እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣገዳስነት ዞባዊ ውህደት ኢጋድን ምምላስ ኤርትራን
በይነ መንግስታት ውድብ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኣብ መፋርቕ 1980ታት ኣብቲ ከባቢ ኣጋጢሙ ንዝነበረ ለበዳ ዕስለ ኣንበጣን ድርቅን ንምፍታሕ ዓሊሙ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበገሰ ጥምረት ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ዝሑል ኲናት ተዛዚሙ ጉዳይ ዓውለማ - ‘ግሎባላይዜሽን’ ናብ ቅድሚት ክመጽእ ምስ ጀመረ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ዓቢይ ኣጀንዳ ክኸውን በቒዑ።
ዝተፈላለዩ ዞባታት ኣፍሪቃ እውን ዘተኣሳስሮም ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ክፈጥሩ ጀሚሮም።
ቅሩብ እንተደንጎየ'ኳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብወገኑ ተመሳሳሊ መንገዲ እዩ ተኸቲሉ። ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጅቡቲ ዝገበረ ውድብ ልምዓትን ምክልኻል ድርቅን ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ተመስሪቱ።
ኣብዚ እዋን ሸሞንተ ኣባል ሃገራት ዘለውዎ እዚ ትካል፡ ቀዳማይ ዕላማኡ እቲ ብተደጋጋሚ ንሃገራት እቲ ከባቢ ዝጸሉ ድርቂ ብሓባር ምክልኻልን ሓባራዊ ስትራተጂ ብምሕንጻጽ ናብ ልምዓት ዝወስዱ መፍትሒታት ምንጻርን እዩ ነይሩ።
ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን ዩጋንዳን መስረትቲ ሃገራት ክዀና ከለዋ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ድማ ድሒረን ተጸንቢረን።
እዚ ዞባዊ ትካል ካብ ዝምስረት ድሕሪ 10 ዓመት ማለት'ውን ኣብ 1996 [ኣ.ኣ] ንዕላማታቱን ሸቶታቱን ኣስፊሑ ብሓድሽ ጽገና ዳግማይ ተቐልቂሉ።
ዋላ'ኳ ድርቂ ካብ ሃገራት እቲ ከባቢ እንተዘይጠፍአ 'ድርቂ' ንዝብል መግለጺ ብምእላይ ነቲ ሕጂ ዘሎ ስም ክሕዝ በቒዑ።
"ዓለምለኻዊ ኵነታት እናተቐያየረ ኣብ ዝመጸአሉ እዋን፡ እዘን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ንዝመጽእ ዕድላትን ብድሆታትን ብሓድሽ መንገዲ ክዳለዋ ብምሕሳብ ነቲ ሕብረት ከጠናኽራን ሰፊሕ ተልእኾ ክህባን ክኢለን እየን። ብመሰረት እዚ ኣብ 1996 ሰላምን ድሕንነትን፡ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ንዝብል ኣጠቓሊሉ ስርሑ ቀጺሉ" ይብል ኣብ ውድብ ልምዓት ማሕበረሰብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ (ሳደክ) ኣማኻሪ ሰላም፡ ድሕንነትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣዳነ ገብረመስቀል (ዶክተር)።
እዚ ዞባዊ ሕብረት ውጥናት ስርሑ ናብ ተግባር ንምቕያር ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን ድማ ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ተወሊዑ። እዚ ከኣ ኣብ መንጐ ኣባል ሃገራት ናይ ምግምማዕ ኵነታት ከም ዝፈጠረ ዝዝክር ዶክተር ኣዳነ ኣብ ምትግባር ዕላማታቱን መደባቱን ብፍላይ ፖለቲካዊ ተልእኾታቱ ከምቲ ዝተሓሰበ ውጽኢታዊ ነይሩ ምባል ከምዘይከኣል ወሲኹ የረድእ።
