ትግራይ፡ "ኣይቐትላ ኣየሕውያ ቁንጣሮ ረድኤት ክንጽበ ሳዕሪ ፀሪና"

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮናት ሰባት ሞይቶም፡ ሚልዮናት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎምን ተጸበይቲ ረዲኤትን ኰይኖም ኣለዉ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ኣብታ ክልል ተዛማዲ ሰላምን ንግዳዊ ንጥፈታትን’ኳ እንተተራእየ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ኣባይቶም ዝተመዛበሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ህዝቢ ግን ክሳብ ሕጂ ተጸበይቲ ህጹጽ ሓገዝ እዮም።
እቲ ብትካላት ግብረ ሰናይ ዝወሃብ ዝነበረ እኽሊ ረድኤት ኣብ ዕዳጋ ይሽየጥ ኣሎ ምስተባህለ፡ ዩኤስኤኣይዲን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዝህብዎ ዝነበሩ እኽልን ምግብን፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ስለዘቋረጸ፡ እቶም ቀንዲ ተጸበይቲ ሓገዝ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቘም ይርከቡ።
ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ - ዩኤስኣይድ፡ እቲ ንረድኤት ዝሃቦ ስርናይ ኣብ ገለ ከተማታት ትግራይ ብቕላዕ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሑ ክሽየጥን ክልወጥን ከም ዝረኣየ ምምልካቱ ኣይርሳዕን።
ብተወሳኺ፡ ን134,000 ጽጉማት ንሓደ ወርሒ ዝምግብ እኽሊ ረድኤት፡ ካብ ግቡእ መዓላኡ ተጠምዚዙ፡ ብነጋዶ ጅምላ ኣብ ዝውነኑ ትካላት ክጠሓን’ውን ተራእዩ እዩ።
ብመሰረት’ዚ ዝተፈጸመ ጉሕለት ረድኤት፡ እቲ ኣመሪካዊ ትካልን ውድብ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን፡ ነቲ ዝህብዎ ዝነበሩ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ኣቋሪፆምዎ ኣለው።
መን እዩ ጉሒሉ ክሳብ ዝጻረ ኸኣ፡ እቲ ውጹዕ ህዝቢ፡ ናብራኡ እናሓሰመ ይኸይድ ምህላዉ፡ ካብቲ ክልል ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት፡ ውሕስነት መግቢ ኣብ ዝለዓለ ኣሰካፊ ደረጃኡ በጺሑ ኣብ ዘለወሉ፡ ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ጸገማት ተበጻሕነትን ዝካየድ ዘሎ ዝምታ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ መግብን፡ ንግዳያት መሊሱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ፡ መግለጺ ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ የተሓሳስብ።
ኣደ ሸውዓተ ቈልዑ: ወይዘሮ ምፅላል ተኽላይ፡ ረድኤት ከይተጸበያ ርእሰን ዝኽእላሉ ዝነበራ እዋን ይዝክራ፡ "ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምስ ምሉእ ስድራይ ሰሪሐ ጻዕዳን ጸሊምን ኣማሪፀ ዝሓድር ዝነበርኩ እየ፤ ሃብተ ጥሪተይ ተዘሪፉ፡ ኣነ ካብ ሞት ሃዲመ ኣብ መቐለ ምንባር ካብ ዝጅምር ክልተ ዓመት ኣሕሊፈ፤ ኣይቀትላ ኣየሕውያ ቁንጣሮ ረድኤት ክንጽበ ሳትያ ሳዕሪ ፀሪና" ብምባል ብሰንኪ ምቍራጽ ረድኤት ንዝወረደን ጸገም ይገልጻ።
ሓደራ ኣፅብሃ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ እያ። ደቃ ብሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ብምግላጽ ጉልባባ ቀሊዓ ናብ ልመና ተቓሊዓ ኣላ። በዓል ቤታ ብሰንኪ ሕማም ብሞት ምስተፈለያ ናብራ ዓለም ዘይድፋእ ጐቦ ከም ዝዀና ትገልጽ።
"ትምህርቲ ከምዝተጀመረ እናፈለጥኩ ደቀይ ኣብ ጥራሕ ከብዶም ክሰድድ ኣይደለኹን። ረድኤት ብምቁራጹ ከቢድ ሽግር ተፈጢሩ ኣሎ፤ በይነይ ኣይኰንኩን ከማይ ዝተጸገማ ጐረባብተይ እውን ኣለዋ፡" ትብል።
ካብ ማእከላይ ትግራይ ከባቢ ገርሁ ስርናይ ተፈናቒሉ ኣብ መቐለ ዝርከብ ተኽላይ ውነህ: ኣብ እንዳ ኣሞኡ ተጸጊዑ ካብ ዝነብር ዓመት ኣሕሊፉ። ተኽላይ ወዲ 51 ዓመት እዩ።
እንተዀነ ኣብ እግሩን ዓይኑን መጕዳእቲ ስለዘለዎ ከም ልቡ ተወሳዊሱ ክሰርሕ ኣይክእልን። ብተወሳኺ ሕማም ኣስሚ/ኣዝማ ኣላቶ። ንመድሃኒት ዝኸውን ገንዘብ ግን የብሉን።
"እቶም ገዛ ዘካረዩኒ ስድራ፡ ክራይ ገዛይን ቀለበይን ክኢሎም ኣጽኒሖምኒ" ብምባል የመስግን።
ተኽላይ፡ እኽሊ ረድኤት ግን ቅድሚ ሎሚ ልዕሊ ክልተ ግዜ ረኺቡ ከምዘይፈልጥ ይዛረብ።

