እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅርሲ፡ እስራኤላዊ ጠላቓይ ባሕሪ 900 ዓመታት ዝገበረ ጉራዴ ረኺቡ
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እስራኤል፡ ሓደ ጠላቓይ ውሽጢ ባሕሪ [ዳይቨር]፡ ቅድሚ 900 ዓመታት ኣብ እዋን መስቀላዊ ዘመተ [ክሩስደር] ዘገልግል ዝነበረ'ዩ ኢሉ ዝተኣመነሉ ጉራዴ ረኺቡ።
እቲ ጉራዴ ሓደ ሜትሮ ቁመቱ ስሕለት ዘለዎ ኮይኑ ጠላቓይ ሽሎሚ ካትዚን ምስ ረኸቦ ንሰብ መዚ እታ ሃገር ኣረኪብዎ።
እቲ ጉራዴ ብቅርፍራፍ ባሕራዊ ባእታታትን ብሑጻን ተደብዩ'ዩ ጸኒሑ።
ሰብ መዚ ቅርሲ እስራኤል፡ እቲ ጉራዴ ጸርዩ እኹል ምርምር ምስ ተገበረሉ፡ ንህዝባዊ መርኢት ክቐርብ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ።
ሓላፊ ጉጅለ ምክልኻል ስርቂ፡ ቅርሲ እስራኤል ኒር ዲስተልፈልድ "እቲ ጉራዴ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እዩ ዝርከብ፡ ኣዝዩ ውቁብን ብዙሕ ዘይርከብን እዩ፡ ናይቶም ኣብ እዋን መስቀላዊ ዘመተ ነጋውስ ዝነበሩ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ" ኢሉ።
ኒር ዲስተልፈልድ ብምስዓብ "እቲ ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ ጉራዴ ብባሕራዊ ባእታታት ተሸፊኑ'ዩ ጸኒሑ፡ ርኽበት ናይዚ ጉራዴ ኸኣ ንድሕሪት 900 ዓመታት መሊሱ እቶም ናይ ሽዕኡ ነጋውስ እንታይ ዓይነት ጌራዴ ይዓጥቁ ነይሮም ዝምስክር'ዩ" ኢሉ።
ሓላፊ ባሕራዊ ቅርሲ እስራኤል ኮቢ ሻርቪት ብወገኑ፡ እቲ ጌራዴ ዝተረኸበሉ ካርመል ዝተብሃለ ገማግም፡ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት መራኽብ ዝዕሸጋሉ ቦታ ምንባሩ ገሊጹ።
ኮቢ ሻርቪት "እቲ ቦታ መዐሸጉ መራኽብ ምንባሩ ኣብቲ እዋን ናይ ብዙሓት ኣቃልቦ ይስሕብ ነይሩ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዝነበረ ምንቅስቃስ ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ቅርሳዊ ሓድግታት ከምዘትረፈ ይጠቅስ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዘመን፡ መስቀላዊ ዘመተ ዝተብሃለ ሓያል ናይ ሃይማኖት ኵናት ይካየድ ነይሩ እዩ። ኣብ እዋን ማእከላይ ዘመን ሮማን ካቶሊክ መጺኦም ክሳብ ዝእግድዊዎ ኸኣ እቲ ኵናት ይካየድ ነይሩ።
እቲ ኵናት ኣብ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ካብ እስላማዊ ምሕደራ ነጻ ንምውጻእ ብምባል'ዩ ተጀሚሩ።