ዶብ ሩስያ ጥሒስካ ንምእታው 'ቀሊል' ከምዝነበረ ወተሃደራት ዩክረይን ገሊጾም

“Z” ምልክት ወራር ሩስያ ዘመላኽት ኰይኑ እቲ ስሉስ ኩርናዕ ዘለዎ ምልክት ድማ ወተሃደራት ዩክረይን ናብ ሩስያ ንምእታው ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ድፍረት ዝመልኦ ፈተነ ዝውክል እዩ።

እቲ ምልክት ኣብ ጐድኒ ነፍሲ ወከፍ ናብ ዶብ ሩስያ ገጻ እትኸይድ ናይ ጽዕነት መኪና፡ ታንኪ ወይ ሰራሕተኛታት እተመላልስ ተሽከርካሪት ብቀለም ተጻሒፉ ይርአ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣማኢት ትርብዒት ኪሎሜተራት መሬት ሩስያ ንምቍጽጻር ዘኽኣለን ንጻዕሪ ኲናት ዩክረይን ናህርን ሞራልን ብጭቡጥ ዝመለሰን’ዩ።

ሓላፊ ዶባዊ ዞባ ኩርስክ ሩስያዊ፡ 28 ከባቢታት እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዩክረይን ከምዝርከባን ኣስታት 200 ሽሕ ሩስያውያን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉን ሓቢሩ።

ቶማሽ ምስ ብጻዩ ኣኮርድ ካብ ስግረ-ዶባዊ ተልእኾ ዩክረይን’ዩ ተመሊሱ።

ምስ ኣሃዱ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ነቲ ስግረ-ዶባዊ ወራር መንገዲ ንምጽራግ ክልተ መዓልታት ኣሕሊፉ ነይሩ።

“ናብዚ ክንመጽእ ትእዛዝ ተዋሂቡና፤ እዚ ግን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና ነይርና” ይብል ቶማሽ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ቡን እናሰተየ።

ንሱ ኣስዒቡ፡ “መገዲ ንምጽራግ ኣቐዲምና ናይ ጸላኢ ናይ ርክብን ምክትታልን ኣገባባት ዓፊንናዮ” ይብል።

ብልክዕ ክንደይ መሬት ሩስያ ከምዝተታሕዘ ርግጸኛ ምዃን ኣይከኣልን። ዋና ኣዛዚ ኦሌክሳንድር ሲርስኪ 1000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝሽፍን መሬት ሩስያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዩክረይን ከምዘሎ ኣብ ዝገለጾ ሓበሬታ’ውን ጥርጣረታት ኣሎ።

ዩክረይን ነዚ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብተወፋይነት ክተፈጽሞ ድልውቲ እያ ትመስል።

ኣብ ጐረቤት ዞባ ሱሚ ዘሎ ደረጃ ንጥፈታት፡ ካብ 2022 ጀሚሩ ዘይረኣኹዎ ነገር’ዩ።

ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት ዝሓሸ ስለምዃኑ ዘጠራጥር’ኳ እንተዘይኰነ፡ ዓወት ወይ ውድቀት ኢልካ ምጽዋዕ ግን ግዜኡ ገና እዩ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ክትፍጽመሎም እትኽእል ቦታታት ዒላማ ገይሩ’ሎ።

“ፍትሕን ሰላምን” ኣብ ቀረባ ከምዝዀና’ውን እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ’ሎ።

ኪቭ ግን ገለ ካብቶም ብሉጻት ሰራዊታ ተዋፍር ከምዘላ ግሁድ ሓቂ እዩ።

ሓደ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ወተሃደር ዩክረይን ብቴሌግራም ኣቢሉ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ንኣዋርሕ ዝተደኸመሉ ወተሃደራዊ መደብ ሩስያ ወተሃደራታ ካብ ግንባራት ክትስሕብ ከምዘገደዳ ይገልጽ።

“ኣሰናቢድናዮም ኢና" ዝበለ እቲ ወተሃደር ዩክረይን “ብውሑድ ተቓውሞ ብቐሊሉ ኢና ኣቲና። ብ 6 ነሓሰ እቶም ቀዳሞት ኣሃዱታት ብለይቲ ሰጊሮም እዮም።”

ወሲኹ ድማ “ዳርጋ ብኡንብኡ ኣብ ምዕራባዊ ወሰን ከተማ ሱድዛ ኣቲና” ይብል።

ብኽልቲኡ ሸነኽ ዶብ፡ መጥቃዕቲ ኣየርን ውግእን ስለዝበርትዐ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ይግዕዙ ኣለዉ።

እቲ ወተሃደር ዩክረይን “ሩስያውያን ንዓና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ሓሓሊፉ እውን ብዛዕባ ወተሃደራት ሩስያ ዝተዛብዐ ሓበሬታ እዮም ዝህቡና። እንተዀነ ንሕና ኣይንትንክፎምን ኢና” ኢሉ።

ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንፈለማ እዋን መሬት ሩስያ ብምትሓዙ “ተመጣጣኒ ምላሽ” ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ሚሻን ዓርኩ ቫለራን ብፈኸራ ፕረዚደንት ፑቲን ዝፈርሑ ኣይመስሉን’ዮም።

“ሩስያ ቀዲማ ኣጥቂዓ እምበር ንሕና ኣይኰናን፤ እንታይ ክንገብር ከምእንኽእል ኣርኢናዮም ኣለና” ይብል ወተሃደር ዩክረይን ቫለራ።

ዩክረይን፡ ኣብ መወዳእታ ዶብ ሰጊራ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ካብ ምዕራባውያን እወታዊ መልሲ ዝረኸበት ትመስል።