ኣቶ ተስፋይ ባህረን ወይዘሮ ለምለም የዕብዮን፡ ክልቲኦም መምህራን ሰብ ሓዳር እዮም። ደሞዝ ካብ ዘይክፈሎም ክልተ ዓመት ሓሊፉ’ሎ። ልዕሊ እቲ ኣብ ቤቶም ዘሎ ጥሜት ብሕዱር ሕማም ዝሳቐ ወዲ 12 ዓመት ወዶም ዝያዳ የሻቕሎም።
"ዝነበረና ንብረት ሸይጥና ቀለብና ክኢልናስ ጥዕና ወድና ንኽነምልስ ብዙሕ ፅዒርና፤ ዝረድአና ዝዀነ ሰብ የለን። እኽሊ ረድኤት ንእሽተይ ይሕግዘና ነይሩ። ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ ግን ኣዋርሕ ኰይኑ። ሕዚ ረብሪብና ኢና" ይብል መምህር ተስፋይ።
ሓቂ እዩ ድሕር ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ህዝቢ ነቲ ዝወረዶ በሰላ ከሕዊ ኣብ ከቢድ ጻዕሪ ከም ዘሎ እዮም ነበርቲ ዝገልጹ።
እንተዀነ፡ እቲ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሕ በዓል ሞያ፡ ሓንሳእ ናይ ሰለስተ ወርሒ መሃያ ጥራይ ድሕሪ ምርካብ፣ ረድኤት ድማ ብምቁራጹ ምሒር ተፀጊሙ ኣሎ።
ጥሮተኛታት፡ "ገንዘብና ሃቡና" ብምባል ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መቐለ ሰልፊ ጥርዓን ኣካይዶም።
እዚ ዅሉ ብሰንኪ ምቍራፅ ረድኤት ዝጋደድ ዘሎ ፀገም እዩ። ኣቶ ገብረሃንስ እጅጉ፡ ኣብ እዋን እቲ ሰልፊ ቀሪቦም ጥርዓኖም ኣስሚዖም እዮም፤ "ወይ ገንዘብና ኣይሃቡና ወይ ረድኤት ኣይመቐሉና ምስ ሓሙሽተ ደቀይ ኣብ ከቢድ ሽግር ንርከብ ኣለና" ኸኣ ይብሉ።
እዚ ዅሉ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ ብወገን ኣካላት መንግስቲ ዛጊት ዝዀነ ፍታሕ ኣይተረኸበን።
ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጥርዓን ሰሚዑ ካብ ምሕላፍ ዝዘለለ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይተራእየን። ንሰራሕተኛታቱ ወርሓዊ ደሞዝ ንምሃብ ዘኽእሎ ዓመታዊ በጀት ካብ መንግስቲ ፈደራል ኣይተሰልዓሉን።
ብሰንኪ’ዚ፡ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝምህሩ መማህራን፡ እናጠመና ከመይ ገይርና ክንምህር ብምባል ስርሖም ክገድፍዎ ምዕዝምዛማት ይስማዕ ከምዘሎ ይንገር።
ብሰንኪ’ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት መግቢ ዝያዳ ኣደታትን ህፃናትን ተሃሰይቲ እዮም።
ካብ ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ጥሪ ኣትሒዙ 13 ህፃናት ብሕፅረት መግቢ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።
ኣብ ትግራይ ኣብዚ ወቕቲ'ዚ ዝወቅዕ ዘሎ ማይ ነቲ ኣብ ፀገም ዝርከብ ህዝቢ ተስፋ ዝህብ’ኳ እንተዀነ፡ ተፈናቐልቲ ገና ናብ መረበቶም ክሳብ ዘይተመልሱ ግን፡ ዝድለ ውጽኢት ስለዘይህብ ዝያዳ ስክፍታ ይፈጥር።
ተጸበይቲ ረድኤት ኣብ ትግራይ
ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተመዛበልቲ ከምዝለውን ንዕለታዊ ናብራኦም ተጸበይቲ ረድኤት ከምዝዀኑን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
ነፍሰጾራት፡ ሕጻናትን ዘጥብዋን ኣደታትን ብሰንኪ ስእነት መኣዛዊ መግቢ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ከም ዘለው ይግለጽ። ትግራይ ገና ካብቲ ኲናት ክልተ ዓመት ዘስዓቦ ጽልዋታት ኣብ ምሕዋይ’ኳ እንተላ፡ 84% ሚእታዊት እቲ ክልል ንቅልውላው ሕጸረት መግቢ ዝተቓልዐ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠረ ኲናትን ናብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ድርቅን ልዕሊ 20 ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ መግቢ የድልዮ።
ኣሜሪካ ካብ 2022 ኣትሒዛ፡ ልዕሊ 1.8 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ብምሃብ ንኢትዮጵያ እታ ዝዓበየት ሰብኣዊ ሓገዝ ትገብር ዘላ ሃገር እያ።
እንተዀነ፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዩኤስኤኣይዲን ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዘለዎ ረድኤት ኣብ ዘይመዓልኡ ስለዝወዓለ ነታ ሃገር ዝልግሶ ዝነበረ ረድኤት ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ከምዘቋረጹ ኣፍሊጦም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







