ኣብ ትግራይ ልዕሊ 720 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ሞይቶም ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, AIDER HOSPITAL
ኣብ ትግራይ 728 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ከም ዝሞቱ ይግለፅ ኣሎ። እዚ ሞት ድማ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት - ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዩኤስአይድን ናብ ትግራይ ዝልእኽዎ ሓገዝ ድሕሪ ምቁራጾም ዝሰዓበ ምዃኑ፡ ሓላፊ ስግኣት ሓደጋ ኣመራርሓ ትግራይ ዶክተር ገብረሂወት ገብረእግዚኣብሄር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ረድኤት ካብ ዝቋረፅ ሓሙሽተ ወርሒ መሊእዎ ኣሎ። ኣስታት 5.2 ካብ ህዝቢ ትግራይ እዩ ብረድኤት ዝመሓደር ነይሩ። ስለዚ እዚ ህዝቢ እዩ ረድኤት ካብ ዘይወስድ ሓሙሽተ ወርሒ ሓሊፍዎ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ሞት ሓደጋታት የጋጥም ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ስእነት ረድኤት ዘስዓቦ ሞት 728 ሰባት ኣብ ትግራይ ዞባታት ሰሜን ምዕራብ፣ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ከምዘጋጠመ ዝሓበረ ዶክተር ገብረሂወት፡ ህዝቢ እቶም ከባቢታት ድማ "ጉዳይ ስርቂ ክሳብ ዝጻረ ህዝቢ ይውዳእ ኣሎ። ካብ ጥይት ብዘይነኣኣስ ሰብና ብጥምየት ይውዳእ ኣሎ" ዝብል ጥርዓን ናብ ትካላት ረድኤት ከምዘቕረቡ ገሊፁ።
ዝብዝሑ ካብቶም ብሰንኪ ጥምየት ህይወቶም ዝስኣኑ ሰባት ህጻናት እዮም። ዓይደር ሆስፒታል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ 13 ህጻናት ብሰንኪ ጥምየትን ቀረብ መድሓሃኒትን ከምዝሞትዎ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ዶክተር ገብረሂወት "ብኣውራኡ ናብ ሞት ዝቃልዑ ዘለዉ ህጻናት ክኾኑ ከለዉ፡ ዕድመኦም ልዕሊ 50 ዓመት ዝዀኖም ዓበይቲ፡ ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ነብሰጾራትን እዩ ዘጋጥመና ዘሎ። ኣርባዕተ ሓሙሽተ ወርሒ ዝብላዕ ስኢኖም እግሮምን ኣካላቶምን ሓቢጡ ንሞት ይቃልዑ ኣለዉ" ክብል ነቲ ዘሎ ኵነታት ኣረዲኡ።
ንሱ ከምዝበሎ ኣብ ትግራይ ንመወዳእታ ግዜ ረድኤት ዝተዓደለሉ እዋን ካብ 29 ታሕሳስ ክሳብ 13 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ።
"ብድሕሪኡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ናብ ትግራይ ዝኣተወን ዝተኸፋፈለን ረድኤት የለን። ትካላት ረድኤት ኣብ ሚያዝያ ረድኤት ምቕራብ ኣቋሪፅና እንተበሉ'ኳ ናብቲ ህዝቢ ምብጻሕ ደው ዝበለሉ ግን ኣብ ጥሪ እዩ" ኢሉ።
ውድብ ምግቢ ዓለምን ኣመሪካዊ ትካል ረድኤት-ዩኤስኣይድን፡ ኣብ ትግራይ ምጥፍፋእ ረድኤት ተፈጺሙ እዩ ብዝብል፡ ኣብ ግንቦት ደው ከም ዘበሉ ገሊጾም፤ ብሰንኪ ስእነት ረድኤት ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ወዲቘም ከምዘለውን ኣማኢቲ ንሓደጋ ሞት ተቓሊዖም ከምዘለዉን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ምስ ምጥፍፋእ ረድኤት ብዝተሓሓዝ ስለምንታይ ነቲ ጉዳይ ብእዋኑ ክቃላዕ ከምዘይገበሩ ብቢቢሲ ዝተሓተተ እቲ ሓላፊ፡ "መጠን እቲ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ረድኤት እቶም ትካላት ረድኤት እዮም ዝፈልጥዎ።
