ሮሞዳን ዘይጾሙ ኣመንቲ እትኣስር ዘላ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Sani Maikatanga
ኣብ ናይጄርያ ሰሜናዊ ግዝኣት ካኖ፡ እስላማዊ ፖሊስ፡ ኣብዚ ቕንያት ጾም ሮሞዳን ምግቢ ክበልዑ ዝተረኸቡ 11 ኣመንቲ እስልምና ኣሲሮም፡፡
ዝበዝሑ ሰዓብቲ እስላም ዝነብሩላ ካኖ፡ እስላማዊ ሕጊ ማለት ሸሪዓ ጎና ጎኒ ሃገራዊ ሕጊ ዝፍጸመላ ግዝኣት እያ፡፡
ሂስባሕ ተባሂሎም ዝጽውዑ እስላማዊ ፖሊስ፡ ሮሞዳን መጸ ዓመት ዓመት ጾም ስዒሮም ዝበልዑ ሰባት እንተሃልዮም ንምህዳን ፎቖድኡ እንዳ ምግብን ሸቐጣትን ሃሰስ ይብሉ፡፡
እቶም ብሰሉስ ጾም ስዒሮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ዓሰርተ ደቂተባዕትዮን ሓንቲ ጓልኣነስተይትን፡ ካልኣይ መዓልቲ ኮነ ኢሎም ጾም ከምዘይጥሕሱ ድሕሪ ምምሓሎም ተፈቲሖም ኣለዉ፡፡
ወሃቢ ቃል ሂስባሕ ላዋል ፋጊ ‘‘ ካብቲ እትሸጦ ዝነበረት ፉል ክትቁርጥም ሰባት ርእዮምዋ ዝጠቆሙልና ሓንቲ ሰበይቲ ሓዊሱ ብሰሉስ 11 ሰባት ረኺብና’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
‘‘እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ሰብኡት ኮይኖም፡ ብዙሕ ስራሕቲ ኣብ ዝሰርሑሉ ከባቢ ከተማ ብፍላይ ኣብ ጥቓ ዕዳጋ ተኣሲሮም፡፡’’
ብተወሳኺ እቲ ፍተሻ ከምዝቕጽል ብምሕባር፡ እስላም ዘይኮኑ ሰባት ግን ካብቲ መቕጻዕቲ ናጻ እዮም ኢሉ፡፡
‘‘እዚ ጾም ስለዘይምልከቶም ሙስሊም ንዘይኮኑ ሰባት ኣይንኣስርን፤ ክጾሙ ንዝግበኦም ሙስሊም፡ ምግቢ ሰሪሖም ክሸጡሎም እንተተረኺቦም ጥራሕ እዮም ብገበን ክሕተቱ ዝኽእሉ፡፡’’
እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ሰባት ዝምልከት ድማ፡ ድሕሪ ሕዚ ከምዝጾሙ ምሒሎም ከምዝተፈትሑን ብምሕባር ‘‘ንገሊኦም ድማ ምእንቲ ክቆጻጸሩዎም ንኣዝማዶም ወይ መዕበይቶም ረኺብናዮም’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
ቅድሚ ልዕሊ ዕስራ ዓመት፡ ዝበዝሑ ሙስሊም ኣብ ዝነብሩለን 12 ግዝኣታት ሰሜን ናይጄርያ፡ ሕጊ ሸሪዓ፡ ጎና ጎኒ ዓለማዊ ሕጊ ተግባራዊ ክኸውን ጀሚሩ፡፡
ሮሞዳን ታሽዓይ ወርሒ ኣቆጻጽራ እስልምና እዩ፡፡ ኣብቲ ሃይማኖት ድማ ፍሉይ ቦታ ይወሃቦ፡፡
ቀዳሞት ምዕራፋት ቅዱስ ቁርዓን ንነብዪ መሓመድ ዝተገለጸሎም ኣብዚ ወርሒ ምንባሩ ይእመን፡፡
ጾም ድማ ካብቶም ሙስሊም ህይወቶም ብኸመይ ክመርሑ ከምዘለዎም ዝውስኑ ሓሙሽተ ዓንዲታት ሓደ እዩ፡፡ ጾም ኣብ ሰዓታት ቀትሪ እዩ ዝጽወም፡፡
ብሰኑይ 11 መጋቢት ዝጀመረ ጾም ሮሞዳን እዚ ዓመት፡ ን 30 መዓልቲታት ጸኒሑ ኣብ ዝመጽእ ሚያዝያ 9 ክዛዘም ትጽቢት ይግበር፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







