እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅድሚ 350 ዓመታት ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ዝተረኽበ ዘገርም ሃብቲ
4 ጥሪ 1656 ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ባይታ ናይታ ስጳኛዊት መርከብ 'ኑኤስትራ ሴኖራ ደ ላስ ማራቪላስ' (ብስጳኛ - እምበይቲ ተኣምራታት) ህድኣት ዓሲልዎ፣ ድምጺ ማዕበል ባሕርን ጋንጽላታት እታ ዓባይ መርከብን ጥራይ ይስማዕ ነበረ።
ማራቪላስ፡ ኣብ ኤኳዶር ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ካብ ዝተቐርቀረት ሓንቲ መርከብ ዝተራገፈ ብሩር ኣኪባ ናብ ስጳኛ ገጻ ትኸይድ ነይራ።
ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢት ግን ኵሉ ነገር ተቐየረ።
ኣብ ተመሳሰሊ መስመር ትጓዓዝ ዝነበረት 'ኑኤስትራ ሴኖራ ደ ላ ኮንሰፕሲዮን' ዝተባህለት መርከብ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ጕድለት፡ ምስታ መርከብ ተጋጨወት። ብሰንኪ'ዚ ድማ ማራቪላስ ጠሓለት።
ኣብኣ ካብ ዝነበሩ 650 ሰራሕተኛታት እታ መርከብ፡ እቶም 45 ጥራይ እዮም ብህይወት ዝተረፉ።
ሓድሽ ወፍሪ ምድሓን
ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ክፍለ ዘመናት፡ እታ ካብ ገማግም ባሕሪ ባሃማስ 70 ኪሎ ሜተር ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ዓሚቝ ማያዊ ክፋል ዝጠሓለት መርከብ ማራቪላስ፡ ሓያሎ ወፍርታት ስርቂ ከምዝተፈጸማ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግን፡ ሓደ ዓለምለኻዊ ጕጅለ ተመራመርቲ ዕቃበን ተመራመርቲ ትሕተ ማያዊ ስነ-ጥንትን፡ ገለ ካብቲ ዝተረፈ ዘደንቕ ሃብቲ ንምትራፍ ጻዕሪ ክገብሩ ጸኒሖም'ዮም።
እቲ ዝወጽአ ሃብቲ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ሓድሽ ዝተኸፍተ ቤተ መዘክር ባሕሪ ባሃማስ ንምርኢት ይቐርብ ኣሎ።
"ማራቪላስ ኣካል ታሪኽ ባሕሪ ባሃማስ እያ" ይብል ነጋዳይ፡ ገባሪ ሰናይን መስራቲ ናይቲ ኣብ ምድሓን እቲ ሃብቲ ጻዕሪ ዝገብር ዘሎ ኩባንያ 'ኣለን ኤክስፕሎሬሽን' ካርል ኣለን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
"እቲ ስብርባር መርከብ ከቢድ ታሪኽ ኣለዎ። ኣብ መበል 17ን 18ን ክፍለ ዘመን ካብ ስጳኛ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ሆላንድ፡ ኣሜሪካን ባሃማስ ብዝተገበሩ መገሻታት ብዙሕ ቁርጽራጽ ተረኺቡ እዩ፡" ክብል ወሲኹ ኣዘኻኺሩ።
ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ባሕሪ ጀምስ ሲንክለር'ውን እታ መርከብ፡ "ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተፈተኑ ናይ ምድሓን ወፍርታትን ብሰንኪ ህቦብላታት ተዓቢጣ" ክትከውን ትኽእል'ያ ዝብል ግምታት ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ እንተኾነ እቲ ጕጅለ "ካልኦት ሓቅታት ኣለዉ" ኢሉ ከምዝኣምን ኣረዲኡ።
እቲ ቤተ መዘክር ከምዝሓበሮ፡ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝተኻየደ ወፍሪ ኣለሻ ዝተረኸቡ ኣገደስቲ ነገራት እቲ ሓደ፡ ኣብ ማእከሉ መስቀል ሳንትያጎ (ቅዱስ ያዕቆብ) ዘለዎ ወርቃዊ ሃብል ክሳድ [ተንጠልጣሊ ስልማት] እዩ።
እቲ ዝተረኸበ ካልኣይ ሃብቲ ድማ ቅርጺ እንቃቝሖ ዘለዎ፡ ካብ ዘለዎ ዓቢይ ክቡር እምኒ ዝተቐርጸ ተመሳሳሊ መስቀል ኣለዎ። እቲ ደጋዊ ፍረይም ብ12 ተወሳኺ ክቡር እምኒ ዝተሰለመ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ነቶም 12 ሃዋርያት ይውክል።
እዞም ኣዝዮም ክቡራት ዝዀኑ ሃብትታት ከኣ ኣባላት ናይቲ ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ኣብ ስጳኛን ፖርቱጋልን ዝተመስረተ ዝና ዝነበሮ ሃይማኖታውን ወተሃደራውን ስርዓት ሳንትያጎ ['ኦርደር ኦፍ ሳንትያጎ'] ኣብታ መርከብ ከም ዝነበሩ መርትዖ ክዀኑ ዝኽእሉ እዮም።
ፈረሰኛታታ ናይቲ ስርዓት ብፍላይ ኣብ ንግዲ ባሕሪ ንጡፋት'ዮም ነይሮም።
እቲ ንፈለማ እዋን ናብ ህንዲ ብመርከብ ዝኸደ ኣውሮጳዊ ምዃኑ ዝዝረበሉ ፖርቱጋላዊ ዳህሳሲ ቫስኮ ዳ ጋማ፡ ኣብ መንጎ 1502ን 1503ን ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 21 ጭፍራ መራኽብ እናመርሐ ምስ ሸሞንተ ፈረሰኛታት ናይቲ ስርዓት 'ሳንትያጎ' ከምዝተጓዓዘ ይንገር።
ካልኦት ኣገደስቲ ርኽበታት ድማ ሳናቲም ብሩርን ወርቅን፡ ክቡር እምኒ፡ 1.8 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሰንሰለት ወርቂን 34 ኪሎ ዝምዘን ብሩርን እዮም።
ኣለንን እታ ጋንታን ብዘካየድዎ ኣለሻ፡ ሃብቲ ጥራይ ኣይኰኑን ረኺቦም። ገለ ስብርባር ካብቲ ናይ መወዳእታ ኣሰር ናይታ መርከብ ዘጠቓልል ብርክት ዝበሉ ነገራት ኣውጺኦም'ዮም።
ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ከም ጀሪካን፡ ጻሕልን ጥራሙዝ ወይንን ዝኣመሰሉ ነገራት እውን ከምዝተረኸቡ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣለን ኤክስፕሎሬሽን፡ እቶም ዝተረኸቡ ነገራት ኣብ ባሃማስ ክዕቀቡ ተስፋ ከምዘለዎን፣ እዚ ድልየቱ ድማ ቤተ መዘክር ባሕሪ ባሃማስ'ውን ዝቕበሎ ከምዝኸውን ይገልጽ።