ኢጋድን ዓወታቱን
ኢጋድ ብመንጽር ዕላማታቱ ክግምገም ከሎ ኣፈጻጽማኡ ትሑት ከምዝኾነ ዝዛረብ ዶክተር ኣዳነ፡ እንተኾነ እቲ ጥምረት ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዘመዝገቦም ዓበይቲ ተግባራት ከምዘለዉ ይኣምን።
“ኣብ ድርቂ፡ ሜትሮሎጂን ሓለዋ ከባቢን ኣድማዒ ስራሕ ሰሪሑ እዩ። ፍልጠት ኣብ ምስፋሕ ጥራይ ዘይኮነስ ሰብኣዊ ዓቕሚ ንምሕያል ስልጠናታት ብምሃብ ከምኡ'ውን ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ምትሕብባር ንኽህሉ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መንጐ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተኻየደ ኲናት ደው ንምባል መሪሕ ተዋሳኣይ ዝነበረ'ውን ኢጋድ እዩ" ይብል።
ዮናስ ኣዳየ (ዶ/ር) ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ሰላምን ድሕነትን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር እዩ።
ንሱ'ውን ጕዕዞ ኢጋድ ብሓፈሻ'ኡ ለማጽ ከምዘይነበረ ይጠቅስ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ከም ቍጠባዊ ዞባዊ ሓይሊ ኣብቲ ከባቢ ጽቡቕ ነገራት ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላጽ "ምስ ኣልሸባብን ተመሳሰልቲ ግብረሽበራውያን ጕጅለታትን ብዝተኣሳሰር ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምክልኻል ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ'ዩ" ኢሉ።
ኣባል ሃገራት ኢጋድ ብውሽጣውን ግዳማውን ኲናት ዝፍለጣ እየን። ብዙሓት ዜጋታት ኣባል ሃገራት እውን ካብቲ ዞባ ተበጊሶም ናብ ስደት ክቃልዑ ይረኣዩ።
"ብመንጽር እዚ ኣብዚ ህልው ኵነታት ኰይኑ ኲናት ደው ንምባል ዝሰርሖ ስራሕ፡ ንልምዓት ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ተስፋ ንምሃብ ዝገብሮ ጻዕሪ ዓቢይ" ምዃኑ ዶክተር ዮናስ የረድእ።።
ኢጋድን ድኽመታቱን
ዶ/ር ኣዳነ ንኢጋደ ምስ ካልኦት ዞባዊ ቍጠባዊ ማሕበረሰባት ኣፍሪቃ ብምንጽጻር ከቐምጦ እንከሎ "ብዙሕ ክስጕም ዘይከኣለ" ክብል ይገልጾ።
"ምስ ዋዕላ ምትሕብባር ልምዓት ደቡባዊ ኣፍሪቃ (ሳደክ)፡ ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ)ን ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃን እንተ ኣነጻጺርናዮ ብዙሕ ፍልልያት ኢና ንርእየሉ" ይብል።
ምኽንያት ክጠቅስ እንከሎ ድማ፡ "እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ክፍጠር ዝድለ ድልዱል ምትሕብባር ዘይምህላው'ዩ። እዚ ዘይምህላዉ ከኣ ብቐሊሉ ኣብ መንጐ ኣባል ሃገራት ግጭት ክፍጠር ምኽንያት ኰይኑ። እቲ ቍጠባዊ ምትእስሳር ድልዱል ስለዘይኮነ እተን ሃገራት ናብ ግጭት ክኣትዋ ቀሊል እዩ ዝኸውን" ኢሉ።
ዶ/ር ዮናስ ብወገኑ ንኢጋድ ምስ ምዕራብ ኣፍሪቃዊ - ኢኮዋስ - እዩ ዘነጻጽሮ።
እቲ ጥምረት ኣብቲ ዞባ ብሓይሊ ስልጣን ንዝሓዙ ጕጅለታት ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ምግባሩ፡ ዜጋታት ኣባል ሃገራት ሓደ ፓስፖርት ጥራሕ ክጥቀሙ ካብ ምግባር ብዝሰገረ ድማ እተን ሃገራት ኣብ ብልምዓት ምትእስሳረን ብምጥቃስ "ኢጋድ ነዊሕ መንገዲ ይተርፎ" ክብል ይድምድም።
