እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ጥንታዊ መቓብር ቈልዓ ተረኺቡ
ኣብ'ቲ ቅድሚ 78,000 ዓመት ከምእተፈጸመ ዝእመነሉ ኣብ ኣፍሪቃ ጥንታዊ መቓብር ሓደ ቖልዓ ተረኺቡ።
እቲ ኣብ ሓደ በዓቲ ኬንያ ዝተረኽበ መቓብር ናይ ወዲ ሰለስተ ዓመት ቖልዓ፡ ኣብ ማእከላይ መዋእል እምኒ ዝነበረ ምዃኑ ይግመት።
እቶም ነቲ ዝተሰባበረ ጥንታዊ ቅርሲ ዘጽንዑ ተመራመርቲ፡ ርእሲ እቲ መዋቲ ቖልዓ ብኸመይ ኣብ መተርኣስ ከምዝተነብረ 'ኔቸር' ኣብ እትበሃል መጽሔት ኣስፊሮምዎ ኣለው።
እቶም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ነታ መዋቲ ሕጻን "ምቶቶ" ብቋንቋ ስዋሂሊ ቘልዓ ኢሎም ሰሚዮሞ ኣለው።
ዓለም ለኻዊት ጕጅለ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ነቲ ዝተረኽበ ትርፍራፍ አዕጽምቲ ንምዕቃብ፡ ብጥንቃቐ ኣብ ፕላስተር ኣቐሚጦምዎ።
እቲ ኣተሓሕዛኦም ከኣ ነቶም ተመራመርቲ ኣብ ላባራቶሪ ዓሚቚን ዝርዝራውን መጽናዕቲ ንኽገብሩ ሓጊዙዎም።
ዳይረክተር ሃገራዊ ማእከል ምርምር ስጳኛ ኣብ ፍልቀት ወዲ ሰብ፡ ፕሮፌሰር ማሪያ ማርቲን-ቶረስ፡ እቲ ስራሕ "ልክዕ ጽላሎት ከም ምዅዓት እዩ" ክትብል ገሊጻቶ።
"[ነቲ ሬሳ ከነግዕዞ እንከለና] ኣብ ሕቝፍና ቈልዓ ሒዝና ከም ዝነበርና ኣይፈለጥናን" ክትብል ንፕሮግራም ሳይንስ ቢቢሲ ሓቢራ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ዕድመ እቲ ሬሳ ንምጽናዕ ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ስኒ ምርመራ፡ እቲ ኣስከሬን ናይ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ንእሽቶ ቖልዓ ምዃኑ ፈሊጦም። ኣብቲ ዝገበሩዎ ናይ ላባራቶሪ ንጻሬ እቲ ሬሳ ብኣቃውማ ዕሸል ከም እተገንዘ ፈሊጦም።
እቲ ቖልዓ ርእሱ ኣብ ሓደ መተርኣስ ዓይነት ቅርጺ ዓሪፉ አዕጽምቱ ግን ተጠሚሩ ኣብቲ ሕብረተሰብ ቅድሚ 78 ሽሕ ዓመታት ዝነብርሉ ዝነበሩ በዓትታት ተቐቢሩ ጸኒሑ።
ፕሮፌሰር ማርቲን-ቶረስ፡ "እቲ ቘልዓ ብኣቑጽልቲ ኣግራብ ወይ ብቖርበት እንስሳታት ተገኒዙ ኣብ ኣብ ናይ ዘልኣለም ድቃሱ አዕሪፉ እዩ ጸኒሑ" ኢሉ።
እቲ ጉጅለ፡ ነቲ ተረፍ-ኣካል እቲ ህጻን ብምርካቡ ናይ ደስታን ሓዘንን ዝተፈራረቐ ስምዒት ከምዝተሰምዖ ይገልጽ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ንግዝፍን ቅርጽን እቲ ትርፍራፍ አዕጽምቲ ምስ መርመርዎ፡ እቲ ኣስከሬን ናይ ንእሽቶ ቘልዓ ከም ዝነበረ ደምዲሞም።
ፕሮፌሰር ማርቲን-ቶረስ ፡ "እቲ ቈልዓ ኣብቲ ሰባት ዝነብሩሉ በዓቲ እዩ ተቐቢሩ" ይብል ። "እቲ ከምኡ ዓይነት ተግባር ምናልባት ብሞት እቲ ሕጻን ዓሚቚ ሓዘን ከምዝተሰሞዕን ምሰአም ክነብር ካብ ምድላይን ዝተበገሰ ክኽውን ይኽእል እዩ" ከኣ ይብል።
እቲ ዝተሰባበረ ኣዕጽምቲ ኣኻኺቦም እንትሪእዎ ድማ፡ እቲ ቖልዓ ወዲ ተባዕታይ ከምዝነበረ ዘርኢ ከምዝኾነ እቶም ተመራመርቲ ይዛረቡ።
ኣፍሪቃ ከም መሰረት ዘመናዊነት ደቂ ሰብ ገይርካ እያ እትርአ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ መንጎ እቲ ነበርታ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጥንታዊ ንዋትን ኣነባብራን ንዘሎ መርትዖታት ፡ ከምዚ ሎሚ ዝተረኽበ ኣገዳሲ ክፋል ታሪኽ ፍልቀት ደቂ ሰባት ዘርኢ ናይ ቀብሪ ቅርሲ ጎዲሉዎ ከምዝጸንሐ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ይገልጹ።
እቲ ካልኣይ ጥንታዊ መቓብር ኣብ ኣፍሪቃ፡ 74,000 ሽሕ ዓመት ኣቢሉ ዝገበረ ምዃኑ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤተ-መዘክር ተፈጥሮ ታሪኽ ሎይስ ሁምፍሪ ትዛረብ።
እቲ ዘገርም፡ "ብዛዕባ ናይዚ ንእሽቶ ቈልዓ መቓብር፡ ቅድሚ 50 ዓመት ብዃዕቲ ዝተረኽበ ብምዃኑ ብዛዕብኡ ገና ብዙሕ ዘይፈለጥናዮ ነገር ኣሎ" ኢላ።
"ኣብዚ ርኽበት፡ ብርግጽ ናይ ምሕዛን ስምዒት ኣሎ። ንሱ ከኣ ኣብዚ ዓለም'ዚ ኣብ ከባቢኦም ብዛዕባ ዘሎ ነገር ዝበለጸ ተምሳለትን ውክልናን ዘለዎም ሰባት ከምዘለውን ከምዝነብሩን መርትዖ እዩ" ድማ ትብል።