ኢጋድ፡ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት እንታይ ዘትዩ?

ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ብሰኑይ 12 ሰነ መበል 14 ምዱብ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ጂቡቲ ኣካይዱ።

እቶም መራሕቲ ብዛዕባ ውግእ-ሓድሕድ ሱዳንን ምዕባለታት ሰላም ኢትዮጵያን ከምዝዘተዩ ኢጋድ ዘውጽኦ መግለጺ ይጠቅስ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ዋዕላ ተመሓይሹ ንዝቐረበ ውዕል ውድብ ኢጋድ ኣጽዲቑ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ ንመዝነት ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ብምንዋሕ፡ ሓደስቲ መዝነታት ክህሉ ተወሲኑ'ሎ።

ኣብቲ ዋዕላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ፕረዚደንት ኣአንጋዲት ሃገር ጂቡቲ ዑመር ገለን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ናብ ኢጋድ ዝተመለሰት ኤርትራ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ተወኪላ ተሳቲፋ። ኣገዳስነት ኢጋድ ልዑል ምዃኑ ክገልጽ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ስለምንታይ ኣብቲ ዋዕላ ከምዘይተሳተፈ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ጂቡቲን ኤርትራን ድሕሪ'ቲ ኣብ 2008 ዝተወልዐን ክሳብ ረጽሚ ዝበጽሐን ዶባዊ ምስሕሓብ ዛጊት ናብ ንቡር ኣይተመለሰን ዘሎ።

ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒን፡ ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሪፓብሊክ ሱዳን'ውን ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ብዘይምኽኣሎም ወከልቶም ሰዲዶም።

ቅልውላው ሱዳን

ዋዕላ መራሕቲ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንጉዳይ ሱዳን ክከታተላ መዚዙወን ኣሎ።

እተን ኣርባዕተ ሃገረት (ኳርተት') "ኣብ ዝመጽእ 10 መዓልታት ምስ መራሕቲ ተቐናቐንቲ ወገናት ሱዳን ዝኾኑ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋጎን (ሕመድቲ) "ብኣካል' ረኺበን ከዘራርብኦም ከምዝወሰኑ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ዝሃቦ መግለጺ ናይቲ ዋዕላ ይጠቅስ።

"ነቲ ኣብ ሱዳን ዝጠፍእ ዘሎ ህይወትን ዝዓኑ ዘሎ ትሕተቕርጺን ንምድሓንን ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ንምባልን፡ ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታታ ብምቁራጽ ነቲ ግጭት ደው ከብሉ ውሕስነት ክህቡና ንኢጋድ ወኪልና ብቐጥታ ክንዛረቦም ኢና"።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰሙን ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ በቲ ውግእ ዝተጸልወ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎ ህዝቢ ንምብጻሕ ውሑስ ሰብኣዊ መተሓላለፊ (ኮሪደር) ክኸፍቱ ምስቶም ጀነራላት ክላዘቡ ምዃኖም መራሕቲ ኢጋድ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ሰሙን'ውን፡ ነቲ ቅልውላው መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ "ኣሳታፊ ሃገራዊ ልዝብ" ዝካየደሉ መስርሕ ክጅመር ክጽዕሩ ምዃኖም እቲ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።

ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ዘይምርግጋእ ዝበዝሖ ዞባ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘመዝገቦ ንጸጥታን ሰላምን ዝምልከት "እወታዊ ምዕባለታት" እኳ እንተነበሮ፡ ንድሕሪት ይምለስ ከምዘሎ ኣተንቢሁ።

"በቲ ኣብ ሪፓብሊክ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት እቲ ዝኸሰብናዮ" ተዛማዲ ምርግጋእ "ይብሕጎግ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።

"እቲ ዓቢ ስቓይ ኣስዒቡ ዘሎ ግጭት ብ15 ሚያዝያ 2023 ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣማኢት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ህይወቶም ስኢኖም፡ ኣሽሓት ቆሲሎም፡ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም።"

እቲ ግጭት ብ15 ሚያዝያ ድሕሪ ምውልዑ፡ መራሕቲ ኢጋድ ንጽባሒቱ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ነቲ ውግእ ንምህዳእ ፕረዚደንትታት ሳልቫ ኪር፡ ዊልያም ሩቶን ዑመር ገለን ናብ ርእሰከተማ ካርቱም ከይዶም ክዓርቁ መዚዝዎም ነይሩ'ዩ። እንተዀነ ብሰንኪ ዝቐጸለ ሓያል ረጽሚ ክሰምረሎም ኣይክኣለን።

ተቐናቐንቲ ወገናት ሱዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከካይድዎ ዝጸንሑ ዝርርብ ነቲ ግጭት ከህድእ ዝኽእል ውጽኢት ኣየምጽአን። ዝተበጽሑ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት'ውን ብቐጻሊ ክጠሓሱ'ዮም ጸኒሖም።