ሃገራት እቲ ከባቢ ብሰንኪ ዘለወን ብዙሕ መዋቕራዊ ጸገማት፡ "ንሓድሕደን ምጥርጣር ደው ኣየበላን" ዝብል እቲ ምሁር እቲ ትካል ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይሰጐመ ይሕብር።
"ከም ሶማልያ ዝኣመሰሉ ድኹማት መንግስታት ኣብቲ ዞባ ምህላዎም ከም ኣልሸባብን ዳዒሽን ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ሽበራ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕትን ራዕዲን ንኽፍጽሙ መንገዲ ስለዝኸፍት ስለዚ [ኢጋድ] ንኸምዚኦም ዝበሉ መንግስታት እግሪ ከትክሎም ዝኽእለሉ ዓቕሚ ኣይሃነጸን" ብምባል ሓሳቡ የራጕድ።
ዶክተር ዮናስ እውን ንኢጋድ ምስ ካልኦት ዞባዊ ጥምረታት ብምንጽጻር ክግምግሞ ከሎ ክንድቲ ዝድለ ክስጕም ከምዘይከኣለ ይሕብር።
ኢጋድ ዞባውን ዓለማውን ጽልዋታት እውን ኣለዎ።
ኣብቲ ዞባ ከም በዓል ጅቡቲ ዝኣመሰላ ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ብዙሓት ሃገራት ምሓዘን ብምጥቃስ ኣጀንዳ ዜጋታተን ንጎኒ ገዲፈን፡ "ኣጀንዳ ናይተን ጐባልል ሃገራት ንምትግባር እየን ንኢጋድ ዝጥቀማሉ" ኢሉ።
ኢትዮጵያን ኢጋድን...
ኢትዮጵያ ካብ ምስረታ ኢጋድ ጀሚራ ክሳብ ኣብዚ ሕጂ ዝርከበሉ ደረጃ ኣብ ምብጻሕ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዋ ብዙሓት ዝሰማምዑሉ ጉዳይ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ "ላዕለዋይ ኢድ ሒዛ ነቲ ትካል ተጠቒማሉ" ኢሎም ዝነቕፉ ኣለዉ።
ኣብ ውድብ ልምዓት ማሕበረሰብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ (ሳደክ) ኣማኻሪ ሰላም፡ ድሕንነትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣዳነ ገብረመስቀል (ዶክተር) በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።
"ብመሰረቱ ከምዚ ዓይነት ዕብለላ ሒዝካ ምምራሕ ኣብ ኵሉ ዞባዊ ምትሕብባር ዝረአ እዩ። ኣብ ኢጋድ ጥራይ ኣይኮነን ዝረአ። ንኣብነት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 'ሳደክ' ዓቢ ተራ ኣለዋ። ንጥምረት ምዕራባዊ ኣፍሪቃ 'ኢኮዋስ' እንተርኢና ናይጀርያ ትዕብለሎ እያ" ክብል የረድእ።
እተን ሃገራት ዝህልወን ቍጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ብዝሒ ህዝብን ስፍሓትን ድማ ኣብቶም ዞባዊ ትካላtእ ንዝህልወን ዓብላልነት ከም ምኽንያት ይጥቀስ።
እዞም ዞባዊ ቍጠባዊ ምትእስሳራት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ውሑዳት ሃገራት ዝወድቝሉ ምኽንያት ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ድልየት ከምዝምንጩ'ውን ተወሳኺ ምኽንያት የቐምጥ።
"ከም ኣሜሪካ፡ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ከባቢያዊ ጸቕጢ ክፈጥራ ክደልዩ ከለዉ፡ ናብ ንኣሽቱ ሃገራት ኣይኮኑን ዝኸዱ። ብዙሕ ነገራት ከምጽኣሎምን ጸቕጢ ክፈጥራ ብዝኽእላ ሃገራት ኣቢሎም እዮም ድሌታቶም ከማልኡ ዝደልዩ። ካብዚ ብምብጋስ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኢጋድ ጸቕጢ ክትገብር ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ" ይብል።
