ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመት ናብ ኣኼባ ኢጋድ ተመሊሳ

ሚኒስተር ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መበል 14 ምዱብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ንምስታፍ ናብ ጅቡቲ ምእታው፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ሓቢሩ።

ዶክተር ወርቅነህ ኣብቲ ብትዊተር ዝዘርግሖ ሓበሬታ እቲ ኣኼባ ሎሚ ከምዝጅምር’ውን ገሊጹ።

ኣብቲ ኣኼባ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያን ጂቡቲን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ'ሎ። ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ክሳተፍ ብዘይምኽኣሉ፡ ዩጋንዳ ድማ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ተወኪላ'ላ።

ቅልውላው ናይታ ኣቦመንበርነት ናይቲ ውድብ ሒዛ ዝጸንሐት ሱዳን ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

መራሕቲ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ጂቡቲን ነቲ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ተመዚዞም ምንባሮም ይዝከር።

በቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተመዘዘ ሓድሽ ምክትል ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ማሊክ ኣጋር ዝምራሕ ልኡኽ ሱዳን ጂቡቲ ኣትዩ'ሎ።

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ'ውን ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ናብ ርእሰከተማ ጂቡቲ ኣምርሒ ምህላዉ ኢጋድ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ እቲ ጕጅለ ልኡኽ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን ዝሓዘ ምዃኑ ብትዊተር ሓቢሩ።

ኣብ 1993 ናብቲ ዞባዊ ውድብ ዝተጸንበረት ኤርትራ ኣብ 2007 ንህላወ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ብምቅዋም እያ ኣባልነታ ኣደስኪላ።

ኣብ 2011 ነቲ ኣባልነታ ዳግማይ'ኳ እንተኣሐደሰት፡ ወኪል ኤርትራ፡ ኣብቲ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ሚኒስተራት ኢጋድ ክሳተፍ ከምዘይክእል ተነጊርዎ ካብቲ ኣኼባ ከምዝወጽእ ተገይሩ።

ካብ ሽዑ ንደሓር ወኪል ኤርትራ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ክሳተፍ እዚ ናይ ሕጂ ንፈለማ እዩ።

ኣብ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ መንጐአን ንዓመታት ዝጸንሐ ኵነተ ኲናት ድሕሪ ምብቅዐን፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ዝነበረ ኣምባሳደር ማሕቡብ ማዓሊም ኤርትራ ናብ “ግቡእ ቦታኣ” ክትምለስ ጸዊዑ ነይሩ።

ቅድመኡ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2008፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ እዋን ንዝነበሩ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብን፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሱዳንን ኬንያን ብሓባር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘዘራረበሉ ኣጋጣሚ፡ ሃገሩ ካብ ኢጋድ ዝወጽኣትሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ውድብ ንመትከላቱን መትከላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምጥሓሱ ከም ዝዀነ ምግላጹ፡ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣስፊሩ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ "ኢጋድ፡ ንወራር ኢትዮጲያ ንካልእ ኣባል እቲ ውድብ ዝዀነት ሃገር ሶማልያ ደጊፉ እዩ፡" ክብል ንትሑት ተራ እቲ ውድብ ኣብ ምፍታሕ ዞባዊ ጉዳያት ከሲሱ።

ብዘይካ'ዚ ኤርትራ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥትታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ "ኤርትራ፡ ንኣልሸባብን ካልኦት ጸጥታ ሶማልያን እቲ ዞባን ንምድኻም ዝተወፈሩ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ፖለቲካዊ፡ ፊናንሲያዊን ሎጂስቲካውን ስልጠናን ትህብ እያ፡" ብምባል ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ እገዳ፡ ኢጋድ "መሳርሒ ግዳማውያን ሓይልታት" ኰይኑ እዩ ብምባል ብተደጋጋሚ ክትከስስ ተሰሚዓ እያ።

ኣብ ለካቲት እዚ ዓመት ግን፡ ናብ ኬንያ ምብጻሕ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ኬንያዊ ዊልያም ሩቶ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ፡ ሃገሩ ነቲ ኣደስኪላቶ ዝነበረት ኣባልነታ ኣብቲ ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተሐድሶ ኬንያዊ መዘናኡ ንዘቕረበሉ ዕድመ ከም ዝተቐበለ ተዛሪቡ።

ኣብ ሚያዝያ እውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ናብ ኬንያ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ ኤርትራ ናብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ንምምላስ ዘቕረበቶ ውግዓዊ ጠለብ ከምዝተዘረበሉ ፕረዚደንት ኬንያ ብትዊተር ሓቢሩ።

ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኢጋድ ኣብ ርእሰከተማ ጂቡቲ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ዘቝምዎ ኮሚተ ሓደ ካብ ኣካላት እቲ ውድብ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2008 ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰ ይግለጽ።

ኣብ 2018 ብመንጐኝነት ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ዝተወስደ ንክልቲአን ሃገራት ናይ ምቅርራብ ተበግሶ’ውን ኣይተዓወተን።

በይነ መንግስታዊ በዓልስልጣን ልምዓት - ኢጋድ 5.2 ሚልዮን ትርብዒት ኪሜ ስፍሓት ዝሽፍንን ንሃገራት ጅቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን ዩጋንዳን ዝሓቑፍ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድብ ይገልጽ።