያ።

ዩክረይን ኣብዚ ኲናት ትጥቀመሉ ዘላ ተተኰስቲ መብዛሕትኡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝተወሃባ’ዩ።

ሩስያ ካብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብእትፍጽሞ ዘላ ናይ ድሮንን ሚሳኤልን መጥቃዕቲ ሓያለ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ኣገልግሎት ኤለትሪክ ተቋሪጹ ይርከብ።

ነዚ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ዘለንስኪ፡ ሩስያ እቲ ኲናት ደው ክብል ድልየት ከምዘይብላ ብምሕባር፡ ሩሰያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ 230 ናይ ድሮንን ሚሳኤልን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ገሊጹ።

ሩስያ፡ ዩክረይን ንዞባ ኩርስክ ካብ እትቈጻጸሮ ኣትሒዛ ምስ ዩክረይን ዝዀነ ዓይነት ዘተ ከተካይድ ቅርቡነት ከምዘይብላ ኣነጺራ’ያ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ድሚትሪ ፔስኮቭ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “[ኣብዚ ሰዓት ኴንካ] ኣርእስቲ ዘተ ሰላም ምልዓል ፈጺሙ ካብ ክውንነት ዝርሓቐ’ዩ” ኢሉ።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ብዩክረይን ተደፊኣ መሬታ ክትሓድግ እዚ ናይ ፈለማ እዩ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሰራዊት ባዕዲ ንመሬታዊ ግዝኣት ሩስያ ደፊኡ ክኣቱ’ውን እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።