ሩስያ፡ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣንጻር ዩክረይን ንካልኣይ መዓልቲ ቀጺላ

ሩስያ፡ ዝተፈላለየ ዒላማታት ዩክረይን ዘነጻጸረ ኣብቲ ኲናት ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገልጸ መጠነ ሰፊሕ ደብዳብ ነፈርቲ ንኻልኣይ መዓልቲ ቀጺላቶ።

ምቍጽጻር ነፈርቲ ዩክረይን፡ ነፈርቲ ሩስያ ሎሚ ሰሉስ ንግሆ ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት ክውንጭፋ ኣብ ዝረኣየሉ መጠንቀቕታ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣቃሊሑ። ኣብ ርእሲኡ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ድሮናት ከምዝተኻየደ እውን ተፈሊጡ።

ኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ዩክረይን፡ መላእ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ መጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይላት ከምዘላ ኣጠንቂቘም።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ መላእ ዩክረይን፣ ኣብ ከባቢታት ኪቭ፡ ለቪቭን ዞባታት ካርኪቭን ኦዴሳን ኣብ ዝኣመሰሉ ከባቢታ ዝርከቡ ትሕተ-ቕርጺን መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ንምውቃዕ ዒላማ ዝገበረ፡ ነዊሕ ርሕቀት ዝኸይድ ካብ ኣየርን ባሕርን ዝውንጨፍ ልክዕነት ዘለዎ ኣጽዋር ከምዝተጠቕመ ሓቢሩ።

ካብ ሰንበት ንሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብዝቐጸለ ደብዳባት ሩስያ፡ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርተታት ከምዝተሃረሙን፡ ልዕሊ ፍርቂ ግዝኣት ዩክረይን ብሚሳይላትን ድሮናትን ከምዝተጠቕዐን ይፍለጥ።

ትሕተ ቕርጺ ጸዓት ብምህራሙ፡ ኣብ ሓያለ ዓበይቲ ከተማታት ዩክረይን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣቋሪጹ፡ ቀረብ ማይ’ውን ከምዝተሰናኸለ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እቲ መጥቃዕቲ “ኣሰንባዲ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሃገሩ ንመርበብ ጸዓት ዩክረይን ዝኸውን ሓገዝ ከም እትቕጽል ቃል ኣትዩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ፡ ኣብ ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ እዩ ብምባል ክዅንኖ ተሰሚዑ።

ኣብዚ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ዛጊት ሰለስተ ሰባት ሞእይቶም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብሰኑይ ኣብ ከተማ ክርይቭዪ -ሪህ “ሲቪላዊ ትሕተ-ቕርጺ ህንጻ” ተሃሪሙ ክልተ ሰባት ሞይቶም፡ ሓያለ ድማ ደሃዮም ክምዘጠፍአ ተፍሊጡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዛፖሪዚዝያ እውን ኣብታ ከተማ ሓደ ሰብ ሞይቱ፡ ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ሰብኣይን ድማ ከምዝተሃረሙ ሓቢሩ።

ብዘይካኡ፡ ሓያለ መንበሪ ኣባይቲ፡ ድኳናትን ተሽከርከርትን በቲ ደብዳብ ዓንዮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ከተማ ክርይቭዪ -ሪህ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝተወለደላ ከተማ እያ።

ኣብ ከተማታት ኪቭ፡ ሱሚ፡ ኽመልንይስኪን ሚኮላዪቭን ደብዳባት ከምዝተሰምዐ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ብመሳርሒታት ጸረ-ነፈርቲ ከተለልዮምን ክትከላኸሎምን ኣሸገርቲ ብዝዀኑ ምዕቡላት ኣጽዋራት ሃይፐርሶኒክ ባሊስቲክ ሚሳይላት ዝተኻየደ ምዃኑ ድማ ብተወሳኺ ይፍለጥ።

እዚ ሕጂ ብሩስያ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲታት፡ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ዩክረይን ኣብ ዞባታት ኩርስክ ሩስያ መሬት ዝሓዘትሉ መጥቃዕቲ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኲናት ላዕለዋይ ኢድ ከምዘለዋ ንምርግጋጽ እዩ።

ሩስያ ካብ መጀመርታ እቲ ኲናት ኣብ ለካቲት 2022 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ዩክረይን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲታት ከተካይድ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ዝተገብረ ንመርበብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝገበረ መጥቃዕቲታት፡ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ምቍራጽ ኤሌክትሪክ ከጋጥም ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብሰኑይ፡ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ፈረንሳን ዝርከብአን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ዝጸንሐ ሕጊታተን ክቕይራን ዩክረይን ኣጽዋራተን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ክትጥቀመሉ ክፈቕዳን ጸዊዑ።

ዩክረይን ዝተወሰኑ ኣጽዋራት ምዕራብ ንዒላማታት ሩስያ ክትሃርም ይፍቀደላ እዩ፤ እዚ ግን ንኣጽዋራት ነዊሕ ርሕቀት ዘጠቓልል ኣይኰነን።

ዘለንስኪ፡ ሓይሊ ኣየር ኣውሮጳ፡ ምስ ኣሃዱታት ምክልኻል ነፈርቲ ዩክረይን ክተሓበበር እንተኽኢሉ ብዙሕ ህይወት ከነድሕን ምኸኣልና፣ ኢሉ።