ወሲኹ፡ "እንተዀነ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኢጋድ "ካብ ልክዑ ዝሓለፈ" ጸቕጢ ምፍጣራን ልዕልና ምውሳዳን ነቲ ኪዳን ጠቒሙዎ ድዩ ወይስ ጐዲእዎ? ዕላማታቱ ንኽወቅዕ ሓጊዝዎ ድዩ? ካብ ዝብል እንተገምጊምናዮ እቶም ኣቐዲምና ከም ድኽመታት ኣልዒልናዮም ዘለና ጉዳያት ንኽፍጠሩ ምኽንያት ኰይኑ'ሎ" ክብል ዶክተር ኣዳነ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ነዚ ብኣብነት ከረድእ እንከሎ፡ "ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተወለዓሉ እዋን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝነበራ ዓብላልነት ተጠቒማትሉ እያ። ዲፕሎማስያዊ ብልጫ ድማ ወሲዳትሉ። ኤርትራ ግን ተነጽሎ እዩ ተሰሚዕዋ። ብሰንኪ እዚ ናይ ተነጽሎ ስምዒት ድማ ናብ ድርድር ክትመጽእ ከምዘይትኽእልን እቲ ጥምረት ዝህባ ረብሓ ከምዘይህሉን ተገንዚባ ክትወጽእ ክኢላ" ይብል።
ኬንያን ዩጋንዳን ብዘይካ ኣባልነት ኢጋድ ኣብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እውን ዝተሓቘፋ ምዃነን ዝሕብር ዶክተር ኣዳነ፡ክልቲአን ሃገራት ግን ንመድረኽ ምትሕብባር ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀዳምነት ስለዝህባ ንኢጋድ ናይ ምዕብላል ድሌት ከምዘይብለን የረድእ።
ዶክተር ዮናስ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ኢጋድ ዓቢይ ግደ ከምዝነበራ ይሰማማዕ።
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባርን ብሰላምን ንምንባር እትጥቀመሉ ፖሊሲ ወጻኢ ዝለዓለ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ይገልጽ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኢጋድ ንዓመታት ናይ መሪሕነት ተራ ስለዝሓዘት ፍልልያት ክሳብ ምፍጣር ተበጺሑ ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሩ'ሎ።
“ሕጂ’ውን ኢትዮጵያ ኣብ ኢጋድ ዝሓሸ ድምጺ ዘለዋ ይመስለኒ። መሓውር ኢጋድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገራት ይሰርሕ ከምዘሎ እፈልጥ እየ። ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ልምዓትን ይሰርሑ ኣለው። ኣብዚ መዳይ ግደ ኢትዮጵያ እወታዊን ንኻልኦት ዝጠቅምን ኰይኑ ረኺበዮ ኣለኹ" ይብል ዶክተር ዮናስ።
ብኢትዮጵያዊ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ኢጋድ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ብሰላም ንኽዛዘም ካብ ፕሪቶርያ ክሳብ ናይሮቢ ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወተ ወሲኹ የረድእ።
ኢጋድን ኤርትራን
"ሕማቕ ሰላም፡ ጽባቐ ኲናት ዝበሃል የለን" ዝብል ዶክተር ዮናስ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብሰላም ምንባር ሓደ መዐቀኒ ሰላም ምዃኑ የመልክት።
ኣብዚ እዋን ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመት ናብቲ ዞባዊ መድረኽ ተመሊሳ ኣላ።
