ሞስኮ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ናብ ሩስያ 'ደፊኦም' ከም ዝኣተው ገሊጻ

ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ኣስታት 30 ኪ.ሜ ደፊኦም፤ እዚ ድማ ድሕሪ’ቲ ሞስኮ ብለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘርኣየቶ ዝዓሞቐን ኣገዳስን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እዩ።

ዩክረይን ኣብ ሩስያ ዞባ ኩርስክ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ሻድሻይ መዓልቲ ክሕዝ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ሓይልታቱ ኣንጻር ሰራዊት ዩክረይን ይዋግኡ ከም ዘለው ሓቢሩ።

ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ማርያ ዛካሮቫ፡ ኪቭ “ንሰላማዊ ህዝቢ ሩስያ ተፈራርሕ ኣላ” ክትብል ከሲሳ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብዚ ዓመት ሩስያ ካብ ዞባ ኩርስክ 2000 ስግረ ዶባዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ገሊጹ።

“መዳፍዕ፡ ሞርታር፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ . . . መጥቃዕቲ ሚሳይል'ውን [ነይሩ’ዩ]። ነፍሲ ወከፍ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ድማ ርትዓዊ መልሲ የድልዮ” ኢሉ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዩክረይን ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ኣብቲ ስርሒት ተዋፊሮም ከም ዘለዉን፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ብሓለውቲ ዶባት ሩስያ ‘ንእሽቶ ወራር’ዩ’ ተባሂሉ ዝተገልጸ ዝዛይድ ከም ዝዀነን ተዛሪቡ።

ብዩክረይን ዝድገፉ ጕጅለታት ነቲ ሃንደበታዊ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ክጅምሩ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዞባ ኩርስክ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝፈጸምዎ ዝዓበየን ዝተዋደደን መጥቃዕቲ’ዩ።

“ኣብ መጥቃዕቲ ኢና ዘለና። እቲ ዕላማ ጸላኢ ክብተን፡ ዝለዓለ ክሳራ ክበጽሖ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዶብ ክሕልዉ ዘይክእልሉ ኵነታት ምፍጣር’ዩ” ክብል እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብሰንበት ሓይልታቱ “ብዕጡቓት መካይን ዝተሰነየ ተንቀሳቐስቲ ጕጅለታት ጸላኢ ናብ ውሽጢ መሬት ሩስያ ንምእታው ዝገበርዎ ፈተነታት ከም ዘፈሸለ” ገሊጹ።

ሓይልታቱ ግን ኣብ ጥቓ ካብ ዶብ ሩስያን ዩክረንን ኣስታት 25 ኪ.ሜ ወይ 30 ኪ.ሜን ርሒቐን ዝርከባ ቶልፒኖን ኦብሽቺ ኮሎዴዝን ዝተባህላ ዓድታት ይዋግኡ ከም ዘለው ሓቢሩ’ዩ።

ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐን ቢቢሲ ዘረጋገጾን ተንቀሳቓሲ ምስሊ’ውን፡ ኣብ ጥቓ እታ ካብ ዶብ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ቁሸት ለቭሺንካ ሩስያ ከም ዘጥቅዐት ዘርኢ ይመስል።

ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ዞባ ኩርስክ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ከም ዝሓዙ ገሊጾም።

ኣብታ ካብ ውሽጢ ሩስያ ኣስታት 3 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ቍሸት ጉዌቮ፡ ወተሃደራት ካብ ሓደ ምምሕዳራዊ ህንጻ ባንዴራ ሩስያ ክኣልዩ ዘርኢ ምስሊ ፈንዮም እዮም።

ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ስቨርድሊኮቮን ፖሮዝን ዝርከቡ ምምሕዳራዊ ህንጻታት ከም ዝሓዙ ዘርኢ ምስሊ’ውን ክወጽእ እንከሎ፡ ኣስታት 5000 ሰባት ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ሱድዛ ድማ ጽዑቕ ውግእ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ።

ቢቢሲ ቬሪፋይ ዘረጋገጾም ስእልታት’ውን ሩስያ ኣብ ጥቓ መመንጨዊ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ኩርስክ ሓደስቲ ድፋዓት ትሃንጽ ከም ዘላ ዘርእዩ ይመስሉ።

ሩስያ፡ ኣብ ዞባ ኩርስክ፡ ብሰበስልጣን እቲ ከባቢ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ዝተኣወጀሉ ከባቢታት 76 ሽሕ ሰባት ከም ዝወጽኡ ገሊጻ።

ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣሌክሰይ ስሚርኖቭ ስብርባር ናይቲ ዝወደቐ ሚሳይል ዩክረይን ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባ ኩርስክ ዝዀነት ኩርስክ ኣብ ዝርከብ ብዙሕ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ብምውዳቑ 15 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ገሊጹ።

ኦሌክሲ ጎንቻረንኮ - ኣባል ባይቶ ዩክረይን - ነቲ ስርሒት ብምንኣድ፡ “ካብ 100 ዋዕላ ሰላም ንላዕሊ ናብ ሰላም ይወስደና ኣሎ” ኢሉ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሩስያ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ መሬት ክትዋጋእ ክትግደድ እንከላ፡ ህዝቢ ሩስያ ክሃድም እንከሎ፡ ሰባት ክግደሱ እንከለዉ ጥራይ እዩ ነዚ ኲናት ደው ከብሉ ከተርእዮም ዝክኣል” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን እቲ መጥቃዕቲ "ዓቢ ምትንዃይ” እዩ ኢሉ ነይሩ።

ኣብ መደበር ኑክሌር ዛፖሪዢዣ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ኣብቲ ኣብ ኣውሮጳ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝርከብ መደበር ኑክሌር ዛፖሪዢዣ ባርዕ ከምዝተፈጥረ ይግለጽ ኣሎ።

ንኑክሌራዊ ንጥፈታት ዝቆጻጸር ትካል ሕቡራት ሃገራት "ከቢድ ጸሊም ትኪ" ካብቲ መደበር ክወጽእ ከምዝተዓዘበ ሓቢሩ።

ዩክረይንን ሩስያን ብዛዕባ ጠንቂ'ቲ ባርዕ ንሓድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።

ዛጊት እቲ ባርዕ ኣብቲ ኑክሌራዊ ትሕዝቶ ናይቲ መደበር "ዘሕደሮ ጽልዋ ከምዘየለ" ግን እቲ ተቖጻጻሪ ትካል ኣሚቱ'ሎ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ሓይልታት ሩስያ ነቲ ባርዕ ከምዝፈጠርዎ ክኸስስ እንከሎ፡ ብሞስኮ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ግን እቲ ባርዕ ብደብዳብ ዩክረይን ዝሰዓበ ምዃኑ ተዛሪቡ። ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ሓዊ ከምዝጠፍአ'ውን ቭላዲሚር ሮጎቭ ጠቒሱ።

መደበር መመንጨዊ ኑክሌራዊ ጸዓት ዛፖሪዢዣ ኣብ 2022 ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ሩስያ ካብ ዝኣቱ እዋን ጀሚሩ ዓዲ-ውዒል ኮይኑ ይርከብ።