ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቛረጸ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክጅመር ጸዊዑ

ሰብኣዊ ሓገዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ኢትዮጵያ መጠን ዘጋጠመ ሕጽረት መኣዛዊ ምግቢ ካብቲ ኣብ ህጹጽ እዋን ዘጋጥም ንላዕሊ ብምውሳኹ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝተቛረጾም ከባቢታት ብቕልጡፍ ምክፍፋል ክጅመር ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ) ጸዊዑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተፈናቐልትን ስደተኛታትን ዝርከቡዎም ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ህልውነኦም ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ ዝሓበረ ኤምኤስኤፍ፡ ‘‘ነፍሰ ጾራት፣ ሓደሽቲ ወላዳት፣ ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናትን ኤችኣይቪ ዘለዎምን ንዝለዓለ ሓደጋ ተቓሊዖም’’ ኢሉ።

ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዩኤስኣይድን ውድብ ምግቢ ዓለምን ኣብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጉንበት 2023 ከምዘቋረጹ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

እቶም ትካላት፡ ንህጹጽ ረድኤት ንዘድልዮም ሰባት ተባሂሉ ዝመጸአ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዕዳጋ ይሽየጥ ኣሎ ብዝብል እዮም ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቋሪጾም።

ምክፍፋል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ እውን ደው ከምዝብል ኮይኑ።

ኤምኤስኤፍ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቅድሚ ምቁራጽ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ሕጽረት ምግቢ ኣብ ልዑል ብርኪ ምንባሩ ንሓላፊ ኤምኤስኤፍ ኣብ ኢትዮጵያ ካራ ብሩክስ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

‘‘ዋላ እውን ቅድሚ ምቁራጽ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ናትና ጉጅለታት ጥዕና ልዕሊ እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ህጹጽ ኢሉ ዘቐመጦ 15 ምኢታዊት ሕጽረት መኣዛዊ ምግቢ ዝኾነን ዘሻቕልን ኩነታት ተዓዚቦም እዮም።’’

‘‘እቲ ምቁራጽ ዘሻቕል እዩ፤ ምኽንያቱ ድሕሪ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝቆራረጽን ዘይስሩዕን ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝመጸ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ሕማቕ ኩነታት ኣብ ዘለሉ ዝተገበረ እዩ’’ ኢላ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቤት ጽሕፈት ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ትግራይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2023 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ኣብቲ ክልል ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ረድኤት ምሃብ ምቁራጾም ስዒቡ 728 ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱ ገሊጹ ነይሩ።

ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ዶ/ር ገብረህይወት ገብረእግዚኣብሄር "ረድኤት ካብ ዝቋረጽ ሓሙሽተ ወርሒ መሊእዎ ኣሎ። ኣስታት 5.2 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ እዩ ብረድኤት ዝመሓደር ነይሩ። ስለዚ እዚ ህዝቢ እዩ ረድኤት ካብ ዘይወስድ ሓሙሽተ ወርሒ ሓሊፍዎ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ሞት ሓደጋታት የጋጥም ኣሎ" ኢሉ።

ኤምኤስኤፍ ረኺበዮ ዝበሎ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፡ ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ እዚ ዓመት፡ ኣብ ማእከላት ጥዕና ኤምኤስኤፍ ሽረን ሸራሮን ካብ ዝተርኣያ 8 ሽሕ ነብሰ ጾራትን ሓደሽቲ ወላዳትን ፡ እተን 72.5 ምኢታዊት ብከቢድ ሕጽረት ምግቢ ተጠቒዐን እየን።

ብተወሳኺ ኣብቶም ዝተጠቐሱ ከባቢታት እቲ ትካል ካብ ዝመርመሮም 17,803 ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናት እቶም 21.5 ምኢታዊት ማእከላይ ሕጽረት መኣዛዊ ምግቢ፡ እቶም 6.5 ምኢታዊት ድማ ንህይወቶም ዘስግእ ከቢድ ሕጽረት ዘለዎም ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ኤምኤስኤፍ ብተወሳኺ ኣብ ክልለ ሶማል ዝለዓለ መጠን መኣዛዊ ምግቢ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ከምዘሎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ራሽኖም ካብ 84 ናብ 60 ምኢታዊት ዝተቐነሰ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝርከቡ ልዕሊ 400 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት እውን ኣብ ጸገም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ትካላትን መራሕቲ ሃይማኖትን እቲ ብትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተቛረጸ ቀረብ ረድኤት ብቕልጡፍ ክጅመር ይጽውዑ ኣለዉ።

ዩኤስኣይድን ውድብ ምግቢ ዓለምን ኣብቲ ዝተጠፋፈአ ሰብኣዊ ሓገዝ ግቡእ ምጽራይ ምስተገበረ ምክፍፋል ረድኤት ዳግማይ ከምዝጅምሩ ኣፋፍኖት ሂቦም ኣለዉ።

ኣብቲ ካብ ትግራይ ተሰሪቑ ዝተባህለ ሰብኣዊ ሓገዝ ምጽራይ ከምገዝበረ ዝሓበረ ብፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝተጣየሸ ሓይሊ ዕማም ገዚፍ ምጥፍፋእ ከምዝተፈጸመ ምርግጋጹ ኣፍሊጡ እዩ።

ብመሰረት ውጽኢት እቲ ምርመራ፡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ንዘለዉ ተሓገዝቲ ተባሂሉ ዝመጸ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣብ መሓውር መንግስቲ ትግራይ ብዘለዉ ሰብ መዝን ተጓሒሉ።

ኣብ ትግራይ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ ኩነታት ዝተመሐየሹ እኳ እንተኾኑ ሕዚ እውን ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም ኣብ መዕቆቢታት ዝርከቡ ስደተኛታትን ዘይተኸፈሎም ጡረተኛታትን ኣብ ከቢድ ኩነታት እዮም ይርከቡ።