"ኤርትራ ናብ ኢጋድ ምምላሳ ኣፍሪቃዊ መንነት ንምርኣይ እወታዊ ተራ ኣለዎ። ንኽትዓቢ እውን ምስ ካልኦት ሃገራት ምትሕብባር ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዲፕሎማሲ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ንግድን ካልእ ዓውድታትን ምስ ካልኦት ምስራሕ ንውሽጣዊ ሰላማ ምሉእ ውሕስነት'ኳ እንተዘይኰይኑ፡ ዘረጋግእን ንመጻኢ ተስፋ ዝህብን ኰይኑ ይስመዓኒ።
“ካልኣይ፡ ነቲ መንግስቲ ምስ ጐረባብቲ ሓቢሩ ንኽነብር ዓቢይ ስትራተጂያዊ ስጕምቲ እዩ። ብሓባር ተኸኣኢልካ ምንባር፡ ሓቢርካ ምዕባይ ፖለቲካዊ ብስለት ኰይኑ እዩ ዝስመዓኒ" ክብል ዶክተር ዮናስ ንቢቢሲ ሓሳቡ ሂቡ።
"ይተርፍ ኤርትራ፡ ካልኦት ዓበይቲ ሃገራት እውን ንበይነን ተነጺለን ዝገብራኦ ነገር የብለንን። ንቐርኒ ኣፍሪቃ እንተርኢና ድርቂ፡ ጸጥታን ካልእ ጸገማትን ብፍላይ ድማ ካብ ድኽነት ንምንጋፍ፡ ውህደትን ምትሕብባርን ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራ ካብዚ ብዙሕ ክትጥቀም ትኽእል እያ" ዝበለ ዶክተር ኣዳነ ኣብቲ ዞባ ዝፍጸም ዝዀነ ይዅን ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ነታ ሃገር ዝረብሕ እምበር ጉድኣት ከምዘይህልዎ ገሊጹ።
ስለዚ ኤርትራ ናብ ዞባዊ ሕብረት ምምላሳ "ከም ናብ ስድራቤት ምምላስ" ጥራይ ዘይኮነስ ብመንጽር ነታ ሃገርን ካልኦት ኣባላት ሃገራትን ዝህልዎ ረብሓ ክምዘን ከሎ፡ ጽቡቕ ዕድል ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
"ስለምንታይ ሕጂ ተመሊሳ?" ዝብል ሕቶ ምሕታት ኣገዳሲ ከምዝዀነ ዝሕብር ዶክተር ኣዳነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ለውጥታት ከምዝተራእየ ብምጥቃስ "ሓደ ካብቶም ምኽንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘስዐቦ ቅልውላው ጥራይ ዘይኮነስ ዕድላት እውን ስለዘለዉ እዩ" ይብል።
ዓለምለኻዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት፡ ብፍላይ ኣብ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ዝተፈጠሩ ድልየታት ምህላዎም ከምኡ'ውን ምስፍሕፋሕ ጂኦ-ስትራተጂያዊ ረብሓታት ቻይና፡ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ተደላዪ ገይርዎ ኣሎ።
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ ምፍታሑ እታ ሃገር ናብ ኣባልነት ክትምለስ ምቹእ ሃዋህው ከም ዝፈጠረ ዝዛረብ ዶክተር ኣዳነ፡ "ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋናት ምስ ቻይናን ሩስያን ተደልድሎ ዘላ ዝምድናታት ንበይና ከተቐጽሎ ከምዘይትኽእል ብምእማና እያ ናብቲ ዞባዊ ሕብረት ክትምለስ ዝወሰነት" ክብል የረድእ።
ወሲኹ፡ "ኤርትራ ንዕድላት ቀይሕ ባሕሪን ጂኦ-ስትራተጂያዊ ባህጊታትን ክትጥቀመሉ እንተደልያ፡ በይና ክትገብሮ ኣይትኽእልን እያ። ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውህሃድ እዩ ዝፍጸም" ይብል።
ልክዕ ከምቲ ናይ 'ኢኮዋስ' ኢጋድ እውን ንዅለን ሃገራት ሓደ ዝገብር ፓስፖርት እንተዝህልዎ፡ ኣብ መስርሕ ድማ ቍጠባዊ ሓድነት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ድሕንነትን ጸጥታን ሓድነት እንተተፈጢሩ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰፊሕ ድኽነት ክቃለል ከምዝኽእል ይኣምን።