ንፕሮግራም መግቢ ዓለምን ሲኣርኤፍን ኢኺ ትሓትዮም። ኣነ ዝፈልጥ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተፀባዪ ረድኤት ምህላዉ እዩ። ነዚኦም መልሚልካ ነቶም ትካላት መረዳእታ ምሃብ ጥራይ እዩ ናተይ ስራሕ" ኢሉ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኮነ ሲኣርኤፍ ካብ መኽዝኦም ረድኤት ተሰሪቑ ምውፅኡ ዝሕብር መረዳእታ ናብ መንግስቲ ትግራይ ኮነ ንሱ ናብ ዝመርሖ ሓደጋ ድልውነት ከምዘየቕረቡ ብምግላጽ፡ መግብን ምስ መግቢ ዝተኣሳሰሩ ነገራትን ኣብ ዕዳጋ ይሽየጡ ብዛዕባ ምህላዎም ግን ብዝርዝር ከምዝተረዳድኡሉ ኣረጋጊፁ።
"እዚኦም ኣብ ዕዳጋ ዝርከቡሎም ዘለዉ ምኽንያታት፡ እቲ ሓደ ጥረ ገንዘብ ስለዘይረኽቡ ንመጓዓዝያ ብዝብል ካብታ ዝረኸብዋ ሓገዝ ስለዝሸጡ፡ ካልኣይ ድማ ስርናይን ዘይትን ጥራይ ስለዝወሃቦም ንጨው መግዝኢ ይኾን ንዝተለቅሕዎ መኽፈሊ ከምዝሸጡ፤ ስርናይ ዘይምገብ እውን ናይ ምግቢ ምልውዋጥ ከምዝገበረ ኣረጋጊጽና ኢና" ኢሉ።
ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝተበሃለ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ብደረጃ ክልል ንኽጻረ ኣብ ዝቘመ ኮሚቴ ኣባል ዝኾነ ዶክተር ገብረሂወት፡ "ንሕና ስርቂ ኣይተፈፀመን ኣይበልናን" ብምባል፡ መንግስቲ ትግራይ እውን ነቶም ትካላት ረድኤት ረድኤት 'ተሰሪቑ'፤ 'ኣብ ዕዳጋ ተራእዩ' ትብሉና ስለዘለኹም ኮሚቴ ኣጣይሽና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተሓታትነት ክነረጋግፅ ኢና" ከምዝበሎም ኣረዲኡ።
ነዚ ንምፍፃም ብቕልጡፍ ናብ መስርሕ ምጽራይ ከምዝኣተዉ ዝሕብር እቲ ዶክተር፡ 186 ተጠርጠርቲ ምስቲ ዝተፈጸመ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝተሓሓዝ ከምዝተነፀሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
'ምቍራጽ ረድኤት ናይ ሞት ፍርዲ እዩ'

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Tv
ኣቡን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲግራት ኣባ ተስፋስላሰ መድህን፡ እቲ መጀመርታ ኣብ ትግራይ ጸኒሑ ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተተግበረ ውሳነ፡ ምቁራጽ ረድኤት ግቡእ ከምዘይኰነ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ንሶም፡ ገበነኛ ምእላሽ 'ምበር ረድኤት ጠቕሊልካ ደው ምባል፡ ፍታሕ ዘምጽእ ስጉምቲ ኣይኮነን ኢሎም።
“ዝተጠፋፍአ ረድኤት ምፍታሽ ግቡእ እዩ። ነቶም ገበነኛታት ምእላሽ እውን ልክዕ እዩ። እቲ ቀደሙ'ውን ትሑት ዝነበረ ረድኤት ጥቕሊልካ ጠጠው ምባል ግን፡ ብሰንኪ እቲ ዂናት ተጸበይቲ ዝኾኑ ሚልዮናት ምቕጻዕ እዩ” ኢሎም።
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲ ግራት፡ ነቲ ኣብታ ክልል ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪታ መግለጺ ዘውጸአት ኰይና፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ህዝቢ ንብረቱን መሳርሒኡን ከምዝተዘምተ፡ ኰነ ተባሂሉ ረድኤት ከምዝተኸልከለን ብምዝኽኻር፡ 'ናይዚ ግዳይ ዝዀነ ህዝቢ ደጊምካ ምቕጻዕ’ ልክዕ ከምዘይኰነ የመልክት።