ብቐዳም 10 ሰነ ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ተገይሩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ካርቱም፡ ምዕራብ ዳርፉር፡ ኣብ ኢል-ጀኒና ዝተባህለ ከባቢ ሰሜን ዳርፉርን ውግእ ምቕጻሉ ግን ኣተሓሳሲብዎ ከምዘሎ ኢጋድ ገሊጹ።

"ኢጋድ፡ በቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጐንጺ ኣዝዩ ተሻቐሉ ከምዘሎን ኣብ ኲናት ናይ ብሓቂ ዕዉታት ከምዘየለዉ ከስምረሉ ይደሊ።"

ሱዳን ኣደመንበርነት ውድብ ኢጋድ ሒዛ ዝጸንሐት ሃገር እያ።

ኣብዚ ናይ ሰኑይ ኣኼባ ድማ ነቲ ዘዋሪ መዝነት ንጂቡቲ ኣረኪባቶ'ላ። ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ወኪል ሱዳን ምክትል ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ማሊክ ኣጋር ኣቦመንበርነት ኢጋድ ብወግዒ ንፕረዚደንት ዑመር ገለ ኣረኪብዎ።

ሓድሽ ውዕል ኢጋድ ጸዲቑ

ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ተመሓይሹ ንዝቐረበሎም "ውዕል ኢጋድ" ( IGAD Treaty) ከምዘጽደቝ ኣብ ጂቡቲ ዝመደበሩ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ኣረጋጊጹ።

እቲ እማመ ብመሰረት ኣብ ሕዳር 2019 ዝተኻየደ መበል 13 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዝሓለፈ ውሳነ ዝተዳለወ'ዩ።

እቲ መራሕቲ ክታሞም ዘንበርሉ ሓድሽ ውዕል ነቲ ኣብ 1996 ዝጸደቐ መስራቲ ሰነድ ዝትክእ ኰይኑ፡ "እቲ ውድብ፡ ዞባዊ ደረጃ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ (Regional Economic Community status) ክህልዎ ዝገብር'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ኰይኑ ክቕጽል'ውን እቶም መራሕቲ መዚዞሞ ኣለዉ።

ሓደ ሶማላዊ ዝርከቦም ክልተ ምክትላት ክህልዉ እቲ ዋዕላ ከምዝወሰነ'ውን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ከተማ ጂቡቲ ዝመደበሩ ውድብ፡ ብኣስታት 50 ሚልዮን ዶላር ሓድሽ ቤት ጽሕፈት የስርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ ፈለማ ኣብ ምግታእ ደርቅን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ተሓጺሩ ዝነበረ ኢጋድ፡ ኣብ 1996 ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ናብ ዞባዊ ውድብ ከምዝብርኽ ብምግባር፡ ኣብቲ ዞባ ጸጥታዊ ምርግጋእ ብምውሓስ ሰላምን ቁጠባዊ ውህደትን ክፈጥር ትጸቢት ተገይሩሉ ዝጸንሐ'ዩ።

ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዝጸንሐ ዶባውን ዲፕሎማስያውን ምስሕሓብ ግን ንራኢታት እቲ ውድብ ኣዳኺምዎ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ብድሆ ኰይኑ ዝነበረ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ኵነተ-ኲናት ኣብ 2018 ምብቅዑ ተዛማዲ ምርግጋእ ክፈጥር'ኳ ትጽቢት እንተነበረ፡ እቲ ዞባ ካብ ውጥሪን ግጭትን ኣይዓረፈን።

ኢጋድ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ኬንያን ሶማልያን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጐ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝነበረ ዶባዊ ምስሕሓባትን ወጥርን ከምዝሃድእ ምግባሩ ከም ሓደ ዓወት ቈጺርዎ'ሎ።

ኣብ መወዳእታ 2020 ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ብመንገዲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሰላማዊ መዕለቢ ምርካቡ'ውን ንኢጋድ ተወሳኺ እፎይታ ዝህብ'ዩ።

እታ ንልዕሊ 30 ዓመት ትእምርቲ ዘይምርግጋእ ናይቲ ዞባ ዝኾነት ሶማልያ'ውን ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ላዕለዋይ ኢድ ብምጉንጻፍ፡ ብደገፍ ሃገራት ኢጋድን ዓለምን ጸጥታኣ ከተውሕስ ትመጣጠር ምህላዋ ተስፋ ኣስኒቝ'ሎ።

ዶ/ር ወርቅነህ፡ ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመታት ኣብ ዋዕላ ኢጋድ ምስታፋ ከምዘሐጐሶ'ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

እቲ ውድብ፡ ምስ ህዝብታት እቲ ዞባ ብቐጥታ ዝምድና ንምፍጣር ዝጀመሮ ዕድላት ማህደረ ትምህርቲ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሱዳን ፈሊሙ'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ተዓናቒፉ'ሎ።