እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ፓሪስ ዝጠፍአት 750 ሽሕ ዩሮ ዝዋጋኣ ቀለበት ኣብ ማሽን ፅርየት ተረኺባ
ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ዝጠፍአት 750 ሽሕ ዩሮ [ልዕሊ 45 ሚልዮን ብር - ብናይ ባንኪ ሸርፊ] ዝዋጋኣ ቀለበት ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት (‘ቫክዩም ባግ’) ተረኺባ።
ወናኒት ናይታ ኣዝያ ክብርቲ ቀለበት ዝዀነት ማለዥያዊት ነጋዲት ኣብቲ ሆቴል ኣዕሪፋ ዝነበረት ኰይና፡ ንሓደ ሰራሕተኛ “ንሱ እዩ ሰሪቑዋ” ብዝብል ጠርጢራ ብዓርቢ ንፖሊስ ጥርዓን ኣቕሪባ ነይራ።
እንተዀነ ሓለውቲ ጸጥታ ሆቴል ሪትዝ፡ ነታ ቀለበት ብሰንበት ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት ምስ ካልእ ጉሓፍ ተሓዊሳ ከም ዝረኸብዋ ጋዜጣ ለ-ፓሪስየን ኣመልኪታ።
እታ ጋዜጣ ወሲኻ፡ እታ ጋሻ ብዓርቢ ናብ ለንደን ተጓዒዛ ምንባራን ሕጂ ግን ቀለበታ ክትወስድ ናብ ፓሪስ ክትምለስ ምዃናን ሓቢራ።
ሆቴል ሪትዝ፡ ነታ ጋሻ ነቲ ዘጋጠማ ዘይምቹእነት ንምኽሓስ ተወሳኺ ሰለስተ ለይቲ ክትፀንሕ ብነፃ ኣቕሪቡላ ኣሎ።
እቲ ሆቴል ንጋዜጣ ለ ፓሪስየን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሳላ ጽፉፍ ስራሕ ሓለውቲ ጸጥታ፡ እታ ቀለበት ሎሚ ንግሆ ተረኺባ" ክብል ሓቢሩ።
"ኣብ ኣለሻ ንዝተዋደዱን መዓልታዊ ብቕንዕናን ብሞያዊ ብቕዓትን ዝሰርሑን ሰራሕተኛታት ሪትዝ ፓሪስ ከነመስግኖም ንፈቱ" እውን ኢሉ።
እታ ነጋዲት፡ ብዓርቢ ንውሱን ሰዓታት ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝወፈረትሉ እዋን፡ ነታ ቀለበት ኣብ ጠረጴዛ ክፍሊ ሆቴላ ከም ዝገደፈታን ምስ ተመልሰት ድማ ከም ዘይረኸበታን ንፖሊስ ተዛሪባ።
ኣብዚ እዋን ፖሊስ እታ ዋና ከይዳ ክሳብ እትርከቦም ነታ ቀለበት ብጥቡቕ ይከታተልዋ ከምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብቲ ሆቴል ስልማት ከም ዝጠፍአ ክዝረብ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን።
ኣብ 2018 ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉጥ ትካል ካብ ዝርከብ ድኳን ስልማት ልዕሊ 4 ሚልዮን ዩሮ (3.5 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ንብረት ዘሚቶም ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ድማ፡ ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰ ኣባል ንጉሳዊ ስድራቤት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ ሆቲል ካብ ዘዕረፈትሉ ክፍሊ ኣማኢት ኣሽሓት ፓውንድ ዝግመት ስልማት ከምዝተሰርቀት ምሕባራ ይግለጽ።