“ገበርቲ ሰናይ፡ ሰብኣውነት ኣብ ግምት ከእትዉን ኣብ ልዕሊ እቶመ ብሰንኪ ኲናት ንሓደጋ ሞት ዝተቓልዑ ተጸበይቲ ዝወሰንዎ ናይ ሞት ፍርዲ ደጊሞም ክርእዩዎን እጽውዕ” ይብል፡ ደብዳበ እታ ቤተ ክርስትያን።
ኣባ ተስፋስላሰ ወሲኾም፡ “እዚ ስለዝተዓዘብና፡ ባዓልትና’ውን ኣብኡ እንነበር ኣካል እቲ ሕብረተሰብ ስለዝዀንና ኢና ነዚ መልእኽቲ ክነሕልፍ ደሊና” ብምባል መንፈስ ናይቲ መግለጺ ኣረዲኦም።
ኣብ ትሕቲ ካልኦት ሓይልታት፡ ብፍላይ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ዝቆጻጸርዎ ግዝኣት ዝነብር ህዘቢ ድማ፡ እቲ ኩነታቱ ኣዝዩ ዝኸፍአ ምዃኑ ተዛሪቦመ።
“ኣብ ትሕቲ ከላልኦት ሓይልታት፡ ኣብ ጸግዓ ጸግዒ ኤርትራ ይኹን ክልል ኣምሓራ፡ ዘሎ ህዝቢ ዝበዝሕ ተመዛቢሉ ካልእ ድማ ዘይተበጻሓይ ኰይኑ ኣብ መከራን ጸበባን እዩ ዝርከብ” ኢሎም።
ብሰንኪ ምቁራጽ ረድኤት፡ “ኣብ ትግራይ ዝመውትን ዝሓምምን ሰብ በዚሑ እዩ ዘሎ” ዝበሉ እቶም ኣቡን፡ ገበርቲ ሰናይን ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ነዚ ተረዲኦም፡ ውሳነኦም ክልውጡ ተማሕጺኖም።
እታ ቤተ ክርስትያን፡ እቲ ህዝቢ ኣ'እምሮኡን ኣተሓሳስባኡን ናብ ንቡር ክምለስን ሰሪሑ ክበልዕን ትምህርቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕውየት ትህብ ከምዘላ ድማ ሓቢሮም።
ልዕሊ ኵሉ ድማ፡ እቲ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሰንሰን ዝበለ ህዝቢ ሰላምን ቅሳነትን ክረክብን ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን ድማ ጻውዒት ገይሮም።
እንታይ ተባሂሉ ነይሩ?
ዋሽንግተን ፖስት ዝረኸቦ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ከም ዝሓበሮ፡ መንግስታት ፈደራልን ክልልን ኣብ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሓገዝ መግቢ ተሳቲፎ ምጽንሖም እዩ።
ሰብመዚ ነቲ ሓገዝ ካብ ኣፍ ተጠቀምቲ መንዚዖም ንወተሃደራትን ተጋደልቲ ነበርን ሂቦሞ፤ ካብዚ ሓሊፉ ናብ ካልኦት ሃገራት ናብ ዝልእካ ፋብሪካታት ሓሩጭ ብግልጺ ከምዝሸጡ ብምርምራ ዩኤስኤኣይዲ ከምዝተረጋገጸ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዩኤስኤኣይዲ ግብራዊ ዝገበሮ ውሳነ ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ "ፖለቲካዊ እዩ" ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ስጕምቲ "ጃምላዊ ውሳነ" ምዃኑ ብምሕባር፡ በዚ መልክዕ ንሚልዮናት ምቕጻዕ "ፖለቲካዊ እምበር ሰብኣዊ ትሕዝቶ የብሉን" ኢሉ ከምዝኣምን ኣመልኪቱ።
ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ረድኤት ከጻሪ ብግዚያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ሚያዝያ ዝቘመ ኮሚቴ ዝመርሕ በዓልስልጣን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕንነትን ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ብወገኑ፡ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ሓይልታት ኤርትራ፡ መንግስቲ ፈዴራል ኢትዮጵያ፡ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ኣብቲ ምጥፍፋእ ከምዝተሳተፉ፡ መጠን ስርቂ ዘርዚሩ ምስፋሩ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







